ብዛዕባ የሱስ ዘሎ ምጥርጣራት እተረጋገጸ ድዩ፧
የሱስ ናዝሬታዊ ብሓቂ ተኣምራት ገይሩ ድዩ፧ ከምቲ ደቀ መዛሙርቱ ዝኣወጅዎኸ: ካብ ምዉታት ተንሲኡ ድዩ፧ ንምዃኑኸ ይነብር ነይሩ ድዩ፧ ኣብዚ ዘመናዊ መዋእልና: ብዙሓት ሰባት ንኸምዚ ዝበለ ሕቶታት ብእተረጋገጸ መገዲ ክምልስዎ ዘይክእሉ ኢዮም ዝመስሉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ምጥርጣራት ስለ ዘለዎም ኢዩ: ምጥርጣራት ከኣ ሓደ ነገር ሓቂ ወይ ዝከኣል ምዃኑን ዘይምዃኑን ዘይምፍላጥ: ናይ ዘይርግጽነት ስምዒታት ኢዮም። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ የሱስ ዘለዉ ናይ ዘይርግጽነት ስምዒታት ሓቅነቶም ተረጋጊጹ ድዩ፧ እስከ ንርአ።
ብዛዕባ የሱስ ዘሎ ምጥርጣራት ብኸመይ ከም እተዘርአ
ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ 19 ከምኡውን መጀመርያ ናይ 20 ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ገለ ጀርመናውያን ስነ-ሃይማኖተኛታት ንየሱስ ከም “ናይ ጥንታዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ልቢ ወለድ ሰብ” ገይሮም ኣቕረብዎ። ንታሪኻዊ ሓቅነት የሱስ ዘርኣይዎ ተቓውሞ: ናብቲ ገና ክሳብ ሕጂ ጽልዋ ዘለዎ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዘበን እዚ ድማ ናብ ህዝቢ ዝበጽሐ: ኣብ ሞንጎ እቶም ምሁራት ክርክር ፈጠረ። ንኣብነት: ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ጀርመን እተገብረ መጽናዕቲ: ካብቶም ቃለ–መጠይቕ እተገብረሎም ሰባት 3 ካብ ሚእቲ የሱስ “ፈጺሙ ከም ዘይነበረ” ከምኡውን “እቶም ሃዋርያት ዝመሃዝዎ ኢዩ” ኢሎም ከም ዝኣምኑ ገለጸ። እወ: እቲ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዘበን እዚ እተዘርአ ምጥርጣር ብዛዕባ የሱስ: ሎሚውን ከይተረፈ ኣብ ኣልባብ ሰባት ጽቡቕ ቦታ ኢዩ ረኺቡ ዘሎ።
እቲ የሱስ “ምህዞ” ኢዩ ነይሩ ዝብል መደምደምታ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ቮልፍጋ ትሪሊግ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ይህብ:- “እቲ ብዛዕባ የሱስ ምንባሩን ዘይምንባሩን: ብኻልእ ኣበሃህላ: የሱስ ታሪኻዊ ሰብ ወይ ጽውጽዋይ ምንባሩ ዘምልከት ክርክር ተፈቲሑ ኢዩ። እቲ ሕቶ: ብናይ ምሁራት ኣገባብ ተፈቲሑ ኢዩ: እንተ ወሓደ: መስተውዓልቲ ሰባት ነቲ ግድል ከም ትምህርታዊ ሕቶ ገይሮም ኣይርእይዎን ኢዮም።” ይኹን እምበር: ገና ገሊኦም ብዛዕባ የሱስ ምንባሩ ይጠራጠሩ ኢዮም። በዚ ድማ: ሓደ ሰብ ታሪኻዊ ሓቅነት የሱስ ከመይ ገይሩ ከረጋግጽ ከም ዝኽእል ከምኡውን ብዛዕባ የሱስ ዘሎ ካልእ ምጥርጣራት ብኸመይ ከም ዘልግስ እስከ ንመርምር።
ምጥርጣራት ዘወግዱ መረጋገጺታት
ትሪሊግ: እቲ ንየሱስ ከም ሓደ ጽዩፍ ገበነኛ ዝወረዶ ዘሕፍር ሞት “ነቶም ተጻረርቲ ታሪኻዊ ሓቅነት የሱስ ዘእምን ሓሳባት ኢዩ” ዘቕርብ ኢሉ ይገልጽ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ሞት “ነቲ ሓድሽ እምነት ኣብቶም ኣይሁዳውያንን ኣይሁዳውያን ዘይኰኑን ንኸይዝርጋሕ ኣሰናኺልዎ: አረ ዓጊትዎ እውን ኢዩ።” (ምስ 1 ቈረንቶስ 1:23 ኣነጻጽሮ።) ሞት የሱስ እቲ መሲሕ ነቶም ኣይሁድን ኣህዛብን ንክልቲኦም ከቢድ ጸርፊ እንተድኣ ነይሩ: ሃዋርያት ዝመሃዝዎ ክትብሎ ዘይመስል ኢዩ! ብተወሳኺ ድማ: ሞት የሱስ ታሪኻዊ ፍጻመ ምዃኑ በተን ኣርባዕተ ወንጌላት ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ሮማዊ ጸሓፊ ታሲቱስን ናይ ኣይሁድ ታልሙድን ተረጋጊጹ ኢዩ።a
ካልእ ኣብ ግዜ ህይወት የሱስ ዝነበሩ ፍጻሜታት: እተን ወንጌላት ሓቅነት ዘለወን ምዃነን ዘርኢ ውሽጣዊ መረጋገጺ ኢዩ: ስለዚ ድማ ናይቲ ብዛዕባኡ ዝነግራና ጸብጻብ እውን መረጋገጺ ኢዩ። ንኣብነት: እቶም ሰዓብቲ የሱስ ካብ ናዝሬት ካብታ ኣብ ግምት ዘይትኣቱ ቦታ መጺኡ ኢሎም ምመሃዙዶ፧ ወይ ድማ: ብይሁዳ በቲ እሙን ዝነበረ ብጻይ ተኻሒዱ ኢሎም ክምህዙኸ ሓቂዶ ይመስል፧ ብናይ ፈራሃት ኣገባብ በቶም ዝተረፉ ሃዋርያቱ ተጠሊሙ ኢሎም ብዛዕባ የሱስ ዛንታ ምሂዞም ኢልካ ምሕሳብ ሓቅነት ዘለዎዶ ይመስል፧ ብርግጽ: እቶም ሃዋርያት ከምዚ ዝኣመሰለ ብመሰረቱ ኣዝዩ ጐዳኢ ዝዀነ ጸብጻባት ፈጢሮም እንደገና ድማ ኣብ ኵሉ ኣዊጆምዎ ምባል ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ኢዩ! ብተወሳኺ ኸኣ: እቲ የሱስ እተጠቕመሉ ኣመሃህራ ብፍሉይ ኣገባብ ዝልለ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ መጀመርያ ክፈለ ዘበን ናይ ኣይሁዳውያን ስነ-ጽሑፍ: ነቲ ናይ የሱስ ዝዳረግ ኣብነታት ኣይነበሮን። እንታዋይ ስሙ ዘይተፈልጠ ሰብ ኢዩ: ከምቲ ናይ ከረን ስብከት ዝኣመሰለ ዓቢ ስራሕ “ክምህዝ” ዝኽእል፧ እዞም ኵሎም ሓሳባት እዚኣቶም: ነቲ ጸብጻብ ህይወት የሱስ ዝሓዘ ወንጌላት ክእመን ዝኽእል ምዃኑ ዘረጋግጹ ኢዮም።
ንታሪኻዊ ሓቅነት የሱስ ዘርኢ ደጋዊ መረጋገጺ እውን ኣሎ። እተን ኣርባዕተ ወንጌላት ንየሱስ ምስ ሓደ ፍሉይ እዋን: ብትኽክል እተመዝገበ: ታሪኻዊ ሓቅነት ዘለዎ ብምዝማድ ኢየን ዝገልጽኦ። ከም ቤተልሄምን ገሊላን ዝኣመሰላ ቦታታት፣ ከም ጶንጥዮስ ጲላጦስን ፈሪሳውያንን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ውልቀ-ሰባትን ጕጅለታትን፣ ከምኡውን ናይ ኣይሁዳውያን ልምድን ካልእ ፍልዩነታትን ዝኣመሰሉ ብቐሊሉ ክቐርቡ ዝኽእሉ ናይ ሓሶት ጸብጻባት ኣይኰኑን። ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበረ መዋቕር ናብራ ገለ ክፋሉ ዘቘሙ ኢዮም: ከምኡውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ብዝዀኑ ምንጭታትን ብናይ ስነ-ጥንቲ ርኽበታትን ተረጋጊጾም ኢዮም።
ስለዚ ብኽልቲኡ: ውሽጣውን ደጋውን መርትዖታት: የሱስ ታሪኻዊ ሰብ ምዃኑ ዘእምን መረጋገጺታት ኣሎ።
ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ንየሱስ ዝምልከት ተኣምራት ጥርጠራ ኣለዎም። ብርግጽ: ብመሰረት እቲ ኣብ ላዕሊ ተዋሂቡ ዘሎ ገምጋም: ኣብ ጀርመን ካብቶም ንቤተ ክርስትያን ዝኸዱ ሒደት ጥራይ ኢዮም የሱስ ዝገበሮ ተኣምራትን ትንሳኤኡን “ብሓቂ ከም እተፈጸመ” ዝኣምኑ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራትን ትንሳኤኡን ዘለዉ ምጥርጣራት እተረጋገጹ ድዮም፧
ስለምንታይ ገሊኦም ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ከም ዝጠራጠሩ
ማቴዎስ 9:18-36 የሱስ ብትእምርቲ ሕሙማት ከም ዘሕወየ: ምዉታት ከም ዘተንስአ: ከምኡውን ኣጋንንቲ ከም ዘውጽአ ጸብጻብ ትህብ። ጸሓፍ ታሪኽ ፕሮፌሰር ሁጎ ስትዋዲንገር “እዚ ፍሉይ ዝዀነ ጸብጻባት ውጽኢት ናይ ንጹር ግምት ኢዩ ክትብሎ ፈጺሙ ዘይእመንን ብታሪኽ ክረኣ ከሎ ድማ ዘይከውንን ኢዩ” ኢሉ ሓሳብ ሃበ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እተን ቀዳሞት ወንጌላት ገና እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ናይቲ ተኣምራት ብህይወት ከለዉ ኢየን ተጻሒፈን! ተወሳኺ መረጋገጺውን ከምቲ ስትዋዲንጌር ቅጽል ኣቢሉ እቶም ኣይሁዳውያን ተቓወምቲ “የሱስ ፍሉይ ዕዮታት ከም ዝገበረ ኣይከሓድዎን” ዝበሎ ኢዩ። ንዅሉ ካልእ መረጋገጺ ገዲፍና: ኣብዚ ደጋዊ መረጋገጺ ብምምርኳስ: የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ብርግጽ ክንኣምኖ ዝግብኣና ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16
ሽሕ’ኳ “መብዛሕትኦም ጀርመናውያን የሱስ ሕሙማት ከም ዝፈወሰ እንተ ኣመኑ:” ብዙሓት ግን ብዛዕባ እቲ ብድሕሪ’ቲ ምሕዋይ ዘሎ ሓይሊ ምጥርጣራት ኣለዎም። ንኣብነት: ሓደ ፍሉጥ ጀርመናዊ ስነ-ሃይማኖተኛ: እቲ ብየሱስ እተገብረ ምሕዋይ ውጽኢት ናይቲ ነቶም ብኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዝሳቐዩ ሰባት ብናይ ምዕዛም ሓይሊ ዝግበር ኢዩ ነይሩ ኢሉ ብዕሊ ገለጸ። እዝስ ዝእመን መግለጺ ድዩ፧
ሕስብ እሞ ኣብሎ። ማርቆስ 3:3-5 የሱስ ናይ ሓደ ሰብኣይ ዝነቐጸት ኢድ ከም ዘሕወየ ጸብጻብ ይህብ። እንተዀነ ግን: ዝነቐጸ ኢድ ውጽኢት ናይ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ድዩ፧ ብርግጽ ኣይኰነን። ስለዚ ድማ እዚ ምፍዋስ እዚ ብሓይሊ ምዕዛም ኢዩ ተገይሩ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። እምበኣር: ንየሱስ ተኣምራት ከም ዝፍጽም ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧ ፕሮፌሰር ሰትዋዲንገር “ጨሪሶም ብቑዓት ዝዀኑ ሕግታት ዘየለዉ እንተድኣ ኰይኖም: ከምኡውን ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዘይክሕዶ እንተድኣ ኰይኑ: ብመሰረቱ ነቲ ኣምላኽ: ሓይሉ ካብ ናይ ሰብ ሓይሊ ዝልዕል: ልሙዳት ዘይኰኑ ነገራት ናይ ምግባር ዘለዎ ተኽእሎ ክኽሕዶ ዝኽእል የለን” ኢሉ ይእመን። እወ: ብርግጽ: የሱስ ብሓገዝ “ሓይሊ ኣምላኽ” ቃል ብቓሉ ዝሓመሙ ሰባት ኣሕውዩ ኢዩ። ስለዚ: ንሓቅነት ናይቲ ዝገበሮ ትኣምራት ዘጠራጥር ዋላ ሓደ ምኽንያት የለን።—ሉቃስ 9:43፣ ማቴዎስ 12:28 ትሓዓ
ከምቲ ዘ ኣመሪካን ፒፕልስ ኤንሳይክሎፔድያ ገሊጽዎ ዘሎ: እቲ ካብ ኵሎም ተኣምራት ዝዓበየ—ትንሳኤ የሱስ—ተፈጺሙ እንተድኣ ኰይኑ: ካልኦት ኵሎም ኣብ ወንጌላት ተገሊጾም ዘለዉ ተኣምራት እውን “ክፍጸሙ ይኽእሉ ኢዮም ኣብ ዝብል ሓሰባት ኢዮም ዝኣትዉ።” ብሓቂ የሱስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ድዩ፧
ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ዘሎ ምጥርጣራት እተረጋገጸ ድዩ፧
መጀመርያ: ሓደ ጽኑዕ ምስቲ ኵነታት ዝኸይድ ንሓቅነት ትንሳኤ የሱስ ዝድግፍ—ጥርሑ ዝነበረ መቓብሩ—እስከ ርአ። መቓብር የሱስ ጥራሑ ምጽንሑ በቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ: በቶም ተቓወምቱ እውን ከይተረፈ: ዘይከሓድ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:11-15) ምትላል እንተ ዝኸውን ቀልጢፉ ምተቓልዐ! እዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት መወከሲት መጽሓፍ ብልክዕ ከምዚ ኢላ ትድምድም:- “ብዘይካ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ተንሲኡ እዩ እሞ: ኣብዚ የሎን’ (ማቴዎስ 28:6) ዝብል ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ጥርሑ መቓብር ቅኑዕ መግለጺ ዝሃበ ዋላ ሓደ የለን።”
ገሊኦም: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ጥራይ ኢዮም ንሱ እቲ ዝተንስአ መሲሕ ምዃኑ ዝኣወጁ ኢሎም ይቃወሙ። እወ: ንሳቶም ኢዮም ኣዊጆም። እንተዀነ ግን: እቲ ሓቅነት ናይ መልእኽቶም: ብፍላይ ሞትን ትንሳኤን የሱስ: ብታሪኻዊ ጭብጥታት እተደገፈዶ ኸይኰነ፧ ብርግጽ እተደገፈ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ: እምበኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ: [እምነትናውን ትሓዓ ] ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ: . . . ንሕና ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ምትእስሳር እዚ ተገንዚብዎ ነይሩ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:14, 15፣ ምስ ዮሃንስ 19:35፣ 21:24፣ እብራውያን 2:3 ኣነጻጽሮ።
ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን: እንታይነቶም ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነበረ: የሱስ ድሕሪ ሞቱ ከም እተራእየ ክምስክሩ ዝኽእሉ ብዙሓት ሰባት ነይሮም ኢዮም። ኣብ መንጎኦም እቶም 12 ሃዋርያትን ጳውሎስን: ብተወሳኺውን ካልኦት ልዕሊ 500 ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ነይሮም ኢዮም።b (1 ቈረንቶስ 15:6) ከምኡውን ማትያስ ነቲ ዘይእሙን ሃዋርያ ይሁዳ ንኽትክኦ ስለምንታይ ነቲ ብቕዓታት ከም ዝመልኦ እውን ኣይትረስዓዮ። ግብሪ ሃዋርያት 1:21-23 ማትያስ ትንሳኤ የሱስን ከምኡውን ምስ የሱስ እተተሓሓዘ ካልእ ናይ መጀመርያ ፍጻሜታትን ክምስክር ይኽእል ከም ዝነበረ ጸብጻብ ትህብ። ህይወት የሱስን ትንሳኤኡን ኣብ ክንዲ ሓቂ: ልቢ ወለድ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ከምዚ ዝበለ ንምሻም ዘድሊ ብቕዓት ፈጺሙ ከንቱ ምዀነ ነይሩ።
ብዙሓት ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንህይወት: ትኣምራት: ሞት: ከምኡውን ትንሳኤ የሱስ ከረጋግጹ ስለ ዝኸኣሉ: እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዕንቅፋታት እናሃለወ ከሎ: ክርስትና ኣብ ምሉእ ግዝኣት ሮማ ብተዛማዲ ቀልጢፉ ኣስፋሕፍሐ። ሰዓብቱ ብዛዕባ ትንሳኤን ካብኡ ዝወጸ መሰረታዊ ሓቅን ኣብ ኵሉ ምእንቲ ክእውጁ መከራ: ስደት: ሞት እውን ከይተረፈ ክጽመሙ ፍቓደኛታት ኢዮም ነይሮም። ኣየናይ ሓቂ፧ እቲ ትንሳኤ የሱስ ብሓይሊ ኣምላኽ ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ሓቂ። የሆዋኸ ስለምንታይ ኢዩ ንየሱስ ካብ ሞት ዘተንስኦ፧ መልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ: እቲ ታሪኻዊ የሱስ መን ከም ዝነበረ ኢዩ ዘርኢ።
ኣብ መዓልቲ ጴንጠቈስጠ ኣብ የሩሳሌም: ጴጥሮስ ነቶም ተገሪሞም ዝነበሩ ኣይሁድ ብግልጺ ከምዚ ኢሉ ኣወጀሎም:- “ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ: በዚ ንሕና ዅላትና ም[ስ]ክር ኢና። ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ: ተስፋ መንፈስ [ቅ]ዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ: ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ። ዳዊት ባዕሉ ደኣ: [የሆዋ ትሓዓ ] ንጐይታይ፤ ንጸላእትኻ መርግጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ: በሎ: ይብል እምበር: ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን። እምበኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ: ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ: ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:32-36) እወ: የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ ናዝሬታዊ “ጐይታን ክርስቶስን” ገይርዎ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ክፍሊ ናይ ዕላማ ኣምላኽ እዚ ዘለዎ ግደ ዝለዓል ምጥርጣራት እተረጋገጸ ድዩ፧
ብዛዕባ እቲ ሕጂ ክርስቶስ ዘለዎ ግደ ምጥርጣር ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
ብዛዕባ መንነትን ግደን የሱስ ዘሎ ዅሉ ምጥርጣራት ብኸመይ ኢዩ ከልግስ ዝኽእል፧ በቲ ብንጹር ናይ ሓቂ ነብዪ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ጭብጢ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ውግእ: ጥሜት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ዓመጽ: ከምኡውን ምጥፋእ ፍቕሪ ተነብዩ ኢዩ። ብተወሳኺውን “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:3-14) እዚ ፍጻመ ናይዚ ትንቢታት እዚ: የሱስ እቲ ብዘይርአ ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ’ ዝገዝእ ዘሎ ዝተንስአ ክርስቶስ ምዃኑ: ከምኡውን ቀልጢፉ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ኣገባብ ክመርሕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ።—መዝሙር 110:1, 2፣ ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 21:1-5
ሎሚ: ቅድሚ ሕጂ ኰይኑዎ ብዘይፈልጥ: ደቅሰብ ሓደ ልዕለ-ሰብኣዊ ጥበብ እተዓጥቀ መድሓኒ ብቑልጡፍ የድልዮም ኣሎ። የሱስ እቲ ንደቅሰብ ከድሕን ብልክዕ እተመርጸ ምዃኑ ስለምንታይ ኢና እንጠራጠር፧ እቲ ነቲ ማራኺ ዝዀነ ትኣምራትን ትንሳኤን የሱስ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝነበረ ዮሃንስ: ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “እቲ ኣቦ ንወዱ መድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለአኾ: ንሕና ርኢና ንምስክርውን አሎና።” (1 ዮሃንስ 4:14፣ ምስ ዮሃንስ 4:42 ኣነጻጽሮ።) ከምቲ ብዛዕባ ህላዌ: ትኣምራት: ሞት: ከምኡውን ትንሳኤ የሱስ ንኽንጠራጠር ምኽንያታዊ መበገሲ ዘይብልና: ብየሆዋ ኣምላኽ ከም ሕጋዊ ንጉስ ኰይኑ ኣብ የማኑ ከም እተቐመጠ ድማ እንጠራጠረሉ ምኽንያት የብልናን። ብዘይጥርጥር: የሱስ ናዝሬታዊ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽን “መድሓን ዓለም”ን ኢዩ።—ማቴዎስ 6:10
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብ ታልሙድ ዘለዉ ንየሱስ ዝምልከት ክርክር ዘልዕሉ ነገራት ብገለ ምሁራት ጥራይ ኢዮም ከም ሓቂ ተቐባልነት ዘለዎም። ብኻልእ ሸነኽ ድማ: ብታሲቱስ: ሲዩቶንያስ: ፕሌኒ እቲ ንእሽቶ: ከምኡውን እንተ ወሓደ ሓንቲ ብፍላቪዩስ ጀሰፉስ: እተዋህቡ ንየሱስ ዘመልክቱ ሓበሬታታት ብጠቕላላ ንታሪኻዊ ህላዌ የሱስ ከም መረጋገጺ ተቐባልነት ኣለዎም።
b ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: እቲ ዝተንስአ የሱስ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ዓሳ በልዐ: እዚ ድማ ትንሳኤኡ ከምቲ ሎሚ ገሊኦም ዝብልዎ ትርኢት ጥራይ ከም ዘይነበረ ዘረጋግጽ ኢዩ።—ሉቃስ 24:36-43