ዓሞናውያን ንሕያውነት ብጽልኢ ዝፈደዩ ህዝቢ
እዛ ናይ ዮርዳኖስ መንግስቲ ሓሸማይት ርእሲ ከተማ ዝዀነት ዘመናዊት ከተማ ኣማን: ካብ ገጽ ምድሪ ናይ እተጸርገ ህዝቢ ተዘክሮ ዓቂባ ኣላ። ዓሞናውያን ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ ነይሮም። እንታዎት ኢዮም: ካብ ውድቀቶምከ እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
ዓሞናውያን ናይቲ ጻድቕ ሰብኣይ: ሎጥ: ዘርኢ ኢዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 19:35-38) ሎጥ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ስለ ዝነበረ: ዓሞናውያን ንእስራኤላውያን ደቂ ሓወቦታቶም ኢዮም ነይሮም ትብል ትኸውን። ይኹን እምበር: ዘርኢ ሎጥ: ናብ ኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኢዮም ተመሊሶም። ጌና ግን የሆዋ ኣብኣቶም ተገዳስነት ነይርዎ ኢዩ። ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ቀረቡ: ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቖም:- “ናብ መንጽር ደቂ ዓሞን ምስ ቀረብካ: ኣይተዕገርግሮም: ኣይትዋግኣዮም ድማ። ንደቂ ሎጥ ንርስቲ ሂበዮም እየ እሞ: ካብ ምድሪ ደቂ ዓሞን እትርስተዮ ገለ እኳ ኣይህበካን እየ።”—ዘዳግም 2:19
ዓሞናውያን ንኸምዚ ዝበለ ሕያውነት ኣማሰውሉዶ፧ ብኣንጻሩ: የሆዋ ዝዀነ ነገር ከም ዝሃቦም ኣፍልጦ ምሃብ ኣበዩ። ነቲ ኣብኦም እተራእየ ሕያውነት ዘለዎ ተገዳስነት ኣምላኽ: ንህዝቢ ኣምላኽ: ንእስራኤላውያን: ዘየቋርጽ ጽልኢ ብምርኣይ ፈደይዎ። ሽሕ’ኳ እስራኤላውያን ንትእዛዝ ኣምላኽ ኣኽቢሮም ኣንጻሮም ናይ ምጥቃዕ ምንቅስቓስ እንተ ዘይገበሩ: ዓሞናውያንን ኣሕዋቶም ሞኣባውያንን ግን ስግኣት ተሰምዖም። ሓቂ ኢዩ: ዓሞናውያን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣይገበሩን: ይኹን እምበር: በልዓም ዝስሙ ነብዪ ዓሲቦም ንእስራኤላውያን ክረግም ሓቲቶምዎ ኢዮም!—ዘሁልቍ 22:1-6፣ ዘዳግም 23:3-6
ድሕርዚ ሓደ ዘገርም ነገር ተፈጸመ። መጽሓፍ ቅዱስ: በልዓም ካብ ኣፉ መርገም ከውጽእ ከም ዘይከኣለ ጸብጻብ ይህብ። “ዚምርቐካ ምሩቕ: ዚረግመካ ኸኣ ርጉም ይኹን” ብምባል ኣብ ልዕሊኦም በረኸታት ክዛረብ ጥራይ ኢዩ ዝኸኣለ። (ዘሁልቍ 24:9) ንዓሞናውያን ሓዊስካ: እቶም ኣብዚ እትዋት ዝነበሩ: ካብዚ ፍጻመ እዚ ሓያል ትምህርቲ ክማሃሩ ነበሮም:- ንህዝቡ ዝምልከት ምስ ዝኸውን ኣምላኽ ኣብ ክንድኦም ኢዱ ከእቱ ቁሩብ ኢዩ!
እንተዀነ ግን: ዓሞናውያን: ንእስራኤል ዝጻረርሉ መገድታት ምድላይ ቀጺሎም ኢዮም። ኣብ ዘበን መሳፍንቲ: ዓሞን ምስ ሞኣብን ኣማሌቅን ብምትሕብባር ክሳዕ ያሪኮ ብምድፋእ ነታ ምድሪ ተስፋ ወረራ። ይኹን እምበር: ናይ እስራኤል መስፍን: ኤሁድ: ነቶም ወረርቲ ንድሕሪት ስለ ዝመለሶም እቲ ዓወት ሓጺር ዕድመ ኢዩ ነይርዎ። (መሳፍንቲ 3:12-15, 27-30) ክሳዕ ግዜ መስፍን ይፍታሕ: ዘሰክፍ ግዝያዊ ናይ ውግእ ምቍራጽ ቀጺሉ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ወደቑ: የሆዋ ድማ ዕቝባኡ ከልኦም። በዚ ኸምዚ ንገለ 18 ዓመታት ዝኸውን: ኣምላኽ “ኣብ ኢድ ደቂ ዓሞን . . . ሸጦም።” (መሳፍንቲ 10:6-9) እስራኤላውያን ንኣምልኾ ጣኦት ምስ ሓደግዎን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ይፍታሕ ድማ ሓይሎም ምስ ደልደለን: ዓሞናውያን እንደገና መሪር ስዕረት ኣጋጠሞም።—መሳፍንቲ 10:16–11:33
እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ናይ መሳፍንቲ ዘበነ መግዛእቲ: ምስ ምንጋስ ሳኦል: እቲ ናይ መጀመርታ ንጉሳ: ተዛዘመ። ሳኦል ክገዝእ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ዝነበረ ሓጺር ግዜ ናይ ዓሞን ጽልኢ እንደገና ተባርዐ። ንጉስ ናሓሽ ኣብታ ናይ እስራኤል ከተማ ዝዀነት ያቤስ-ጊልዓድ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ገበረ። ናይታ ኸተማ ሰባት ሰላም ምስ ለመኑ: ናሓሽ ዓሞናዊ ከምዚ ዝስዕብ ጽዩፍ ሕቶ ኣቕረበ:- “የማነይቲ ዓይኒ ዅልኹም ብምንቋር: . . . በዚ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝአቱ።” ጸሓፍ ታሪኽ ፍላቭዩስ ጆሰፉስ “ጸጋማይ ኣዒንቶም በቲ ዋላቱ ምስ ተሸፈነ ኣብ ውግእ ብሓፈሻኡ ጥቕሚ ዘይብሎም ክዀኑ ስለ ዝኽእሉ” ከም ናይ መከላኸሊ ስጕምቲ ተባሂሉ ብኸፊሉ ከምዚ ይግበር ከም ዝነበረ ይዛረብ። እንተዀነ ግን: ናይዚ ንመወዳእታ ግዜ እተገብረ ጨካን ውግእ ናይ ሓቂ ዕላማኡ: ነዞም እስራኤላውያን እዚኣቶም ናይ ውርደት ኣብነት ንምግባር ኢዩ ነይሩ።—1 ሳሙኤል 11:1, 2
ዓሞናውያን እንደገና ንሕያውነት የሆዋ ብጽልኢ ፈደይዎ። የሆዋ ነዚ ሕሱም ምጕብዕባዕ እዚ ሸለል ኣይበሎን። “ሳኦል ድማ እዚ [ናይ ናሓሽ] ነገር እዚ ምስ ሰምዔ: መንፈስ ኣምላኽ ወረዶ: ኵራኡ ኸኣ ኣዝዩ ነደደ።” ሳኦል: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ብምዃን: 330,000 ተዋጋእቲ ሰብኡት ሓይሊ ጠርኒፉ ‘ኽልተ እኳ ብሓደ ዀይኖም ከይተረፉ ፋሕ ክሳዕ ዝብሉ’ ንዓሞናውያን ፈጺሙ ሰዓሮም።—1 ሳሙኤል 11:6, 11
እቲ ናይ ዓሞናውያን ስሱዕ ኣተሓሳስባ: ጭካነ: ከምኡውን ህርፋን ኣብ መወዳእታ ናብ ጠቕላላዊ ጥፍኣቶም ኣምርሐ። ከምቲ ናይ የሆዋ ነብዪ ጸፎንያስ ኣቐዲሙ ዝበሎ ‘ንህዝቢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ጸሪፎምዎን ተዐብዮምሉን እዮም እሞ: ከም ጎሞራ: ናይ ዘለኣለም ምድረ በዳ’ ኰኑ።—ጸፎንያስ 2:9, 10
ሎሚ ዘለዉ ናይ ዓለም መራሕቲ ነቲ ንዓሞን ዘጋጠሞ ከስተብህልሉ ኣለዎም። ኣምላኽ ኣብዛ መርገጽ እግሩ ዝዀነት ምድሪ ክነብሩ ብምፍቃድ ንመንግስታት ብመጠኑ ተመሳሳሊ ሕያውነት ኣርእዩ ኢዩ። ይኹን እምበር ንምድሪ ኣብ ክንዲ ዝግደሱላ: ስሱዓት መንግስታት: ነዛ ፕላኔት ኣብ ናይ ኑክሌራዊ ጥፍኣት ስግኣት ብምውዳቕ ከይተረፈ: የዕንዉዋ ኢዮም ዘለዉ። መንግስታት ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ ሕያውነት ኣብ ክንዲ ዘርእዩ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊኦም ሕሱም መስጐጕቲ ብምውራድ: ጽልኢ ኢዮም ኣርእዮምዎም። ስለዚ እምበኣር ካብ ዓሞናውያን ዝርከብ ትምህርቲ: የሆዋ ንሕያውነቱ ብጽልኢ ምፍዳይ ኣንኢሱ ከም ዘይርእዮ ኢዩ። ከምኡውን ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝገበሮ: ኣብቲ ግቡእ ግዜ: ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ።—ምስ መዝሙር 2:6-12 ኣረኣእዮ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ኣማን ዝርከብ ዑናታት ሮሜ: ራባህ ዝነበረትሉ ስፍራ: ርእሲ ከተማ ዓሞናውያን
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ዓሞናውያን ኣብዚ ከባቢ እዚ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.