ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 55 ነጥቢ 1-5
  • ንጉባኤኻ ደግፋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጉባኤኻ ደግፋ
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • ስለቲ ፍቕርኹም ንየሆዋ ነመስግኖ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስራሕን ገንዘብን እንታይ ይብል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ነቲ ዅሉ ዘለዎ ኣምላኽ ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 55 ነጥቢ 1-5
ትምህርቲ 55. ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብደጊኡ ይከናኸንዎ።

ትምህርቲ 55

ንጉባኤኻ ደግፋ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ኣሽሓት ጉባኤታት ተጠርኒፎም ንየሆዋ ብታሕጓስ የምልኽዎ ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ዚውሃቦም መምርሒ የመስግኑሉ፡ ንጉባኤኦም እውን ብብዙሕ መገድታት ይድግፉ እዮም። ንስኻኸ ብዛዕባ ጉባኤኻ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧

1. ገለ ኻብቲ ብግዜኻን ብጕልበትካን ኣቢልካ ንክርስትያናዊት ጉባኤ እትድግፈሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

ኵላትና ኣብ ገጉባኤና እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ክርስትያናት፡ ኣረጋውያን ወይ ጸገም ጥዕና ዘለዎም ድዮም፧ ናብ ኣኼባታት ንምኻድ ክትሕግዞምዶ ትኽእል፧ ወይ ከኣ ብኻልእ ግብራዊ መገድታት፡ ንኣብነት ኣስቤዛ ብምትዕድዳግ ወይ ኣብ ገዛ ዚዕየ ነገራት ብምዕያይ ክትሕግዞምዶ ትኽእል፧ (ያእቆብ 1:27 ኣንብብ።) ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይን ኣብ ምክንኻንን እውን ብፍታውና ኽንሳተፍ ንኽእል ኢና። ከምኡ ኽንገብር፡ ዋላ ሓደ ኣይግድደናን እዩ። ንኣምላኽናን ንኣሕዋትናን ዘላትና ፍቕሪ እያ ‘ፈቲና ኽንመጽእ’ እትድርኸና።—መዝሙር 110:3።

ጥሙቓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጉባኤኦም ብኻልእ መገድታት ኪድግፉ ይኽእሉ እዮም። መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ኬገልግሉ፡ ጸኒሖም ከኣ ሽማግለታት ኰይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። ኣሕዋትን ኣሓትን ፈለምቲ ዀይኖም ብምግልጋል፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ኪድግፉ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቦታታት ኣምልኾ ብምህናጽ ወይ ሓገዝ ናብ ዜድልያ ጉባኤ ብምግዓዝ ኪሕግዙ ይኽእሉ እዮም።

2. ስጋዊ ጥሪትና ንክርስትያናዊት ጉባኤ ንምድጋፍ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧

‘ንየሆዋ ብጥሪትና ኸነኽብሮ’ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 3:9) ንጉባኤናን ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከትን ገንዘባዊ ውጽኢት ምግባር ኰነ ብኻልእ መገዲ ጥሪትና ምውፋይ ከም ፍሉይ ክብሪ ኢና እንቘጽሮ። (2 ቈረንቶስ 9:7 ኣንብብ።) ወፈያታትና ንዕዮ ረድኤት እውን ይድግፍ እዩ። ብዙሓት ክርስትያናት ኣዘውቲሮም ንምውፋይ ገንዘብ ‘ኣዋህሊሎም የቐምጡ’ እዮም። (1 ቈረንቶስ 16:2 ኣንብብ።) ንሕና ኸኣ ኣብቲ ኣብ ቦታታት ኣምልኾና ዘሎ ሳጹን ውጽኢት ወይ ኣብቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ donate.jw.org ወፈያ ኽንገብር ንኽእል ኢና። የሆዋ በቲ ንስጋዊ ጥሪትና እንጥቀመሉ መገዲ ኣቢልና ፍቕርና ኽንገልጸሉ ኣጋጣሚ ይህበና እዩ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትድግፈሉ እትኽእል ገለ መገድታት ርአ።

3. ስጋዊ ጥሪትና ኽንውፊ ንኽእል ኢና

የሆዋ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ፣ የሱስ እውን ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዘለዎ። ንኣብነት፡ የሱስ ንሓንቲ ድኻ መበለትን ነቲ ወፈያ ንምሃብ ዝገበረቶ ጻዕርን ኣስተብሂሉሉ እዩ። ሉቃስ 21:1-4 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ንየሆዋ ባህ ንምባል ብዙሕ ገንዘብዶ ኽንውፊ ኣሎና እዩ፧

  • የሆዋን የሱስን ብዛዕባ እቲ ኻብ ልቢ እንህቦ ወፈያ እንታይ ይስምዖም፧

ወፈያና ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም ዚውዕል ንምፍላጥ፡ ቪድዮ ኣጻውት። ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’ (4:47)

  • ወፈያታት ነተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ንምጥቃም ብኸመይ እዩ ኣብ መዓላ ዚውዕል፧

ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ወፈያኣ ኣብ ሳጹን ውጽኢት ተእቱ።

4. ሓገዝ ንምሃብ፡ ወለንተኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምለኽቲ የሆዋ ንቦታታት ኣምልኾኦም ንምክንኻን ብቕንኣት ዓይዮም እዮም። እዚ ግና ገንዘብ ካብ ምውፋይ ንላዕሊ እውን የጠቓልል ነይሩ እዩ። 2 ዜና መዋእል 34:9-11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኵሉ እስራኤላዊ ንቤት የሆዋ ወይ ንቦታ ኣምልኾ ንምክንኻን ብኸመይ እዩ እጃሙ ኣበርኪቱ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናይ ጥንቲ ኣብነት ብኸመይ ከም ዚስዕቡ ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ንቦታታት ኣምልኾና ንከናኸኖ (3:31)

ኣብታ ‘ንቦታታት ኣምልኾና ንከናኸኖ’ ዘርእስታ ቪድዮ ዚርከብ ትርኢት። ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ንሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብውሽጡ የጽርይዎ።
  • ነቲ እንጥቀመሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከነጽርዮን ክንከናኸኖን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ገለ ኻብቲ ኽትሕግዘሉ እትኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧

ወለንተኛታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሕግዙ።

5. ኣሕዋት ንተወሳኺ ሓላፍነት ኪመጣጠሩ ይኽእሉ

ክርስትያን ሰብኡት ንጉባኤኦም ንምድጋፍ ኪመጣጠሩ ኸም ዚኽእሉ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መተባብዒ ተዋሂብዎም ኣሎ። ሓደ ኣብነት ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት። ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ ኣቱም ኣሕዋት፡ ንሰናይ ግብሪ ተመጣጠሩ (5:19)

  • ኣብታ ቪድዮ፡ ራያን ንጉባኤኡ ብዝያዳ ንምድጋፍ ብኸመይ ተመጣጢሩ፧

ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ኰይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋት እንታይ ብቕዓታት ኬማልኡ ኸም ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። 1 ጢሞቴዎስ 3:1-13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ኰይኖም ኬገልግሉ ዚመጣጠሩ ኣሕዋት እንታይ ትጽቢት እዩ ዚግበረሎም፧

  • ንስድራ ቤቶም እንታይ ትጽቢት እዩ ዚግበረሎም፧—ፍቕዲ 4ን 11ን ርአ።

  • ኣሕዋት ነዚ ብቕዓታት ንምምላእ ኪጽዕሩ ኸለዉ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም ዚጥቀሙ ብኸመይ እዮም፧

ሓደ መንእሰይ ሓው ንሓደ ኣብ ዓረብያ ስንኩላን እተቐመጠ ኣረጋዊ ሓው እናደፍኦ ኣብ በቤት እናኸዱ የገልግሉ።

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዕዮኦም ብኸመይ ይምውልዎ፧”

  • እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ጽማቝ

የሆዋ ነቲ ንጉባኤና ብግዜናን ብጕልበትናን ብስጋዊ ጥሪትናን ጌርና ንምድጋፍ እንገብሮ ጻዕሪ ብዙሕ የማስወሉ እዩ።

ክለሳ

  • ግዜናን ጕልበትናን ንጉባኤና ንምድጋፍ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧

  • ስጋዊ ጥሪትና ንክርስትያናዊት ጉባኤ ንምድጋፍ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧

  • ብምንታይ መገድታት ኢኻ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትድግፍ እትደሊ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ኣምላኽ ካብ ኣምለኽቱ ዕሽር ዘይጽበየሉ ምኽንያት ርአ።

“መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕሽር እንታይ ይብል፧” (ዓንቀጽ ወብ)

መጽሓፍ ቅዱስ ንጥሙቓት ሰብኡት እተወሰነ ግደ መዲቡሎም ኣሎ። ሓንቲ ጥምቕቲ ሰበይቲ ነዚ ግደ እዚ ኽትዓምም እንተ ኣድለየኸ እንታይ እዩ ኺግበር ዚግባእ፧

“ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ስርዓት ርእስነት ተረድኣዮ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ ለካቲት 2021)

ጽሑፋት ናብ ክርስትያናት ብጾቶም ንምብጻሕ ዓብዪ መስዋእቲ ምስ ዚኸፍሉ ተባዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተፋለጥ።

ኣብ ኮንጎ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ምብጽጻሕ (4:25)

ዕዮና ኻብ ካልኦት ሃይማኖታዊ ውድባት ብእተፈልየ መገዲ ብኸመይ ከም ዚምወል ፍለጥ።

“ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እዩ ዚምወል፧” (ዓንቀጽ ወብ)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ