መጋቢት
ሰንበት 1 መጋቢት
እቲ ዝሞተስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ።—ሮሜ 6:7።
ብዛዕባ እቶም ጻድቃን ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ሓጥኣን ዝዀኑ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ ኢና። ንኣብነት፡ ንጉስ ሰሎሞን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ኣጸቢቑ ተማሂሩ ነይሩ እዩ፣ ካብ የሆዋ እውን ብዙሕ በረኸት ረኺቡ ነይሩ እዩ። ጸኒሑ ግና፡ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼምልኽ ጀመረ። በዚ ሓጢኣቱ ድማ የሆዋ ተቘጥዐ፣ እዚ ኸኣ ንዘመናት ዝቐጸለ ሳዕቤናት ኣስዓበ። ልክዕ እዩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ” ይብል እዩ፣ እዚ ድማ ምስቶም ከም ንጉስ ዳዊት ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ማለት እዩ። (1 ነገ. 11:5-9, 43፣ 2 ነገ. 23:13) እንተዀነ ግና፡ እቲ እተቐብረሉ መገዲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእ ውሕስነት ይኸውን ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኣይብለናን እዩ። ትንሳኤ ኻብ ፈቃር ኣምላኽና ዚውሃብ ውህበት እዩ። እዚ ውህበት እዚ ድማ፡ ነቶም ንዘለኣለም ምእንቲ ኼገልግልዎ ኢሉ ኣጋጣሚ ዚኸፍተሎም ሰባት እዩ ዚህቦም። (እዮ. 14:13, 14፣ ዮሃ. 6:44) እሞ ደኣ፡ ሰሎሞን እዚ ውህበት እዚ ኺረክብ ድዩ፧ የሆዋ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ይፈልጥ እዩ፣ ንሕና ግና ኣይንፈልጥን ኢና። የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ኸም ዚገብር ግና ንፈልጥ ኢና። w24.05 4 ¶9
ሰኑይ 2 መጋቢት
ንዘለኣለም ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ክኸውን እየ።—መዝ. 61:4።
ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ኣብ ምሳልያዊ ድንኳኑ ኣጋይሹ ኢና እንኸውን። ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ንረክብ፡ ምስቶም ኣጋይሽ የሆዋ ዝዀኑ ኻልኦት እውን ንተዓራረኽ። እቲ ምሳልያዊ ድንኳኑ ኣብ ውሱን ቦታ እተሓጽረ ኣይኰነን። እቲ ድንኳኑ ኣብ ኵሉ እቲ እዙዛት ኣምለኽቱ ዚርከብዎ ቦታታት ተዘርጊሑ ኣሎ። (ራእ. 21:3) እቶም ሞይቶም ዘለዉ እሙናት ደኣኸ፧ ኣብ ድንኳን የሆዋ ኸም ዘለዉ ኣጋይሽ ጌርና ኽንርእዮም ንኽእልዶ፧ እወ! ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧ ምኽንያቱ፡ ንሳቶም ኣብ ተዘክሮ የሆዋ ህያዋን እዮም። የሱስ ነዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ሙሴ እውን ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዚገልጽ ዛንታ፡ ንየሆዋ፡ ‘ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን’ ብምባሉ ኣርእዩ እዩ። ንዕኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን።”—ሉቃ. 20:37, 38። w24.06 3 ¶6-7
ሰሉስ 3 መጋቢት
የሆዋ ብርታዐይን ዋልታይን እዩ።—መዝ. 28:7።
ጻዶቅ ናብ ኬብሮን ተዓጢቑን ንውግእ ተዳልዩን እዩ ኸይዱ። (1 ዜና 12:38) ንዳዊት ስዒቡ ናብ ውግእ ንምውፋርን ንእስራኤል ካብ ጸላእቱ ንምክልኻልን ድሉው እዩ ነይሩ። ጻዶቅ ምናልባት ኣብ ውግእ ክሳዕ ክንድቲ ምኩር እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ብሓቂ ግና ተባዕ እዩ ነይሩ። ጻዶቅ ካህን ክነሱ፡ ነዚ ትብዓት እዚ ኻበይ እዩ ረኺብዎ፧ ሓያላትን ተባዓትን ብዝዀኑ ሰባት እዩ ተኸቢቡ ነይሩ። ካብ ኣብነቶም ከም እተጠቕመ ኣየጠራጥርን እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ዳዊት ‘ንእስራኤል ኣብ ወፈራታቱ ኺመርሖ’ ኸሎ ዘርኣዮ ትብዓት፡ ንዅሉ እስራኤል ብምሉእ ልቡ ኺድግፎ ኣለዓዒልዎ እዩ። (1 ዜና 11:1, 2) ዳዊት ምስ ጸላእቱ ኣብ ዚዋግኣሉ እዋን፡ ወትሩ ብየሆዋ እዩ ዚእመን ነይሩ። (መዝ. 138:3) ብዘይካዚ፡ ንጻዶቅ ኣብነት ትብዓት ዚዀኑ ኻልኦት ሰባት እውን ነይሮም እዮም፣ ከም እኒ የሆያዳን እቲ ጅግና ወዱ በናያን 22 ኣሕሉቕ ማይ ቤትን ኣብ ጐድኒ ዳዊት ቈይሞም እዮም።—1 ዜና 11:22-25፣ 12:26-28። w24.07 3 ¶5-6
ረቡዕ 4 መጋቢት
ኣምላኽ ብለውሃቱ ናብ ንስሓ ኺመርሓካ ይፍትን [ኣሎ]።—ሮሜ 2:4።
ሳውል ብዓል ጠርሴስ፡ ሕሱም ሰጓጕ ሰዓብቲ ክርስቶስ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ክርስትያናት፡ ተስፋ ኸም ዘይብሉ ገይሮም ርእዮምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ግና ብግጉይ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ዚጽሎ ኣይኰነን። ንሱን ኣቦኡን ኣብ ሳውል ጽቡቕ ባህርያት ረኣዩ። የሱስ ከኣ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ . . . ንዓይ ሕሩይ ኣቕሓ [እዩ]” በለ። (ግብ. 9:15) ንሳውል ናብ ንስሓ ንምምራሕ ድማ፡ ተኣምር እውን ከይተረፈ ገበረ። (ግብ. 7:58–8:3፣ 9:1-9, 17-20) ሳውል ክርስትያን ምስ ኰነ፡ ጸኒሑ እውን ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ ምስ ተፈልጠ፡ ነቲ ለውሃትን ምሕረትን ዝረኸበሉ መገዲ ብዙሕ ሳዕ ሞሳኡ ይገልጽ ነበረ። (1 ጢሞ. 1:12-15) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ እተረኽበ ዜሕፍር ምንዝርና ምስ ሰምዐ ግና፡ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ እዩ ሒዝዎ፧ ነቲ ነገር ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝሓዞ፡ ብዛዕባ ፍቕራዊ ተግሳጽ የሆዋን ብዛዕባ ኣገዳስነት ምሕረትን ብዙሕ ትምህርቲ ኽንረኽበሉ ንኽእል ኢና። w24.08 13 ¶15-16
ሓሙስ 5 መጋቢት
ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ እዩ እተጋህደ።—1 ዮሃ. 3:8።
ንሓያሎ ዘመናት፡ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ከመይ ገይሮም ንየሆዋ ኪቐርብዎ ኸም ዚኽእሉ፡ ንሱ ባዕሉ በብቝሩብ ኣነጺሩልና እዩ። እቲ ኻልኣይ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝዀነ ኣቤል፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኤደን ዘጋጠመ ዕልወት፡ ኣብ የሆዋ እምነት ዘሕደረ ናይ መጀመርታ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣቤል ንየሆዋ የፍቅሮ ብምንባሩ፡ ባህ ኬብሎን ኪቐርቦን እውን ይደሊ ብምንባሩ፡ መስዋእቲ ኣቕረበ። ጓሳ ስለ ዝነበረ፡ ካብ መጓሰኡ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕረበ። እሞ ደኣ የሆዋ ኸመይ ተሰምዖ፧ “ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ብሞገስ ረኣየ።” (ዘፍ. 4:4) ብዘይካዚ፡ የሆዋ በቲ ኸም ኖህ ዝኣመሰሉ ዜፍቅርዎን ዚኣምንዎን ሰባት ዘቕረቡሉ መስዋእቲ ባህ ከም ዝበሎ ገለጸ። (ዘፍ. 8:20, 21) ነዚ መስዋእትታት እዚ ብምቕባሉ ኸኣ፡ ሓጥኣን ሰባት ሞገሱ ኺረኽቡን ንዕኡ ኪቐርብዎን ከም ዚኽእሉ ኣርኣየ። w24.08 3 ¶5-6
ዓርቢ 6 መጋቢት
ኣእጋረይ ዳርጋ ኣላጊሰን ነይረን፣ ስጕምትታተይ ኬንደልህጻ ቐሪበን ነይረን።—መዝ. 73:2።
ዘይፍትሓዊ ነገር ኣመና ኺጐድኣናን ኬጨንቐናን ይኽእል እዩ። (መክ. 7:7) ከም እዮብን ኣንባቆምን ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ኸምኡ እዩ ተሰሚዕዎም። (እዮ. 6:2, 3፣ ኣን. 1:1-3) እዚ ስምዒት እዚ ንቡር እኳ እንተ ዀነ፡ ናይ ዕሽነት ተግባር ምእንቲ ኸይንገብርን እቲ ነገር ምእንቲ ኸይጋደድን ግና፡ እንታይ ምላሽ ከም እንህብ ክንጥንቀቕ ኣሎና። እቶም ዘይፍትሓዊ ተግባር ዚገብሩ ኻብ መቕጻዕቲ ዘምለጡ ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ቅኑዕ ምግባር ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይዓብሰልና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ዘማሪ፡ እኩያት ንጻድቃን እናረገጹ ኸም ዚብልጽጉ ረኣየ። ስምዒቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚኣቶም እቶም ወትሩ ሃዲኦም ዚነብሩ እኩያት እዮም” በለ። (መዝ. 73:12) በቲ ዝረኣዮ ዘይፍትሓውነት ኣመና ስለ እተረበሸ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ከም ዘይጠቅም ኪሓስብ ጀመረ፣ “ነዚ ኽርድኦ ምስ ፈተንኩ፡ ኣሸጊሩኒ ነይሩ” እውን በለ።—መዝ. 73:14, 16። w24.11 3 ¶5-7
ቀዳም 7 መጋቢት
ኣቱም ዓሌታት ህዝብታት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፣ ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።—መዝ. 96:7።
ንየሆዋ ልዑል ኣኽብሮት ስለ ዘሎና፡ ክብሪ ንህቦ ኢና። ንየሆዋ እነኽብረሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። የሆዋ ዅሉ ዚኽእል እዩ፣ ደረት ኣልቦ ሓይሊ እውን ኣለዎ። (መዝ. 96:4-7) እቲ ዓሚቝ ጥበቡ ኣብቲ ዝፈጠሮ ነገራት ብንጹር ይርአ እዩ። ሳላኡ ኢና ህይወት ረኺብና፣ ሳላኡ እውን ኢና ብህይወት እንነብር። (ራእ. 4:11) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እሙን እዩ። (ራእ. 15:4) ኵሉ እቲ ዚገብሮ ይሰልጥ እዩ፣ ወትሩ እውን ቃሉ ይሕሉ እዩ። (እያ. 23:14) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባኡ፡ “ካብ ኵሎም ጥበበኛታት ኣህዛብን ካብ ኵለን መንግስትታቶምንሲ፡ ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን” ዝበለ። (ኤር. 10:6, 7) እምበኣር፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና እነኽብረሉ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። የሆዋ ግና ኣኽብሮትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፍቕርና እውን ይግብኦ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኣጸቢቕና ስለ እነፍቅሮ፡ ክብሪ ንህቦ ኢና። w25.01 3 ¶5-6
ሰንበት 8 መጋቢት
ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ።—1 ቈረ. 5:13።
ተጻረርቲ ኣምላኽ ንኣወንታዊ ሸነኽ ውድቡ ኸም ኣሉታዊ ገይሮም እዮም ኬቕርብዎ ዚጽዕሩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ብኣካላውን ብስነ ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዚጽበዮም ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተማሂርና ኢና። ብመገዲ ርኽሰት ዚመላለሱ እሞ ዘይንስሑ ሰባት ከኣ ካብ ጉባኤ ኺውገዱ እዩ ዚደሊ። (1 ቈረ. 5:11, 12፣ 6:9, 10) ንሕና ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ንስዕቦ ኢና። ተጻረርትና ግና ሕሱማትን ነቐፍትን ጨካናትን ከም ዝዀንና ገይሮም ብምኽሳስ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣንጻርና ኺጥቀሙሉ ይጽዕሩ እዮም። ስለዚ፡ ንምንጪ እዚ መጥቃዕትታት ከነለልዮ ኣሎና። ናይ ሓሶት ወረ ምንጩ ኻብ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ንሱ “ኣቦ ሓሶት” እዩ። (ዮሃ. 8:44፣ ዘፍ. 3:1-5) ስለዚ፡ ሰይጣን ብደገፍቱ ኣቢሉ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ናይ ሓሶት ወረ ኺነዝሕ ንጽበዮ ኢና። w24.04 10-11 ¶13-14
ሰኑይ 9 መጋቢት
ኪፍጸም ድማ እዩ።—ህዝ. 33:33።
ድሕሪ ምጅማር እቲ ብርቱዕ ጸበባ እኳ፡ ጥፍኣት እታ “ዓባይ ባቢሎን” ዝረኣዩ ገሊኦም ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ኻብ ቀደም ኣትሒዞም ይዛረቡ ምንባሮም ይዝክሩ ይዀኑ። እሞ ደኣ ገሊኦም ነዚ ፍጻመታት ዝረኣዩ ሰባት ሓሳቦም ይቕይሩ ደዀን ይዀኑ፧ (ራእ. 17:5) እዚ ነገር እዚ ምስቲ ብዘመን ሙሴ ኣብ ግብጺ ዘጋጠመ ነገር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እስራኤል ካብ ግብጺ ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ” ምስኡ ኸም ዝደየበ ተገሊጹ ኣሎ። ገሊኦም ውልቀ ሰባት፡ እቲ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ዓሰርተ መዓት ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኺፍጸም ምስ ረኣዩ፡ እምነት ኣሕዲሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘጸ. 12:38) እሞ ደኣ ደድሕሪ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ከምዚ ዓይነት ምዕባለታት እንተ ኣጋጢሙ፡ ሰባት ቀቅድሚ እቲ መወዳእታ ምሳና ብምጽምባሮምሲ ንጕሂ ዲና፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ነቲ “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን” እተባህለ ሰማያዊ ኣቦና ኽንመስሎ ኢና እንደሊ።—ዘጸ. 34:6። w24.05 11 ¶12-13
ሰሉስ 10 መጋቢት
መለክዒ እቲ ጥዑይ ቃል፡ . . . ሓዞ።—2 ጢሞ. 1:13።
ካብ “መለክዒ እቲ ጥዑይ ቃል” እንተ ኣላጊስና፡ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ መንጎ ገሊኦም ክርስትያናት፡ መዓልቲ የሆዋ መጺኣ ኸም ዘላ ወረ ይናፈስ ነበረ። ነዚ ወረ እዚ ዘጐሃሃረት ከኣ ብሃዋርያ ጳውሎስ ተጻሒፋ እትብሃል ነዚ እትድግፍ ደብዳበ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ገሊኦም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ግዜ ወሲዶም እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ኣብ ክንዲ ዜረጋግጹ፡ ከም ዘለዎ ነቲ ወረ ኣመንዎ፡ ኬናፍስዎ እውን ጀመሩ። ነቲ ጳውሎስ ምሳታቶም ከሎ ዝመሃሮም ትምህርቲ እንተ ዚዝክሩ ነይሮም ግና፡ በቲ ወረ ኣይምተዓሸዉን። (2 ተሰ. 2:1-5) ጳውሎስ ንኣሕዋቱ፡ ዝሰምዕዎ ዘበለ ዅሉ ኸይኣምኑ መኸሮም። ንመጻኢ ምእንቲ ኺሕግዞም ድማ፡ ነታ ናብ ተሰሎንቄ ዝለኣኻ ኻልአይቲ ደብዳበኡ፡ “እዛ ሰላምታ እዚኣ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ፣ እዚኣ ኣብ ኵለን ደብዳበታተይ ምልክት እያ፣ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ” ብዚብል ቃላት ዛዘማ።—2 ተሰ. 3:17። w24.07 12 ¶13-14
ረቡዕ 11 መጋቢት
ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ።—እብ. 10:36።
ኣብ ይሁዳ ዝነበረ ዅነታት እናኸፍአ ብምኻዱ፡ እቶም እብራውያን ክርስትያናት ንእምነቶም ዚፍትን ነገራት ኪጻወሩ ነበሮም። ገለ ኻባታቶም ከቢድ መስጐጕቲ እኳ እንተ ኣሕለፉ፡ መብዛሕትኦም ግና ኣብ እዋን ተዛማዲ ሰላም እዮም ክርስትና ተቐቢሎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዝጠቐሶ፡ ከበድቲ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፉ፡ ገና ኸም ናይ የሱስ ዝኣመሰለ ኽሳዕ ሞት ዜብጽሕ ፈተና ኣየጋጠሞምን ነይሩ። (እብ. 12:4) ክርስትና ምስ ኣስፋሕፍሐ ግና፡ እቶም ኣይሁድ ዝዀኑ ተጻረርቲ እውን ብዝያዳ ኣኽረርቲ ዀኑ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ መጽሓፍ እብራውያን ቅድሚ ምጽሓፉ፡ ሒደት ዓመታት ኣቐዲሙ ልዕሊ 40 ዚዀኑ ኣይሁድ፡ “ንጳውሎስ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ውዲት ገይሮም ብመርገም ተመሓሓሉ።” (ግብ. 22:22፣ 23:12-14) ከምዚ ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ጽልእን እናሃለወ ድማ፡ እቶም ክርስትያናት ንኣምልኾ ኺእከቡ፡ ነቲ ብስራት ኪሰብኩ፡ እምነቶም እውን ኬደልድሉ ነበሮም። w24.09 12 ¶15
ሓሙስ 12 መጋቢት
የሱስ . . .ንኣዲኡ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ” በላ።—ዮሃ. 19:26።
ዮሃንስ ፍቑር ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 10:2) ንየሱስ ኣብ ምሉእ ኣገልግሎቱ ኣሰንይዎ፡ ተኣምራቱ ብዓይኑ ርእዩ፡ ኣብ ግዜ ጸገማቱ እውን ናብኡ ለጊቡ እዩ። ጐይታኡ ኪቕተል ከሎ ርእዩ እዩ፣ ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንሳኡ እውን ረኺብዎ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ በቶም ሒደት እሙናት ዝጀመረ ክርስትና ኼስፋሕፍሕን እቲ ብስራት ‘ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ኪስበኽን’ ከሎ እውን ርእዩ እዩ። (ቈሎ. 1:23) ዮሃንስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ነዊሕ ዕድሚኡ፡ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ኣበርክቶ ገበረ። ነቲ “የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ራእይ” ኪምዝግብ ከኣለ። (ራእ. 1:1) ብስሙ እትጽዋዕ ወንጌል ከኣ ጸሓፈ። ብዘይካዚ፡ ብመንፈስ ተደሪኹ ሰለስተ መልእኽትታት ጸሓፈ። እታ ሳልሰይቲ መልእኽቲ ናብቲ ፍቑር መንፈሳዊ ወዱ ዝዀነ ጋይዮስ ዚብሃል እሙን ክርስትያን እዩ ልኢኽዋ። (3 ዮሃ. 1) እዚ እሙን ሽማግለ ዝጸሓፎ ነገር፡ ክሳዕ ሎሚ ንዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ የተባብዖም ኣሎ። w24.11 12 ¶15-16
ዓርቢ 13 መጋቢት
ኣቱም ሰብኡት፡ . . . ኣኽብርወን።—1 ጴጥ. 3:7።
ንሰበይቱ ዜፍቅር ሰብኣይ የኽብራን ይሕብሕባን እዩ። ካብ የሆዋ ኸም እተዋህበቶ ኽብርቲ ውህበት ገይሩ እዩ ዚርእያ። (ምሳ. 18:22፣ 31:10) ስለዚ ድማ፡ ኣብቲ ስቱር ውልቃዊ ጕዳዮም እኳ፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን እዩ ዚሕዛ። ሕማቕ ስምዒት ኣብ ዚፈጥረላ፡ ወይ ከም እተዋረደት ኰይኑ ኸም ዚስምዓ ኣብ ዚገብር፡ ወይ ንሕልናኣ ኣብ ዚርብሽ ጾታዊ ተግባራት ክትሳተፍ ጸቕጢ ኣይገብረላን እዩ። ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ሕልና ኺህልዎ እዩ ዚጽዕር። (ግብ. 24:16) ኣቱም ሰብኡት፡ የሆዋ ነቲ ንኣንስትኹም ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትኩም ከተኽብሩ እትገብርዎ ጻዕርታት ከም ዚርእዮ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣንስትኹም ዘየኽብር ነገር ብዘይምግባር፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ብፍቕርን ድማ ብምሓዝ ኣኽብርወን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ከም እተፍቅርወንን ክብ ኣቢልኩም ከም እትርእይወንን ከተርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣንስትኹም ኣኽብሩ፡ ከምኡ እንተ ጌርኩም ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ርክብ፡ ማለት ነቲ ምስ የሆዋ ዘለኩም ዕርክነት ክትሕልውዎ ኢኹም።—መዝ. 25:14። w25.01 13 ¶17-18
ቀዳም 14 መጋቢት
ክርስቶስ . . . ናጻ ምእንቲ ኼውጽኣና፡ ንርእሱ እውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእ ፍሉይ ጥሪቱ ዝዀነ ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ፡ ምእንታና ገዛእ ርእሱ ሂቡ እዩ።—ቲቶ. 2:14።
ሓደ ኻብቲ ንናይ ሓቂ ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ዚፈልዮም ነገር፡ ኣብ ኣገልግሎት ዜርእይዎ ቕንኣት እዩ። እሞ ደኣ ንዕዮ ስብከት ዘሎና ቕንኣት ንምዕቃብ፡ ካብኡ ሓሊፍና እውን ንምዕዛዝ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ካብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ፡ ብቕንኣት ብዛዕባ ምስባኽ ክንምሃር ንኽእል ኢና። የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ቕንኣቱ ኣይዘሓለን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ንጥፈታቱ እናወሰኸ እዩ ኸይዱ። ከምቲ ፍረ ንዘይትፈሪ ኦም በለስ ኣብ ምዅስኳስ ሰለስተ ዓመት ዘሕለፈ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ፡ የሱስ ነቶም መብዛሕትኦም ጽቡቕ ምላሽ ዘይሃቡ ኣይሁድ ኣብ ምስባኽ ኣስታት ሰለስተ ዓመት እዩ ኣሕሊፉ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ እቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ በታ ኦም በለስ ተስፋ ዘይቈረጸ፡ የሱስ በቶም ሰባት ተስፋ ኣይቈረጸን፡ ኣገልግሎቱ እውን ኣየዛሕተለን። (ሉቃ. 13:6-9) ካብ ትምህርቱ እንተ ተማሂርና፡ ንተግባራቱ እውን እንተ ቐዲሕና፡ ብቕንኣት ክንመላለስ ኢና። w25.03 14-15 ¶1-4
ሰንበት 15 መጋቢት
ጐራሕ ብፍልጠት ይገብር።—ምሳ. 13:16።
ንሓዳር እትዀነካ ሰብ ከም ዝረኸብካ እንተ ተሰሚዑካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ብኡብኡ ዲኻ ንሓዳር ትሓስባ ኸም ዘለኻ ኽትገልጸላ ዘሎካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበበኛ ሰብ ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባሩ ኺፈልጥ ከም ዚጽዕር ይገልጸልና እዩ። ስለዚ፡ ንሓዳር ትሓስባ ኸም ዘለኻ ቕድሚ ምግላጽካ፡ ግዜ ወሲድካ ብሜላ እንተ ተዓዘብካ ይሓይሽ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንኻልእ ሰብ ብሜላ ኽትዕዘብ እትኽእል፧ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻባትን ብዛዕባ መንፈሳውነትን ባህርያትን ኣካይዳን እታ ሰብ እቲኣ ኸተስተብህል ትኽእል ኢኻ። መን እየን መሓዙታ፧ ብዛዕባ እንታይ እያ እትዛረብ፧ (ሉቃ. 6:45) ሸቶታታ ምስ ናትካ ዚሰማማዕ ድዩ፧ ንናይ ጉባኤ ሽማግለታት ወይ ኣጸቢቖም ንዚፈልጥዋ ብሱላት ክርስትያናት ከተዛርብ የድልየካ ይኸውን። (ምሳ. 20:18) እንታይ ዓይነት ስም ከም ዘለዋን እንታይ ባህርያት ከም ዘለዋን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። (ሩት 2:11) ነታ ሰብ እቲኣ ኽትዕዘባ ኸለኻ፡ ከም ገለ ኸም ዚስምዓ ኸይትገብር ተጠንቀቕ። ስምዒታን ውልቃዊ ጕዳያታን ኣኽብረላ። w24.05 22 ¶7-8
ሰኑይ 16 መጋቢት
ኣብ መወዳእታ፡ ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ።—መዝ. 32:5።
ሽማግለታት ተቐላጢፎም ሓደ ኣባሲ ኸም ዘይንሳሕ ገይሮም ኣይድምድሙን እዮም። ገሊኦም ምስቶም ኮሚተ ንፈለማ ኣብ ዚራኸቡሉ እዋን ኪንስሑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ተወሳኺ ግዜ የድልዮም እዩ። ስለዚ፡ እቶም ሽማግለታት ምስቲ ሓጥእ ካብ ሓደ ሳዕ ንላዕሊ ምስኡ ንምርኻብ ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት እቲ እተጋገየ ክርስትያን ምሳታቶም ንፈለማ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ብዛዕባ እቲ እተነግሮ ብርዝነት ኪሓስብ ይጅምር ይኸውን። ብትሕትና ናብ የሆዋ ይጽሊ ይኸውን። (መዝ. 38:18) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ዚስዕብ ምሳታቶም ኪራኸብ ከሎ፡ ካብቲ ዝቐደመ እዋን እተፈልየ መንፈስ የርኢ ይኸውን። እቶም ሽማግለታት ነቲ ሓጥእ ናብ ንስሓ ንምምራሕ፡ ድንጋጽን ለውሃትን የርእዩ እዮም። የሆዋ ንጻዕርታቶም ኪባርኾ፡ እቲ ፋሉል ዝኸደ ክርስትያን ከኣ ናብ ልቡ ተመሊሱ ኺንሳሕ ተስፋ ይገብሩን ይጽልዩን እዮም።—2 ጢሞ. 2:25, 26። w24.08 22-23 ¶12-13
ሰሉስ 17 መጋቢት
“ብሞት ሓደ እኳ ባህ ኣይብለንን እዩ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። “ስለዚ፡ ተመለሱ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።”—ህዝ. 18:32።
የሆዋ፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ! ሓጥኣን ምስኡ ኺዕረቑ እዩ ዚደሊ። (2 ቈረ. 5:20) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ የሆዋ ፋሉል ንዝኸዱ ህዝቡ ዀነ ውልቀ ሰባት ኪንስሑን ናብኡ ኺምለሱን ብተደጋጋሚ ተማሕጺንዎም እዩ። ሽማግለታት ጉባኤ ንኣበስቲ ናብ ንስሓ ንምምራሕ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ መዓይይቲ የሆዋ ዀይኖም እዮም ዚዓይዩ። (ሮሜ 2:4፣ 1 ቈረ. 3:9) ሓጥኣን ኪንስሑ ኸለዉ፡ ኣብ ሰማይ ዚፍጠር ሓጐስ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ! ሓደ ኻብቶም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ እኳ ናብ ጉባኤ ኺምለስ ከሎ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ይሕጐስ እዩ። ብዛዕባ ርሕራሐኡን ምሕረቱን ጸጋኡን ብዘስተንተንና መጠን፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ እናዓመቘ እዩ ዚኸይድ።—ሉቃ. 1:78። w24.08 31 ¶16-17
ረቡዕ 18 መጋቢት
የሱስ ድማ፡ መጺኦም ብሓይሊ ሒዞም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣልገሰ።—ዮሃ. 6:15።
የሱስ ነቶም ህዝቢ ኼንግስዎ እንተ ዚፈቕደሎም ነይሩ፡ ኣብ ፖለቲካ እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድ ምኣተወ። የሱስ ግና “ናብ ከረን ኣልገሰ።” ስለዚ፡ ጸቕጢ እኳ እንተ ተገብረሉ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ኣየእተወን። እዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚዀነና! መሸም፡ ኣብዚ ግዜና፡ እንጌራ ኸነባዝሕ ወይ ሕሙማት ብተኣምር ከነሕዊ ኣይንሕተትን ኢና፣ ኬንግሱና ወይ መራሒ ሃገር ኪገብሩና ዚፍትኑ ሰባት እውን የለዉን። ኰይኑ ግና፡ ለውጢ የምጽእ ኢሎም ንዝሓሰብዎ ሰብ ድምጽና ብምሃብ ወይ ብምድጋፍ፡ ኣብ ፖለቲካ ኽንኣቱ ይደፋፍኡና ይዀኑ። የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ግና ንጹር እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢዱ ኣየእተወን፣ ጸኒሑ ኸኣ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ። (ዮሃ. 17:14፣ 18:36) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ንኣተሓሳስባን ንተግባራትን የሱስ ኬንጸባርቑ ኣለዎም። እወ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኢና እንድግፍ፡ ብዛዕባኣ ኢና እንምስክር፡ ምእንታኣ እውን ኢና እንጽሊ።—ማቴ. 6:10። w24.12 4 ¶5-6
ሓሙስ 19 መጋቢት
እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። እቲ ዜፍቅረኒ ድማ፡ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፣ ኣነ ኸኣ አፍቅሮ፡ ርእሰይ እውን እገልጸሉ እየ።—ዮሃ. 14:21።
መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ፡ ነቲ እተምሃርካዮ እትትግብረሉ መገድታት ኣናዲ። ንኣብነት፡ ንሰባት ብዘይ ኣድልዎ ብምሓዝ፡ ነቲ ፍትሓዊ ዝዀነ የሆዋ ኽትመስሎ ጽዓር። ምእንቲ ስም የሆዋ መከራ ንምጽጋብ ፍቓደኛ ብምዃንን ምእንቲ ክርስትያናት ብጾትካ ውፉይ ብምዃንን ከኣ፡ ነቲ ንኣቦኡን ንሰባትን ፍቕሪ ዘርኣየ የሱስ ክትመስሎ ጽዓር። ብተወሳኺ እውን፡ ሰባት ነቲ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት የሆዋ ንምቕባል ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ መስክረሎም። ብዛዕባ እቲ በጃ ዘሎና ርድኢትን ሞሳን እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ ንየሆዋን ንወዱን ብዝያዳ ኢና እነፍቅሮም። ከምኡ እንተ ጌርና ኸኣ፡ ንሳቶም እውን ብዝያዳ እዮም ዜፍቅሩና። (ያእ. 4:8) እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ በጃ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንምሃር፡ ነቲ የሆዋ ዝገበረልና መሰናድዎታት ንጠቐመሉ። w25.01 25 ¶16-17
ዓርቢ 20 መጋቢት
ኵሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ።—ኢሳ. 38:17።
ናይ ሎሚ ጥቕሲ ዕለት “ኵሉ ሓጢኣተይ ካብ ቅድሜኻ ኣርሒቕካዮ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ኣብዚ ስእላዊ ቓላት ተሓቢሩ ኸም ዘሎ የሆዋ ንሓጢኣት እቶም ዚንስሑ ሰባት ካብኡ ኣርሒቑ እዩ ዚድርብዮ። እዛ ዝረኣናያ ሓረግ፡ “[ንሓጢኣተይ] ከም ዘይነበረ ገበርካዮ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ነጥቢ እዚ፡ በቲ ኣብ ሚክያስ 7:18, 19 ዚርከብ ካልእ ስእላዊ ቓላት ገይሩ እውን ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኸም ዚድርብዮ ጌርካ ተገሊጹልና ኣሎ። ብግዜ ጥንቲ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እተደርበየ ነገር መሊስካ ኺርከብ ኣይከኣልን እዩ ነይሩ። በዚ ስእላዊ ቓላት እዚ ኣቢልና፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ ኻብ ጾር ሓጢኣትና ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኸም ዚገብረና ተማሂርና ኢና። እወ፡ ከምቲ ዳዊት ዝበሎ፡ “እቶም ጥሕሰቶም እተሓድገሎም፡ ሓጢኣቶም እውን እተኸድነሎም፡ ሕጉሳት እዮም።” (ሮሜ 4:7) ናይ ሓቂ ይቕረታ እዚ እዩ! w25.02 9 ¶7-8
ቀዳም 21 መጋቢት
በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ዘለኹ ተፈስሁ፡ ንዘለኣለም እውን ተሓጐሱ።—ኢሳ. 65:18።
ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ብዙሓት ሰባትን ብዙሕ ንጥፈታትን ዘለዎ ገነት ኣሎ። ኣብቶም ኣብኡ ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ናይ ሓቂ ሰላም ሰፊኑ ኣሎ። እቶም ኣብዚ ገነት እዚ ዘለዉ፡ ካብኡ ንዘይምውጻእ ቈሪጾም ኣለዉ። ንብዙሓት ሰባት እውን፡ ኣብዚ ፍሉይ ኵነታት ኪጽምበርዎም ዕድመ የቕርቡ ኣለዉ። እዚ ዅነታት እዚ እንታይ እዩ፧ መንፈሳዊ ገነት እዩ! የሆዋ ኣብዛ ጽልእን እከይን ዝመልኣ ሓደገኛ ዓለም፡ ህድኣት ዝሰፈኖ ሃዋህው ፈጢሩ ኣሎ። (1 ዮሃ. 5:19፣ ራእ. 12:12) እቲ ፈቃር ኣምላኽና ነቲ እዚ ስርዓት እዚ ዜሕድሮ ጎዳኢ ጽልዋ ይርእዮ ኣሎ። ብመንፈሳዊ መዳይ ክንብልጽግ ዜድልየና ዕቝባ ድማ ኣዳልዩልና ኣሎ። ቃሉ ነዚ መንፈሳዊ ገነት እዚ፡ “መዕቈቢ” ወይ “ማይ . . . ዝመልኦ ስፍራ ኣታኽልቲ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኢሳ. 4:6፣ 58:11) እቶም ኣብዚ ገነት እዚ ዚነብሩ ሰባት ኣብዚ ኣጸጋሚ ዳሕሮት መዓልትታት እኳ፡ ብበረኸት የሆዋ ሓጐስን ዕቝባን ኪረኽቡ ኽኢሎም ኣለዉ።—ኢሳ. 54:14፣ 2 ጢሞ. 3:1። w24.04 20 ¶1-2
ሰንበት 22 መጋቢት
ልማኖኹም . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ።—ፊል. 4:6።
መጻምድቲ ትደሊ እንተ ኣሊኻ፡ ብዛዕባ እዚ ናብ የሆዋ ኸም ዝጸለኻ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ መማጽኢ ኸም ዚኸውን ቃል ኣይኣተወን። ብዛዕባ ድሌትካን ስምዒትካን ግና ይግደስ እዩ። መጻምድቲ ንምርካብ ከኣ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ባህግኻን ስምዒትካን ኣካፍሎ። (መዝ. 62:8) ትዕግስትን ጥበብን ኪህበካ ለምኖ። (ያእ. 1:5) ዋላ እውን ብኡብኡ መጻምድቲ እንተ ዘይረኸብካ፡ የሆዋ ነቲ ብኣካላዊ ዀነ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልየካ ነገራት ከም ዜማልኣልካ ቓል ኣትዩ ኣሎ። (መዝ. 55:22) እንተዀነ ግና፡ ክትጥንቀቐሉ ዘሎካ ነገር ኣሎ፦ መጻምድቲ ምርካብ ዚብልዎ ሓሳብ ንህይወትካ ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸሮ ኣይተፍቅድ። (ፊል. 1:10) ናይ ሓቂ ሓጐስ፡ ምርዑው ወይ ዘይምርዑው ኣብ ምዃን ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ እዩ ዚምርኰስ። (ማቴ. 5:3) ኣብቲ ኸይተመርዓኻ እትጸንሓሉ እዋን ከኣ፡ ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ ዝያዳ ናጽነት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 7:32, 33) ነዚ ግዜ እዚ ብዝበለጸ ተጠቐመሉ። w24.05 21 ¶4፣ 22 ¶6
ሰኑይ 23 መጋቢት
ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።—ፊል. 2:4።
ውረዛ ኽንደይ ዚኣክል ንውሓት እዩ ኺወስድ ዘለዎ፧ ብታህዋኽ ዚግበር ውሳነታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እዩ ዘለዎ። (ምሳ. 21:5) ስለዚ፡ እቲ እዋን ውረዛ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ክትፋለጡ ዜኽእለኩም ኪኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ብዘየድሊ ኸተናውሕዎ የብልኩምን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እተናውሐ ትጽቢት፡ ልቢ የሕምም” ይብል እዩ። (ምሳ. 13:12) ካልኦት ኣብ ውረዛ ንዘለዉ መጻምድቲ እንታይ ኪገብሩሎም ይኽእሉ፧ ምሳና ናብ መኣዲ፡ ናብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ወይ ናብ መዘናግዒ ኽንዕድሞም ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:13) መሰነይታ፡ መጕዓዝያ፡ ወይ ብውልቆም ዚዛራረቡሉ ቦታ የድልዮም ደዀን ይኸውን፧ ዜድልዮም እንተ ዀይኑ፡ ሓገዝ ክንህቦም ንኽእልዶ፧ (ገላ. 6:10) ወድን ጓልን ከተሰንዮም እንተ ሓቲቶምኻ፡ ከም ዘኽበሩኻ ጌርካ ርኣዮ። ምሉእ ብምሉእ በይኖም ሓዲግካዮም ኣይትኺድ። ኰይኑ ግና፡ ብውልቂ ንምዝርራብ ግዜን ቦታን ኬድልዮም ከሎ ኣስተውዕል። w24.05 30 ¶13-14
ሰሉስ 24 መጋቢት
ምእንቲ ኽትንሳሕ ግዜ ሂበያ።—ራእ. 2:21።
እቶም ሽማግለታት ነቲ ናብ ሓጢኣት ዝመርሐ ዅነታት ኪፈልጡ ይጽዕሩ። ንኣብነት፡ እቲ ክርስትያን ንብሕታዊ መጽናዕቱ ወይ ንኣገልግሎቱ ሸለል ብምባሉ፡ በብቝሩብ ድዩ ደኺሙ፧ ናብ የሆዋ ዚጽልዮ ጸሎት ብዝሑን ዕምቈቱን ነክዩ ድዩ፧ ብግጉይ ትምኒት ድዩ ዚምራሕ ዘሎ፧ ኣብ ናይ ኣዕሩኽን ናይ መዘናግዕን ምርጫኡ ሕማቕ ውሳነ ገይሩ ድዩ፧ እዚ ውሳነታት እዚ ንልቡ ብኸመይ ጸልይዎ፧ እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝገበሮ ውሳነታትን ዝወሰዶ ስጕምትታትን ንኣቦኡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ተረዲእዎ ድዩ፧ እቶም ሽማግለታት ኣብ ውልቃዊ ጕዳይ እምብዛ ኸይኣተዉ ጽቡቕ ሕቶታት ብምሕታት፡ ነቲ ኣብ ልቢ እቲ ኣባሲ ዘሎ ሓሳባት የውጽእዎ፡ ብዛዕባ መገዱ ኺሓስብ እውን ይሕግዝዎ እዮም። (ምሳ. 20:5) ብተወሳኺ፡ ብምሳሌታት ገይሮም መገዱ ኽሳዕ ክንደይ ጌጋ ምዃኑ ኼረድእዎን ኬርእይዎን ይጽዕሩ እዮም። ምናልባት ኣብቲ ፈለማ ምስኡ ዚራኸቡሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ሰብ ብመገዱ ብሓቂ ኺጕሂ ይጅምር ይኸውን። ምናልባት እውን ይንሳሕ ይኸውን። w24.08 22 ¶9-11
ረቡዕ 25 መጋቢት
ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ።—ሉቃ. 4:43።
የሱስ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ብቕንኣት ይሰብኽ ነበረ። ስለምንታይሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ዕዮ እዚ ኺዓዪ ይደልዮ ኸም ዝነበረ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ ህይወቱ ብቐዳምነት ኣብ ኣገልግሎት የተኵር ነበረ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኣገልግሎቱ እውን እንተ ዀነ፡ “ኣብ ከከተማን ኣብ ቈቍሸትን” ይምህር ነበረ። (ሉቃ. 13:22) ንደቀ መዛሙርቱ እውን ሰበኽቲ ኪዀኑ ኣሰልጠኖም። (ሉቃ. 10:1) ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ የሆዋን የሱስን ብቐዳምነት ክንዓይዮ ዚደልዩና ዕዮ እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ብዛዕባ ሰባት ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ብምሓዝ፡ ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ከነሐይል ንኽእል ኢና። ንሱ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ነቲ ብስራት ኪሰምዕዎን ኪቕበልዎን ይደሊ እዩ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ነዚ ዕላማ ንምውቃዕ ከኣ፡ ነዚ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ንሰባት ክንነግር ከለና ብዝያዳ ውጽኢታውያን ምእንቲ ኽንከውን የሰልጥነና እዩ። ዋላ እውን ሰባት ሕጂ እንተ ዘይተቐበሉና፡ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምምጻኡ ነቲ መልእኽቲ ንምቕባል ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም ይኸውን። w25.03 15-16 ¶5-7
ሓሙስ 26 መጋቢት
እቲ ሰላም ዚብሎስ ተኻፋሊ እቲ እኩይ ግብሩ እዩ።—2 ዮሃ. 11።
ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ካብ ጉባኤ ምስ እተወገደ ሰብ ብእተተሓሐዘ፡ በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተጠቒሙ ኺውስን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ነቲ ሰብ እቲ ሰላም ኪብልዎ ወይ ናብ ኣኼባ ኪቕበልዎ ይኽእሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግና፡ ነዊሕ ከነዕልል ወይ ምስቲ ሰብ ክንቀራረብ የብልናን። ገሊኦም፡ ‘እቲ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ሰላም ዚብሎ፡ ተኻፋሊ እቲ እኩይ ግብሩ ኸም ዝዀነስ መጽሓፍ ቅዱስዶ ኣይገልጽን እዩ፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። (2 ዮሃ. 9-11) ኣብ ከባቢ እዘን ፍቕድታት እዚአን ዘሎ ሓሳባት፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ከሓድትን ግጉይ ኣካይዳ ብንጡፍ ምስ ዜተባብዑ ሰባትን ብዚተሓሓዝ ከም እተዋህበ ይሕብር እዩ። (ራእ. 2:20) ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ትምህርትታት ክሕደት ወይ ካልእ ግጉይ ተግባር ብንጡፍ የተባብዕ እንተ ኣልዩ፡ ሽማግለታት ኪበጽሕዎ ኣይከዱን እዮም። ልክዕ እዩ፡ ናብ ልቡ ኺምለስ ይኽእል ይኸውን። ከምኡ ኽሳዕ ዚኸውን ግና፡ ሰላም ኣይንብሎን ወይ ናብ ኣኼባ ጉባኤ ኣይንዕድሞን ኢና። w24.08 30-31 ¶14-15
ዓርቢ 27 መጋቢት
ልቦም ተደፊኑ ነበረ።—ማር. 6:52።
የሱስ ነቶም ህዝቢ ምስ መገቦም፡ ንሃዋርያቱ ብጃልባ ናብ ቅፍርናሆም ሰደዶም፡ ንሱ ግና ናብ ከረን ደየበ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብቲ እቶም ህዝቢ ኼንግስዎ ኢሎም ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕርታት ረሓቐ። (ዮሃ. 6:16-20) እቶም ሃዋርያት ብጃልባ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ብርቱዕ ንፋስን ማዕበልን ተላዕለ። የሱስ ከኣ ብማየ ማይ እናኸደ ናባታቶም በጽሐ። ንሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ ብማየ ማይ ናብኡ ኺመጽእ ጸውዖ። (ማቴ. 14:22-31) የሱስ ናብታ ጃልባ ምስ ደየበ፡ እቲ ንፋስ ሃድአ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” በልዎ። (ማቴ. 14:33) ኰይኑ ግና፡ ኣብ መንጎ እዚ ተኣምር እዝን ኣቐዲሙ ኣብቶም ህዝቢ ዝገበሮ ተኣምርን ዘሎ ምትእስሳር ኣየስተውዓልዎን። ማርቆስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “[እቶም ሃዋርያት] ኣዝዮም ኣስተንከሩ፣ ከመይሲ፡ . . . ትርጉም እቲ እንጌራ ኣይተረድእዎን ነበሩ።” (ማር. 6:50-52) እወ፡ የሆዋ ንየሱስ፡ ተኣምራት ንምግባር ክሳዕ ክንደይ ሓይሊ ኸም ዝሃቦ ኣይተረድኦምን ነይሩ። w24.12 5 ¶7
ቀዳም 28 መጋቢት
[ኣምላኽ] ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።—1 ጢሞ. 2:4።
ኣብዚ ቅንያት በዓል ዝኽሪ፡ ነቲ በጃ ኽሳዕ ክንደይ ከም እነመስግነሉ ንየሆዋ ብምርኣይ፡ ንፍቕሪ የሆዋ ዘሎና ኣድናቖት ክንገጽል ንኽእል ኢና። ኣብ በዓል ዝኽሪ ንሕና ኽንእከብ ኣብ ልዕሊ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ንኻልኦት እውን ክንዕድም ንኽእል ኢና። ነቶም እትዕድሞም ሰባት ከኣ፡ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ እንታይ ከም ዚግበር ግለጸሎም። ኣብ jw.org ዚርከብ የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮን ሞት የሱስ ዘክር ዘርእስታ ቪድዮን ከተርእዮም ትኽእል ኢኻ። ሽማግለታት ድማ፡ ንዘይንጡፋት ኪዕድምዎም ኣለዎም። ገሊኦም ካብቶም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ ናብቲ መጓሰ ምስ ተመልሱ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚፍጠር ሓጐስ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! (ሉቃ. 15:4-7) ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ንሕና ንሓድሕድና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓደስቲ ወይ ንነዊሕ እዋን ጠፊኦም ዝነበሩ እውን ሰላም ክንብሎም ኣሎና። ንኣጋይሽና ጽቡቕ ጌርና ኢና ኽንቅበሎም እንደሊ!—ሮሜ 12:13። w25.01 29 ¶15
ሰንበት 29 መጋቢት
[ኣምላኽ] ስለ ዘፍቀረና . . . ንሓጢኣትና ኸም ዜተዓርቕ መስዋእቲ ገይሩ ወዱ [ሰዲዱልና]።—1 ዮሃ. 4:10።
እቲ በጃ፡ የሆዋ ፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ዕምቈት ፍቕሩ እውን ክንርዳእ ይሕግዘና እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃ. 4:9, 10) ብዛዕባ እቲ በጃ እንምሃሮ ትምህርቲ፡ የሆዋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክፍሊ ስድራ ቤቱ ኽንከውን ከም ዚደልየና እውን ይሕብረና እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኣዳም ምስ ሓጥአ፡ የሆዋ ንኣዳም ካብቲ ብኣምለኽቱ ዝቘመ ስድራ ቤት ሰጐጎ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ኵላትና ኻብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ወጻኢ ኢና ተወሊድና። ብመሰረት እቲ በጃ ግና፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ይብለልና እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ንዅሎም እቶም ብእምነትን ብተኣዛዝነትን ዚመላለሱ ደቂ ሰብ ናብ ስድራ ቤቱ ኺመልሶም እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ምስ የሆዋን ምስ ኣምለኽቱን ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ይኽእል እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ የፍቅረና እዩ!—ሮሜ 5:10, 11። w25.01 21 ¶6
ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (ብመዓልቲ ዝዀነ ፍጻመታት፦ 9 ኒሳን) ዮሃንስ 12:12-19፣ ማርቆስ 11:1-11
ሰኑይ 30 መጋቢት
ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና በዚ ተገሊጻትልና እያ።—1 ዮሃ. 4:9።
እቲ በጃ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት ምዃኑ መሸም ትሰማምዓሉ ኢኻ! (2 ቈረ. 9:15) የሱስ ሰብኣዊ ህይወቱ ስለ ዝሰውአ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እሞ ደኣ ነቲ በጃ ዀነ ነቲ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዕኡ ዘዳለወልና የሆዋ ምስጋናና ኸነርኢዶ ኣይግባእን፧ (ሮሜ 5:8) ወትሩ መማሰውቲ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ በጃ እውን ኣቕሊልና ምእንቲ ኸይንርእዮ፡ የሱስ ዓመታዊ ዚብዓል ዝኽሪ ሞቱ ኣቚሙልና ኣሎ። (ሉቃ. 22:19, 20) ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ በዓል ዝኽሪ፡ ሓሙስ 2 ሚያዝያ 2026 ኪብዓል እዩ። ኵላትና መሸም ኣብቲ ኣኼባ እቲ ንምእካብ መደብ ጌርና ኣለና። ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋን ወዱን ዝገበሩልና ነገራት እንተ ኣስተንቲንና ብዙሕ ክንጥቀም ኢና። w25.01 20 ¶1-2
ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (ብመዓልቲ ዝዀነ ፍጻመታት፦ 10 ኒሳን) ዮሃንስ 12:20-50
ሰሉስ 31 መጋቢት
ኣብ ክንዲ ብሩርሲ፡ ተግሳጸይ፡ ኣብ ክንዲ ብሉጽ ወርቂ እውን፡ ፍልጠት ውሰዱ።—ምሳ. 8:10።
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽን ክርስቶስ የሱስን ንዓና ዘለዎም ፍቕሪ ብቐጻሊ እተስተንትን እንተ ዄንካ፡ ወትሩ ኽትምሃር ኢኻ። ምናልባት ኣብዚ ቕንያት በዓል ዝኽሪ ኻብ ወንጌላት ከተንብብ ትኽእል ትኸውን። ብሓንሳእ ብዙሕ ምዕራፋት ከተንብብ ኣይትፈትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ህድእ ኢልካ ንየሆዋን ንየሱስን እነፍቅረሉ ተወሳኺ ምኽንያታት ክትረክብ ጽዓር። ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዓመታት ዝገበርካ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ከም ፍትሒ ኣምላኽን ፍቕሪ ኣምላኽን እቲ በጃን ዝኣመሰለ ፍሉጥ ርእሰ ነገራት፡ ሓድሽ ነገር ኪርከብ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ትሓስብ ትኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ ብዛዕባ እዝን ብዛዕባ ኻልእ ርእሰ ነገራትን ወትሩ ሓድሽ ነገር ክንምሃር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚርከብ ብዙሕ ሓበሬታ ኣጸቢቕካ ተጠቐመሉ። w25.01 24-25 ¶13-15
ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (ብመዓልቲ ዝዀነ ፍጻመታት፦ 11 ኒሳን) ሉቃስ 21:1-36