“ከም ዕድመ ኦም”
ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ሙሴ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት: እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ: . . . ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።”—መዝሙር 90:10
ሽሕ’ኳ ሕክምናዊ ምዕባሌ እንተሎ: ንውሓት ዕድመ ወድሰብ ገና ልክዕ ከምቲ ብመዓልትታት ሙሴ ዝነበሮ ኢዩ ዘሎ። እንተኾነ ግን: ሰባት ንኹሉ ግዜ ነዚ ከምዚ ኢሉ ቐልጢፉ ዝሓልፍ ህይወት ኣይኪኹነኑን ኢዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ ትንቢት ኢሳይያስ “ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም” ይብል።—ኢሳይያስ 65:22
ካብቶም ኣብ ቦታታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ንነዊሕ ዝነብሩ ኣእዋም ሓደ ኣውሊዕ ኢዩ። እዚ ኣብዚ ተሳኢሉ ዘሎ ኦም ካብቶም ኣብ ገሊላ ክሳዕ ሕጂ ዘለዉ ሽሕ ዓመት ዕድመ ዘለዎም ኣእዋም ኣውሊዕ ሓደ ኢዩ። ሰባት መዓስ ኢዮም ንነዊሕ ኪነብሩ? ኣብዚ ትንቢት እዚ ኣምላኽ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ምስ ፈጠረ ኢሉ ይገልጽ።—ኢሳይያስ 65:17
መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ እውን እንተኾነ ብዛዕባ ምምስራት ናይ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን”—ሓድሽ መንግስትን ሓድሽ ሰብኣዊ ማሕበረሰብን—ይንበ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ [ስቓይ ትሓዓ ] ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:1, 4
እዚ መለኮታዊ መብጽዓ እዚ ቀልጢፉ ኪፍጸም ኢዩ። ድሕሪዚ: መዓልትታት ናይ ኦም ኣውሊዕ እውን ልክዕ ከም ናይ 24 ሰዓት መዓልቲ ጥራይ ኪመስል ኢዩ። ንጻማ ግብሪ ኣእዳውና ብምሉእ ከነስተማቕሮ ኸኣ እኹል ግዜ ክህልወና ኢዩ።