ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 24
  • ብዛዕባ መላእኽቲ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ መላእኽቲ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • መላእኽቲ እንታዎት እዮም፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • የሱስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘለዎ ስልጣን
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 24
ትምህርቲ 24. ሓወልቲ መልኣኽ።

ትምህርቲ 24

ብዛዕባ መላእኽቲ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ስድራ ቤቱ ኽንፈልጥ ይደልየና እዩ። ኣብቶም ስድራ ቤቱ “ደቂ ኣምላኽ” ዚብሃሉ መላእኽቲ ኣለዉ። (እዮብ 38:7) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላእኽቲ እንታይ ይብል፧ መላእኽቲ ንሰባት ብኸመይ ይጸልውዎም፧ ኵሎም መላእኽቲ ኽፍሊ ስድራ ቤት ኣምላኽ ድዮም፧

1. መላእኽቲ መን እዮም፧

የሆዋ ንመላእኽቲ፡ ንምድሪ ቕድሚ ምፍጣሩ እዩ ፈጢርዎም፧ መላእኽቲ ኸም የሆዋ ኣብ ሰማይ ዚነብሩ ብዓይኒ ዘይረኣዩ መናፍስቲ እዮም። (እብራውያን 1:14) ሚልዮናት መላእኽቲ ኣለዉ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ነናቶም መንነት ኣለዎም። (ራእይ 5:11) ‘ንድምጺ የሆዋ ተኣዚዞም ቃሉ ይፍጽሙ’ እዮም። (መዝሙር 103:20) ብግዜ ጥንቲ፡ የሆዋ መልእኽቱ ንህዝቡ ኼብጽሑሎምን ኪድግፍዎምን ኬናግፍዎምን ኢሉ ሓድሓደ ግዜ መላእኽቲ ልኢኹ እዩ። ሎሚ፡ መላእኽቲ ንክርስትያናት፡ ናብቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምሃሩ ዚደልዩ ሰባት ይመርሕዎም እዮም።

2. ሰይጣንን ኣጋንንቱን መን እዮም፧

ገሊኦም መላእኽቲ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ኣይቀጸሉን። እቲ ቐዳማይ ዝዓለወ መልኣኽ፡ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል” እዩ። (ራእይ 12:9) ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ገዛኢ ኪኸውን ይደሊ እዩ፣ ስለዚ፡ ኣብ መጀመርታ ነቶም ቀዳሞት ሰባት፡ ጸኒሑ ንኻልኦት መላእኽቲ ኣብቲ ዕልወቱ ኺሓብሩ ጸልይዎም። እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ኸኣ ኣጋንንቲ ይብሃሉ። የሆዋ ንዓታቶም ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ሰጒጕዎም እዩ፣ ኣብ መጻኢ ድማ ኪጠፍኡ እዮም።—ራእይ 12:9, 12 ኣንብብ።

3. ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብኸመይ እዮም ኬስሕቱና ዚፍትኑ፧

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብኣጋንንታዊ ተግባራት ወይ ብመናፍስትነት ኣቢሎም ንብዙሓት ሰባት ኬስሕቱ ይፍትኑ እዮም። መናፍስትነት ኪብሃል ከሎ፡ ሰባት ምስ መናፍስቲ ንምዝርራብ ዚፍትኑሉ ሕማቕ ተግባር እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ንቘጸርቲ ኸዋኽብትን ንጠንቈልትን ንደብተራታትን ይጥይቑ እዮም። ገሊኦም ከኣ ምስ መናፍስትነት እተተሓሓዘ ፈውሲ ይደልዩ እዮም። ገሊኦም ሰባት ድማ ምስ ምዉታት ከም እተዛረቡ መሲልዎም ይታለሉ እዮም። የሆዋ፡ “ናብ ጠየቕቲ መናፍስቲ ኣይትኺዱ፡ ንጠንቈልቲ ድማ ኣይትሕተቱ” ኢሉ ኣጠንቂቑና ኣሎ። (ዘሌዋውያን 19:31) ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ዝሃበና፡ ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ምእንቲ ኼዕቍበና ኢሉ እዩ። ንሳቶም ጸላእቲ ኣምላኽ እዮም፣ ኪጐድኡና እውን ይደልዩ እዮም።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ብዛዕባ እቲ መላእኽቲ ዚገብርዎ ጽቡቕ ነገራት፡ ብዛዕባ ሓደጋታት መናፍስትነት፡ ከምኡ እውን ከመይ ጌርና ገዛእ ርእስና ኻብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ክንከላኸል ከም እንኽእል ተምሃር።

ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት እናኸዱ ኺሰብኩ ኸለዉ፡ ሓደ መልኣኽ ይመርሖም።

4. መላእኽቲ ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ይሕግዝዎም

መላእኽቲ ኣምላኽ ንሰባት ብቐጥታ ኣይሰብኩሎምን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምሃሩ ዚደልዩ ሰባት ኪመርሕዎም ይኽእሉ እዮም። ራእይ 14:6, 7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ክንሰብኽ ከለና ሓገዝ መላእኽቲ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

  • መላእኽቲ ናብቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰምዑ ዚደልዩ ሰባት ኪመርሑኻ ኸም ዚኽእሉ ምፍላጥካስ የተባብዓካዶ፧ ስለምንታይ፧

ምስ ጥንቈላን መናፍስትነትን እተተሓሓዘ በበይኑ ነገራት፣ ገለ ኻብኡ ልዕለ ባህርያዊ መልእኽቲ ንምድላይ ዜገልግል ሰሌዳ፡ ኵዕሶ ክሪስታል፡ ናይ ቫምፓየራት መጽሓፍ፡ ካርታ፡ ባምቡላ ቩዱ፡ ዕጣን፡ ክታብ ኪጥቀስ ይከኣል።

5. ካብ መናፍስትነት ርሓቕ

ሰይጣንን ኣጋንንትን ጸላእቲ የሆዋ እዮም። ንዓና እውን ጸላእትና እዮም። ሉቃስ 9:38-42 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣጋንንቲ ንሰባት እንታይ እዮም ዚገብርዎም፧

ንኣጋንንቲ ናብ ህይወትና ኽንዕድሞም ኣይንደልን ኢና። ዘዳግም 18:10-12 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣጋንንቲ ኺጸልዉናን ምሳና ኺዛራረቡን ዚደልዩ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ ከባቢኻ ልሙድ ዝዀነ እንታይ ኣጋንንታዊ ተግባራት ኣሎ፧

  • የሆዋ ንመናፍስታዊ ተግባራት ምኽልካሉስ ግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ “ንድያብሎስ ተጻረርዎ” (5:02)

  • ጓል ፓሌሳ ዝገበረቶ ኽታብ ጐዳኢዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

  • ፓሌሳ ኻብ መጥቃዕቲ ኣጋንንቲ ዕቝባ ንምርካብ እንታይ ክትገብር ነይርዋ፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ወትሩ ንኣጋንንቲ ይጻረርዎም እዮም። ግብሪ ሃዋርያት 19:19ን 1 ቈረንቶስ 10:21ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ምስ መናፍስትነት እተተሓሓዘ ዘበለ ዅሉ ኸተጥፍእ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሓንቲ ሰበይቲ ምስ መናፍስትነት ንእተተሓሓዘ ነገራት ብሓዊ ተንድዶ።

6. ኣብቲ ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዚግበር ቃልሲ ተዓወት

ንኣጋንንቲ ዚገዝኦም፡ ሰይጣን እዩ። እሙናት መላእኽቲ ግና ብሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ እዮም ዚምርሑ፣ ሚካኤል ንየሱስ እተዋህቦ ኻልእ ስም እዩ። እሞ ደኣ ሚካኤል ዘለዎ ሓይሊ ኽሳዕ ክንደይ እዩ፧ ራእይ 12:7-9 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • መን ይሕይል፧ ሚካኤልን መላእኽቱንዶ፡ ወይስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን፧

  • ሰዓብቲ የሱስ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ኪፈርህዎም ዘለዎምዶ ይመስለካ፧

ኣብቲ ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዚግበር ቃልሲ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ። ያእቆብ 4:7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ንርእስኻ ኻብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ክትከላኸለላ እትኽእል፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መናፍስትነት ዘለዎ ጸወታ ምጽዋት ወይ ፊልም ምርኣይ ጌጋ የብሉን። መዘናግዒ እዩ።”

  • እዚ ኣረኣእያ እዚ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ጽማቝ

እሙናት መላእኽቲ ይሕግዙና እዮም። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ጸላእቲ የሆዋ እዮም፣ ብመናፍስትነት ገይሮም ድማ፡ ንሰባት የስሕቱ እዮም።

ክለሳ

  • መላእኽቲ የሆዋ ንሰባት፡ ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ብኸመይ ይሕግዝዎም ኣለዉ፧

  • ሰይጣንን ኣጋንንቱን መን እዮም፧

  • ካብ መናፍስትነት ክትርሕቕ እትደሊ ስለምንታይ ኢኻ፧

ሸቶ

ዳህስስ

የሱስ፡ ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ምዃኑ ዚሕብር መርትዖ ርአ።

“ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መን እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ድያብሎስ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኽፉእ ሓሳብ ወይ ባህርይ ዘይምዃኑ መርትዖ ርአ።

“ድያብሎስ ብሓቂ ዘሎ ኣካል ድዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ጽልዋ ኣጋንንቲ ብኸመይ ናጻ ኸም ዝወጸት ርአ።

“ኣብ ህይወታ ዕላማ ረኺባ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ሓምለ 1993)

ሰይጣን ብመናፍስትነት ኣቢሉ ብኸመይ ንሰባት ከም ዜዐሹ ፍለጥ።

“ብዛዕባ ኣስማት እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧” (መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ክፋል 5)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ