ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝረኸብክዎ ብሉጽን ዓስቢ ዘለዎን ህይወት
ብሊዮ ካልዮ ከም ዝተዘንተወ
ብ1914: ኣብ ከባቢ ናይታ ኣብ ፊንላንድ እትርከብ ቱርኩ ዝተባህለት ከተማና ሓንቲ ውቅብቲ መዓልቲ ናይ ክረምቲ ኣብ ምውድኣ ኣቢላ ትኸይድ ነበረት። ብሃንደበት ከኣ እቲ ዝነበረ ጸጥታ ብዜና ናይቲ ሽዑ ሽዑ ዝነተጐ ዓቢ ውግእ ተበጻበጸ: ብኡብኡ ኸኣ: እቲ ጐደናታት በቶም ብዛዕባ ዝኾነ ኵነታት ክፈልጡ ቀልባዕባዕ ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት መልአ። እቶም ዓበይቲ ተኪዞም ክንርእዮም ከሎና እቶም ቆልዑ ዝኾንና እንታይ ክወርድ ኢዩ ብመባል ንጭነቕ ነበርና። ኣነ ሽዑ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ነበርኩ: እቲ ህዱእ ጸወታ ናይቶም ቆልዑ ናብ ናይ ውግእ ግጥማት ክልወጥ እዝከረኒ።
ፊንላንድ ሽሕኳ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም (1914–18) ካብቲ ውግእ ተገሊላ እንተነበረት: ብ1918 እታ ሃገር ብውግእ ሓድሕድ ተሃስያ ኢያ። ኣዝማድን ቀደም ኣዕሩኽ ዝነበሩን ብምኽንያት ፍልልይ ናይ ፖለቲካዊ ስምዒታት ኣንጻር ሓድሕድ ኣጽዋር ኣልዓሉ። ሾብዓተ ኣባላት ዝነበርዋ ስድራቤትናውን ነዚ ጽልኢ እዚ ተሞኪራትሉ ኢያ። ኣቦይ ሓሳቡ ድርጉሕ ኣቢሉ ዝዛረብ ሰብ ብንምባሩ: ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ብምእታው ንሾብዓተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈርደ። ዳሕራይ ካብ ቤት ማእሰርቲኳ እንተተለቀ: ጥዕንኡ ኣዝዩ ተሃስዩ ነበረ።
ስድራቤትና ኣብዚ ዘስካሕክሕ እዋን እዚ ብጥሜትን ሕማምን ትሳቐ ነበረት። ሰለስተ ካብ ንኣሽቱ ኣሓተይ ሞታ። ኣብ ከተማ ታምፐረ ዝቕመጥ ዝነበረ ዓቢ ሓወቦይ ብዛዕባቲ ወሪዱና ዝነበረ ጸበባ ሰምዐ እሞ: ነቦይን ነደይን ነቶም ተሪፍና ዝነበርና ክልተ ቆልዑን ምስኡ ክንቅመጥ ወሰደና።
ድሕሪ ሓያለይ ዓመታት: ገና ኣብ ታምፐረ እናተቐመጥኩ ከሎኹ: ምስ ሓንቲ ሲልቪ ዝተባህለት ምጭውቲ ጓል ተላለኹ። ንሳውን ነቲ ናተይ ዝመሳሰል ተመኩሮ ዘሕለፈት ኢያ ነይራ። ኣቡኣ ኣብቲ ውግእ ሓድሕድ ስለ ዝተቐትለ ሓደ ኣብ ከተማ ፖሪ ቀረባ ዓርኪ ኣቡኣ ዝነበረ ካርሎ (ካል) ቨሳንቶ ዝተባህለ ሰብ ንእኣን ንዓባይ ሓብታን ኣዲኣን ናብ ቤቱ ወሰደን። ንኣደ ሲልቪ ስራሕ: ነተን ኣዋልድ ድማ ቤት ትምህርቲ ረኸበለን። ጸኒሓ ድማ ሲልቪ ስራሕ ክትረክብ ናብ ታምፐረ ተጓዕዘት: ኣብኡ ድማ ኢና ክንላለ ዝኸኣልና።
ንህይወተይ ዝለወጠት ምሸት
ብ1928: ሲልቪ ሕጽይተይ ኰነት። ሓደ መዓልቲ ድማ ንካል ቨሳይንቶን ስድራቤቱን ክንበጽሕ ናብ ፖሪ ተጓዓዝና። ከምታ እዋን እቲኣ ገይራ ንህይወተይ ዝተንከፈት ካልእ ዕለት ኣይነበረትን። ካል ናይ ጋልቢት ኣፍራስ ወናንን ዓላምን ኢዩ ነይሩ: ኣብቲ እዋን እቲ ግን ነቲ ስራሕ ኣቋሪጽዎ ነበረ። ንሱን በዓልቲ ቤቱን ናይ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ቀንኣት ኣስፋሕቲ ኰይኖም ነበሩ። እታ ናይ 1990 ዓመታዊት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነተን “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ዝብላ ቃላት ኣብ ወጻኢ ናይታ ክልተ ደርቢ ዘለዋ ቤቱ ንምጽሓፍ ከመይ ገይሩ ሰባት ከም ዝቖጸረ ተዘንቱ ኢያ። እቲ ጽሑፍ ኣዝዩ ጉሉሕ ስለ ዝነበረ: ኣብ ባቡር ኴንካ ዋላ እናተወንጨፈት ከላ ብቐሊሉ ክንበብ ዝከኣል ኢዩ ነይሩ።
እታ ለይቲ እቲኣ ኣነን ካልን ምድሪ ክሳዕ ዝወግሕ ክንዛረብ ሓደርና። ኣነ “ስለምንታይ? ስለምንታይ? ስለምንታይ?” ኢለ እሓትት ነበርኩ: ካል ኸኣ ይገልጸለይ ነበረ። ነቲ መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት: ዳርጋ ቃል ብቓሉ ብሓንቲ ለይቲ ተምሃርክዎ። ነቲ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ትምህርትታት ዝገልጽ ጥቕስታት ጸሓፍክዎ። ዳሕራይ ናብ ገዛይ ምስ ተመለስኩ ንነፍስ ወከፍ ጥቕሲ ቃል ብቓል ኣብ መዘኻኸሪ ጸሓፍክዎ። ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ ስለ ዘይነበረኒ ኸኣ ነቶም ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ናይ ህንጻ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ንምምስካር እጥቀመሉ ነበርኩ። ነቲ ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከቃልዖ ከለኹ ኸኣ ከይተፈለጠኒ ቃላት ካል ብምድጋም “ብጾት ናይ ብሓቂ ተታሊልኩም ኢኹም ዘሎኹም” እብሎም ነበርኩ።
ካል ኣድራሻ ናይ ሓንቲ ኣብ ታምፐረ እትርከብ 30 ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝእከቡላ ዝነበሩ ንእሽቶ ገዛ ሃበኒ። ኣብኡ ኣብ ጥቓ ሓውና ኣንደርሰን ዋና ናይታ ንእሽቶ ገዛ ኣብቲ ጥቓ ማዕጾ ጭብጥ ኢለ ኰፍ እብል ነበርኩ። ስርዓታዊ ኰይነ እእከብ ኣይነበርኩን: እንተኾነ ግን ጸሎት ሓጋዚ ኰይኑ ረኸብኩዎ። ሓደ ግዜ ኣብ ስራሕ ክብድ ዝበለ ሽግር ምስ ኣጋጠመኒ “ዎ ኣምላኽ በጃኻ ነዚ ሽግራት እዚ ክዕወተሉ እንተደኣ ሓጊዝካኒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ክካፈል ቃል እኣቱ ኣሎኹ” ኢለ ጸሌኹ። እቲ ኩነታት ግን እናደደአ ኸደ። ደሓር እቲ ንየሆዋ ዘቕርቦ ኣገልግሎተይ ኣብ ኵነታት ዝተመርኰሰ ከም ዝገበረክዎ ተገንዚበ ጸሎተይ ብምቕያር “ዝመጸ ይምጻእ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ክካፈል ቃል እኣቱ ኣሎኹ” ኢለ ጸሌኹ። ብድሕርዚ ኸኣ እቲ ጸገመይ ክሃድእ ጀመረ: ብዘይምቍራጽ ድማ ኣብ ኣኼባታት እካፈል ነበርኩ። — 1 ዮሃንስ 5:14
ኣብተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነበረ ኣገልገሎትና
ብ1929: ኣነን ሲልቪን ተመርዖና: ብ1934 ከኣ ክልቴና ህይወትና ናብ የሆዋ ብምውፋይ ብማይ ተጠመቕና። ኣብተን መዓልትታት እቲአን ኣገልግሎትና ኣብ ኣባይቲ ሰባት ግራማፎን ናይ ድምጺ መዛግብትን እናወሰድና ገንዘብ ከየኽፈልና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መደረ ከነስምዖም ፍቓደኛታት እንተኾይኖም ብሕያውነት ምሕታት ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ዝበዝሕ ግዜ ሰባት ኣብ ቤቶም ክንኣቱ ብዘይሰጋእ መጋእ ይዕድሙና ነበሩ። ነቲ ዝተመዝገበ ድምጺ ምስ ሰምዕዎ ድማ ኣብቲ ዝርርብ ይካፈሉን ገለ ካብ ጽሑፋትና ይቕበሉን ነበሩ።
ብፍቓድ ናይ ሰበስልጣናት: ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መደረታት ብመጕልሕ ድምጺ ገይርና ኣብ መናፈሻታት ነስምዖ ነበርና። ኣብቲ ከባቢ ከተማ ድማ: ነታ መጕልሒት ድምጺ ኣብ ናሕሲ ወይ ከኣ ኣብ ጫፍ መውጽእ ትኪ ነላግባ ነበርና። ካልእ ግዜ ድማ: ኣብቲ ደቂ ከተማ ብብዝሒ ዝእከቡሉ መንጽር ቀላይ ንውልዕ ነይርና። ነቲ መጕልሕ ድምጺ: ኣብ ጃልባ ጌርና በቲ ገምገም ገምገም: ቀስ ኢልና ንጅልብ ነበርና። ብግዜ ሰንበት ከኣ ኵሉ እቲ መጕልሕ ድምጽታትናን ብዙሕ ጽሑፋትን ሒዝና ብኣውቶቡስ ናብ ገጠር ተጓዒዝና ንሰብኽ ነበርና።
ንእምነትና ዝፍትን ለውጢ
ብ1938: ከም ፓይኔር ኰይነ ብምዕያይ ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸመድኩ: ይኹን እምበር ኣብ እንዳ ሕጡብ ምስራሕ ድማ እቕጽሎ ነበርኩ። ኣብታ እትስዕብ ጽድያ ካብ ናይ ማሕበር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት: ገያሺ ኣገልጋሊ ወይ በዚ ናይ ሎሚ ኣጸዋውዓ ዘዋሪ ተዓዛቢ ክኸውን ዕድመ ተገብረለይ። ኣብ ታምፐረ ምስ ጉባኤና ኴንካ ምዕያይ ብዙሕ እሕጐሰሉ ስለ ዝነበርኩ ነቲ ዕድመ ክቕበሎ ዝገበርክዎ ውሳኔ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ: ናይ ብሕትና መንበሪ ገዛ ነይሩና: ወዲ ሽድሽተ ዓመት ዝኾነ ወድና ኣርቶውን ብዝቐልጠፈ ትምህርቲ ክጅምር ነይርዎ ሲልቪውን ኣብ ሓደ ግሮሰሪ ከም ተሓጋጋዚት ሸያጢት ብምዃን ንስርሓ ፈትያቶ ነበረት። ይኹን እምበር: ሓቢርና ድሕሪ ምምኽኻር: ነዚ ተወሳኺ መሰል ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ሓንጐፋይ ኢለ ተቐበልክዎ። — ማቴዎስ 6:33።
ብድሕርዚ ድማ ካልእ ኣሸጋሪ እዋን ጀመረ። ሰራዊት ሶቬት ናብ ፊንላንድ ምስ መረሹ ብ30 ሕዳር 1939 ውግእ ተላዕለ። እቲ ናይ ሓጋይ ውግእ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ውግእ: ፊንላንድ ኣብቲ ናይ ሰላም ውዕል ክሳዕ እትሰማማዕ ክሳዕ መጋቢት 1940 ጸንሐ። ተፈጥሮ ንገዛእ ርእሱውን ኣብቲ ውግእ ገጢሙ ከምዝነበረ ኢዩ ዝመስል: ከመይሲ እቲ ሓጋይ እቲ ኣዝዩ ዝቖረረ ሓጋይ ከም ዝነበረ እዝከረኒ። እታ ተርሞሜተር ትሕቲ ዜሮ 30 ዲግሪ ሰንቲግሬድ እናመዝገበት ከላ ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ ጉባኤ ብቢቺግለታ እጕዓዝ ነበርኩ።
ብ1940: ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ፊንላንድ ተኣገደ። ብድሕርዚ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንእሰያት ደቂ ፊንላንድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐኑ እሞ ኣብ ትሕቲ ዘይሰብኣዊ ኵነታት ኣብኡ ከም ዝማስኑ ኾኑ። እቲ ዘሐጕስ ግን ካብ 1939 ክሳዕ 1945 ካልኣይ ውግእ ዓለም ክሳዕ ዝውዳእ ነተን ጉባኤታት ከገልግለን ምኽኣለይ ኢዩ። እዚ ድማ ብዙሕ ግዜ ካብ ሲልቪ ብዓልቲ ቤተይን ካብ ኣሮቶ ወደይን ኣብ ሓደ እግሪ ጥራይ ንኣዋርሕ ዝኣክል ምፍላይ ዝሓተኒ ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ኸኣ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕዮ ተጸሚድካ ተባሂለ ከይተሓዝ ዘየቋርጽ ስግኣት ነይሩኒ ኢዩ።
ኣብ ቢቺግለታ ተወጢሐ ባልጃን መጻሕፍቲ ዝመልአ ሳንጣን ግራማፎንን ዲስኮታትን ጽዒነ ክኸይድ ከሎኹ ንዝረኣየኒ ዘበለ ሰብ ፍሉይ ወይ ጊንጢ ኾይነ እስምዖ ነይረ እኸውን እየ። ሓደ ካብቲ ነቲ ናይ ግራማፎን ናይ ድምጺ መዛግብቲ ተሸኪመዮ ዝኸደሉ ዝነበርኩ ምኽንያት: ምናልባሽ እንተተኣሰርኩ ብጋንጽላ ገይሩ ዝድህስስ ናይ ሩስያ ሰላይ ከም ዘይኰንኩ ንኸእምን ኢለ ኢየ። ርኢኻ: ብጋንጽላ ዝወረድኩ ሰብ ነይረ እንተ ዝኸውን እቲ ዲስኮታት ክዘልል ከለኹ ምተሰብረ ነይሩ ኢለ ክካታዕ ምኸኣልኩ።
እንተኾነ ግና: ሓደ ግዜ ብዛዕባ ሓደ ሰላዪ መጠንቀቕታ ተዋሂቦም አብ ዝነበሩ ከባቢ ክበጸሕ ምስ ከድኩ: እቶም ስድራቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰላዪ መሰልኩዎም። ኣብቲ ጸልማት ናይቲ ቆራሪ ሓጋይ ምሸት ማዕጾ ኳሕኳሕኩ: ንሳቶም ግን ኣዝዮም ፈሪሆም ስለ ዝነበሩ ክኸፍቱኒ ኣይከኣሉን። ስለዚ እታ ለይቲ እቲኣ ምእንቲ ክመውቕ ኢለ ኣብ መንበር ሓሰር: ኣብ ትሕቲ እቲ ሓሰር ተቐቢረ ሓደርኩ። ንጽብሒቱ ኸኣ ብዛዕባ ሓቀኛ መንነተይ ተረድኡ እሞ ኣብቲ ምስኦም ዝጸናሕኩሉ ግዜ እቶም ኣባላት ናይታ ስድራቤት ፍሉይ እንግዶት ከም ዝገበሩለይ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን!
በቲ ውግእ ዝነበረሉ ዓመታት: ሓውና ዮሃንስ ኰስክንን ኣነን ጥራይ ኢና ነተን ኣብ ማእከላይን ሰሜንን ፊንላንድ ዝነበራ ጉባኤታት እነገልግል ዝነበርና። ነፍሲ ወከፍና ኸኣ: ዳርጋ ኣብ ናይ 600 ኪሎሜትር ንውሓት ዘለዎ ሰፊሕ ቦታ ሓላፍነት ተዋህበና። እተን እንበጽሐን ጉባኤታት ኣዝየን ብዙሓት ስለ ዝነበራ ምስ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ኢና እንጸንሕ ዝነበርና። ባቡራት ዳርጋ ኣብ ሰዓተን ኣይርከባን እየን ነይረን: ኣውቶቡሳት ከኣ ውሑዳትን ብዙሕ ጽቕጥቅጥ ዘለወን ብምንባረን ኣብቲ ዝደለናዮ መዕለቢታትና ክንበጽሕ ምኽኣልና ዘገርም ኢዩ ነይሩ።
ብዙሕ ግዜ ንስክላ አምልጥ ነይረ
ሓደ ግዜ ኣብቲ ፈለማ ናይ ሓጋይ ውግእ: ናብ ሄልሲንኪ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከይደ ኣርባዕተ ዝተኣገደ ጽሑፋት ዝሓዘ ከበድቲ ካርቶን ንጉባኤታት ምእንቲ ክዕድሎ ምሳይ ብባቡር ገይረ ወሰድክዎ። ኣብ ሪሂማኪ መዓርፎ ባቡር ከሎና ድማ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከም ዘሎ ዝሕብር ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ተሰምዐ። እቶም ኣብ ባቡር ዝነበሩ ወተሃደራት ነቲ ውርጪ ዝመስል ክዳውንቶም ለበሱ: ገያሾ ድማ ብዝቐልጠፈ ግዜ ካብታ ባቡር ወጺኦም ናብቲ ማዕጾ እቲ መዓርፎ ባቡር ዝነበረ ቃልዕ ግራት ገጾም ከምርሑ ተነግሩ።
ነቶም ወተሃደራት ቁምነገር ናይቲ ካርቶናት ኣረዲአ ምስኦም ክማልእዎም ለመንኩዎም። ኣርባዕተ ካብኣቶም ከኣ ሓሓዲኦም ኣልዓሉ እሞ ኣብቲ ብውርጪ ዝተሸፈነ ግራት 200 ሜትሮ ዝኣክል ጐየና። ኣብ ምድሪ በጥ ምስበልና ኸኣ ሓደ ሰብ “ስማዕ ኣታ በርጌስ: ካብቲ ዘሎኻዮ ፍሕት ከይትብል! እቶም ደብደብቲ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ እንተ ርእዮም ክትኩሱልና ኢዮም” ኢሉ ኣድሃየለይ። ካብ ምህንጣይ ዝተላዕለ ኸኣ ተጠንቂቐ ኣንቃዕሪረ ናብ ሰማይ ጠመትኩሞ 28 ነፈርቲ ቆጸርኩ!
ብሃንደበት ከኣ ምድሪ ክሳዕ ዘንደቕድቕ ቦምብታት ሂም ኢሉ ተተኰሰ። ሽሕኳ እቲ መዓርፎ ባቡር እንተ ዘይተተንከፈ እታ ሒዛትና ዝመጸት ባቡር ግና ተወቕዐት። ኣየ እታ ዝተሰባበረት ባቡር ምስቲ ዝተጠማዘዘ ሓዲድ ኣብ ከመይ ዝበለ ግናይ ትርኢት ኢያ ዝትለወጠት! ንጽባሒቱ ነቲ ካርቶናት ሒዘ መገደይ ቀጸልኩ: እቶም ወተሃደራት ድማ ብኻልእ ባቡር ገይሮም ጕዕዝኦም ቀጸሉ። ሓደ ካብኣቶም ድሕሪ እቲ ውግእ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ እሞ: ብድሕሪኡ እቶም ወተሃደራት ቤርጌስ ምስ ካርቶናቱ እናበሉ ብዛዕባኻ የዕልሉ ነይሮም ኢሉ ኣዘንተወለይ።
ብድሕርቲ ግዜቲ ገለ እዋን ጸኒሑ ሓው ኮስኪነን ነታ ኣብ ከተማ ሮቫኒሚ ሰሜን ፊንላንድ ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ንምግልጋል ክጐዓዝ ከሎ: ካብታ ባቡር ቅድሚ ምውራዱ ተታሕዘ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተዳጐነ ኸኣ ብዙሕ ግፍዒ ረኸበ። ኣነ ነታ ጉባኤ እቲኣ ከገልግል ምስ ተመደብኩ ኸኣ: ኣብታ ንአሽቶ መዓርፎ ባቡር ኣብ ኮይቩ ካብ ባቡር ክወርድ መደብኩ። ኣብኡ ድማ ሓብትና ሄልሚ ፓላሪ ነቲ ዝተረፈ መገዲ ብናይ ጸባ እተጐዓዕዝ ባጐኒ ገይረ ክቕጽሎ ምድላው ገበረትለይ። ኣብ ጉባኤ ሮቭኒሚ ዝገበርኩዎ ጕዕዞ ከኣ ዕዉት ኰነለይ። እንተኾነ ግን ካብኡ ክፋኖ ከሎኹ ሽግር ኣጓነፈኒ።
ናብቲ መዓርፎ ባቡር ኣቢልና እናተጐዓዝና ኸሎና: ንዓይን ነቲ ብጻየይን ክልተ ወተሃደራዊ ፐርሰነል ናይ ነፍሲ ወከፍ ገያሻይ ሰነዳት እናፈተሹ ኸለዉ ገጠሙና። ነቲ ብጻየይ ከኣ “ናብኦም ገጽካ ኣይትጠምት: ኣዒንትኻ ትኽ ኣቢልካ ንቕድሚት ጥራይ ጠምት” በልኩዎ። ህላዌኦም ኣብ ግምት ከየእቶና ኸኣ ብማእከሎም ሰንጢቕና ሓለፍና። ብድሕርዚ እግር እግርና ክስዕቡ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ: ኣብቲ መዓርፎ መገዲ ባቡር: ኣብቲ ማእከል ህዝቢ ኣትየ ተኸወልኩዎም እሞ ኣብ ሓንቲ ትጐዓዝ ዝነበረት ባቡር ዘሊለ ብምእታው ኣምለጥኩ። ኣበተን መዓልታት እቲአን ዕዮ መገሻ ውዕዉዕ ተመኵሮ ኢዩ ነይሩ።
ሓደ ግዜ ተኣሲረ ናብ ሓንቲ ንውትህድርና ዝበቕዑን ዘይበቕዑን ሰባት እትመሚ መማይት ጉጅለ ተወሰድኩ። ሓሳቦም ናብ ግምባር ውግእ ክወስዱኒ ኢዩ ዝነበረ። እንትኾነ ግን ኣብኡ ከሎኹ ብኡብኡ ቴሌፎን ደወለት እሞ እቲ ቃለ መጠይቕ ክገብረለይ ተዳልዩ ዝነበረ ናይ ሰራዊት መኰንን ተቐበላ። እቲ ድምጹ ኣብ ውሽጢ እታ ቴሌፎን ዝስማዕ ዝነበረ ሰብኣይ ከኣ “እንታይ ክትረኽቡ ኢኹም እልፊ ዘይጠቕሙ ሕሙማት ሰብኡት ትሰዱልና ዘሎኹም? እታ ሓንቲ ክንገብራ እንኸእል ናባኹም ምስዳዶም ጥራይ ኢዩ። ንዓና ዘድልዩና ንስራሕ ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ኢዮም።” ክብል ከሎ ሰማዕኩዎ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኸኣ ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዘሎኒ ዝሕብር ናይ ሕክምና ሰርቲፊከት ምሳይ ተማሊአ ነይረ እየ። ነዚ ምስ ኣቕረብኩሎም ከኣ ክኸይድ ኣፍቀዱለይ: ስለዚ ኸኣ ኣብተን ጉባኤታት ዕዮይ ብዘይምቍራጽ ቀጸልኩ!
ኣብ ግዜ ፍርዲ ሓገዝ ኣበርከትኩ
እቲ ውግእ ጌና ከየቋረጸ ይንድር ነበረ: ኣህቲ ላየስተ ዝተባህለ ዓርከይ ከኣ ተኣስረ። ሰበይቱ ጸዊዓትኒ ናብ ቤቱ ምሰ ከድኩ ኣብ መንጐ እቲ ወረቓቕቱ ሓንቲ ካብቶም ናይቲ ዞባ ፖሊስ ዝተዋህበቶ ሰነድ ረኸብኩ። እታ ሰነድ ንኣህቲ ኣብቲ ህዝባዊ መናፈሻታት ናይታ ከተማ ኣብ ናይ ድምጺ መዛግብቲ ዝተቐርጸ ዝርርብ ከስምዕ ከም ዝተፈቕደሉ እተመልክት ኢያ ነይራ። ነታ ሰነድ ሒዝና ናብ ቤት ፍርዲ ከድና። ነታ ክሲ ኣንቢቦም ምስ ወድኡዋ: ነታ ሰነድ ኣብ ኢድ ሓው ላየስተ ኣረከብኩዋ። እቲ ፈራዲ ንሓደ ወተሃደር ልኢኹ ነታ ግራማፎንን ነቲ ሓያለይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባትን ኣምጽኦ እሞ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝስማዕ ገበረ። ንነፍሲ ወከፍ ዝርርብ ድሕሪ ምስማዕ እቲ ፈራዲ ካብቲ ዝተዘርበ ሓንቲ እኳ ትኹን ዘይግብእቲ ትብሃል ከም ዘይነበረት ገለጸ።
ብድሕርዚ ኣህቲ በዓልቲ ቤቱን ኣነን ክሳዕ እቲ ውሳኔ ዝስማዕ ኣብ መተሓላለፊ ማለት ኰሪዶር ክንጸንሕ ተነግረልና። ኣብኡ ኸኣ ብሸቐልቀል ተጸቤና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ “ተኸሳሲ ኣብ መጋብኣያ እቶ” ዝብል ድምጺ ሰማዕና። ሓው ላየስት ኸኣ ናጻ ተለቀ። ኣብ ዕዮና ብምቕጻልና ድማ ልብና ብምስጋና ንየሆዋ መልአ: እንዳ ሓውና ላየስተ ኣብ ጉባኤኦም ኣነ ኸኣ ኣብቲ ናይ ዕዮ መገሻ ንጥፈታተይ ቀጸልኩ።
እቲ ውግእ ይውዳእ ኣገልግሎትና ግን ይቕጽል
እቲ ውግእ ምስተወድአ እቲ ኣብ ልዕሊ ዕዮ ስብከትና ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ተላዕለ: እቶም ኣሕዋት ከኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሑ። ኣብቲ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት ናይ ኣገልገሎት: በቲ ክርስትያን ኣሓት ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽን ንሰብኡተን ብምድጋፍን ዘበርክትኦ ግደ ኣጸቢቐ ኢየ ዝምሰጥ። ብፍላይ ከኣ: ንሲልቪ ስለቲ ዘርኣየቶ መስዋእትታትን ደገፍን የመስግና እየ። ሳላ ከምኡ ዘበለ መስዋእቲ ዝገበረት ከኣ ኢየ ብዘይምቍራጽ ን33 ዓመታት ኣብቲ ናይ መገሻ ዕዮ ክቕጽልን ብድሕሪኡ ኸኣ ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ክቕጽል ዝኸኣልኩ።
ኣነን ሲልቪን ንኣርቶ ትምህርቱ ምስ ወድአ ዕዮ ፓይኔር ክጅምር: እንግሊዝኛ ክመሃር: ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ኸኣ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክካፈል ኣተባባዕናዮ። ብ1953 ከኣ ካብ ጊልዓድ ተመረቐ። ብድሕሪኡ ንኤቫ ተመርዓዋ እሞ ሓቢሮም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን ናይ ዘዋሪ ተዓዛቢ ዕዮን: ኣገልግሎት ቤትኤልን ኣብ ናይ ፍሉይ ፓይነር ዕዮን ተኻፈሉ። ብ1988 ከኣ ኣብ ታምፔር ኣብታ እንቕመጠላ ከተማ ብምምጻእ ዕዮ ናይ ፍሉይ ፓይኔር እናዓየዩ ንዓይን ንሲልቪን ይኣልዩና ኣለዉ።
ኣነን ሲልቭን ምንም’ኳ ሕጂ ሓይልና ኣዝዩ ኣንቆልቊሉ እንተሎ ብዙሕ ዘተባብዕ ተዘክሮታት ዘለዎ ብሉጽን ዝተባረኸን ህይወት ኣሕሊፍና ኢና። ብዛዕባ እቲ ዝተዓዘብናዮ ዕብየት ወይ ወሰኽ ክንሓስብ ከሎና ብሓቂ ዝበለጸ ዓስቢ ኢና ረኺብና። ብ1939 ጉባኤታት ክበጽሕ ክጅምር ከሎኹ: ኣብ ፊንላንድ 865 ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስፋሕቲ ነበሩ: ሕጂ ግን ልዕሊ 18, 000 ኰይኖም ኣለዉ!
ብ1938 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጅምር ከሎኹ: ድሕሪ 55 ዓመታትውን ገና ክሕጐሰሉን ኣብኡ ክካፈልን ምዃነይ በቲ እዋን እቲ ኣየስተንተንኩዎን ነይረ። ሽሕኳ ብዕድመ እንተደፋእና: ነቲ ዝተተስፈወ ዓስብና እናኣማዕዶና ብሓይሊ የሆዋ ንነብር ኣሎና። ነተን ቃላት ናይቲ ዘማራይ ንኣምነን ኢና:- “እግዚኣብሄር [የሆዋ ትሓዓ] ሰናይ እዩ እሞ: ጸጋኡ ንዘለኣለም: እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።” — መዝሙር 100:5።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ሊዮን ሲልቪ ካልዮን ብ1934 ህይወቶም ንየሆዋ ወፈዩ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ሊዮን ሲልቪን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝተሳእልዎ ስእሊ: ኣብዚ ህይወቶም ዝወፈይሉ ዕዮ ካብ ዝጽመዱ 60 ዓመት ክመልኡ እናተቓረቡ ኸለዉ