እቶም ዝሞቱ ፍቑራትካ ኣበይ ኢዮም ዘለዉ?
ኣሌክ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክልት ኣዕርኽቱ ስለ ዝስኣነ ብጓሂ ኩርምይ በለ። እቲ ሓደ: ነቪል ዝተባህለ ብበራሪ ጥይት ሞተ። እቲ ሓደ ድማ ቶኒይ ዝተባህለ ብሓደጋ መኪና ተቐትለ። ነዚ 14 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ደቡብ ኣፍሪቃ መንእሰይ: ቅድሚኡ ብዙሕ ተገዲሱሎም ዘይፈልጥ ሕቶታት ከጨንቕዎ ጀመሩ። ‘ስለምንታይ ኢዮም ሰባት ዝሞቱ? ሰባት ምስ ሞቱ እንታይ ይኾኑ?’ እናበለ ኣስተንተነ።
ኣሌክ ናብ ቀብሪ ናይ ነቪል ክኸይድ ከሎ: ናይ ሕቶታቱ መልሲ ክረክብ ብቕንዕና ተስፋ ገይሩ ነበረ። “ይኹን እምበር” ይብል ተዘክሮኡ ክገልጽ ከሎ “እቲ ቀሺ ካብ ሓንቲ መጽሓፍ ኣንቢቡ: ነቪል ንሰማይ ከይዱ ኢዩ በለ። ድሕሪኡ ኣብቲ ጥቓ እቲ ጉድጓድ ቅርብ ኢሉ ትንሳኤ ንጽበ ኣሎና በለ። በዚ ተደናገርኩ። ነቪል ኣብ ሰማይ እንተደኣ ኣልዩ ደኣ: ከመይ ኢሉ ትንሳኤ ይጽበ?”
ጸኒሑ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ኣሌክ ክቐብር ናብ ናይ ቶኒይ ቀብሪ ከደ። እቲ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ዝተፈጸመሉ ቋንቋ ፈጺሙ ክርድኦ ኣይከኣለን። እንተኾነ ግና ነቲ ናይ ዕብዳን ዝመስል ጠባያት ናይ ገለ ካብቶም ሓዘንተኛታት ምስ ረኣየ ምንም ዘጸናንዕ ሓሳባት ከም ዘይተዋህበ ኣረጋገጸ። ሓሳባቱ ክገልጽ ከሎ “በታ ለይቲ እቲኣ: ኣዝየ ተረቢሸ ሓደርኩ። ገለ ነገር ንኽገብር ምንም ዓቕሚ ዘይብለይ ምዃነይ ተሰምዓኒ: ዝገብሮ ድማ ጠፍኣኒ። ንሕቶታተይ ዘዕግብ መልሲ ክህበኒ ዝኽእል የለን። ኣብ ህይወተይ ንመጀመርያ ግዜ ኣምላኽ ዝበሃል ዶኾን ይህሉ ይኸውን ኢለ ኣስተንተንኩ” በለ።
ከም ኣሌክ ዝበሉ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ንፍቑራቶም ብሞት ይስእንዎም አለዉ። “ኣብ 1991 ጥራይ: ኣብ ብዘላ ዓለም 50, 418, 000 ዝኣኽሉ ሰባት ሞቱ።” ይብል እቲ 1992 ብሪታኒካ ቡክ ኦቭ ዘይ ዪር ዝተባህለ መጽሓፍ። ካብኡ ንነጀው ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት ሚልዮናት ሞይቶም ኢዮም። እስከ በቶም ሓዘንተኛታት ዝወሓዘ ንብዓት እሞ ክንደይ ምዃኑ ገምቶ! እቲ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ሓሳባት ብዛዕባ ሞት ዝፈጥሮ ምድንጋራት ድማ ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ነቲ ሓዘኖም ዝገደደ ይገብሮ።
በዚ ኢዩ እምበኣር ብዙሓት ከም ኣሌክ ዝበሉ ዝተደናገሩን ድሕሪ ሞት: መጻኢ ህይወት ኣሎ ኢሎም ተስፋ ንኽገብሩ ገለ ምኽንያታት ምህላዎም ዝጠራጠሩን ኰይኖም ዘለዉ። እቲ ናይ ሃይማኖት ኢንሳይክሎፐድያ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ኩሉ እዚ ዝሓለፈ ወለዶታት: እቶም መስተውዓልቲ ሰባት መርገጾም ካብቲ ናይቲ ሓፋሽ ፍልይ ዝበለ ኢዩ ነይሩ . . . እታ ነፍሲ ወይ ህይወት ናይቲ ሰብ ካብ ኣእምሮን ኣካልን ተፈልያ ከመይ ኢላ ክትቅጽል ትኽእል እናበሉ ይጠራጠሩ ነይሮም ኢዮም።”
እቲ ዝገርምሲ: እዛ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰት ኢንሳይክሎፐድያ ወይ መዝገበ ፍልጠት ነቲ ካብ ኣካልና እትፍለ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላ ዝብል ሃይማኖታዊ ክልሰ–ሓሳብ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድጋፍ ዘይብሉ ምዃኑ ትእመነሉ ኢያ። ሓቂ’ዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሑዳት ጥቕስታት “ነፍሲ” ናይ ሓደ ሰብ ካብቲ ዝሞተ ኣካሉ ከም ዝወጸትን ናብቲ ዝሞተ ኣካሉ ከም ዝተመልሰትን ይገልጽ ኢዩ: ይኹን እምበር ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን እንተሪኢና: እታ “ነፍሲ” እትብል እቲ ሰብ ህይወቱ ከም ዘጥፍአን እንደገና ናብ ህይወት ከም ዝተመልሰን ንምግላጽ ኢያ ኣትያ ዘላ። (ዘፍጥረት 35:16–19፣ 1 ነገስት 17:17–23) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዛ ነፍሲ እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ንዝረኣዩን ዝጭበጡን ናይ ስጋን ደምን ፍጥረታት: እወ ንህያዋን ፍጥረታት ንምግላጽ ኢያ ተዘውቲራ ዘላ። (ዘፍጥረት 1:20፣ 2:7) በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኢዩ: ብምድግጋም ነፍሲ መዋቲት ምዃና ዝገልጽ። (ህዝቅኤል 18:4, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:23፣ ራእይ 16:3) ቃል ኣምላኽ ነፍሲ ሓንሳብ እንተሞይታ እንታይ ከም እትኸውን ክገልጽ ከሎ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ይብል። — መክብብ 9:5, 10
በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ናብ ህይወት ዝተመልሱ ምዉታት ዝመልከት ጸብጻብ ሒዙ ይርከብ። ናይ ኣልኣዛር እንተወሰድና: እዚ ዝኾነሉ ኣርባዕተ መዓልቲ ድሕሪ ሞቱ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:39, 43, 44) ናይቶም ኣማእታት አረ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ዝሞቱ ኩነታት ደኣ ከመይ ክኸውን ኢዩ? እቲ ናይ መጻኢ ግዜ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋኦም መታን ክፍጸም: ኣምላኽ ነቲ ክሞቱ ከለዉ ሒዞሞ ዝነበሩ አካላት ከተንስኦዶ ከድልዮ ኢዩ?
ያእ ኣይፋሉን። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ እሞ ምስቲ ኣብቲ ምዉት ኣካላት ዘለዉ ኣቶም ዝተባህሉ ዘጋጥሞም ነገር ዘይሰማማዕ ኢዩ። ገለ ካብዞም ኣብቲ ምዉት ኣካል ዘለዉ ኣቶም ዝተባህሉ: ግዜ እናወሰደ ክኸይድ ከሎ ብገለ ኣቑጽልቲ ይውሰዱ እሞ ክፍሊ ናይታ ቆጽሊ ይኾኑ: እታ ቆጽሊ ድማ ብግዲኣ ብኻልእ ፍጡር ትብላዕ ክፍሊ ኣካላቱ ድማ ትኸውን።
እዚ ግና: እቶም ነዊሕ ግዜ ይገብር ዝሞቱስ ፈጺሙ ተስፋ የብሎምን ማለት ድዩ? ያእ ኣይፋሉን። እቲ ፈጣሪ ናይዚ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣድማስና: ኣዝዩ ዘደንቕን ደረት–ኣልቦ ዝኾነን ናይ ምዝካር ክእለት ዘለዎ ኢዩ። ናይቶም ክዝክሮም ዝደለየ ዝሞቱ ሰባት እቲ ኩሉ ባህርያቶምን እቲ ኣሰራርሓ ናይ ውሽጣዊ ኣካላቶምን ኣብቲ ፍጹም መዘከርታኡ ክዓቑሮ ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺ: የሆዋ ኣምላኽ ልክዕ ነቲ ሰብ ከምታ ቅድም ዝነበራ ገይሩ እንደገና ክፈጥሮ ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ዝፈጠሮ ሓዲሽ ኣካል ነቲ ዓቊሩዎ ዝነበረ ተዘክሮታትን ባህርያትን ናይቲ ክዝክሮ ዝፈተወ ሰብ ክስኵዓሉ ይኽእል ኢዩ: ንኣብነት ከም በዓል ኣብርሃም ዝኣመሰሉ።
ድሕሪ ሞት ናይ ኣብራሃም: ክልተ ሽሕ ዓመት ዝኣክል ጸኒሑ የሱስ ከምዚ ዝብል መረጋገጺ ሃቦ:- “ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻኹ ቁጥቋጥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርኣየ። ንእኡ ኩሎም ህያዋን ኢዮም እሞ: ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን።” (ሉቃስ 20:37, 38) ኣብ ርእሲ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ካልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዝሞቱ ሰባት ትንሳኤ እናተጸበዩ ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ህያዋን ዝኾኑ ኣለዉ። “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና። ግብሪ ሃዋርያት 24:15
ኣሌክ ድሕሪ እቲ መሪር ሓዘኑ: ገለ ሰሙናት ጸኒሑ ናይቶም ሕቶታቱ መልሲ ረኸበ። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ገዝኡ ብምኻድ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን እንታይ ከም ዝብል ኣርኣዮ። እዚ ንኣሌክ ብዙሕ ኣጸናንዖ ንህይወቱ ድማ ሐድሽ ትርጉም ኣምጽኣሉ።
ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመስረተ ተስፋ ናይ ትንሳኤ ብዙሕ ክትፈልጥዶ ምደለኻ? ንኣብነት መብዛሕትኦም ዝትንስኡ ኣብ ሰማይ ድዮም ወይስ ኣብ ምድሪ? ሓደ ሰብ ነቲ ሰባት ምስቶም ዝሞቱ ፍቑራቶም እንደገና ክራኸቡ ኢዮም ዝብል ዘደንቕ ተስፋ ናይ ኣምላኽ እንታይ እንተገበረ ኢዩ ስምረት ኣምላኽ ረኺቡ ክጓናጸፎ ዝኽእል?