ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lff ትምህርቲ 20
  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • ሽማግለታት ንጉባኤ ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ‘ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚጽዕሩ ኣኽብርዎም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lff ትምህርቲ 20
ትምህርቲ 20. ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓደ ሓው ንተኣከብቲ ሕቶ ይሓትት፡ ገሊኦም ድማ ሓሳብ ንምሃብ ኢዶም ሓፍ የብሉ።

ትምህርቲ 20

ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

የሆዋ ናይ ስርዓት ኣምላኽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 14:33) ስለዚ፡ ህዝቡ ብእተወደበ መገዲ ኺዓይዩ ኢና እንጽበዮም። እሞ ደኣ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧ ንኣሳልጦኣ ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

1. ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ መን እዩ፧

“ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ” እዩ። (ኤፌሶን 5:23) ካብ ሰማይ ከኣ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚግበር ንጥፈታት ህዝቢ የሆዋ ይመርሖ እዩ። የሱስ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸይሙ ኣሎ፣ እዚ ባርያ እዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ተባሂሉ እውን ዚፍለጥ ኰይኑ፡ ብሒደት ብሱላት ሽማግለታት ዝቘመ እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47 ኣንብብ።) ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን መምርሒ ዚህቡ ዝነበሩ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል እውን ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዘለዋ ጉባኤታት መምርሒ ይህብ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:2) እዞም ሰባት እዚኦም ግና መራሕቲ እቲ ውድብ ኣይኰኑን። ካብ የሆዋን ካብ ቃሉን እዮም መምርሒ ዚደልዩ፣ ንርእስነት የሱስ እውን ይግዝኡ እዮም።

2. ሽማግለታት እንታይ ግደ ኣለዎም፧

ሽማግለታት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚምህሩ፡ ንህዝቢ የሆዋ ብምሕጋዝን ብምትብባዕን ከኣ ዚጓስዩ ብሱላት ክርስትያናት እዮም። ተኸፊልዎም ኣይኰኑን ዚዓይዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍታው” እዮም ዜገልግሉ፣ ብዘይካዚ፡ “ብሃንቀውታ እምበር፡ ንዘይግቡእ ረብሓ” ኣይኰኑን ዜገልግሉ። (1 ጴጥሮስ 5:1, 2) ሽማግለታት ካብ ኣገልገልቲ ጉባኤ ሓገዝ ይረኽቡ እዮም፣ ኣገልገልቲ ጉባኤ እውን ጸኒሖም ሽማግለታት ንምዃን ብቕዓት የጥርዩ እዮም።

ኣመሓዳሪ ኣካል ንገሊኦም ሽማግለታት፡ ሓለውቲ ወረዳ ኪዀኑ ይሸሞም እዩ። ንሳቶም ከኣ ንእተፈላለያ ጉባኤታት እናበጽሑ፡ መምርሕን መተባብዕን ይህቡ እዮም። ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ንዜማልኡ ሰባት ድማ፡ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኪዀኑ ይሸምዎም እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 3:1-10, 12፣ ቲቶስ 1:5-9።

3. ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር እንታይ ግደ ኣለዎ፧

ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ከከም ኵነታቶም ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ብምስታፍ፡ “ንስም የሆዋ [ይውድስዎ]” እዮም።—መዝሙር 148:12, 13 ኣንብብ።

ኣዕሚቝካ ዅዓት

የሱስ እንታይ ዓይነት መራሒ ምዃኑ፡ ሽማግለታት ብኸመይ ኣብነቱ ኺስዕቡ ኸም ዚጽዕሩ፡ ንሕና ኸኣ ምስ የሱስን ምስ ሽማግለታትን ብኸመይ ክንተሓባበር ከም እንኽእል ፍለጥ።

4. የሱስ ለዋህ መራሒ እዩ

የሱስ ማራኺ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። ማቴዎስ 11:28-30 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • የሱስ ብዛዕባ መሪሕነቱ እንታይ እዩ ኺስምዓና ዚደሊ፧

ከመይ ገይሮም እዮም ሽማግለታት ኣብነት የሱስ ዚስዕቡ፧ ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ ሽማግለታት ነቶም ኣብ ነፓል ብምንቅጥቃጥ ምድሪ እተጐድኡ ረዲኦምዎም (4:56)

ሽማግለታት ብኸመይ ዕዮኦም ኪዓይዩ ኸም ዚግባእ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይምህር እዩ።

ኢሳይያስ 32:2ን 1 ጴጥሮስ 5:1-3ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ሽማግለታት ከም የሱስ ንኻልኦት ምንጪ ዕረፍቲ ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ ምፍላጥካ፡ እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧

  • ሽማግለታት ንየሱስ ኪመስልዎ ዚኽእሉሉ ኻልእ መገድታት እንታይ እዩ፧

5. ሽማግለታት ብኣብነት ይምህሩ

ሽማግለታት ንዕዮኦም ብኸመይ ኪርእይዎ እዩ የሱስ ዚደሊ፧ ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ ሽማግለታት ይመርሑ! (7:39)

የሱስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዚመርሑ ክርስትያናት ስርዓት ሰሪዑሎም ኣሎ። ማቴዎስ 23:8-12 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ነቲ ንሽማግለታት እተሰርዐ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ኣብ መራሕቲ ሃይማኖት እተዓዘብካዮ ነገር ከተነጻጽሮ ኸለኻ፡ እንታይ ፍልልይ ተዓዚብካ፧

ሀ. ስእልታት፦ ሓደ ሽማግለ ንመንፈሳውነቱን ንመንፈሳውነት ስድራ ቤቱን ይከናኸን። 1. መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጽናዑ ይጽሊ። 2. ምስ ሰበይቱ ዀይኑ ንንእሽቶ ጓሉ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህራ። ለ. እቲ ሽማግለን ሰበይቱን ንሓንቲ ሓሚማ ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሰት ሓብቲ ይበጽሕዋ። ሐ. እቲ ሽማግለ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤቱ ይሰብከሉ። መ. ስእልታት፦ 1. እቲ ሽማግለ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ መደረ የቕርብ። 2. ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የውልውል።
  1. ሀ. ሽማግለታት ንመንፈሳውነቶምን ንመንፈሳውነት ስድራ ቤቶምን የደልድሉ

  2. ለ. ሽማግለታት ንዅሎም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ክርስትያናት ይሓልዩሎም

  3. ሐ. ሽማግለታት ኣዘውቲሮም ይሰብኩ

  4. መ. ሽማግለታት መምህራን እዮም። ኣብ ጽሬትን ኣብ ካልእ ዕዮታትን እውን ይሳተፉ

6. ምስ ሽማግለታት ክንተሓባበር ንኽእል ኢና

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ሽማግለታት ክንተሓባበር ዚድርኽ ኣገዳሲ ምኽንያት ይህበና እዩ። እብራውያን 13:17 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዚመርሑና ኽንእዘዞምን ክንግዝኦምን ምትብባዑስ ግቡእ ድዩ፧ ስለምንታይ፧

ሉቃስ 16:10 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • ንኣሽቱ ኣብ ዚመስል ጕዳያት እኳ ምስ ሽማግለታት ምትሕብባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ኣባል ሓደ እተወደበ ሃይማኖት ክትከውን ኣየድልየካን እዩ።”

  • ሓደ ሰብ ክፍሊ ጉባኤ ዀይኑ ንኣምላኽ ምስ ዜምልኾ፡ እንታይ ጥቕምታት ዚረክብ ይመስለካ፧

ጽማቝ

የሱስ ርእሲ ጉባኤ እዩ። ምስቶም ኣብ ትሕቲኡ ዀይኖም ዜገልግሉ ምንጪ ዕረፍቲ ዚዀኑልናን ብኣብነቶም ዚምህሩናን ሽማግለታት ተሓጒስና ንተሓባበር ኢና።

ክለሳ

  • ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ መን እዩ፧

  • ሽማግለታት ንጉባኤ ዚሕግዙ ብኸመይ እዮም፧

  • ነፍሲ ወከፍ ኣምላኺ የሆዋ እንታይ ግደ ኣለዎ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ኣመሓዳሪ ኣካልን ካልኦት ሽማግለታትን ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ኣጸቢቖም ከም ዚሓልዩሎም ርአ።

ኣብ ትሕቲ እገዳ ንዚርከቡ ኣሕዋት ኣበርቲዕናዮም (4:22)

ብዛዕባ እቲ ሓለውቲ ወረዳ ዚገብርዎ ዕዮ ፍለጥ።

ህይወት ሓደ ኣብ ገጠር ዜገልግል ሓላው ወረዳ (4:51)

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጉባኤ ብዛዕባ ዘለወን ግደ ኣንብብ።

“ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣገልገልቲ ኣለዋኦም ድየን፧” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 መስከረም 2012)

ሽማግለታት ንክርስትያናት ብጾቶም ንምትብባዕ ክሳዕ ክንደይ ኣበርቲዖም ከም ዚዓይዩ ርአ።

“ክርስትያን ሽማግለታት—‘ምእንቲ ኽንሕጐስ ሓቢሮምና ዚዓይዩ’” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 15 ጥሪ 2013)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ