ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 21
  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይስበኽ ኣሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይስበኽ ኣሎ፧
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • ‘ሰናይ ምብሳር’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት ዚሰብኩ ስለምንታይ እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከተበስር ትኽእል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 21
ትምህርቲ 21. ሓደ ሰብኣይ ኣብ መገዲ፡ ኣብ ጥቓ ዓረብያ ጽሑፋት ደው ምስ ዝበላ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዛራረብ።

ትምህርቲ 21

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይስበኽ ኣሎ፧

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ፡ ንዅሉ ጸገማትና ኼወግዶ እዩ። ነዚ ኣዝዩ ጥዑም ብስራት እዚ፡ ንበይንና ኽንሕዞ ኣይግባእን እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ መልእኽቱ ንዅሉ ሰብ ኪነግሩ ኣዚዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እሞ ደኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትእዛዝ የሱስ ብኸመይ ይፍጽምዎ ኣለዉ፧

1. ሎሚ ማቴዎስ 24:14 ብኸመይ ትፍጸም ኣላ፧

የሱስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ . . . ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ኢሉ ተነብዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ተሓጒሶም ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብ ብዘላ ዓለም ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽ ኣለና! እዚ ዓብዪ ዕዮ እዚ፡ ብዙሕ ጻዕርን ውዳበን ይሓትት እዩ። ብዘይ ሓገዝ የሆዋ፡ ኪግበር ኣይከኣልን እዩ።

2. ንሰባት ምእንቲ ኽንሰብከሎም፡ እንታይ ጻዕርታት ንገብር ኣለና፧

ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዅሉ ቦታታት ንሰብኽ ኢና። ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብ “በቤት” ንሰብኽ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42) እዚ ብስርዓት ክንሰብኽ ዜኽእለና ሜላ፡ ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት ሰባት ክንረክብ የኽእለና እዩ። ሰባት ወትሩ ኣብ ኣባይቶም ስለ ዘይርከቡ ግና፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት እውን ንሰብኽ ኢና። ብዛዕባ የሆዋን ዕላማኡን ንምንጋር፡ ወትሩ ኣጋጣሚታት ነናዲ ኢና።

3. መን እዮም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ሓላፍነት ዘለዎም፧

ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ ሓላፍነትና እዚ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኸም ዘሎ ስለ እንፈልጥ፡ ብሕታዊ ዅነታትና ብዜፍቅደልና መጠን ንሰብኽ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 4:16 ኣንብብ።) ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕያይ ኣይክፈለናን እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ይብለና እዩ። (ማቴዎስ 10:7, 8) ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ንመልእኽትና ዚቕበሎ። እንተዀነ ግና፡ ስብከት ክፍሊ ኣምልኾና ስለ ዝዀነ፡ ንየሆዋ እውን ስለ ዜሐጕሶ፡ ብቐጻሊ ንሰብኽ ኢና።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ንምስባኽ ዚገብርዎ ጻዕርታት ፍለጥ፣ የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ድማ ርአ።

ሀ. ኣብ ኮስታ ሪካ፡ ኣብ ሓደ ልሙዕ ኵርባ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ሰብኣይ ይሰብኩሉ። ለ. ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ክልተ ጽምዲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገፈፍቲ ዓሳ ይሰብኩሎም። ሐ. ኣብ በኒን፡ ኣብ ሓንቲ ቝሸት፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ሰብኣይ ይሰብኩሉ። መ. ኣብ ታይላንድ፡ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ብጃልባ ገይራ እትሸይጥ ሸቃጢት ትሰብከላ። ረ. ኣብ ያፕ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጥቓ ሓደ ዓብዪ ጸፊሕ እምኒ ይሰብካላ። ሰ. ኣብ ሽወደን፡ ውርጪ ኣብ ዝመልኦ መገዲ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ሰበይቲ ይሰብኩላ።

ኣብ በበይኑ ኽፋላት ዓለም ዚግበር ስብከት፦ (ሀ) ኮስታ ሪካ፡ (ለ) ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ (ሐ) በኒን፡ (መ) ታይላንድ፡ (ረ) ያፕ፡ (ሰ) ሽወደን

4. ንዅሎም ሰባት ንምርካብ ብዙሕ ንጽዕር ኢና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ንዚርከቡ ሰባት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ፍሉይ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

ቪድዮ፦ “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” ይሰብኩ (7:33)

  • ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምስባኽ ዚገብርዎ ጻዕሪ እንታይ መሲጡካ፧

ማቴዎስ 22:39ን ሮሜ 10:13-15ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣገልግሎትና ንብጻይና ፍቕሪ ኸም ዘሎና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

  • የሆዋ ብዛዕባ እቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩ እንታይ ይስምዖ፧—ፍቕዲ 15 ርአ።

5. መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና

የሆዋ ንዕዮና ይመርሖ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ብዙሕ ተመክሮታት ተራእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ኒው ዚላንድ፡ ፖል ዚስሙ ሓው ኣብ በቤት ከይዱ እናኣገልገለ ኸሎ፡ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ተራኸበ። እታ ሰበይቲ ድማ በታ ንግሆ እቲኣ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ጠቒሳ ብምጽላይ፡ ሰብ ኪሰድደላ ለሚና ነይራ እያ። ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ፖል ኪገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት፡ ኣነ ናብ ገዛኣ ኸይደ” ይብል።

ቀዳማይ ቈረንቶስ 3:9 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ከምቲ ኣብ ኒው ዚላንድ እተረኽበ ዝኣመሰለ ተመክሮታት፡ የሆዋ ነቲ ዕዮ ስብከት ይመርሖ ኸም ዘሎ ዜርእየና ብኸመይ እዩ፧

ግብሪ ሃዋርያት 1:8 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ኣገልግሎትና ንምፍጻም ሓገዝ የሆዋ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ሰሰሙን፡ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን፡ ንስብከት ዚሕግዘና ስልጠና ይውሃበና እዩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ ኣኼባታት እዚ ተኣኪብካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ እቲ ስልጠና ኸመይ እዩ ትብል፧

ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እቲ ብስራት ከም ዚስበኽ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ መርኣያ የቕርባ።

6. ነቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ዝሃበና ትእዛዝ ንሕሉ ኢና

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ተጻረርቲ ንሰዓብቲ የሱስ ከይሰብኩ ኺዓግትዎም ፈቲኖም ነይሮም እዮም። ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ‘ነቲ ብስራት ብሕጊ ብምስራት፡’ ኪሰብኩ ዘለዎም መሰል ተማጒቶምሉ እዮም። (ፊልጲ 1:7) ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ከምኡ ይገብሩ እዮም።a

ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ ነቲ ብስራት ብሕጊ ተማጒቶምሉ (2:28)

ግብሪ ሃዋርያት 5:27-42 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ስለምንታይ ኢና ስብከትና ደው ዘይነብል፧—ፍቕዲ 29, 38, 39 ርአ።

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ስለምንታይ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ዚኸዱ፧”

  • እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ጽማቝ

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ ኪሰብኩ ኣዚዝዎም እዩ። የሆዋ ንህዝቡ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኺዓይዩ ይሕግዞም ኣሎ።

ክለሳ

  • እቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ብኸመይ ይስበኽ ኣሎ፧

  • ኣገልግሎትና ንብጻይና ፍቕሪ ኸም ዘሎና ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

  • ስብከት ዜሐጕስ ዕዮዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ብኸመይ ከም ዚሰብኩ ርአ።

ፍሉይ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ኣብ ፓሪስ (5:11)

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስደተኛታት ንምሕጋዝ እንታይ ገይሮም፧

መንፈሳዊ ጽምኢ ስደተኛታት ንምርዋይ ዚግበር ጻዕሪ (5:59)

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ህይወት ምዃኑ፡ ካብ ኣፍ ሓንቲ ነዚ ዝረኣየት ውልቀ ሰብ ስማዕ።

ነዚ ዕዮ እዚ ብምሕራየይ ሕጕስቲ እየ (6:29)

ብዛዕባ እቲ ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘደንፍዐ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ እተረኽበ ዓወታት ፍለጥ።

“ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጕዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ የቕርቡ” (መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!፡ ምዕራፍ 13)

a ክንሰብኽ ትእዛዝ ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ካብ ሰብኣውያን ሰበ ስልጣን ፍቓድ ኣየድልዮምን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ