ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 54
  • “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘለዎ ግደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘለዎ ግደ
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • ሎሚ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚመርሖም ዘሎ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ሎሚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ ይዓዪ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ንክርስቶስን ነቲ እሙን ባርያኡን እሙን ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • እቲ እሙን መጋብን ኣመሓዳሪ ኣካሉን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 54
ትምህርቲ 54. ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓባር ይእከቡ።

ትምህርቲ 54

“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘለዎ ግደ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

የሱስ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ። (ኤፌሶን 5:23) ሎሚ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ሰዓብቱ፡ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ እዩ ዚመርሖም። (ማቴዎስ 24:45 ኣንብብ።) እቲ “ባርያ” እቲ ብየሱስ እተሸመ ብምዃኑ እተወሰነ ስልጣን ኣለዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ንሱ ባዕሉ እውን ባርያ ክርስቶስ እዩ፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ እውን የገልግሎም እዩ። እቲ ባርያ እቲ መን እዩ፧ ከመይ ገይሩኸ እዩ ዚሓልየልና፧

1. እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” መን እዩ፧

የሆዋ ወትሩ ብሒደት ሰባት ገይሩ ንህዝቡ መምርሒ ይህቦም እዩ። (ሚልክያስ 2:7፣ እብራውያን 1:1) የሱስ ድሕሪ ሙማቱ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ናይ ምምራሕ ዕዮ ነይርዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:2) ነቲ ኣብነት እቲ ብምስዓብ ድማ፡ ሎሚ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብሃሉ ሒደት ሽማግለታት፡ መንፈሳዊ ምግቢ የቕርቡን ነቲ ዕዮ ስብከት ይመርሑን ኣለዉ። እዚ ጕጅለ እዚ፡ የሱስ “ዝሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እዩ። (ማቴዎስ 24:45) ኵሎም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት እዮም፣ ንሳቶም ድማ ምድራዊ ህይወቶም ምስ ወድኡ፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ኺሓብሩ ተስፋ ኣለዎም።

2. እቲ እሙን ባርያ እንታይ መንፈሳዊ ምግቢ እዩ ዜቕርብ፧

እቲ እሙን ባርያ ንክርስትያናት ብጾቱ “ምግቦም ብግዜኡ ኺህቦም” ከም እተሸመ፡ የሱስ ሓቢሩ እዩ። (ማቴዎስ 24:45) ከምቲ እንበልዖ ምግቢ ንኣካላዊ ብርታዐናን ንጥዕናናን ኣበርክቶ ዚገብር፡ መንፈሳዊ ምግቢ፡ ማለት ካብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ ትምህርቲ፡ ንየሆዋ እሙናት ክንከውንን ነቲ የሱስ ዝሃበና ዕዮ ኽንፍጽምን ዜኽእለና ብርታዐ ይህበና እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:6) እቲ መንፈሳዊ ምግቢ ድማ፡ በቲ ፍቓድ ኣምላኽ ክንርዳእን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ከነደልድልን ዜኽእለና ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ኣቢሉ እዩ ዚመጽእ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

“እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ማለት ኣመሓዳሪ ኣካል ስለምንታይ ከም ዜድልየና ርአ።

ስእልታት፦ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል መምርሒ ይቕበሉን ይስዕቡን። 1. ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ፈነወ JW ይርእዩ። 2. ወለንተኛታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ናይ ጽዕነት ማኪና ንረድኤት ዚኸውን ነገራት ይጽዕኑ። 3. ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጥቓ ዓረብያ ምስክርነት ኰይኖም ይሰብኩ። 4. ሓደ ሽማግለ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ደብዳበ የንብብ።

ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንፈሳዊ ምግብን መምርሕን ግብራዊ ሓገዝን ይህብ

3. ህዝቢ የሆዋ እተወደቡ ኪዀኑ ኣለዎም

ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ኰይኑ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይውድብ እዩ። ኣብ ቀዳሞት ክርስትያናት ተመሳሳሊ ስርዓት ነይሩ እዩ። ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ የሆዋ ንህዝቡ ይውድቦም (6:18)

ቀዳማይ ቈረንቶስ 14:33, 40 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እዚ ፍቕድታት እዚ፡ የሆዋ ንመሰኻኽሩ ኺውደቡ ኸም ዚደልዮም ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

4. እቲ እሙን ባርያ ንዕዮ ስብከትና ይውድቦ

ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ዝዀነ ዕዮ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ገይሮም ዚርእይዎ ነገር፡ ዕዮ ስብከት እዩ ነይሩ። ግብሪ ሃዋርያት 8:14, 25 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ካብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ነቲ ዕዮ ስብከት መን እዩ ዚመርሖ ነይሩ፧

  • ጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ካብ ብጾቶም ሃዋርያት መምርሒ ምስ ተዋህቦም እንታይ ገይሮም፧

እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ዚውድቦ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ንጥፈት፡ ዕዮ ስብከት እዩ። ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ ኣብ ዕዮ ስብከት ዘተኰሩ (1:24)

ስብከት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ፡ የሱስ ኣጕሊሑ እዩ። ማርቆስ 13:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ዕዮ ስብከት ንኣመሓዳሪ ኣካል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምውዳብ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

5. እቲ እሙን ባርያ መምርሒ ይህብ

ኣመሓዳሪ ኣካል ነቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ክርስትያናት መምርሒ ይህቦም እዩ። እንታይ መምርሒ ኸም ዚህብ ከመይ ገይሩ ይውስን፧ ናይ ቀዳሞት ክርስትያናት ኣመሓዳሪ ኣካል ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዝገበረ ንርአ። ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብ መንጎ ቐዳሞት ክርስትያናት እንታይ ዘይምርድዳእ እዩ ተፈጢሩ፧

  • ጳውሎስን በርናባስን ካልኦትን ነቲ ጕዳይ ንምድቃስ ናብ መን እዮም ከይዶም፧

ግብሪ ሃዋርያት 15:12-18, 23-29 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እቲ ቐዳማይ ኣመሓዳሪ ኣካል ውሳነ ቕድሚ ምውሳኑ፡ መምርሒ ኣምላኽ ንምድላይ እንታይ እዩ ገይሩ፧—ፍቕዲ 12, 15, 28 ርአ።

ግብሪ ሃዋርያት 15:30, 31ን 16:4, 5ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ካብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንእተዋህቦም መምርሒ ብኸመይ ተቐቢሎምዎ፧

  • የሆዋ ንተኣዛዝነቶም ብኸመይ ባሪኽዎ፧

ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:16ን ያእቆብ 1:5ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣመሓዳሪ ኣካል ሎሚ ውሳነታት ኪገብር ከሎ፡ ካበይ እዩ መምርሒ ዚደሊ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንኣመሓዳሪ ኣካል እንተ ሰሚዕካ፡ ንሰባት ኢኻ እትስዕብ ዘለኻ።”

  • የሱስ ንኣመሓዳሪ ኣካል ይመርሖ ኸም ዘሎ ዘእመነካ እንታይ እዩ፧

ጽማቝ

ኣመሓዳሪ ኣካል ብክርስቶስ እተሸመ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እዩ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዘለዉ ክርስትያናት፡ መምርሕን መንፈሳዊ ምግብን ይህብ እዩ።

ክለሳ

  • ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዝሸሞ መን እዩ፧

  • ኣመሓዳሪ ኣካል ዚሓልየልና ብኸመይ እዩ፧

  • ኣመሓዳሪ ኣካል፡ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ምዃኑስ ትኣምንዶ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ኣመሓዳሪ ኣካል ዕዮኡ ንምዕያይ ብኸመይ ከም እተወደበ ርአ።

“ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ዜተኣማምን መንፈሳዊ ምግቢ ኸም እንረክብ ንምርግጋጽ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ከም ዚገብር ፍለጥ።

ልክዕነቱ ዝሓለወ ሕታማት ምድላው (17:18)

ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሃቦም ዕዮ እንታይ ይስምዖም፧

ክቡር መሰል (7:04)

ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን፡ የሆዋ ንኣመሓዳሪ ኣካል ይመርሖ ኸም ዘሎ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ ንህዝቡ ይምህሮ ኣሎ (9:39)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ