ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/3 ገጽ 8-12
  • ውፉይ—ንመን?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውፉይ—ንመን?
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውፉይ ህዝቢ
  • ምምሳው ናብ ወፈያ ይመርሕ
  • ወፈያኻ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ግለጽ
  • “ኣብ ጸጽባሕ” ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንንበር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ርእስኻ ንየሆዋ እትውፊ ስለምንታይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ተዳሊኻ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ርእስኻ ኽትውፍን ክትጥመቕን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/3 ገጽ 8-12

ውፉይ​—⁠ንመን?

“እግዚኣብሄር ዝበሎ [ኹ]ሉ ንገብር: ንእዘዝ ድማ: በሉ።” ​—⁠ዘጸኣት 24:⁠7

1, 2. (ሀ) ገለ ሰባት ናብ ምንታይ ኢዮም ዝውፈዩ? (ለ) ወፈያ ናብቶም መንፈሳዊ ዝንባሌ ዘለዎም ጥራይ ድዩ ዝውሰን?

ኣብ ለካቲት ናይ 1945 እቶም ናይ ዜሮ–ፋይተር መራሕቲ ኣየር: ናይ ጃፓን ያታበ ናይ በረራ ኮር: ኣብ ሓደ መአከቢ ኣደራሽ ተኣኪቦም ነበሩ። ንነፍሲ ወከፎም ከኣ ኣብቲ ናይ ካሚካዘ ናይ መጥቃዕቲ ሓይሊ ኣባል ክኸውን ፍቓደኛ ምኽዋኑን ዘይምኽዋኑን ንኽጽሕፍ ቁራጽ ወረቐት ተዋህቦም። “ኣብ እዋን ናይ ሃገራዊ ቅልውላው ርእሰይ ንኽስውእ ጻውዒተይ ገይረ ሓሰብክዎ” ይብል ሓደ ኣብኡ ዝነበረ መኰነን። “ገዛእ ርእስይ ንኸዳሉ ብስምዒተይ ተገዲደ: ነዚ ተግባር እዚ ገዛእ ርእሰይ ሃብኩ።” ንሓንቲ ኦካ (ናይ ነብሰ–ቅትለት ሮኬት ኣየር) ንኽዝውርን ንኽመርሕን እሞ: ኣብ ናይ ጸላኢ ናይ ውግእ መርከብ ንኸጋጭዋ ተዓለመ። ዝኾነ ኾይኑ ከምዚ ንኽገብር: ማለት ንሃገሩን ንንጉሱን ንኽመውት ኣጋጣሚ ቅድሚ ምርካቡ እቲ ውግእ ተወድአ። ጃፓን ኣብቲ ውግእ ምስ ተሳዕረት ከኣ እቲ ኣብ ንጉስ ዝነበሮ እምነት ተሰብረ።

2 ሓደ ግዜ ኣብ ጃፓን ብዙሓት ኣብቲ ከም ህያው ኣምላኽ ገይሮም ዝኣምንዎ ዝነበሩ ንጉስ ውፉያት ኢዮም ነይሮም። ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ናይ ወፈያ ነገራት ነይሩ ኢዩ: ገናውን ኣሎ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ናብቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብጣኦት ዝውከሉ: ማርያም: ቡድሃ: ወይ ካልኦት መለኮታውያን: እተወፈዩ ኢዮም። ገለ ኸኣ በቲ ማራኺ ዝኾነ ስብከት ተጸልዮም: ነቲ ጽዒሮም ዝረኽብዎ ገንዘብ ኣብ ጁባ ናይ ቲቪ ወንጌላውያን ብምፍሳስ ምስ ወፈያ ዝመዓራረ ናይ ምሉእ ልቢ ደገፍ ሂቦም ኢዮም። ድሕሪ እቲ ውግእ ተስፋ ዝቖረጹ ጃፓናውያን ህይወቶም ዝውፍይሉ ካልእ ነገር ኣናደዩ። ንገለ: ስራሕ ህይወቶም ዝውፍይሉ ኰነ። ኣብ ምብራቕ ይኹን ኣብ ምዕራብ: ብዙሓት ሃብቲ ንምድላብ ገዛእ ርእሶም ይውፍዩ። መንእሰያት ከኣ ህይወቶም ኣብቶም ሙዚቀኛታት የተኵሩ: ኣነባብርኦምውን ይቐድሕዎ። ብዙሓት ሎሚ ባህግታቶም ህይወቶም ዝውፍይሉ ነገር ብምግባር: ንገዛእ ርእሶም ዘምልኹ ኰይኖም ኣለዉ። (ፊልጲ 3:​19፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:​2) ከምዚኦም ዝበሉ ነገራትን ሰባትን ግን ናይ ሓደ ሰብ ምሉእ ነብስኻ ምውፋይ ይግብኦምዶ?

3. ገለ ናይ ወፈያ ነገራት ዋጋ ከም ዘይብሎም ብኸመይ ተረጋጊጾም?

3 ምስቲ ክዉን ነገር ክጋጠሙ ከለዉ መምለኽቲ ጣኦት ብዙሕ ግዜ ተስፋ ይቖርጹ ኢዮም። ጣኦታቶም “ኢድ ሰብ ዝገበሮም” ካብ ምኽዋን ምንም ከም ዘይበልጹ ምስ ፈለጡ: እቲ ንጣኦታት ምውፋዮም ጭንቀት የስዕበሎም። (መዝሙር 115:​4) ምርኡያት ወንጌላውያን ኢዶም ዘእተዉሉ ነውሪ ክቃላዕ ከሎ: ቅኑዓት ሰባት ተስፋ ምቑራጽ ይስምዖም። እቲ “ጽኑዕ ዘይኮነ” ኤኮኖሚ ምስ ተወድአ: ሰራሕተኛታት ኣብ ዝርዝር ናይቶም ዝሰናበቱ ኰይኖም ምስ ጸንሑ ናይ ኣእምሮ ምንዋጽ ኣምጽኣሎም። ኣብዚ ቀረባ ዝነበረ ናይ ቁጠባ ምዝሕታል ንኣምለኽቲ ገንዘብ ብርቱዕ ጉድኣት ኣምጽኣሎም። ብዙሕ ገንዘብ ንምርካብ ተስፋ ብምግባር እተወስደ ለቓሕ ከኣ ሰኸም ኮይኑ ኣሎ: ናይ ምኽፋል ተስፍኡ ኸኣ ሒደት ኢዩ። (ማቴዎስ 6:​24 ትሓዓ እግረ–ጽሑፍ።) ዝምለኹ ዝነበሩ ናይ ሮክ ውሩያትን ካልኦት መዘናጋዕትን ምስ ሞቱ ወይ ተፈላጥነቶም ምስ ቀነሰ: እቶም ኣምላኽቶም እተጠልሙ ኰይኖም ይተርፉ። እቶም ብርእሰ–ምሕጓስ ዝመላለሱ ብዙሕ ግዜ መሪር ፍረ ኢዮም ዝዓጽዱ።​—⁠ገላትያ 6:⁠7

4. ሰባት ህይወቶም ንዋጋ ዘይብሉ ነገራት ንኽውፍዩ ዝደፋፍኦም እንታይ ኢዩ?

4 ሰባት ንኸምዚኦም ዝበሉ ዋጋ ዘይብሎም ነገራት ህይወቶም ንኽውፍዩስ ዝደፋፍኦም እንታይ ኢዩ? ብዓቢኡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ድያብሎስ ዘሎ መንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኢዩ። (ኤፌሶን 2:​2, 3) ጽልዋ ናይዚ መንፈስ እዚ ብእተፈላለየ መገዲ ይርአ ኢዩ። ሓደ ውልቀሰብ ካብ ኣባሓጐታቱ እናተሓላለፈ ብዝመጸ ናይ ስድራቤት ባህሊ ይትሓዝ ይኸውን። ትምህርትን ኣተዓባብያን ነተሓሳስባ ኣጸቢቑ ክጸልዎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኵነታት ናይቲ ስራሕ ነዞም ብስራሕ ኣዝዮም ትሑዛት ዝኾኑ ሰባት ናብቲ ንህይወትካውን ኣስጋኢ ክኸውን ዝኽእል ወልፊ ስራሕ ክመርሖም ይኽእል ኢዩ። ኣፍቃሪ–ንዋይ ዝኾነ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣረኣእያ ዝያዳ ክህልወካ ዝብል ድልየት ከም ዝህሉ ይገብሮ። ኣልባብ ናይ ብዙሓት ብምብልሻዉ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ናይ ባዕሎም ስሱዕ ባህግታት ከም ዝውፍይዋ ይገብሮም። እዞም ነገራት እዚኣቶም ከምዚ ዝበለ ተወፋይነት ዝግብኦም ምኽዋኑን ዘይምኽዋኑን ካብ ምምርማር ሰኒፎም ኢዮም።

ውፉይ ህዝቢ

5. ልዕሊ 3,500 ዓመታት ይገብር እንታይ ወፈያ ኢዩ ንየሆዋ እተገብረ?

5 ልዕሊ 3,500 ዓመታት ይገብር: ሓደ ህዝቢ ዝበለጸ ናይ ተወፋይነት ነገር ረኸቡ። ንገዛእ ርእሶም ናብቲ ልዑል ኣምላኽ: የሆዋ: ወፈይዋ። ከም ጉጅለ መጠን: ህዝቢ እስራኤል ህይወቶም ንኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ኣብ በረኻ ሲና ኣፍለጡ።

6. ትርጕም ናይ ስም ኣምላኽ ንእስራኤላውያን እንታይ ኢዩ ክኸውን ነይርዎ?

6 ንህዝቢ እስራኤል ከምዚ ክገብሩ ዝደረኾም እንታይ ኢዩ? ኣብ ግብጺ ኣብ ባርነት ከለዉ: የሆዋ ንሙሴ ናብ ናጽነት ክመርሖም መዘዞ። ሙሴ ነቲ ዝለኣኾ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዝገልጾ ምስ ሓተቶ: ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ተገልጸሉ:- “ከምቲ ክኾኖ ዘሎኒ ዝኸውን።” ሙሴ ንደቂ እስራኤል “እቲ ዝኸውን ናባኻትኩም ለኣኸኒ” ክብሎም መርሖ። (ዘጸኣት 3:​13, 14 ትሓዓ ) እዚ ኣዘራርባ እዚ የሆዋ ዕላምኡ ንምፍጻም እቲ ዘድሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢዩ ዘመልክት። እቶም ናይ እስራኤላውያን ርእሲ ኣቦታት ርእዮሞ ብዘይፈልጡ መገዲ: ንገዛእ ርእሱ ከም ፈጻሚ መብጽዓታት ክገልጻ ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 6:​2, 3

7, 8. ንየሆዋ ተወፋይነቶም ክህብዎ ዝግብኦ ኣምላኽ ከም ዝኾነ እስራኤላውያን እንታይ መረጋገጺ ነይርዎም?

7 ምድሪ ግብጽን ህዝባን በቲ ዓሰርተ መዓት ከም እተጐድኡ እስራኤላውያን መስኪሮም ኢዮም። (መዝሙር 78:​44–51) ብድሕሪኡ ምናልባት ሰለስተ ሚልዮን ኣቢሎም ዝኾኑ ቈልዑን ኣንስትን እውን ሓዊስካ ብሓንቲ ለይቲ ካብ ምድሪ ጎሸን ጠርኒፎም ወጹ: እዚ ንርእሱ ዘገርም ፍጻሜ ኢዩ። (ዘጸኣት 12:​37, 38) ቀጺሉውን የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንህዝቡ ካብ ሓይሊ ሰራዊት ናይ ፈርኦን: ነቲ ባሕሪ ጨዲዱ ንእስራኤላውያን ኣሕሊፉ ነቶም ዝሰዓብዎም ግብጻውያን ከኣ ኣጥሒሉ: ብምድሓኑ “ተዋጋኢ” ምኽዋኑ ኣፍለጠ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ “እስራኤል እታ እግዚአብሄር ኣብ ግብጻውያን ዝገበራ ዓባይ ኢድ ረኣየ እሞ: እቶም ህዝቢ ንእግዚአብሄር ፈርሁ። ብእግዚአብሄር . . . ድማ ኣመኑ።”​—⁠ዘጸኣት 14:​31፣ 15:​3፣ መዝሙር 136:​10–15

8 ስም ኣምላኽ እንታይ ማለት ምኽዋኑ መረጋገጺ ከም ዝጐደሎም ከኣ: ደቂ እስራኤል ኣንጻር የሆዋን እቲ ወኪሉ ዝነበረ ሙሴን ብዛዕባ ዋሕዲ መግብን ማይን ኣዕዘምዘሙ። የሆዋ ከኣ ብርኒጎ ሰደደሎም: ማና ኣዝነበሎም: ከምኡውን ኣብ መሪባ ካብቲ ከውሒ ማይ ከም ዝውሕዝ ገበረ። (ዘጸኣት 16:​2–5፣ 12–15, 31፣ 17:​2–7) የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ መጥቃዕቲ ኣማሌቃውያን እውን ኣድሓኖም። (ዘጸኣት 17:​8–13) እስራኤላውያን እቲ የሆዋ ንሙሴ ጸኒሑ “እግዚኣብሄር: እግዚአብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንኹራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን: ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ: ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል” ዝበሎ ዝኽሕድሉ ዋላ ሓንቲ መገዲ የለን። (ዘጸኣት 34:​6, 7) ብሓቂ የሆዋ ተወፋይነት ዝግብኦ ኣምላኽ ምኽዋኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ።

9. የሆዋ እስራኤላውያን ንዕኡ ንኸገልግሉ ዘለዎም ወፈያ ንኽገልጹ ኣጋጣሚ ዝሃቦም ስለምንታይ ኢዩ: ብኸመይከ መለሱሉ?

9 የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ስለ ዘውጽኦም ዋንኦም ክኸውን መሰል እኳ እንተ ነበሮ: ከም ሕያዋይን መሓርን ኣምላኽ ግና ንዕኡ ንኸገልግሉ ዘለዎም ድላይ ብፍታው ንኽገልጹ ኣጋጣሚ ሃቦም። (ዘዳግም 7:​7, 8፣ 30:​15–20) ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ኪዳን ዝኸውን ኩነታት ከኣ ሰርዐ። (ዘጸኣት 19:​3–8፣ 20:​1–23:​33) እዚ ኵነታት እዚ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ምስ ተነግሮም ከምዚ በሉ:- “እግዚአብሄር ዝበሎ [ኹ]ሉ ንገብር: ንእዘዝ ድማ።” (ዘጸኣት 24:​3–7) ብናይ ገዛእ ርእሶም ናጻ ድሌት ከኣ ነቲ ልዑል ጐይታ የሆዋ እተወፈዩ ህዝቢ ኰኑ።

ምምሳው ናብ ወፈያ ይመርሕ

10. ኣብ የሆዋ ዘሎና ወፈያ ኣብ እንታይ እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ?

10 የሆዋ እቲ ፈጣሪ ገና ናይ ምሉእ ነፍስና ተወፋይነት ዝግብኦ ምኽዋኑ ቀጺሉ ኢዩ። (ሚልክያስ 3:​6፣ ማቴዎስ 22:​37፣ ራእይ 4:​11) ይኹን እምበር ወፈያና መሰረቱ ገርሂ እምነት: ቀልጢፉ ዝሓልፍ ስምዒት: ወይ ከኣ ምግዳድ ናይ ካልኦት: ናይ ወለድናውን ከይተረፈ: ክኸውን የብሉን። መሰረቱ ርጡብ ዝኾነ ፍልጠት ሓቂ ብዛዕባ የሆዋን ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ምምሳውን ክኸውን ኣለዎ። (ሮሜ 10:​2፣ ቈሎሴ 1:​9, 10፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:​4) ከምቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብድሌቶም ወፈያኦም ክገልጹ ኣጋጣሚ ዝሃቦም: ንዓናውን ከምኡ ብድሌትና ገዛእ ርእስና ክንውፊ ነቲ ወፈያና ኸኣ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክንገብሮ ኣጋጣሚ ይህበና።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:​21

11. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትና ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ገሊጹልና?

11 ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይርና ንየሆዋ ከም ኣካል ንፈልጦ። ቃሉ ኸኣ ነቲ ኣብ ፍጥረቱ ተንጸባሪቑ ዘሎ ባህርያቱ ንኸነስተውዕለሉ ይሕግዘና። (መዝሙር 19:​1–4) ካብ ቃሉ ኸኣ ሓደ ክርድኣካ ዘይክእል ምስጢራዊ ስላሴ ከም ዘይኰነ ክንርኢ ንኽእል። ኣብ ውግእ ኣይሰዓርን ኢዩ: ስለዚ ኣምላኽነቱ ክሓድግ ኣየድልዮን ኢዩ። (ዘጸኣት 15:​11፣ 1 ቈረንቶስ 8:​5, 6፣ ራእይ 11:​17, 18) መብጽዓታቱ ስለ ዝፍጽም: እታ ጽብቕቲ ስሙ: የሆዋ: ንምንታይ ከም እትቐውም ንዘኻኸር ኢና። ንሱ ዓብዪ በዓል ዕላማ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:​4 ትሓዓ እግረ ጽሑፍ፣ መዝሙር 83:​18፣ ኢሳይያስ 46:​9–11) መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕና ክሳዕ ክንደይ እሙንን ጽኑዕን ከም ዝኾነ ብንጹር ንርዳእ።​—⁠ዘዳግም 7:​9፣ መዝሙር 19:​7, 9፣ 111:​7

12. (ሀ) ናብ የሆዋ ዝስሕበና እንታይ ኢዩ? (ለ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ናይ ሓቂ ተመኵሮታት ንሓደ ሰብ ንየሆዋ ንኸገልግል ዝደፋፍእዎ ብኸመይ ኢዮም? (ሐ) ንየሆዋ ብዛዕባ ምግልጋል ከመይ ይስምዓካ?

12 ዝያዳ ናብ የሆዋ ዝስሕበና እቲ ዝፍቶ ባህርያቱ ኢዩ። ኣብቲ ምስ ደቅሰብ ዝገበሮ ርክብ ክሳዕ ክንደይ ፈቃርን ይቕረ በሃልን መሓርን ከም ዝኾነ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእየና። እዮብ ንጽህንኡ ምስ ሓለወ ንእዮብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጸገዎ እሞ ሕሰብ። ናይ እዮብ ተመኵሮ: የሆዋ “ብምፍታው ኣዝዩ ለዋህን መሓርን” ከም ዝኾነ የጕልሕ። (ያእቆብ 5:​11 ትሓዓ፣ እዮብ 42:​12–17) ዳዊት ዝሙትን ቅትለትን ምስ ፈጸመ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝረኣዮ እሞ ሕሰቦ። እወ: የሆዋ: ሓጥእ ብ“ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” ክቐርቦ ኸሎ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዝኸውን እውን ይቕረ ንኽብል ቅሩብ ኢዩ። (መዝሙር 51:​3–11, 17) ንሳውል በዓል ጠርሴስ: እቲ ኣብ መጀመርታ ንህዝቢ ኣምላኽ ዝሰጉግ ዝነበረ: የሆዋ ዝመለሰሉ መገዲ እሞ ሕሰቦ። እዚ ኣብነታት እዚ ኸኣ ናይ ኣምላኽ ምሕረትን ብዝተናስሑ ንኽጥቀም ዘለዎ ለጋስ ድሌትን ኢዩ ዘጕልሕ። (1 ቈረንቶስ 15:​9፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:​15, 16) ጳውሎስ ነዚ ፈቃር ኣምላኽ እዚ ንምግልጋል ገዛእ ህይወቱ እውን ክህብ ከም ዝኽእል ተሰምዖ። (ሮሜ 14:​8) ከምኡዶ ይስምዓካ?

13. እንታይ ብወገን የሆዋ እተገብረ ዓቢ መግለጺ ፍቕሪ ኢዩ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ገዛእ ርእሶም ናብኡ ንኽውፍዩ ዝድርኾም?

13 ንእስራኤላውያን የሆዋ ካብ ማእሰር ግብጺ ድሕነት ሃቦም ከምኡውን ንዓና ካብ ማእሰር ሓጢኣትን ሞትን ክንድሕነሉ እንኽእል መገዲ​—⁠በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ​—⁠ኣዳልዩልና ኣሎ። (ዮሃንስ 3:​16) ጳውሎስ ከምዚ ይብል:- “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።” (ሮሜ 5:​8) እዚ ፍቕራዊ ዝኾነ ምድላው እዚ: ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ገዛእ ርእሶም ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ናብ የሆዋ ንኽውፍዩ ይድርኾም። “እምብኣርከ ሓደ በጃ [ኹ]ሉ ሞተ: ስለዚ [ኹ]ላቶም ሞቱ: ካብ እንብልሲ: ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ . . . ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ ኣብ ክንዲ [ኹ]ላቶም ሞተ።”​—⁠2 ቈረንቶስ 5:​14, 15፣ ሮሜ 8:​35–39

14. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገብሮ ምምልላስ ምፍላጥ ጥራይ ህይወትና ንዕኡ ንኽንውፊ ይደፋፍኣናዶ ኢዩ? ግለጽ።

14 ናይ የሆዋ ባህርን እቲ ምስ ወድሰብ ዝገበሮ ምምልላስን ምፍላጥ እኹል ኣይኰነን። ንየሆዋ ብሕታዊ ሞሳ ናይ ምሃብ ልምዲ ክኹስኰስ ኣለዎ። እዚ ብኸመይ ክግበር ይከኣል? ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብምትግባርን እቲ ኣብኡ ዘሎ ስርዓት ከኣ ብሓቂ ይዓዪ ምኽዋኑ ካብ ተሞክሮና ብምግንዛብን ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:​17) የሆዋ ካብ ዓዘቕቲ ናይዛ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰይጣን ዘላ እክይቲ ዓለም ከም ዘድሓነና ክስምዓና ኣለዎ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 6:​11 ኣነጻጽሮ።) ቅኑዕ ንኽንገብር ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ኣብ የሆዋ ምውካል ንማሃር ከምኡውን የሆዋ ህያው ኣምላኽን “ሰማዕ ጸሎት”ን ከም ዝኾነ ባዕልና ንርኣዮ። (መዝሙር 62:​8፣ 65:​2) ቀልጢፉ ኸኣ ናብኡ ኣዚና ዝቐረብና ከም ዝኾንና ይስምዓና እሞ: እቲ ውሽጣዊ ስምዒትና ከነካፍሎ ንኽእል። ኣብ ውሽጥና ንየሆዋ ዘሎና ምዉቕ ናይ ፍቕሪ ስምዒት ይዓቢ። እዚ ኸኣ ብዘይ ጥርጥር ህይወትና ንዕኡ ንኽንውፊ ይመርሓና።

15. ሓደ ቅድም ንስራሕ ተወፍዩ ዝነበረ ሰብኣይ ንየሆዋ ንኸገልግል እንታይ ደፋፍኦ?

15 ብዙሓት ነዚ ፈቃር ዝኾነ ኣምላኽ: የሆዋ: ክፈልጥዎ ክኢሎም ኢዮም: ንዕኡ ንምግልጋል ከኣ ህይወቶም ወፈዩ። ንኣብነት ሓደ ምዕቡል ንግዲ ናይ ኤሌክትሪክ ዝነበሮ ሰብ ንርአ። ስራሕ ንግሆ ዝጀመረ: ምሉእ መዓልቲ ክሳዕ ለይቲ ይሰርሕ እሞ: ንጽብሒቱ ሰዓት ሓሙሽተ ንግሆ ገዛ ዝኣትወሉ እዋናት ነበሮ። ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ድሕሪ ምዕራፉ: እንደገና ተሲኡ ንስራሕ ይኸይድ። “ንስራሐይ እተወፈኹ ኢየ ነይረ” ብምባል ይዝክር። ሰበይቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመረት ሓበራ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ኵሎም እቶም ክሳዕ ሽዑ ዝፈልጦም ዝነበርኩ ኣማልኽቲ ንዓና ዝጠቅም ዋላ ሓንቲ ከይገበሩ ንኽግልገሉ ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም። የሆዋ ግን ተበግሶ ብምውሳድ ነቲ ሓደ ወዱ ዓቢ ናይ ርእሰ መስዋእትነት ንኽፍጽም ናብ ምድሪ ለኣኾ።” (1 ዮሃንስ 4:​10, 19) ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ወርሒ እዚ ሰብኣይ እዚ ንየሆዋ ተወፈየ። ብድሕሪኡ: ነቲ ህያው ኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ኣቕለበ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ: ኣብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ከገልግል ከኣ ከደ። ንሱ ኸኣ ከምቶም ደቀ መዛሙርቲ ‘ኹሉ ሓዲጉ ንየሱስ ሰዓበ።’ (ማቴዎስ 19:​27) ድሕሪ ክልተ ወርሒ: ንሱን ሰበይቱን ኣብቲ ዝነብሩሉ ሃገር ዘሎ ጨንፈር ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን: ኣብ ናይ ኤሌክትሪክ ዕዮ ንኽሕግዝ ተጸውዐ። ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብቲ ጨንፈር ነቲ ዝፈትዎ ስራሕ​—⁠ንርእሱ ኢሉ ዘይኮነስ​—⁠ንየሆዋ ኢሉ ይዓዪ ኣሎ።

ወፈያኻ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ግለጽ

16. ሓደ ሰብ ናብ የሆዋ ወፈያ ክገብር ከሎ ክወስዶም ዘለዎ ስጕምትታት እንታይ ኢዮም?

16 ንገለ ግዜያት መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምጽናዕ: ዓበይትን ንኣሽቱን ንየሆዋን ነቲ ዝገበረሎምን ከማስዉ ይጅምሩ። እዚ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንኣምላኽ ንኽህቡ ክደፋፍኦም ይግባእ። ሓደ ካብዚኦም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ገዛእ ርእስኻ ንየሆዋ ብኸመይ ትውፊ? ርጡብ ፍልጠት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምርካብካ: ምስቲ ፍልጠት ዝሰማማዕ ተግባር ከምኡውን ኣብ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ምእማንን ከድልየካ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:​3) ተናሳሕ እሞ ካብ ዝኾነ ናይ ቅድም ሓጥእ መገዲ ተመለስ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:​19) ብድሕርዚ ንየሆዋ ብናይ ጸሎት ቃላት ገይርካ ብምግላጽ: ኣብ ናይ ምውፋይ ስጕምቲ ክትበጽሕ ኢኻ። እዚ ጸሎት እዚ ነቲ ምስ የሆዋ እትገብሮ ሓድሽ ዝምድና መጀመሪ ስለ ዝኸውን ኣብ ኣእምሮኻ ዘይጠፍእ ኣሰር ከም ዝገድፈልካ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

17. (ሀ) ሽማግለታት ምስቲ ሓድሽ ህይወቱ ዝወፈየ: ኰይኖም እተዳለዉ ሕቶታት ዝደግሙ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) እንታይ ኣድላዪ ስጕምቲ ኢዩ ሓደ ሰብ ድሕሪ ወፈያኡ ክወስዶ ዘለዎ: ንምንታይ ዕላማኸ?

17 ልክዕ ከምቲ ሙሴ ንእስራኤላውያን ናይ ኪዳን ዝምድና ምስ የሆዋ ንምግባር ዘሎ ኵነታት ዝገለጸሎም: ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ሽማግለታት ከኣ ነቶም ቅድሚ ሓጺር ግዜ ወፈያ ዝገበሩ እንታይ ከም ዘድሊ ንኽምርምሩ ይሕግዝዎም። ነፍሲ ወከፍ ነቲ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሊኡ ከም እተረድአን ምስክር ናይ የሆዋ ምኽዋን ከኣ እንታይ ከም ዝሓትት ምስትውዓሉን ንኸረጋግጹ እተዳለዉ ሕቶታት ይጥቀሙ። ብድሕርዚ ነቲ ወፈያ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንምግላጽ ዝግበር ጽምብል ኣድላዪ ኢዩ። ሓደ ሓድሽ ህይወቱ ዝወፈየ: ኣብዚ መሰል ዘለዎ ዝምድና ምስ የሆዋ ከም ዝበጽሐ ካልኦት ክፈልጡ ከም ዝደሊ ርዱእ ኢዩ። (ምስ ኤርምያስ 9:​24 ኣነጻጽሮ።) እዚ ኸኣ ወፈያኻ ንምምልካት ማይ ጥምቀት ብምግባር ኢዩ ዝፍጸም። ኣብ ማይ ምጥላቕን ካብኡ ምውጻእን ነቲ ቅድም ዝነበሮ ናይ ገዛእ ርእስኻ መገዲ ህይወት ምኻድ ከም ዝቐተሎ: ንፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ሓድሽ መገዲ ህይወት ከም ዝተኸተለን የርኢ። ሃይማኖታዊ ጽንብል ወይ ከኣ ከምቲ ሺንቶ ኣብ ናይ ሚሶጂ ወግዒ ሓደ ሰብ ኣብ ማይ ክጸሪ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኰነን።a ኣብ ክንድኡስ ጥምቀት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እትገብሮ መግለጫ ናይቲ ድሮ ብጸሎት ዝገበርካዮ ወፈያ ኢዩ።

18. ወፈያና ከንቱ ከም ዘይከውን ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢዩ?

18 እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ: ነቲ ሓድሽ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ነቲ ሕጂ ምስ የሆዋ ዘለዎ ዝምድና ዘዘኻኽሮ ዘይርሳዕ ተመኵሮ ኢዩ። እዚ ከምቲ ናይ ካሚካዘ መራሒ ኣየር ንሃገሩን ንንጉሱን ዝገበሮ ወፈያ ዘይኰነስ: እዚ ናብ የሆዋ ምውፋይ ከንቱ ኣይከውንን ኢዩ: ምኽንያቱ ንሱ ዘለኣለማዊ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ነቲ ዝመደቦ ኵሉ ዝፍጽም ኢዩ። ንሱ ጥራይ ኢዩ ንበይኑ ናይ ምሉእ ነፍስና ተወፋይነት ዝግብኦ።​—⁠ኢሳይያስ 55:​9–11

19. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንመያየጥ ኢና?

19 ይኹን እምበር ወፈያ ካብዚ ንላዕሊ የጠቓልል ኢዩ። ንኣብነት: ወፈያ ንመዓልታዊ ናብራና ብኸመይ ይትንክፎ? እዚ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ወድሰብ ኣብ ምድላይ ኣምላኽ (እንግሊዝኛ) ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ንዮርክ እተሓትመ ገጽ 194–5 ተመልከት።

ትዝክሮዶ?

◻ ኣብ ዓለም ዝርአ ወፈያ ብጓሂ ዝውዳእ ስለምንታይ ኢዩ?

◻ እስራኤላውያን ገዛእ ርእሶም ንየሆዋ ንኽውፍዩ እንታይ ደረኾም?

◻ ንዓናኸ ሎሚ ገዛእ ርእስና ንየሆዋ ንኽንውፊ እንታይ ይድርኸና?

◻ ንኣምላኽ ገዛእ ርእስና እንውፊ ብኸመይ ኢና?

◻ ትርጕም ናይ ማይ ጥምቀት እንታይ ኢዩ?

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

እስራኤል ኣብ ሲና ርእሱ ንየሆዋ ወፈየ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ