ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/3 ገጽ 31
  • የሆዋ ንምድሪ ከድሕና ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንምድሪ ከድሕና ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/3 ገጽ 31

የሆዋ ንምድሪ ከድሕና ኢዩ

ኣብ ማልዲቪስ እተባህለት ደሴት ሓደ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንነዊሕ ሰዓታት ይዕጾ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ብርቱዕ ማዕበል ናይ ማይ ነቲ መጕየይ ነፋሪት ስለ ዘጥለቕልቖ: ነፈርቲ ክዓልባ ኣጸጋሚ ይኸውን። ገለ ሊቃውንቲ እቲ ኣብ ደሴታት ማልዲቪያን ዘሎ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ክፍለ ዘበን እንተወሓደ ሓደ ሜትሮ ክብርኽ ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ሽሕ’ኳ እዚ ኣዝዩ ንእሽቶ መጠን መሲሉ እንተ ተራእየ ከምዚ ዝኣመሰለ ወሰኽ ንሸውዓተ ናይ ደሴት ሃገራት ጸራሪጉ ኣብ ካርታ ከም ዘየለዋ ክገብረን ይኽእል ኢዩ። ብሓቂ: ብመሰረት ናይ ሕ.ሃ. ጸብጻብ: ናይ ክልተ ሜትሮ ብራኸ: ንገለ 1,200 ዝኾና እኩባት ደሴታት ብምሉአን ክደብየን ይኽእል ኢዩ።

ጠንቂ ናይ ምብራኽ ጽፍሒ ባሕሪ እንታይ ኢዩ? ብመሰረት ናይ ሕ.ሃ. ናይ ከባቢ ፕሮግራም: ናይዛ ምድሪ ኣየር ብ“ግሪንሃውዝ ጋዛት” ብምምራዙ: ኣብ ምዉቕ ከባቢታት ዘሎ ባሕርታት መጠኑ ክውስኽ: ብበረድ እተሸፈነ ቦታታትን ኣኻውሕ ናይ በረድን ንኽመክኽ ምኽንያት ስለ ዝኸውን ጽፍሒ ባሕሪ ንክውስኽ ድማ ጠንቂ ይኸውን። ሎንዶን ዝመደበሩ ፓነስ እተባህለ ትካል: ምምራዝ “ነቲ ዘሎ ዶባት ናይ መሬትን ባሕርን ዝልውጥ ሰላሕታዊ ዓለምለኻዊ መዓት ኣበጊሱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ይብል።

ዓለምለኻዊ ዋዒ ምህላዉ ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ገና ክትዕ ኢዩ ዝግበረሉ ዘሎ። ይኹን እምበር: ናይ ከባቢ ግድላት ንዕላማ ኣምላኽ ከም ዘየሰናኽሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ጸኒዓ [ቖ]ይማ እያ: ኣይትናወጽን ከኣ” ብምባል ይገልጽ። (1 ዜና መዋእል 16:​30) የሆዋ ኣብ ልዕሊ ከባብ ምድሪ ምቍጽጻር ኣለዎ: ንምድርን ደቅሰብን ቀልጢፉ ካብ ጥፍኣት ከድሕኖም ብምኽዋኑ ኸኣ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና።​—⁠መዝሙር 24:​1, 2፣ 135:​6፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ኣብ ናይ NASA ፎቶግራፍ እተመስረተ ስእሊ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ