መንእሰያት—ናይ መን ትምህርቲ ኢኹም እተቕልቡ?
“ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፣ . . . ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ።”—1 ጢሞቴዎስ 4:1
1. (ሀ) መንእሰያት ከመይ ዝበለ ምርጫ ኢዩ ዘለዎም? (ለ) የሆዋ ብኸመይ ይምህር?
እቲ ሕጂ ኣብዚ ንመንእሰያት ዝቐርበሎም ዘሎ ሕቶ፡ ኣብ ናይ መን ትምህርቲ ኢኹም እተቕልቡ? ዝብል ኢዩ። እዚ ድማ ኣቱም መንእሰያት፡ ምርጫ ከም ዘሎኩም ኢዩ ዝሕብር። እቲ ምርጫ ድማ ሓንጐፋይ ኢልካ ንመለኮታዊ ትምህርቲ ምቕባል ወይ ንምህሮ ኣጋንንቲ ምስዓብ ኢዩ። የሆዋ ብቓሉ ማለት ብመጽሓፍ ቅዱስን ከምኡውን በቲ ኣገልግሎት ናይቶም ከም ወኪላቱ ገይሩ ኣብ ምድሪ ዝጥቀመሎም ዘሎን ኢዩ ዝምህር ዘሎ። (ኢሳይያስ 54:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39፣ ማቴዎስ 24:45-47) ኣጋንንትውን ብወገኖም ይምህሩ ምዃኖምስ ገሪሙኩምዶ?
2. ንምህሮ ናይ ኣጋንንቲ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሕ ክንጥንቀቐሉ ዘሎናስ ስለምንታይ ኢዩ?
2 ሃዋርያ ጳውሎስ “በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን” ክስዕቡ ከም ዝኾኑ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 4:1) ኣብተን ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣዝዮም ንጡፋት ዝኾኑለን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ስለ ዘሎናስ፡ ነዚ ኣብ ናይ መን ትምህርቲ ኢኹም እተቕልቡ? ዝብል ሕቶ ስለምንታይ ከም ዝሓተትናስ ተረዲኡካዶ? (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ራእይ 12:7-12) እቲ ኣገባብ ኣሰራርሓ ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣዝዩ ጉርሒ ዝመልኦን መታለልን ስለ ዝኾነ ነዚ ሕቶ እዚ ጥንቁቕ ኣቓልቦ ክትህቦ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 11:14, 15
ኣጋንንትን ትምህርትታቶምን
3. ኣጋንንቲ መን ኢዮም? እቲ ቀንዲ ዕላምኦም እንታይ ኢዩ? ብኸመይ ክፍጽምዎ ኢዮምከ ዝጽዕሩ?
3 ኣጋንንቲ ሓደ ግዜ መላእኽቲ ናይ የሆዋ ዝነበሩ ዳሕራይ ግና ኣንጻር ፈጣሪኦም ዓልዮም ስዓብቲ ናይ ሰይጣን ዝኾኑ ኢዮም። (ማቴዎስ 12:24) እቲ ቀንዲ ዕላምኦም ንሰባት ምብልሻውን ንኣምላኽ ከየገልገሉ ድማ ምዕንቃፍን ኢዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ነቲ የሆዋ ዝኾነኖ ተግባራት ከም እኒ ስስዐን ብዕሉግ ናብራ ህይወትን ዘተባብዑ ሳብኣውያን መምህራን ኢዮም ዝጥቀሙ። (ምስ 2 ጴጥሮስ 2:1, 12-15) እዞም ሓደ ግዜ እሙናት መላእኽቲ ዝነበሩ ከመይ ገይሮም ናብ ኣጋንንቲ ከም ዝተለወጡ እንተመርመርና እቲ ትምህርቶምን ትምህርቶም ዘተባብዖ ናብራ ህይወትን እንታይ ምዃኑ ንኽንፈልጥ ይሕግዘና ኢዩ።
4. (ሀ) ብመዓልትታት ኖህ ዘይእዙዛት መላእኽቲ ናብ ምድሪ ዝወረዱ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ማይ ኣይሂ ምስ መጸ እቶም እኩያት መላእኽትን ደቆምን እንታይ ኰኑ?
4 ብመዓልትታት ኖህ፡ ገለ ካብቶም መንፈሳውያን ፍጡራት በተን መልክዔኛታት ኣዋልድ ደቂ ሰብ ኣዝዮም ስለ ዝተማረኹ ነቲ ናይ ሰማይ ቦታኦም ሓዲጐም ናብ ምድሪ ወረዱ። እቲ ምስ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ዝገበርዎ ጾታዊ ርክብ ነፍሊም ዝተባህሉ ደቓሉ ኣፍረየ። መንፈሳውያን ፍጡራት ምስ ሰባት ክነብሩ ዘይባህሪያዊ ስለ ዝኾነ እቲ እዞም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ዝገበርዎ ምስቲ ጸኒሖም ሰብኡትን ኣወዳትን ናይ ሶዶም ዝገበርዎ ሓጢኣት ናይ ግብሪ ሶዶም ተመሳሳሊ ኣሎ። (ዘፍጥረት 6:1-4፣ 19:4-11፣ ይሁዳ 6, 7) ሽሕኳ ብማይ ኣይሂ ኣንስቶምን እቶም ደቓሉ ውሉዳቶምን እንተጠፍኡ፡ እዞም እኩያት መላእኽቲ ግና ነቲ ስጋኦም ቀንጢጦም ናብ ሰማያት ተመሊሶም ምስ ሰይጣን ድያብሎስ ዝሓብሩ ኣጋንንቲ ኮኑ።—2 ጴጥሮስ 2:4
5. ኣጋንንቲ እንታይ ዓይነት ፍጥረታት ኢዮም? ብኸመይከ ኢዮም ንሕጊ ኣምላኽ ክጠውይዎ ዝፍትኑ?
5 ብመሰረት እዚ ሕሉፍ ታሪኾም ኣጋንንቲ እንታይ ዓይነት ፍጥረታት ምዃኖም ኣስተውዒልካዮዶ? እዚኣቶምስ ብጾታ ዝሩጋት ዝኾኑ ነዛ ብጾታ ዓቢዳ ዘላ ዓለም ድማ ብድሕሪት ኰይኖም ዘሽከርክርዋ ዘለዉ ኢዮም። ሽሕኳ ስጋ ካብ ምልባስ ተኸልኪሎም እንተኾኑ በቶም ከባላሽውዎም ዝኸኣሉ ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ሰባት ዝፍጸም ኣዝዩ ዝሩግ ጾታዊ ርክብ ባህ ይብሎም ኢዩ። (ኤፌሶን 6:11, 12) ኣጋንንቲ ነቶም ብዛዕባ ንጽህናን ስነ-ምግባርን ዘለዉ ሕግታት ናይ የሆዋ እምብዛ ጨቆንቲ መሲሎም ከም ዝረኣዩ ብምግባርና ክጠውይዎ ዝከኣሎም ይጽዕሩ ኣለዉ። እዞም እኩያት መላእኽቲ ጾታዊ ብዕልግና ከም ቅቡልን ዘሐጉስን ናብራ ህይወት ኢዩ ብምባል ይማጐቱ።
ንምህሮ ኣጋንንቲ ምስፍሕፋሕ
6. ኣጋንንቲ ትምህርትታቶም ብኣዝዩ ስዉር ወይ ረቂቕ ዝኾነ መገዲ ገይሮም ስለ ዘስፋሕፍሕዎስ ክገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ?
6 እቲ መራሒ ናይዞም ኣጋንንቲ ዝኾነ ሰይጣን ድያብሎስ ንሄዋን ከስሕታ ከሎ ብረቂቕ መገዲ ስለ ዝተጠቕመ ሕጂውን ነቲ ትምህርትታቶም ንምስፍሕፋሕ ኣዝዩ ስዉር መገዲ እንተተጠቕሙ ክገርመና ኣይግብኦን። ንሄዋን ክዛረባ ከሎ ከም ሓደ ዝሓልየላ ኰይኑ ከም ዝቐረባ ዘክር፡ “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ፡ ኢሉዶ ኣዚዙ ኢዩ?” ኢሉ ሓተታ። ሽዑ ሄዋን ካብታ ዝተኸልከለት ኦም እንተ በሊዓ ክትጥቀም ከም እትኽእል ብምንጋሩ ብተንኮል ነቲ ትምህርቲ ኣምላኽ ከናእሶ ፈተነ። ድያብሎስ “ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትኾኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ” ኢሉ ኣተስፈዋ። (ዘፍጥረት 3:1-5) በዚ ድማ ሄዋን ንኣምላኽ ንኸይትእዘዝ ተታለለት እወ ተጠበረት።—2 ቈረንቶስ 11:3፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:13, 14
7. እቲ ብረቂቕ ዝኾነ መገዲ ዝቐረበ ትምህርቲ ናይ ኣጋንንቲ እንታይ ኣፍረየ? እዚኸ ከመይ ዝበለ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝህበና?
7 ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜያትውን ብዙሓት ተታሊሎም ኢዮም። ኣጋንንቲ ንጾታዊ ብዕልግና ብሜላ የተባብዕዎ ስለ ዘለዉ እቶም ሓደ ግዜ ዝኹንንዎ ዝነበሩ ሕጂ ክድግፍዎ ይረኣዩ ኣለኡ። ንኣብነት ሓንቲ ኣዝያ ውርይቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ናይ ምዕዶ ዓንቀጻት እትጽሕፍ፡ ንሓንቲ ብዛዕባ ዘይተመርዓዉ ሰባት ዝፍጽምዎ ጾታዊ ርክብ ሕቶ ዝሓዘት ደብዳቤ መልሲ ክትጽሕፍ ከላ ከምዚ በለት፦ “ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘሎኒ መርገጽ ይልውጥ እየ ዝብል ግምት ፈጺሙ ኣይነበረንን፡ ሕጂ ግና ክምርዓዉ ዝወሰኑ ሰባት እንተደኣ ኰይኖም፡ ዝቃደዉ እንተኰይኖም ንምርግጋጽ ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ቀዳመ ሰንበት ዙረት ክገብሩ ኣለዎም በሃሊት እየ።” ኣስዒባ ድማ “እዚ ባዕለይ ጽሒፈዮ ኢለ ክኣምን ይኸብደኒ ኢዩ” በለት። ክትኣምነሉ እኳ እንተኸበዳ ንሳ ግና ምንዝር እያ ተተባብዕ ዘላ፡ እወ ምንዝር ኣተባቢዓ! ብግልጺ እምበኣር ነቲ ኣብቲ ኣምላኽ ዝኹንኖ ትግባራት ዘሎና ኣረኣእያ ምህሮ ናይ ኣጋንንቲ ከይነኽኦ ክንጥንቀቕ ኣሎና፡—ሮሜ 1:26, 27፣ ኤፌሶን 5:5, 10-12
8. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ዓለም” እትብል ቃል ብኸመይ ተዘውቲራ ኣላ? (ለ) ነዛ ዓለም እዚኣ ዝገዝኣ ዘሎ መን ኢዩ? ሰዓብቲ የሱስከ ነዛ ዓለም እዚኣ ብኸመይ ክርእይዋ ይግበኦም?
8 ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ምዃኑ ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን። ሃዋርያ ዮሃንስ እኳ “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ኢዩ ዝብለና። (ዮሃንስ 12:31፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ሓቂ’ዩ ሓድሓደ ግዜ የሱስ ንኹሎም ዓሌት ሰብ ብሓበራ ንምግላጽ “ዓለም” ዝብል ቃል ይጥቀም ኢዩ። (ማቴዎስ 26:13፣ ዮሃንስ 3:16፣ 12:46) መብዛሕትኡ ግዜ ግና እዛ “ዓለም” እትብል ቃል ነቶም ኣብ ልዕሊ ኩሎም እቶም ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ብማሕበራት እተጠርነፉ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢዩ ዘውዕላ። ንኣብነት የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ ክዛረብ ከሎ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” (ሓጥእ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ) ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዘይኰኑ ድማ ዓለም ክትጸልኣኩም እያ በለ። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:14-16) መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እዛ ሰይጣን ገዛኢኣ ዝኾነ ዓለም ዕርክነት ክነርሕቕ ከም ዝግብኣና የጠንቅቐና ኢዩ።-ያዕቆብ 4:4
9, 10. (ሀ) ከመይ ዝበሉ ዓለማዊ ነገራት ኢዮም ጾታዊ ባህጊ ዝቕስቅሱ ዘለዉ? (ለ) ብድሕሪ እዚ ናይ ዓለም መዘናጊዒታት ዘመሓላልፎ ዘሎ ትምህርቲ መን ከም ዘሎ ብኸመይ ክልለ ይከኣል?
9 ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ እናበለ ይምዕድ፦ “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ።” ኣስዒቡ ድማ “ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።” (1 ዮሃንስ 2:15, 16) እስከ ብዛዕባዚ ነገር እዚ ሕሰብ። ሎሚ ንጌጋ ዝኾነ ባህጊ፡ ንኣብነት ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ፡ ዘለዓዕል ኣብ ዓለም እንታይ ኣሎ? (1 ተሰሎንቄ 4:3-5) ብዛዕባ መብዛሕትኡ ኣብ ዓለም ዘሎ ሙዚቃታትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል? ሓንቲ ናይ ካሊፎርንያ ሓላፊት ምርመራ ፖሊስ ከምዚ ትብል፦ “ብመሰረቱ ሙዚቃ ንወለድኻ ክትሰምዖም ከም ዘይብልካን ንህይወትካ ድማ በቲ ንዓኻ ቃሕ ዝበለካ መገዲ ክትመርሓ ከም ዘሎካን ኢዩ ዝምህር ዘሎ።” ሕጂ ነቲ ምንጪ ናይዚ ብሙዚቃ ኣቢሉ ዝመሓላለፍ ዘሎ ትምህርትስ ካበይ ምዃኑ ኣለሊኻዮዶ?
10 ሰይጣን ንሄዋን ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ክንደይ ነገር ይሓልፈኪ ኣሎ፡ ተጠሊኺ ከምቲ ንዓኺ ቃሕ ዝበለኪ ጌርኪ ንበሪ። ጽቡቕን ክፉእን ባዕልኺ ከም ድላይኪ ገይርኪ ወስኒ። ንኣምላኽ ክትእዘዚ ዘድሊ ኣይኰነን።’ ከም ዝበላ ኣይትረስዕ። (ዘፍጥረት 3:1-5) ኣብ መብዛሕትኡ ሙዚቃታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝመሓላለፍ ዘሎ መልእኽትስ እዚዶ ኣይኰነን? ይኹን እምበር ኣጋንንቲ ብሙዚቃ ጥራይ ኣይኰኑን ዝምህሩ ዘለዉ። ንግዲ ሬክላም ዝግበሮ ናይ ተለቪዥን መደባት ሲነማታት ከምኡውን ቪድዮታት ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ከመይ ኢሉ ከምኡ ይኸውን? እዘን ናይዛ ዓለም እዚኣ መራኸቢ ብዙሃን ዝበሃላ ከም እኒ ረድዮ፡ ተለቪዥን ቪድዮን ዝኣመሰላ ነቲ ናይ ኣምላኽ ትምህርቲ ስነ-ምግባር ኣምላኽ ጨቋኒ ከም ዝኾነ ዘምስል መዘናጊዒታት እየን ዘመሓላልፋ። ንምንዝርና ኣጋኒነን ስለ ዝዛረባሉን ከም ተባሃጊ ገይረን ድማ ስለ ዘቕርብኦን ደገፍቱ ምዃነን ኣርእየን እየን።
11. ብስነ ምግባር ዝመጸ፡ ተለቪዥን እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ኢያ መብዛሕትኡ ግዜ ተመሓላልፍ ዘላ?
11 እታ ዩ. ኤስ. ኒውስ ኤንድ ዎልድ ሪፖርት ዝተባህለት መጽሔት ከምዚ በለት፦ “ኣብ 1991 እተን ሰለስተ ናይ ተለቪዥን ትካላት ኣብቲ ብዙሕ ተዓዛባይ ዘለዎ ሰዓታት ልዕሊ 10,000 ጾታዊ ርክብ ዘርኢ መደባት ፈንየን ነይረን፡ ካብዚ ድማ እዘን ትካላት እዚአን ኣብ መንጐ ምርዑዋት ዝተገብረ ጾታዊ ርክብ ሓንሳብ ከርእያ ከለዋ፡ 14 ግዜ ድማ ኣብ መንጐ ዘይምርዑዋት ዝፍጸም ርክብ የርእያ ነይረን ማለት ኢዩ። “ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ 9,000 ዘይሕጋዊ ጾታዊ ርክብ ኣብቲ ብዙሕ ተዓዛባይ ዘለዎ እዋን ክፍኖ ከሎስ ተለቪዥን እንታይ ትምህርቱ ኢያ ተመሓላልፍ ዘላ ምበልካ። ነዚ ሕቶ እዚ ክምልሽ ከሎ እቲ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ናይቲ “ጾታዊ ርክብ ኣብቲ ብዙሕ ተዓዛባይ ዘለዎ ሰዓታት፡ ካብ 1979 ክሳዕ 1989 ዘሎ ዓመታት” ዘርእስቱ ጸብጻብ ባሪይ ሳፖልስክለይ ዝተባህለ ከምዚ ይብል፦ “ሓደ መንእሰይ ነዞም ናይ ዓመታት ናይ ምኩሻምን ቅሉዕ ጾታዊ ርከብን ዘርእዩ ናይ ቲቪ መደባት በዘይ ምቍራጽ ርእዮዎም እንተደኣ ኰይኑ እዚ ኣብ ኣእምሮ ተቐሪጹ ዘሎ ብኣሽሓት ዝቑጸር ስእልታት ዘመሓላልፎ ትምህርቲ ምንም ጉድኣት ወይ ሳዕቤን ዘይብሉ ስለ ዝኾነ ጾታዊ ርክብ ባህ ዘብል ነገር ኢዩ ዝብል ኢዩ።” እዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ መዘናጊዒታት ንመንእሰያት ዘመሓላልፈሎም ዘሎ ትምህርቲ፡ ሕጊ የለን፡ ምንዝር ቅቡል ኢዩ፡ በቲ ኣምላኽ ዝኾነኖ መገዲ ህይወት ምምልላስ ጐዳኢ ሳዕቤን የብሉን፡ ዝብል ምዃኑ ፈጺሙ ዘጠራጥር ኣይኰነን።—1 ቈረንቶስ 6:18፣ ኤፌሶን 5:3-5
12. እዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ መዘናግዒታት፡ ብፍላይ ንክርስትያን መንእሰያት ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ስለምንታይ ኢዩ?
12 እዚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ሙዚቃ፡ ፊልምታት፡ ቪድዮታት፡ ከምኡውን ናይ ቲቪ መደባት ንመንእሰያት ክስሕብ ተባሂሉ ኢዩ ዝዳሎ። ነቲ ብልሽው ትምህርቲ ናይ ኣጋንንቲ ዝዝርግሑ ኢዮም! በዝስ ክንግረምዶ ይግብኣና ኢዩ? እስከ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሕሰብ፦ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ፖለቲካን ከምቲ ናይ ሓቂ ኰይንዎ ዘሎ፡ ክፍሊ ናይዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እንተደኣ ኰይኖም፡ እቲ በዛ ዓለም እዚኣ ዝፍኖ ዘሎ መዘናጊዒታት ካብ ጽልዋ ናይ ኣጋንንቲ ናጻ ኢዩ ኢልካ ምእማን ምኽንያታዊ እዩዶ ምበልካ? ብፍላይ እዞም መንእሰያት ዝኾንኩም “እዛ ኣብ ከባቢኹም ዘላ ዓለም ጭፍልቕ ኣቢላ ኣብቲ ናታ ቅርጺ” ከይተእትወኩም ክትጥንቀቑ ኣለኩም።—ሮሜ 12:2 ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ ብ ጀይ ቢ ፊሊፕስ።
ርእስኻ መርምር
13. ከመይ ዝበለ ርእሰ-ምርመራ ኢዩ ክግበር ዘለዎ?
13 ኣብ ናይ መን ትምህርቲ ተቕልብ ከም ዘሎኻ በቲ እትብሎ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ እትገብሮውን ይፍለጥ ኢዩ። (ሮሜ 6:16) ስለዚ እምበኣር ከምዚ ኢልካ ንነብስኻ ሕተታ፦ “ኣተሓሳስባይን ኣካይዳይን በቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ናይ መናፍሓት መትረብ ዘመሓላለፎ ትምህርቲ ብኣሉታዊ መገዲ ተጸልዩዶ ኢዩ? ትምህርቲ ኣጋንንቲ ኣብ ህይወተይ መገዲ ይጸርግዶ ኣሎ ኢዩ? ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ንምምላሶም መታን ክትክእል ንምንታይ ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምስታፍ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ንምዝራብ፡ እተጥፍኦ ግዜን ጻዕርን ምስቲ ቲቪ ንምርኣይ ሙዚቃ ንምስማዕ ኣብቲ ትፈትዎ ስፖርት ንምስታፍ ወይ ኣብ ካልእ ነዚ ዝመስሉ ተግባራት እተጥፍኦ ዘሎኻ ዘይተነጻጽሮ። ኣዝዩ ከቢድ ነገር እወ ብዓቢኡ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ስለ ዝኰነ ብቕንዕና ርእስኻ ክትምርምር ይግብኣካ።—2 ቈረንቶስ 13:5
14. ንመንፈሳዊ ጥዕናና እንታይ ክነኽኦ ይኽእል? ከመይ ዝበለ ሓቂ ኢና ኣብ ኣእምሮና ክንሕዝ ዘሎና?
14 እቲ እትበልዖ መግቢ ነቲ ስጋዊ ጥዕናኻ ኣዝዩ ዝነኽኦ ምዃኑ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ። ብተመሳሳለሊ እቲ ንኣእምሮኻን ልብኻን እትምግቦ ነገር ድማ ነቲ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ኣዝዩ ይነኽኦ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:1, 2) ሽሕኳ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ባህግና ንገዛእ ርእስና ከነታልላ እንተኸኣልና ነቲ ፈራዲና የሱስ ክርስቶስ ግና ኸነታልሎ ኣይንኽእልን ኢና። (ዮሃንስ 5:30) እስከ ከምዚ ኢልካ ንነብስኻ ሕተታ ‘የሱስ ኣብ ምድሪ እንተ ዝህሉ እሞ ክበጽሓኒ ገዛይ እንተ ዝመጽእ። ነቲ ዝሰምዖ ዘሎኹ ሙዚቃ እንተ ዝሰምዖ ወይ ነቲ ዝርእዮ ዘሎኹ ቲቪ እንተ ዝርእዮስ ምሓፈርኩ ዶኾን እኸውን?’ እቲ ርግጽ ዝኾነ ሓቂ የሱስ ይርእየናን ነቲ ግብርና ድማ ይፈልጦን ምዃኑ ኢዩ።—ራእይ 3:15
ንምህሮ ኣጋንንቲ ተቓወሞ
15. ክርስትያናት ንትምህርቲ ኣጋንንቲ ንምቅዋም ኣበርቲዖም ክቃለሱ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ?
15 ኣጋንንቲ ነቲ መንእሰያት ንትምህርቶም መታን ከቕልብሉ ዝገብርዎ ዘለዉ ጸቕጢ ኣዝዩ ብርቱዕ ኢዩ። እዞም እኩያት መናፍስቲ ሓደ ብኡንብኡ ተድላ ዝርከቦ ናይ ሰሓቕን ሓጐስን ህይወት ይቕርቡ ከም ዘለዉ ኢዮም ዝመስሉ። እቲ ናይ ጥንቲ ሙሴ ንኣምላኽ መታን ከሐጉስ ነቲ ከም ምርኡይ ኣባል ስድራቤት ፈርኦን ኰይኑ “ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ” ምባል ነጸጐ። (እብራውያን 11:24-27) ነቲ ኣጋንንቲ ዝቕርቡልካ ምንጻግ ቀሊል ስለ ዘይኰነ፡ ቅኑዕ ዘበለ ነገር ንምግባር ኣበርቲዕካ ክትቃለስ ከድልየካ ኢዩ። እዚ ብፍላይ ሓቂ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሓጢኣት ዝወረስና ብምዃንናን ልብና ድማ እከይ ንምግባር ይብህግ ስለ ዝኾነን ኢዩ። (ዘፍጥረት 8:21፣ ሮሜ 5:12) ብምኽንያት እዚ ሓጥእ ዝንባሌ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንገዛእ ርእሱ ከሳቐን እቲ ስጋዊ ባህግታቱ ክዕብልሎን ኣይፈቐደሉን።-1 ቈረንቶስ 9:27፣ ሮሜ 7:21-23
16. ኣብ ርኹስ ተግባራት መታን ከይወድቁ መንእሰያት ብኸመይ ነቲ ጸቕጢ ክቃወምዎ ምኸኣሉ?
16 ሽሕኳ ነቲ “ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት” ንኽትስዕብ እንተተፈተንካ ኣምላኽ ግና ነቲ እኩይ ተግባራት ናይ መሳቱኻ ንክትስዕብ ዝገብረልካ ተጽዕኖ ንክትቃወሞ ክሕግዘካ ኢዩ። (ዘጸኣት 23:2፣ 1 ቈረንቶስ 10:13) ይኹን እምበር ነቲ መሪሕነት ናይ ኣምላኽ ክትእዘዞ ንቃላቱ ድማ ኣብ ልብኻ ክትዓቍሮን ከድልየካ ኢዩ። (መዝሙር 119:9, 11) ሓደ ከተስተውዕሎ ዘሎካ ነገር መንእሰያት ንበይኖም ብሕት ምስ ዝብሉ ጾታዊ ባህጊ ክዓብን ሕጊ ኣምላኽ ናብ ምፍራስን ክመርሖም ከም ዝኽእል ኢዩ። ሓንቲ ጐርዞ መንእሰይ “በይንና ምስቲ ዓርከይ ወዲ ክንከውን ከሎና፡ ኣካላተይ ሓደ ነገር ይደሊ፡ ኣእምሮይ ድማ ካልእ ነገር ክገብር ይነግረኒ።” እናበለት ትእመን። ስለዚ እምበኣር ነቶም ዘለዉኻ ድኻማት ፍለጦም፡ ከምኡውን ልብኻ ኣዝዩ ጐራሕን ሕሱምን ምዃኑ ተገንዘብ። (ኤርምያስ 17:9) ንርእስኻ ኣይተግልላ። (ምሳሌ 18:1) ንመግለጺታት ናይ ፍቕሪ ደረት ግበረሎም። እቲ ኣዝዩ ዘገድስ ድማ ምስቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎን ንስርዓታቱ ድማ ዓሚቍ ክብሪ ዘለዎምን ናይ ቀረባ ምሕዝነት ክትገብር ኣሎካ።—መዝሙር 119:63፣ ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33
17. ክርስትያን መንእሰያት ንምህሮ ኣጋንንቲ ንኽቃወምዎ ዘኽእሎም ሓይሊ መታን ክረኽቡ እንታይ ክሕግዞም ይኽእል?
17 እቲ ብመንፈስ ጽኑዕ ክገብረካ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ክርስትያን ጽሑፋት፡ ተጠንቂቕካ እንተመርመርካዮ ብዙሕ ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ብዛዕባዚ ጉዳይ እዚ ዝወጹ ሕታማት ናይ ግንቢ ዘብዐኛ ኣለዉ፡ ከምኡውን እታ “ቅኑዕ ንምግባር ዘሎካ ቃልሲ” ትብል ምዕራፍ ናይታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣሎ። ነቲ ጽሑፋዊ መምርሒ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮኻን ልብኻን ከም ዝሰጥም ግበሮ እሞ ከጽንዓካ ኢዩ። ሓደ ክትርስዖ ዘይብልካ ሓቂ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ኣብዛ ብኣጋንንቲ ዝተታሕዘት ዓለም ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ስለዚ ኣበርቲዕካ ተቓለስ፡ (ሉቃስ 13:24) መንፈሳዊ ሓይልኻ ህነጾ። ነቶም ደድሕሪ ብዙሓት ስቕ ኢሎም ዝስዕቡ ዘለዉ ድኹማትን ፈራሃትን ኣይትምሰሎም።
ካብ መለኮታዊ ትምህርቲ ዝርከብ ጥቕሚ
18. ናብ መለኮታዊ ትምህርቲ ምቕላብ ዘምጽኦ ገለ ገለ ጥቕምታት እንታይ ኢዮም?
18 ናብ ትምህርትታት የሆዋ ብምቕላብካ ዋጋ ዘለዎ ዝጠቅም ነገር ከም ዘይጐድለካ እውን ዘክር። ንሱ ኣዝዩ የፍቅረካ ኢዩ፡ በዚ ድማ ኢዩ “ነቲ ዝጠቅም ዝምህረካ” ዘሎ። (ኢሳይያስ 48:17) ስለዚ እምበኣር ኣብ ትምህርትታት የሆዋ ብምቕላብ ነቲ ሕማም ልቢ ዝኾነ ዝተባላሸወ ሕልና፡ ሰብኣዊ ክብርኻ ምጥፋእ፡ ዘይድለ ጥንሲ፡ ብጾታ ዝመሓላለፉ ሕማማት ወይ ተመሳሳሊ መከራታት ከተወግድ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንኣምላኽ እሙን ዝኸውን ሰብ የለን ዝብል ክሲ ናይ ሰይጣን፡ እቶም ኣገልገልቱ መልሲ ከም ዝህብ ክገብርዎ ከለዉ የሆዋ ኣዝዩ ይሕጐስ ኢዩ። (እዮብ 1:6-12) ንየሆዋ እሙን ብምዃን ንልቡ እንተ ኣሐጒስካዮ፡ ኣብ ልዕሊ እዛ ዓለም እዚኣ ከቢድ ፍርዱ ከውርድ ከሎን እቶም ነቲ ሕጉ ሸለል ዝብልዎ ክጠፍኡ ከለዉን፡ ንስኻ ግና ክትድሕን ኢኻ። ምሳሌ 27:11፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 1 ዮሃንስ 2:17
19. ምስቶም ካብ ትምህርቲ ናይ የሆዋ ዝርከብ ጥቕምታት ዘማስዉሉ ሰባት ምምሕዛው እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ?
19 ምስቶም ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ዓሚቍ ሞሳ ዘርእዩ ሰባት ትመሓዞ እንተደኣ ኰይካ፡ ካብቲ ተሞክሮኦም ብዙሕ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ሓንቲ ቀደም ሓሽሽ እትወስድን ብርኽሰት ትመላለስ ዝነበረትን ሰብ ከምዚ ትብል፦ “ንየሆዋ ሰሚዐዮ ነይረ እንተዘይከውን ሕጂ ብህይወት ኣይመሃለኹን ነይረ። እቲ ክምርዓዎ ሓሲበ ዝነበርኩ ሰብኣይ ብምኽንያት ኤይድስ ሞይቱ። ኩሎም እቶም ናይ ቀደም ዓለማውያን ኣዕሩኽተይ ገሊኦም ብኤይድስ ሞይቶም ገሊኦም ድማ ክሞቱ ይቀራረቡ ኣለዉ። ኣብ ጐደናታት ይርእዮም እየ፡ ንየሆዋ ድማ በቲ ንህዝቡ መምርሒ ክኸውን ኢሉ ዝሃቦ እንተሓልዮሞ ከኣ ንጹሃት ወይ ቅዱሳት ክገብሮም ዝከኣሎ ሕጉ ኩሉ ሳዕ የመስግኖ ኣሎኹ። ከም ሎሚ ገይሩ ሓጐስን ዕግበትን ዑቕባን ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን።” እወ ብርግጽ፡ ንትምህርቲ የሆዋ ምቕላብ ኩሉ ግዜ ንጥቕምና ኢዩ!
ቅኑዕ ምርጫ ግበር
20, 21. (ሀ) መንእሰያት ከመይ ዝበለ ክልተ ኣማራጺታት ኢዩ ዘለዎም? (ለ) ንመለኮታዊ ትምህርቲ ምቕላብ ከመይ ዝበለ ጥቕምታት ኢዩ ዘምጽእ?
20 ኣቱም መንእሰያት ዘበልኩም፡ ንየሆዋ ምግልጋል ቅኑዕ ምርጫ ግበሩ እናበልና ነተባብዓኩም ኣሎና። ቀጺልኩም ድማ ምስ እዚ ውሳኔ እዚ ጠቢቕኩም ክትመላለሱ ቆሪጽኩም ተለዓሉ። (እያሱ 24:15) ካብቶም ዘለዉ ክልተ ኣማራጺታት ንሓንቲ ኢኻ ክትመርጽ እትኽእል። የሱስ ብዛዕባ ሓንቲ ገፋሕን ርሕብትን መገዲ ማለት ንዓኻ ባህ ዝብለካ ነገር ንምግባር ቀሊል ዝኾነልካ ተዛሪቡ ኣሎ። እዛ መገዲ እዚኣ መወዳእትኣ ሞት፡ ጥፍኣት ኢዩ። እታ ሓንቲ መገዲ ግና ጸባብ ኣብዛ ቀይዲ በተኽ ርኽሰት ዝፍጸመላን ብኣጋንንቲ ተታሒዛ ዘላ ዓለምን፡ በዛ መገዲ እዚኣ ምምልላስ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ። ግናኸ እቶም በዛ መገዲ እዚኣ ዝመላለሱ፡ መወዳእታኡ ኣብታ ናይ ኣምላኽ እተደንቕ ሓዳስ ዓለም ከተእትዎም ኢያ። (ማቴዎስ 7:13, 14) ኣየናይ መገዲ ኢኻ ክትመርጽ? ኣብ ናይ መን ትምህርቲ ኢኻ እተቕልብ?
21 የሆዋ ነቲ ምርጫ ናባኻ ኢዩ ሓዲግዎ። ንእኡ መታን ከተገልግል ኢሉ ፈጺሙ ኣየገድደካን ኢዩ። እቲ ናይ ኣምላኽ ነቢ ሙሴ “ህይወትን ሞትን ኣብ ቀድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ” ይብል “ህይወት ሕረ” እናበለ ድማ ይምዕድ። እዚ ምርጫ እዚ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምፍቃርን፡ ቃሉ ብምስማዕን ናብኡውን ብምልጋብን ኢዩ ዝግለጽ። (ዘዳግም 29:2፣ 30:19, 20) ነቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ከተቕልበሉን ኣብታ ግርማዊት ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት መታን ክትረክብን ብጥበብ እትመርጽ ይግበርካ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ?
□ ኣጋንንቲ መን ኢዮም? እቲ ትምህርቶምከ እንታይ ኢዩ?
□ ሎሚ ኣጋንንቲ ንትምህርቶም ብኸመይ ይዝርግሕዎ ኣለዉ?
□ ንምህሮ ኣጋንንቲ ብኸመይ ክትቃወሞ ትኽእል?
□ ንምህሮ ኣጋንንቲ ምቅዋም እንታይ ጥቕሚ የምጽእ?
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ቅድሚ ማይ ኣይሂ እቶም ዘይእዙዛት መላእኽትን ደቆምን ዓመጽን ብዕልግናን የተባብዑ ነበሩ
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]
ነታ እትፈትዋ ሙዚቃ የሱስ እንተ ዝሰምዓስ ምሓፈርካዶ?