ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/8 ገጽ 12-17
  • ነቶም ዝደኸሙ ዝኸውን ፍቕራዊ ዕድመ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቶም ዝደኸሙ ዝኸውን ፍቕራዊ ዕድመ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም ‘ዝጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን’
  • ናይ ሓቂ ምኽንያት ናይቲ መከራ
  • ሎሚ ዘሎ ናይ የሱስ ዕድመ
  • ቅሳነትን ዕረፍትን
  • “ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ካብ ውጥረት ዕረፍቲ እትረኽበሉ ግብራዊ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ክንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • እቲ ዘይሰምዕ ወለዶ ወይለኡ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/8 ገጽ 12-17

ነቶም ዝደኸሙ ዝኸውን ፍቕራዊ ዕድመ

“ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።”​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28

1. የሱስ ኣብቲ ሳልሳይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ ኣብ ገሊላ እንታይ ኢዩ ዝረኣየ፧

ኣብቲ ከባቢ መጀመርታ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ.: የሱስ ኣብቲ ሳልሳይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ ኢዩ ነይሩ። ኣብተን ከተማታትን ዓድታትን “ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ: ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ: ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ” ይዘውር ነበረ። እዚ ክገብር ከሎ: ብዙሓት ህዝቢ ረኣየ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።”​—⁠ማቴዎስ 9:​35, 36

2. የሱስ ንሰባት ብኸመይ ኢዩ ዝሓገዘ፧

2 ይኹን እምበር: የሱስ ነቶም ብዙሓት ህዝቢ ካብ ምድንጋጽ ንላዕሊ ኢዩ ገይሩ። ንደቀ መዛሙርቱ ናብቲ “ጐይታ እኽሊ:” የሆዋ ኣምላኽ: ክጽልዩ ድሕሪ ምምሃሩ: ነቶም ህዝቢ ክሕግዙዎም ለኣኾም። (ማቴዎስ 9:38፣ 10:⁠1) ድሕርዚ ነቶም ህዝቢ: ብዛዕባ ናይ ሓቂ ዕረፍትን ምጽንናዕን ዝርከበሉ መገዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ብሕታዊ መረጋገጺ ሃቦም። እዚ ልቢ ዘምውቕ ዕድመ እዚ ድማ ዘርግሓሎም:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”​—⁠ማቴዎስ 11:​28, 29

3. ናይ የሱስ ዕድመ ሎሚውን እንተዀነ ማራኺ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ሎሚ: ንብዙሓት ሰባት ጾር ዝኸበዶምን ብኸቢድ እተጻዕኑን ኰይኑ ኣብ ዝስምዖም እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። (ሮሜ 8:22፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ንገሊኦም: መነባበሪኦም ክረኽቡ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ስለ ዝወስደሎም: ንስድራቤቶም: ኣዕሩኾም: ወይ ንዝዀነ ካልእ ነገር: ዝኸውን ሒደት ግዜን ጕልበትን ኢዩ ዘለዎም። ብዙሓት ከቢድ ሕማም: ስቓይ: መንፈስ ጭንቀት: ከምኡውን ካልእ ኣካላውን ስምዒታውን ግድላት ከቢድዎም ኣሎ። እቲ ጸቕጢ ስለ ዝስምዖም: ገሊኦም ኣብ ባህታ ምድላይ: ኣብ ብልዒ: መስተ: ኣብ ሓሽሽ እውን ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ይጥሕሉ። እዚ ግን ብርግጽ: ዝያዳ ግድላትን ጸቕጥታትን ብምምጻእ: ኣብ ሃሳዪ ዓንኬል ጥራይ ኢዩ ዘውድቖም። (ሮሜ 8:⁠6) ብሓቂ: ናይ የሱስ ፍቕራዊ ዕድመ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ ሎሚ እውን ማራኺ ኢዩ።

4. ካብቲ ናይ የሱስ ፍቕራዊ ዕድመ ምእንቲ ክንጥቀም ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢና ክንርኢ ዘሎና፧

4 እንተዀነ ግን: እቶም ብመዓልትታት የሱስ ዝነበሩ ሰባት: “ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ኰይኖም እተራእዩ እሞ የሱስ ድማ ዝደንገጸሎም ኣብ ትሕቲ እንታይ ተገዚኦም ስለ ዝነበሩ ኢዩ፧ እቲ ክስከምዎ ዝነበሮም ጽዕነትን ጾርን እንታይ ኢዩ ነይሩ: ናይ የሱስ ዕድመኸ ብኸመይ ኢዩ ዝሕግዞም፧ እቲ መልሲ ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም ካብቲ የሱስ ነቶም ዝደኸሙ ዝገበሮ ፍቕራዊ ዕድመ ንኽንጥቀም ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

እቶም ‘ዝጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን’

5. ሃዋርያ ማቴዎስ ብዛዕባ እዛ ኣብ ኣገልግሎት የሱስ ዝነበረት ፍጻመ ጸብጻብ ክህብ ቅኑዕ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ብዛዕባ ፍጻመ ናይዚ ናይ የሱስ ኣገልግሎት ጸብጻብ ዝሃበ ማቴዎስ ጥራይ ምዃኑ ዘገርም ኢዩ። ማቴዎስ: ሌዊ ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ ዝነበረ: ተጋዊ ብምንባሩ: ሓደ ካብቲ እቲ ህዝቢ ተሰኪምዎ ዝነበረ ፍሉይ ጾር ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 9:9፣ ማርቆስ 2:14) እታ ደይሊ ላይፍ ኢን ዘ ታይም ኦቭ ጂሰስ (መዓልታዊ መነባብሮ ኣብ ግዜ የሱስ) እተባህለት መጽሓፍ “እቲ ብገንዘብን ዓይነትን [እቶም ኣይሁድ] ክኽፈልዎ ዝነበሮም ቀረጽ ብዘይ መጠን ከቢድ ኢዩ ነይሩ: ሓቢሩ ዝኸይድ ሲቪላውን ሃይማኖታውን ዓይነት ቀረጽ ብምንባሩ: ክልቲኡ ድማ ሒደት ስለ ዘይነበረ: ካብ ኵሉ ዝኸበደ ኢዩ ነይሩ” ትብል።

6. (ሀ) ኣብ ግዜ የሱስ እቲ ናይ ቀረጽ ኣገባብ ከመይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ተገውቲ ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ስም ዝነበሮም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ሐ) ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ነቶም ክርስትያን ብጾቱ ከዘኻኽሮም ኣድላዪ ኰይኑ እተሰመዖ፧

6 ነዚ ዅሉ ብፍላይ ከቢድ ዝገበሮ እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ናይ ቀረጽ ኣገባብ ኢዩ። ሮማውያን ሰበ ስልጣናት ነቶም ኣብተን ኣውራጃታት ዝነበሩ ዝለዓሉ ተጫረትቲ ቀረጽ ናይ ምእካብ መሰል ስርዓት ኣውጺኦምሎም ነበሩ። ንሳቶም ድማ ብግዲኦም: ኣብቲ ማሕበረሰብ ናይቲ ከባቢ ነቲ ቀረጽ ናይ ምእካብ ስራሕ ዝዕዘቡ ሰባት ቈጸሩ። ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ደረጃታት ዘሎ ኣካል ድማ ኣብቲ ዘለዎ ግደ ክውስኽ: ወይ ክማቐል ግቡእ ምዃኑ ኢዩ ዝስምዖ ነይሩ። ንኣብነት: ሉቃስ “ዘኬዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ: ሃብ​ታምውን እዩ” ኢሉ የዘንቱ። (ሉቃስ 19:⁠2) እቲ “ሓለቓ ተገውቲ” ዘኬዎስን እቶም ኣብ ትሕ⁠ቲኡ ዝነበሩን ሃብቶም ብረሃጽ ናይቲ ህዝቢ ከም ዝሃነጽዎ ግሁድ ኢዩ። እቲ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ዝስዓበ ማህሰይትን ብልሽውናን: ንተገውቲ: ምናልባት ኣብ ዝበዝሕ ጉዳያት ዝግብኦም: እቲ ህዝቢ ምስ ሓጢኣተኛታትን ኣመናዝርን ንኽቘጽሮም ምኽንያት ኰኖ። (ማቴዎስ 9:10፣ 21:​31, 32፣ ማርቆስ 2:15፣ ሉቃስ 7:34) እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ዘይጽወር ጾር ከም እተሰከመ ይስምዖ ብምንባሩ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ክርስትያን ብጾቱ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሮሜ ጻዕጻዕ ክብሎም ዘይኰነስ “ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ: ተጎ ንዚግብኦ ተጎ: . . . ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ” እናበለ ከዘኻኽሮም ኣድላዪ ኰይኑ እንተ ተሰምዖ ኣየገርምን ኢዩ።​—⁠ሮሜ 13:7፣ ምስ ሉቃስ 23:⁠2 ኣነጻጽሮ።

7. እቲ ናይ ሮማውያን መቕጽዒ ሕግታት ብኸመይ ኢዩ ነቲ ናይቲ ህዝቢ ጾር ዝወሰኸሉ፧

7 ጳውሎስ ንክርስትያናት “ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት: ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት” ክህቡ እውን ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። (ሮሜ 13:7) ሮማውያን በቲ ጭከናን ሕሰምን ዝመልኦ ናይ መቕጽዒ ሕግታቶም ፍሉጣት ኢዮም ነይሮም። ነቲ ህዝቢ ስርዓት ንምትሓዝ ብሓለንጊ ምግራፍ: ምቕጥቃጥ: ኣሰቃቒ ማእሰርቲ: ከምኡውን መቕተልቲ ብተደጋጋሚ ይጥቀሙ ነበሩ። (ሉቃስ 23:​32, 33፣ ግብሪ ሃዋርያት 22:​24, 25) ናይ ኣይሁድ መራሕቲ እውን ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም ምስ ዝሓስቡ ከምዚ ዝበለ መቕጻዕቲ ክሰርሕሉ ስልጣን ተዋሂብዎም ነበረ። (ማቴዎስ 10:17፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:40) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ኣብ ትሕቲኡ ንዝነብር ዝዀነ ሰብ ብርግጽ ኣዝዩ ደቛሲ: አረ ጨቋኒ እውን ኢዩ።

8. እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ኢዮም ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ጾር ዝጸዓኑ፧

8 ይኹን እምበር: ካብቲ ናይ ሮማውያን ቀረጻትን ሕግታትን ዝኸፍአ: በቶም ናይቲ ግዜ እቲ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ተራ ህዝቢ እተጻዕነ ጾር ኢዩ ነይሩ። አረ የሱስ “እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን” ኢሉ ክገልጽ ከሎ ብመጀመርያ ዘተሓሳሰቦ እዚ ኢዩ ነይሩ። የሱስ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ እተረግጸ ህዝቢ ተስፋን ምጽንናዕን ኣብ ክንዲ ዝህብዎ ‘ከቢድ ጾር ጠሚሮም: ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ: ባዕላቶም ግና በጻብዕቶም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን’ በለ። (ማቴዎስ 23:4፣ ሉቃስ 11:46) ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ናይቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ​—⁠ብፍላይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን​—⁠ዕቡያት: ጨካናት: ከምኡውን ግቡዛት ጕጅለ ዝብል ልክዕ መግለጺ ንምግንዛቡ ኣየጸግሞን ኢዩ። ነቲ ተራ ህዝቢ ከም ዘይተማህረን ርኹስን ገይሮም ኣትሒቶም ኢዮም ዝርእይዎ: ነቶም ኣብ ማእከሎም ዝነበሩ መጻእተኛታት ከኣ ይንዕቅዎም ኢዮም ነይሮም። ነቲ ኣረኣእያኦም ኣመልኪቱ ሓደ ሓሳብ ከምዚ ይብል:- “ሎሚ ንፈረስ ዝያዳ ዝጸዓኖ ሰብ ብሕጊ ይኽሰስ። ብዛዕባ እቲ: ሃይማኖታዊ ልምምድ ንዘይነበሮም ‘ሓመድ ሓፋሽ’ 613 ትእዛዛት ዝጽዕን፣ እሞ ኸኣ ንምሕጋዞም ኢሉ ሓንቲ ነገር ዘይገብር: ከም ርኹሳት ዝኹንኖም ሰብከ እንታይ ይብሃል፧” ብምባል ይዛረብ። ብርግጽ: እቲ ናይ ሓቂ ጾር ሕጊ ሙሴ ዘይኰነስ: እቲ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ እተጻዕነ ልምድታት ኢዩ ነይሩ።

ናይ ሓቂ ምኽንያት ናይቲ መከራ

9. ኣብ መንጎ እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባትን ብግዜ ንጉስ ሰሎሞን ዝነበሩ ሰባትን ዝነበረ ኵነታት ብኸመይ ይነጻጸር፧

9 ሓድሓደ ግዜ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝነበረ ስጋዊ ጾር ከቢድ ብምንባሩ: ድኽነት ነይሩ ኢዩ። እስራኤላውያን ነቲ ብሕጊ ሙሴ እተሰልዐ ርትዓዊ ቀረጽ ክኸፍሉ ነበሮም። ጸኒሑ ድማ ኣብ ግዜ ግዝኣት ሰሎሞን: ነቲ ከም ምህናጽ ናይታ ቤት መቕደስን ካልእ ህንጻታትን ዝኣመሰለ ኣዝዩ ልዑል ዝዋግኡ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት: ከፊሎም ኢዮም። (1 ነገስት 7:​1-8፣ 9:​17-19) ግናኸ: መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ህዝቢ “ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ። . . . ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ” ይብለና። (1 ነገስት 4:​20, 25) ምኽንያት ናይቲ ፍልልይ ደኣ እንታይ ኢዩ፧

10. ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን: ነቲ ዝነበረ ናይ እስራኤል ኵነታት መምጺእኡ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

10 ሽሕ’ኳ ከቢድ ሃገራዊ ወጻኢታት እንተ ነበረ: እቲ ህዝቢ ኣብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ክሳዕ ዝጸንዐ: ስምረት የሆዋ የስተማቕር ብደሓንን ብልጽግናን ከኣ ይባረኽ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ‘[ንዕኡ] ካብ ምስዓብ ፈጺሞም እንተ ተመለሱ: ነቲ [ናቱ] ትእዛዛት እንተ ዘይሓለዉ’ ከቢድ ውድቀት ከጋጥሞም ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኢዩ። ብሓቂ “እስራኤልውን ኣብ ኵሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን [ኰይኑ] ኢዩ።” (1 ነገስት 9:​6, 7) እቲ ኵነታት ልክዕ ከምኡ ተለወጠ። እስራኤል ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኰኑ: እታ ሓደ ግዜ ግርማዊት ዝነበረት መንግስቲ ኸኣ ግዝኣት ባዕዳውያን ሃጸያት ኰነት። ነቲ መንፈሳዊ ግዴታኦም ሸለል ብምባሎም ከመይ ዝበለ ዘሕዝን ሳዕቤን ኰን ኢዩ ዘጋጠሞም!

11. የሱስ እቶም ህዝቢ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ኰይኖም እተሰምዕዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 እዚ ዅሉ: የሱስ ስለምንታይ እቶም ዝረኣዮም ህዝቢ “ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ኰይኖም ከም እተሰምዕዎ ንምርድኡ ይሕግዘና። እዚኣቶም ብሓፈሻ ምስቲ ሕጊ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ክነብሩ ከምኡውን ኣምልኾኦም ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ከካይዱ ዝፍትኑ ዝነበሩ እስራኤላውያን: ህዝቢ የሆዋ ኢዮም። እንተዀነ ግን: በቲ ፖለቲካውን ንግዳውን ሓይልታት ጥራይ ዘይኰነስ: በቶም ኣብ ማእከሎም ዝነበሩ ከሓድቲ ሃይማኖታውያን መራሕቲ እውን ከይተረፈ ተጨቊኖምን ተረጊጾምን ኢዮም። ዝሓልየሎም ወይ ንነገሮም ዝማጐት ሰብ ስለ ዘይነበረ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ” ኢዮም ነይሮም። ነዚ መሪር ክውንነት ክዋጽእሉ ሓገዝ ኣድልይዎም ኢዩ። ናይ የሱስ ፍቕራውን ሕያውነታውን ዕድመ ክሳዕ ክንደይ እዋናዊ ኰን ኢዩ ነይሩ!

ሎሚ ዘሎ ናይ የሱስ ዕድመ

12. ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽን ካልኦት ቅኑዓት ሰባትን ዝስምዕዎም ዘለዉ ጸቕጥታት ከመይ ዝበሉ ኢዮም፧

12 ሎሚውን እቲ ኵነታት: ብብዙሕ መገድታት ተመሳሳሊ ኢዩ ዘሎ። ቅኑዕ ናብራ ክነብሩ ዝጽዕሩ ንጹሃት ሰባት: ካብቲ ክትጾሮ ከቢድ ዝዀነ ብልሽው ኣገባብ ጸቕጥታትን ጠለባትን የጋጥሞም ኣሎ። ነቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ እውን ዘይትንክፎም ኣይኰነን። ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ: ምስቲ ሓላፍነታቶም ተሰማሚዖም ክነብሩ ዝደልዩ እኳ እንተዀኑ: እዚ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይረኽብዎ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ይሕብር ኢዩ። ጾር ዝኸበዶምን ዝደኸሙን እተሓለሉን ኰይኑ ይስምዖም ኢዩ። አረ ገሊኣቶምሲ ሓሳባቶም ምእንቲ ክቈጻጸሩ ንዅሉ ነገር ኣብ ጎልጎል ደርብዮምዎ ናብ ገለ ቦታ እንተ ዝስወሩ: ዕረፍቲ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ከምዚ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዝርከብ ብቐረባ እትፈልጦ ሰብ ኣሎ⁠ዶ፧ እወ: ናይ የሱስ ልቢ ዘምውቕ ዕድመ ሎሚ ንዓና ዓቢ ትርጕም ኣለዎ።

13. የሱስ ምጽንናዕን ዕረፍትን ምእንቲ ክንረክብ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

13 የሱስ ናቱ ፍቕራዊ ዕድመ ቅድሚ ምዝርግሑ “ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ አሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን: ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን: ዚፈልጦ የልቦን” በለ። (ማቴዎስ 11:27) ብምኽንያት እዚ ኣብ መንጎ የሱስን ኣቦኡን ዘሎ ጥብቂ ርክብ: ነቲ ናይ የሱስ ዕድመ ብምቕባልን ደቀ መዛሙርቱ ብምዃንን ምስቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ የሆዋ ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ ክህልወና ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ኢና። (2 ቈረንቶስ 1:​3፣ ምስ ዮሃንስ 14:⁠6 ኣነጻጽሮ።) ብተወሳኺ: ‘ኵሉ ስለ እተዋህቦ’ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ጾርና ከቕልለልና ሓይልን ስልጣንን ዘለዎ። ኣየናይ ጾር፧ እቲ በቲ ብልሹው ፖለቲካዊ: ንግዳዊ: ሃይማኖታዊ: ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ዝጸዓነና ጾር ኢዩ። እዝስ ካብ መጀመርታኡ ከመይ ዝበለ ዘተባብዕን ዘተኣማምንን ሓሳባት ኰን ኢዩ!

14. የሱስ ካብ ከመይ ዝበለ ድኻም ኢዩ ዕረፍቲ ክህብ ዝኽእል፧

14 የሱስ ቀጺሉ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” በለ። (ማቴዎስ 11:28) ብርግጽ የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዕዮኦም ክጽዕሩ ይመኽሮም ስለ ዝነበረ: ኣንጻር ኣበርቲዕካ ምስራሕ ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ። (ሉቃስ 13:24) ይኹን እምበር “እትጽዕሩ” (ኪንግዶም ኢንተርሊንያር “ምሽቃል”) እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ዝረብሕ ውጽኢት ዘይብሉ ነዊሕን ኣድካምን ስራሕ ኢያ እተመልክት። ከምኡውን “ጾር ዝኸበደኩም” ካብ ዓቐምኻ ንላዕሊ እተጸዓንካ ምዃን ዝብል ሓሳብ ሒዙ ኣሎ። እቲ ፍልልይ ምስ ሓደ ንሕቡእ መዝገብ ክረክብ ኢሉ ዝኹዕትን ሓደ ካልእ ከኣ ኣብ ንመቕጻዕቲ ዝዕየየሉ ደምበ ጕድጓድ ዝኹዕትን ሰብ ክመሳሰል ይኽእል። ተመሳሳሊ ጻዕሪ ዝሓትት ስራሕ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ። እቲ ሓደ ነቲ ዕዮ ብሃንቀውታ ክገብሮ ከሎ: ነቲ ሓደ ግን መወዳእታ ዘይብሉ ምልፋዕ ኢዩ። እቲ ፍልልይ ዕላማ ናይቲ ስራሕ ወይ ዕላማ ዘይምህላው ኢዩ።

15. (ሀ) ኣብ መንኩብና ከቢድ ጾር ከም እተሰከምና ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑና እንታይ ሕቶታት ኢና ንገዛእ ርእስና ክንሓታ ዘሎና፧ (ለ) ብዛዕባ ምንጪ ናይ ጾርና እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝኽእል፧

15 ግዜኻን ጕልበትካን ዝሓቱ ብዙሓት ነገራት ብምህላዎም ‘እትጽዕርን ጾር ዝኸበደካን’ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ እቲ ተሰኪምካዮ ዘሎኻ ጾር ንዓኻ ኣዝዩ ከቢድ ኰይኑዶ ይርኣየካ ኢዩ፧ ከምኡ እንተ ኰይኑ ንገዛእ ርእስኻ ‘ንምንታይ ኢየ ዝጽዕር ዘሎ⁠ኹ፧ እንታይ ዝዓይነቱ ጾርከ ኢየ ተሰኪመ ዘሎ⁠ኹ፧’ ኢልካ ምሕታት ይሕግዘካ ይኸውን። ነዚ ብዝምልከት: ልዕሊ 80 ዓመታት ይገብር ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወሃብ ርእይቶ “እቲ ናይ ህይወት ጾር ኣብ ክልተ ክፍልታት ይኽፈል፣ ባዕልና እነምጽኦ ከምኡውን ግድነት ዘይተርፍ:- እቶም ብተግባራትና ዝመጹ ከምኡውን ባዕላቶም ዝመጹ ኢልና ክንከፍሎም ንኽእል” ይብል። ቀጺሉ “ብዙሓት ካባና ጽኑዕ ርእሰ-ምርመራ ድሕሪ ምግባርና ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ኵሉ ጾርና ባዕልና ዘምጻእናዮ ምዃኑ ብምርዳእና ንግረም ኢና” ብምባል ይውስኽ።

16. እንታይ ጾር ኢና ኣብ ገዛእ ርእስና ብዕሽነት ከነምጽእ እንኽእል፧

16 ገለ ካብቶም ኣብ ገዛእ ርእስና ከነምጽኦም እንኽእል ጾር ኣየኖት ኢዮም፧ ሎሚ ኣብ ሓንቲ ኣፍቃሪት-ንዋይ ዝዀነት: ደስታ እተፍቅር: ከምኡውን ርኽስቲ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1-5) ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያን እውን ከይተረፉ ምስቲ ናይ ዓለም ቅድታትን ኣነባብራን ክሰማምዑ ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ጸቕጢ ኢዮም ዘለዉ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” ጽሒፉ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:16) እዚኣቶም ብቐሊሉ ክትንክፉና ዝኽእሉ ብርቱዓት ጽልዋታት ኢዮም። ገሊኣቶም ነቲ ዓለማዊ ደስታታት ከስተማቕሩ ወይ ገሊኡ ዓይነት ኣነባብራ ምእንቲ ክሕዙ ኣብ ዕዳ ክጥሕሉ ፍቓደኛታት ኰይኖም ኢዮም። ድሕርዚ ገንዘብ ረኺቦም ዕዳኦም ምእንቲ ክኸፍሉ ኣብ ስራሖም ካብቲ ልሙድ ግዜ ንላዕሊ ወይ ኣብ ብዙሕ ስራሓት ግድን ክዓዩ ከም ዘለዎም ተመኲሮምዎ ኢዮም።

17. ነቲ ጾር ንምስካሙ ጸገም ክገብሮ ዝኽእል ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ክዕረ ዝኽእል፧

17 ሓደ ሰብ ካልኦት ዘለዎም ነገራት ክህልወካ ወይ ዝገብርዎ ነገራት ክትገብር ጌጋ ኣይኰነን ኢሉ ከመኽኒ እኳ እንተ ኸኣለ: ነቲ ጾሩ ብዘየድሊ ይውስኸሉ ከይህሉ ክምርምር ኣድላዪ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:23) ሓደ ሰብ ክስከሞ ዝኽእል ውሱን ስለ ዝዀነ: ካልእ ጾር ክውስኽ እንተድኣ ዀይኑ: ግድን ሓደ ካልእ ጾር ከልግስ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ: እቲ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ዘድሊ​—⁠ብሕታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣኼባታት ምክፋል: ከምኡውን ግራት ኣገልግሎት​—⁠ኢዩ ብመጀመርያ ዘልግስ። እቲ ሳዕቤን ከኣ መንፈሳዊ ሓይሊ ምስኣን ኢዩ: እዚ ድማ ብግዲኡ ነቲ ጾር ክንስከሞ ኣሸጋሪ ይገብሮ። የሱስ ክርስቶስ “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ክብል ከሎ ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ኣጠንቂቑ ኢዩ። (ሉቃስ 21:​34, 35፣ እብራውያን 12:⁠1) ሓደ ሰብ ጾር እንተድኣ ከቢድዎን ደኺሙን: ነቲ መፈንጠራታት ኣለልዩ ካብኡ ክሃድም ኣሸጋሪ ኢዩ።

ቅሳነትን ዕረፍትን

18. የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሰባት እንታይ ኢዩ ዝሃቦም፧

18 ስለዚ እምበኣር: የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ “ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ብምባል መፍትሒ ሃበ። (ማቴዎስ 11:28) እታ ኣብዚ ጥቕሲ ዘላ “ኸዕርፈኩም” ከምኡውን ኣብ ቍጽሪ 29 ዘላ “ዕረፍቲ” ዝብላ ቃላት: እቲ ትርጕም ሰብዓ ሰገድ ነታ “ሰንበት” ወይ “ሰንበት ምሕላው” እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል ክትርጕም ከሎ እተጠቕመላ ቃል ዝሰማምዓ: ካብ ናይ ግሪኽ ቃላት ዝመጻ ኢየን። (ዘጸኣት 16:23) ስለዚ: የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሰባት ነቲ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብምስምማዕ ክገብርዎ ዘለዎም ዕዮ ብቑዓት ምእንቲ ክዀኑ ከዕርፎም እምበር ጠሪሶም ስራሕ ዘይብሎም ክዀኑ ኣይኰነን እተመባጽዐ።

19. ሓደ ሰብ ብኸመይ ኢዩ ‘ናብ የሱስ ዝመጽእ’፧

19 እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ‘ናብ የሱስ ዝመጽእ’ ብኸመይ ኢዩ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ” በሎም። (ማቴዎስ 16:24) ስለዚ እምበኣር: ንየሱስ ምስዓብ ነቲ ናይ ኣምላኽን ክርስቶስን ፍቓድ ምግዛእ: እተወሰነ ናይ ሓላፍነት ጾር ምቕባል: ነዚ ኸኣ ብቐጻሊ ምግባሩ ዘመልክት ኢዩ። እዚ ዅሉ ብዙሕ ዝሓትት ድዩ፧ እቲ ዋጋኸ ብዙሕ ድዩ፧ የሱስ ነቶም ዝደኸሙ እቲ ፍቕራዊ ዕድመ ምስ ሃበ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ።

ክትዝክሮዶ ምኸኣልካ፧

◻ እቶም ኣብ መዓልትታት የሱስ ዝነበሩ ሰባት በየናይ መገድታት ኢዮም ጾር ከቢድዎም ዝነበረ፧

◻ ንመከራ ናይቲ ህዝቢ ናይ ሓቂ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

◻ ከቢድ ጾር ከም እተሰከምና ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑና ብኸመይ ኢና ርእስና ክንምርምር ዘሎና፧

◻ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእስና ብዕሽነት ከመይ ዝበለ ጾር ኢና ከነምጽእ እንኽእል፧

◻ እቲ የሱስ እተመባጽዖ ዕረፍቲ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ገለ ካብቶም ኣብ ገዛእ ርእስና ከነምጽኦም እንኽእል ጾር ከመይ ዝበሉ ኢዮም፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy Of Bahamas Ministry Of Tourism

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ