ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 23
  • ጥምቀት—ኣገዳሲ ሸቶ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥምቀት—ኣገዳሲ ሸቶ!
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • ጥምቀት—ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ትርጉምን ኣገዳስነትን ጥምቀት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ክትጥመቕ ተዳሊኻ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ጥምቀትን ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብን
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 23
ትምህርቲ 23. ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ብምጥላቕ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ትጥመቕ።

ትምህርቲ 23

ጥምቀት—ኣገዳሲ ሸቶ!

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

የሱስ ክርስትያናት ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20 ኣንብብ።) እንተዀነ ግና፡ ጥምቀት እንታይ እዩ፧ ሓደ ሰብ ናብቲ ሸቶ እቲ ንምብጻሕከ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

1. ጥምቀት እንታይ እዩ፧

እታ “ምጥማቕ” እትብል ቃል፡ ኣብ ማይ “ምጥላቕ” ካብ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እያ መጺኣ። የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ጠለቐ፣ ድሕሪኡ፡ “ካብ ማይ . . . ወጸ።” (ማርቆስ 1:9, 10) ብተመሳሳሊ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ብምጥላቕ ወይ ብምጥሓል እዮም ዚጥመቑ።

2. ጥምቀት እንታይ የርኢ፧

ሓደ ሰብ ኪጥመቕ ከሎ፡ ርእሱ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዝወፈየ እዩ ዜርኢ። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ርእሱ ዚውፊ፧ ቅድሚ ምጥማቑ፡ ብውልቁ ናብ የሆዋ ኣብ ዜቕርቦ ጸሎት፡ ንዕኡ ንዘለኣለም ኬገልግሎ ኸም ዚደሊ ይነግሮ። ንየሆዋ በይኑ ኸም ዜምልኾን ፍቓዱ ምግባር ኣብ ህይወቱ ቐዳማይ ቦታ ኸም ዚህቦን ከኣ ይመባጻዕ። ነቲ የሱስ “ርእሱ ቐቢጹ፡ . . . ብቐጻሊ ይስዓበኒ” ኢሉ ዝሃቦ መምርሒ ብምሕላው፡ ትምህርትታትን ኣብነትን የሱስ ንምስዓብ ይውስን። (ማቴዎስ 16:24) ወፈያኡን ጥምቀቱን ከኣ ምስ የሆዋን ምስ ክርስትያናት ብጾቱን ናብ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርት የኽእሎ።

3. ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ ናብ ጥምቀት ዕቤት ኪገብር ይኽእል፧

ንጥምቀት ምእንቲ ኽትዳሎ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኽትምሃርን ኣብኡ እምነት ክትሃንጽን ኣሎካ። (እብራውያን 11:6 ኣንብብ።) ፍልጠትካን እምነትካን እናዓበየ ምስ ከደ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ እውን ኪዓቢ እዩ። ብዛዕባኡ ንምስባኽን ብመለክዒታቱ ንምምልላስን እውን ድሌት ከተሕድር ኢኻ። (2 ጢሞቴዎስ 4:2፣ 1 ዮሃንስ 5:3) ሓደ ሰብ ‘ንየሆዋ ዚበቅዕ ኰይኑ ዚመላለስን ብዅሉ ንዕኡ ዜሐጕሶን’ እንተ ዀይኑ፡ ህይወቱ ንኣምላኽ ወፍዩ ንምጥማቕ ኪውስን ይኽእል እዩ።—ቈሎሴ 1:9, 10።a

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ካብ ጥምቀት የሱስ እንታይ ከም እንምሃርን ሓደ ሰብ ነዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ብኸመይ ከም ዚዳሎን ርአ።

4. ካብ ጥምቀት የሱስ እንረኽቦ ትምህርቲ

ብዛዕባ ጥምቀት የሱስ ብዝርዝር ንምፍላጥ፡ ማቴዎስ 3:13-17 ኣንብብ። ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • የሱስ ኪጥመቕ ከሎ ሕጻን ድዩ ነይሩ፧

  • ብኸመይ እዩ ተጠሚቑ፧ ማይ ድዩ ተነጺጉሉ፧

የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዝሃቦ ፍሉይ ዕዮ ኺዓዪ ጀሚሩ እዩ። ሉቃስ 3:21-23ን ዮሃንስ 6:38ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ኣብ ህይወቱ ነየናይ ዕዮ እዩ ቐዳምነት ሂብዎ፧

5. ጥምቀት ኪብጻሕ ዚከኣል ሸቶ እዩ

ወፈያን ጥምቀትን ዚብል ሓሳብ፡ ፈለማ ልዕሊ ዓቕምካ ኺመስለካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ በብቝሩብ ዕቤት ምስ እትገብር፡ ብምትእምማን ነዚ ኣገዳሲ ውሳነ እዚ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ገለ ኻብቶም ከምኡ ዝገበሩ ሰባት ንምርኣይ፡ ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ ምስ የሆዋ ርክብ ህነጽ (1:11)

ዮሃንስ 17:3ን ያእቆብ 1:5ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ሓደ ሰብ ንጥምቀት ድሉው ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

ሀ. ሓንቲ ሰበይቲ ብብሕታዊ ጸሎት ኣቢላ ርእሳ ንኣምላኽ ትውፊ። ለ. እታ ሰበይቲ እቲኣ ኣብ ማይ ምሉእ ብምሉእ ብምጥላቕ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ትጥመቕ።
  1. ሀ. ንየሆዋ ንዘለኣለም ከነገልግሎ ኸም እንደሊ ብምንጋር፡ ርእስና ንዕኡ ንውፊ ኢና

  2. ለ. ክንጥመቕ ከለና፡ ርእስና ንኣምላኽ ከም ዝወፈና፡ ንተዓዘብቲ ነርኢ ኢና

6. ምስ ተጠመቕና፡ ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ንኸውን

ምስ ተጠመቕና፡ ክፍሊ እቲ ሓድነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ኢና እንኸውን። ካብ እተፈላለየ ዓድታት ወይ ድሕረ ባይታ ዝመጻእና እኳ እንተ ዀንና፡ ብሕደ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኢና እንመላለስ። መዝሙር 25:14ን 1 ጴጥሮስ 2:17ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ጥምቀት ነቲ ሓደ ሰብ ምስ የሆዋን ምስ ካልኦት ኣምለኽቲ የሆዋን ዘለዎ ብሕታዊ ርክብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

ስእልታት፦ ሓንቲ ጥምቕቲ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ምስቶም ኣብ ጉባኤኣ ዚርከቡ ክርስትያናት ብጾታ ዘለዋ ጽቡቕ ርክብ ብታሕጓስ ትሓስብ። 1. ንሓንቲ ሓብቲ ምስጢራ ተካፍላ። 2. ብዕድመ ንዝደፍአት ሓብቲ ኽትከይድ ትድግፋ። 3. በበይኑ ዕድመ ምስ ዘለዎም ፈተውታ ትበልዕ። 4. ብሓንቲ ሓብቲ እናተሓገዝት ንሓደ ሰብኣይ ትሰብከሉ። 5. ኣብ ኣኼባ ዞባ፡ ምስ ክልተ በበይኑ ዝዓሌተን ኣሓት ብሓባር ትሰኣል።

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንጥምቀት ኣይተዳሎኹን።”

  • ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ጥምቀት ብሕጂ እውን ኣገዳሲ ሸቶ ኸም ዝዀነዶ ይመስለካ፧

ጽማቝ

የሱስ ክርስትያናት ኪጥመቑ ኸም ዚግባእ ምሂሩ። ሓደ ሰብ ነቲ ሸቶ እቲ ንምብጻሕ፡ ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ኪሃንጽ፡ ብመለክዒታት የሆዋ ኺመላለስ፡ ርእሱ እውን ንየሆዋ ኺውፊ ኣለዎ።

ክለሳ

  • ጥምቀት እንታይ እዩ፧ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣብ መንጎ ወፈያን ጥምቀትን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧

  • እንታይ ስጕምትታት እዩ ናብ ወፈያን ጥምቀትን ዜብጽሕ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ጥምቀት እንታይ ከም ዝዀነን እንታይ ከም ዘይኰነን ተምሃር።

“ጥምቀት እንታይ እዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ሰብ ናብ ጥምቀት ዕቤት ኪገብረሉ ዚኽእል መገድታት ከልስ።

“ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ናብ ጥምቀት ይመርሕ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ መጋቢት 2020)

ሓደ ሰብኣይ ንጥምቀት ዝገበሮ ውሳነ ኣብ ስምዒት ጥራይ እተመርኰሰ ኸም ዘይኰነ ኣንብብ።

“ንሓቂ ኽምርምራ እዮም ዚደልዩኒ ነይሮም” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ለካቲት 2013)

ጥምቀት ስለምንታይ ኣገዳሲ ሸቶ ኸም ዝዀነን ንዕኡ ብኸመይ ክትዳሎ ኸም እትኽእልን ርአ።

“ክጥመቕዶ፧” (መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ ምዕራፍ 37)

a ሓደ ሰብ ኣብ ካልእ ሃይማኖት ተጠሚቑ እንተ ነይሩ፡ ዳግም ኪጥመቕ የድልዮ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እታ ሃይማኖት እቲኣ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣይትምህርን እያ።—ግብሪ ሃዋርያት 19:1-5ን ትምህርቲ 13ን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ