ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • od ምዕ. 7 ገጽ 59-70
  • ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዜነቓቕሕ’ ኣኼባታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዜነቓቕሕ’ ኣኼባታት
  • ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣኼባታት ጉባኤ
  • ኣኼባ መወዳእታ ሰሙን
  • ኣኼባ መንጎ ሰሙን
  • ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ
  • ንሓደስቲ ወይ ንንኣሽቱ ጉባኤታት ዚስራዕ ኣኼባ
  • ኣኼባታት ወረዳ
  • ኣኼባታት ዞባ
  • ድራር ጐይታ
  • ንኣምልኾ ብሓባር ምእካብ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ዕላማኡ ዚወቅዕ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ካብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
ዝያዳ ርአ
ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
od ምዕ. 7 ገጽ 59-70

ምዕራፍ 7

‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዜነቓቕሕ’ ኣኼባታት

ህዝቢ የሆዋ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዞም ብእተወደበ መልክዕ ይእከቡ ነይሮም እዮም። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ይጐዓዙ ነይሮም እዮም። (ዘዳ. 16:16) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድማ፡ ክርስትያናት ኣዘውቲሮም ይእከቡ ነይሮም እዮም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብ ኣባይቲ ውልቀ ሰባት እዮም ዚእከቡ ነይሮም። (ፊሞ. 1, 2) ሎሚ፡ ኣኼባታት ጉባኤን ኣኼባታት ወረዳን ኣኼባታት ዞባን ንገብር ኢና። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘበልና ኣኼባ እንገብር ስለምንታይ ኢና፧ ብቐዳምነት፡ ኣገዳሲ ኽፋል ኣምልኾና ስለ ዝዀነ እዩ።—መዝ. 95:6፣ ቈሎ. 3:16።

2 ተኣከብቲ እውን ካብ ኣኼባታት ይጥቀሙ እዮም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሸሸውዓት ዓመት ዚብዓል በዓል ዳስ ንእስራኤላውያን ከምዚ ተባሂሉ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ፦ “ምእንቲ ኺሰምዑን ንየሆዋ ኣምላኽኩም ምፍራህ ምእንቲ ኺምሃሩን ኵሉ ቃላት እዚ ሕጊ እዚ ተጠንቂቖም ምእንቲ ኺገብሩን፡ ነቶም ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ከተማታትካ ዘሎ ጓናን ኣክቦም።” (ዘዳ. 31:12) ስለዚ፡ ኣኼባታት እንገብረሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ‘ብየሆዋ ምእንቲ ኽንምሃር’ እዩ። (ኢሳ. 54:13) ኣኼባታት ንሓድሕድና ኽንፋለጥን ክንተባባዕን ክንበራታዕን እውን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ።

ኣኼባታት ጉባኤ

3 እቶም ድሕሪ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ብሓደ እተኣከቡ ደቀ መዛሙርቲ፡ ብትምህርቲ ሃዋርያት ጸኒዖም፡ “መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ከየብኰሩ ብሓባር ይእከቡ ነበሩ።” (ግብ. 2:42, 46) ጸኒሖም ክርስትያናት ንኣምልኾ ኺእከቡ ኸለዉ፡ እቲ ብሃዋርያትን በቶም ካልኦት ክርስትያን ደቀ መዛሙርትን እተጻሕፈ መልእኽትታት ዚርከቦ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ጽሑፋት የንብቡ ነበሩ። (1 ቈረ. 1:1, 2፣ ቈሎ. 4:16፣ 1 ተሰ. 1:1፣ ያእ. 1:1) ብጉባኤ እውን ጸሎት ይገብሩ ነበሩ። (ግብ. 4:24-29፣ 20:36) ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ሚስዮናዊ ወፍሪ እተረኽበ ተመክሮታት ይንገር ነበረ። (ግብ. 11:5-18፣ 14:27, 28) ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰረተ እምነትን ፍጻመ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ትምህርቲ ይውሃብ ነበረ። ተቐባልነት ብዛዕባ ዘለዎ ክርስትያናዊ ኣካይዳን ንኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዎም ተወፋይነትን እውን መምርሒ ይውሃብ ነበረ። ኵላቶም ቀናኣት ኣወጅቲ እቲ ብስራት ኪዀኑ ድማ ምትብባዕ ይውሃቦም ነበረ።—ሮሜ 10:9, 10፣ 1 ቈረ. 11:23-26፣ 15:58፣ ኤፌ. 5:1-33።

ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቲ ኣዘውቲርና ብምእካብ ዚርከብ መተባብዒ የድልየና እዩ

4 ኣብዚ ግዜና ዚግበር ክርስትያናዊ ኣኼባታት ነቲ ኣብ ግዜ ሃዋርያት ዝነበረ ኣገባብ እዩ ዚስዕብ። ነቲ ኣብ እብራውያን 10:24, 25 ዚርከብ፡ “ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ” ዚብል ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ማዕዳ ንስዕቦ ኢና። ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት፡ መንፈሳዊ ሓይልናን ክርስትያናዊ ንጽህናናን ምእንቲ ኸይነጥፍእ፡ እቲ ኣዘውቲርና ብምእካብ ዚርከብ ተወሳኺ መተባብዒ የድልየና እዩ። (ሮሜ 1:11, 12) ክርስትያናት ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ ኢና እንነብር ዘለና። ረሲእነትን ዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና ኢና። (ፊል. 2:15, 16፣ ቲቶ. 2:12-14) እሞ ደኣ ምስ ህዝቢ የሆዋ እንተ ዘይሓቢርና፡ ምስ መን ኢና ኽንሓብር፧ (መዝ. 84:10) ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ካብ ምጽናዕን ብዛዕባኡ ኻብ ምምይያጥን ንላዕሊ ዚጠቅምከ እንታይ ኣሎ፧ ብዛዕባ እዚ ንጥቕምና ተባሂሉ እተዳለወ እተፈላለየ ኣኼባታት እስከ ንርአ።

ኣኼባ መወዳእታ ሰሙን

5 ኣብቲ ቐዳማይ ክፋል ኣኼባ መወዳእታ ሰሙን፡ ንህዝቢ ተባሂሉ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ይቐርብ፣ ገለ ኻብቶም ተኣከብቲ ናብ ኣኼባታትና ንፈለማኦም ዝመጹ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ህዝባዊ መደረ እዚ ንሓደስቲ ይኹን ንኣስፋሕቲ ጉባኤ ዜድልዮም መንፈሳዊ ነገር ዜማልእ ኣገዳሲ ኽፍሊ እዩ።—ግብ. 18:4፣ 19:9, 10።

6 ክርስቶስ የሱስን ሃዋርያቱን ብጾቶምን ከምቲ ሎሚ ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ዚገብራኦ፡ ህዝባዊ ኣኼባታት ይገብሩ ነይሮም እዮም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት እቲ ዝበለጸ ህዝባዊ ተዛራባይ እዩ። “ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን” ተባሂሉሉ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 7:46) የሱስ፡ ሰማዕቱ ኽሳዕ ዚግረሙ ብስልጣን እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። (ማቴ. 7:28, 29) እቶም ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ልቦም ዘሕደርዎ ሰባት ብዙሕ ረብሓታት ረኺቦም እዮም። (ማቴ. 13:16, 17) ሃዋርያት እውን ኣብነት የሱስ ስዒቦም እዮም። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:14-36፡ ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ዘቕረቦ ሓያል መደረ ተገሊጹ ኣሎ። ኣሽሓት ከኣ ነቲ መደረ እቲ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ተደሪኾም እዮም። ድሕርዚ እውን፡ ገሊኦም ውልቀ ሰባት ነቲ ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ዘቕረቦ መደረ ሰሚዖም ኣመንቲ ዀይኖም እዮም።—ግብ. 17:22-34።

7 ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ግዜና እውን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ካብቲ ኣብ ጉባኤታት ዚቐርብ ሰሙናዊ ህዝባዊ መደረታት ኰነ ኻብቲ ኣብ ኣኼባታት ወረዳን ዞባን ዚውሃብ ህዝባዊ መደረታት ተጠቒሞም እዮም። እዚ መደረታት እዚ፡ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ነቒሕና ኽንከታተል ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፡ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክንጸንዕ የተባብዓና እዩ። ንተገደስቲ ሰባት ኰነ ንኻልኦት ሰባት እንተ ዓዲምናዮም ከኣ፡ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

8 ኣብ ህዝባዊ መደረታት ንእተፈላለየ ጕዳያት ዚምልከት ትምህርቲ ይቐርብ እዩ። ኣብቲ መደረታት፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረተ እምነትን ትንቢትን፡ ንናብራ ስድራ ቤትን ንሓዳርን ንመንእሰያትን ንክርስትያናዊ ስነ ምግባርን ዚምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታትን ምኽርን ይቐርብ እዩ። ገሊኡ መደረታት ኣብቲ ዜደንቕ ፍጥረታት የሆዋ ዘተኰረ ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ድማ እተፈላለዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ዘርኣይዎ ኣብነታዊ እምነትን ትብዓትን ንጽህናን ብምጕላሕ፡ ንግዜና እንታይ ትምህርቲ ኸም ዜመሓላልፍ የብርህ እዩ።

9 ካብ ህዝባዊ መደረታት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ኣዘውቲርና ኽንእከብ፡ ከነቕልብ፡ እቲ ተዛረባይ ንዚጠቕሶ ጥቕስታት ኬንብቦን ኪገልጾን ከሎ ኸኣ ምስኡ ሓቢርና ኽንከታተል ኣሎና። (ሉቃ. 8:18) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ንምርምሮ እንተ ዄንና፡ ነቲ እተምሃርናዮ ኣጽኒዕና ንምሓዙን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ቈራጽነት ይህልወና እዩ።—1 ተሰ. 5:21።

10 ተዛረብቲ እንተ ኣለዉ፡ እታ ጉባኤ ኣብ ሰሰሙን ህዝባዊ መደረ ኸም ዚህልዋ ፍሉጥ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካብተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ጉባኤታት ተዛረብቲ ይዕደሙ እዮም። ሕጽረት ተዛረብቲ እንተሎ ግና፡ ብእተኻእለ መጠን ኣብ መብዛሕትኡ እዋን መደረታት ኪቐርብ መደባት ይግበር እዩ።

11 እቲ ኻልኣይ ክፋል ኣኼባ መወዳእታ ሰሙን፡ ኣብ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝወጸ ዓንቀጻት እተመርኰሰ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ዚግበረሉ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እዩ። የሆዋ ብግምቢ ዘብዐኛ ኣቢሉ፡ እዋናዊ መንፈሳዊ ምግቢ ይህበና እዩ።

12 እቲ ዓንቀጻት መጽናዕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ኣብ ግብሪ እነውዕለሉ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። ንክርስትያናት ድማ ን“መንፈስ ዓለም” ኰነ ንርኹስ ኣካይዳ ኺቃወሙ የዕጥቖም። (1 ቈረ. 2:12) ግምቢ ዘብዐኛ ንሰረተ እምነት መጽሓፍ ቅዱስን ንትንቢታትን ተወሳኺ ብርሃን ሒዛ ስለ እትወጽእ፡ ኵሎም ክርስትያናት ምስ ሓቂ ማዕረ ማዕረ ኺስጕሙን ካብ መገዲ ጻድቃን ከይወጹን የኽእሎም። (መዝ. 97:11፣ ምሳ. 4:18) ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ እንእከብን ምስ እንሳተፍን፡ በታ የሆዋ ዜምጽኣ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ንሕጐስ ኢና። (ሮሜ 12:12፣ 2 ጴጥ. 3:13) ክርስትያናዊ ሕብረትና፡ ፍረ መንፈስ ክንፈርን ነቲ ንየሆዋ ብቕንኣት ንምግልጋል ዘሎና ባህጊ ኣጽኒዕና ኽንሕዞን ይሕግዘና። (ገላ. 5:22, 23) ፈተናታት ክንጻወር፡ ‘ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዕና ምእንቲ ኽንሕዛ ድማ፡ ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት’ ክንስርት ይሕግዘና።—1 ጢሞ. 6:19፣ 1 ጴጥ. 1:6, 7።

13 ካብዚ እተዳለወልና መንፈሳዊ ምግቢ እዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ንዅሉ እቲ እተሓበረ ጥቕስታት ብውልቅና ዀነ ብስድራ ቤት እናኣንበብና ነቲ ትምህርቲ ኣቐዲምና ኽንዳለወሉ ኣሎና፣ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ኸኣ ብናይ ርእስና ኣበሃህላ መልሲ ብምሃብ ክንሳተፍ ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ተሳትፎ ንሓቂ ኣብ ልብና ኸም ዚሰርጽ ይገብር እዩ፣ ካልኦት እውን እምነትና ኽንገልጽ ከለና ብምስማዕ ይጥቀሙ እዮም። ካልኦት ንዚህብዎ ሓሳባት ጽን ኢልና ምስ እንሰምዕ ድማ፡ ካብቲ ኣብ ሰሰሙን ዚቐርብ ትምህርቲ ኣጸቢቕና ኽንጥቀም ይሕግዘና እዩ።

ኣኼባ መንጎ ሰሙን

14 ኣብ ሰሰሙን፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ዚብሃል ኣኼባ ጉባኤ ይግበር እዩ። እዚ ኣኼባ እዚ ሰለስተ ኽፋል ዘለዎ ዀይኑ፡ “ብቑዓት” ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምዃን ኪሕግዘና እዩ ተዳልዩ። (2 ቈረ. 3:5, 6) ኣብቲ ኣኼባ እቲ ዚጽናዕ መደብን ትምህርትን፡ ኣብታ ወርሓዊት እትወጽእ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ እዩ ዚርከብ። ብዘይካዚ፡ እታ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ኣብ ኣገልግሎት እንጥቀመሉ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ትሕዝ እያ።

15 እቲ ቐዳማይ ክፋል እዚ ኣኼባ እዚ፡ “ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ” ዚብሃል ኰይኑ፡ ምስ ድሕረ ባይታን ትሕዝቶን ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ የላልየና፡ ነዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ድማ ይሕብረና። እዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረን ንባብን ምይይጥን ይሓቍፍ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ዚሕግዝ ዚርአ ነገራትን ወረቐት ዕዮን ድማ ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ኣሎ። እዚ ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ኣብ ብሕታዊ ህይወትናን ኣብ እንምህሮ ትምህርትን ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቕና እተዳሎና፡ ምሉእ ብምሉእ ብቑዓት ምእንቲ ኽንከውን’ ይሕግዘና።—2 ጢሞ. 3:16, 17።

16 ካልኣይ ክፋል እቲ ኣኼባ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ” ዚብሃል ኰይኑ፡ ንዅሎም ኣስፋሕቲ ንኣገልግሎት ኪለማመዱን ናይ ምስባኽን ምምሃርን ክእለቶም ኬመሓይሹን ዜኽእል ኣጋጣሚ ንምሃብ እዩ ተዳልዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ኽፍልታት ተምሃሮ፡ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ዝሓዘ ቪድዮታት እውን ይቐርብ እዩ። እዚ ኽፋል ኣኼባ እዚ፡ ‘ንድኹም ከመይ ጌርና ብቕኑዕ ቃል ከም እንምልስ ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ልሳን እተማህሩ’ ኸነጥሪ የኽእለና እዩ።—ኢሳ. 50:4።

17 እቲ ሳልሳይ ክፋል ድማ፡ “ክርስትያናዊ ህይወት” ዚብሃል ኰይኑ፡ ኣብኡ ኸኣ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርና ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ንምሃር። (መዝ. 119:105) ኣብዚ ዚቐርብ ቀንዲ ኽፍሊ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኸም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብሕቶን መልስን ምይይጥ እናተገብረ እዩ ዚውሰድ።

18 ኣብ ወወርሒ፡ ሓድሽ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ምስ ወጸ፡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ወይ ንዕኡ ኺሕግዝ እተመደበ ሽማግለ ንትሕዝቶኡ ድሕሪ ምምርማር፡ መደብ የውጽእ። ኣብ ሰሰሙን፡ ብኣካል ሽማግለታት እተመርጸ ኽኢላ መምህር ዝዀነ ሽማግለ ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ኰይኑ የገልግል። ሓላፍነታቱ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ብሰዓቱ ተጀሚሩ ኸም ዚውዳእ ምርግጋጽ፡ ነቶም ተምሃሮ እውን ናእዳን ምኽርን ምሃብ የጠቓልል።

19 ኣዘውቲርና ንኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ተዳሊና ኣብኡ ምስ እንእከብን እንሳተፍን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንፈልጥ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንርዳእ፡ ነቲ ብስራት ንምስባኽ እምንቶ ነሕድር፡ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እውን ክእለት ነጥሪ ኢና። እቶም ኣብኡ ዚእከቡ እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት፡ ካብቲ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ሕብረትን ብመንፈሳዊ መዳይ ዚሃንጽ ምይይጥን ይጥቀሙ እዮም። ነዚ ኣኼባን ንኻልእ ኣኼባታትን ንምድላው፡ ዎችታወር ላይብረሪ፡ JW ላይብረሪ፡ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ (ብቛንቋና ዚርከብ እንተ ዀይኑ)፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ቤተ መጻሕፍቲ፡ ኪርከብ ዚከኣል ዘበለ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ወይ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዝገበ ቓላት፡ ከምኡ እውን ካልእ መወከሲ ጽሑፋት ዝሓዘ ኪኸውን ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ቅድሚ ወይ ድሕሪ ኣኼባ ነዚ ቤተ መጻሕፍቲ እዚ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ።

ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ

20 ኣስፋሕቲ ኣብ መንጎ ሰሙንን ኣብ ቀዳመ ሰናብትን በብጕጅለ ዀይኖም ንሕጽር ዝበለ ደቓይቕ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ይገብሩ እዮም። እዚ ኣኼባ እዚ ኣብ ኣባይቲ ውልቀ ሰባት ወይ ኣብ ካልእ ምሹእ ቦታታት እዩ ዚግበር። ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ነዚ ዕላማ ኺጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ኽሊ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዚካየድ እተፈላለየ ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ምስ ዚህሉ፡ ኣስፋሕቲ ናብቲ ኣኼባታት፡ ምናልባት እውን ናብቲ ኽልታት ኪጕዓዙ ኪቐልሎም ይኽእል እዩ። ብቕልጡፍ ኪውደቡ፡ ከይተደናጐዩ ናብ ክሊ ኪኸዱ ድማ ይኽእሉ። ብዘይካዚ፡ ሓላው ጕጅለ ነቶም ኣብ ጕጅለኡ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ብቐሊሉ ቘላሕታ ኺገብረሎም ይኽእል። ጕጅለታት ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ምእካበን ጥቕሚ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ግና እተወሰና ጕጅለታት ብሓደ ኺእከባ የድልየን ይኸውን። ንኣብነት፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ መንጎ ሰሙን ናብ ኣገልግሎት ዚኸዱ ኣስፋሕቲ ሒደት እንተ ዀይኑ፡ እተፈላለያ ጕጅለታት ብሓደ እንተ ተኣከባ ወይ ድማ ኵለን ጕጅለታት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ካልእ ምሹእ ቦታ እንተ ተኣከባ ይሓይሽ። በዚ ኸምዚ፡ ኣስፋሕቲ መገላግልቲ ይረኽቡ። ኣብ እዋን ዓለማዊ በዓላት፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪግበር ይከኣል እዩ። ድሕሪ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ ጕጅለታት ብሓደ ዀይነን ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺገብራ ይኽእላ እየን።

21 ጕጅለታት ነንበይነን ዚእከባ እንተ ዀይነን፡ ሓላው ጕጅለ ነቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ይመርሖ። እቲ ሓላዉ ጕጅለ ሓሓሊፉ ንሓጋዚኡ ወይ ንኻልእ ብቑዕ ሓው፡ ነቲ ኣኼባ ምእንቲ ኺመርሕ ኺምድቦ ይኽእል እዩ። እቲ ዚመርሕ ሓው ንኣገልግሎት ወፍሪ ግብራውን ሓጋዝን ሓበሬታ ኬቕርብ ኣለዎ። ድሕሪኡ፡ ኣስፋሕቲ ንኣገልግሎት ወፍሪ ይምደቡ፡ ሓደ ኻብታ ጕጅለ ኸኣ ይጽሊ። ሽዑ እታ ጕጅለ ብቕልጡፍ ናብ ክሊ ትነቅል። እዚ ኣኼባ እዚ፡ ካብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ሸውዓተ ደቒቕ ኪወስድ ኣለዎ፣ ደድሕሪ ኣኼባ ጉባኤ እንተ ዀይኑ ድማ ካብኡ ዝሓጸረ ኪኸውን ኣለዎ። ነቶም ናብ ዕዮ ስብከት ዚወጹ ዚጠቅም መተባብዕን ግብራዊ መምርሕን ዚህብ ኪኸውን ይግባእ። ሓደስትን ደገፍ ዜድልዮም ካልኦት ኣስፋሕትን ስልጠና ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ምስ ምኩራት ኣስፋሕቲ ኪቝረኑ ይኽእሉ እዮም።

ንሓደስቲ ወይ ንንኣሽቱ ጉባኤታት ዚስራዕ ኣኼባ

22 ቍጽሪ ደቀ መዛሙርቲ ኺውስኽ ከሎ፡ ቍጽሪ ጉባኤታት እውን ይውስኽ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓላው ወረዳ እዩ ሓዳስ ጉባኤ ኽትቀውም ሕቶ ዜቕርብ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ንኣሽቱ ጕጅለታት ምስ ሓንቲ ኣብ ጥቓአን ዘላ ጉባኤ ምስ ዚሓብራ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

23 ሓድሓደ ግዜ፡ ንኣሽቱ ጉባኤታት ምሉእ ብምሉእ ብኣሓት ጥራይ ዝቘማ ኪዀና ይኽእላ እየን። ከምዚ ምስ ዜጋጥም፡ ሓንቲ ሓብቲ ብመሰረት እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ስርዓት፡ ርእሳ ተጐልቢባ ኣብ ክንዲ እታ ጉባኤ ዀይና ኽትጽሊ ወይ ኣኼባታት ክትመርሕ ትኽእል እያ። (1 ቈረ. 11:3-16) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ገጻ ናብ ሰማዕቲ ብምግባር እያ ኮፍ እትብል። ኣሓት ኣብ ኣኼባታት መደረ ኣይህባን እየን። ኣብ ክንዳኡ፡ ነቲ ብውድብ እተዳለወ ጽሑፍ ኣንቢበን ሓሳባት ኪህባሉ፡ ወይ ከኣ ከም ኣማራጺ ብምይይጥ ወይ ብመርኣያ ኬቕርባኦ ይኽእላ እየን። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንሓንቲ ኻብተን ኣሓት ምስቲ ቤት ጽሕፈት ክትጻሓሓፍን ኣኼባታት ክትመርሕን ኪሓትታ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ብቑዓት ኣሕዋት እንተ ተረኺቦም፡ ነዚ ሓላፍነት እዚ ይስከምዎ።

ኣኼባታት ወረዳ

24 ኣብ ሓደ ወረዳ ዘለዋ ጉባኤታት፡ ኣብ ዓዓመት ክልተ ነናይ ሓንቲ መዓልቲ ኣኼባ ወረዳ ይገብራ እየን። እዚ ዜሐጕስ እዋናት፡ ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ ኣብ ክርስትያናዊ ሕብረት ‘ልቦም ጋህ ኬብሉ’ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። (2 ቈረ. 6:11-13) ውድብ የሆዋ ንዜድሊ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብዚ መደባት እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ፍረ ነገርን እተፈላለየ ኽፍልታትን የዳሉ። እቲ ትምህርቲ ብመደረታትን ብመርኣያታትን ብመርኣያ ብዚቐርብ ተመክሮታትን ምስ ነብስኻ ብምዝራብን ብቓለ መጠይቓት እዩ ዚቐርብ። ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናዊ መምርሒ ንዅሎም ተኣከብቲ ዚሃንጽ እዩ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ፡ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ርእሶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ብጥምቀት ዚገልጹሉ ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም እዩ።

ኣኼባታት ዞባ

25 ኣብ ዓመት ሓንሳእ፡ ዝዓበየ ኣኼባ ይካየድ እዩ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ እተፈላለያ ወረዳታት ዚመጻ ጉባኤታት ዚጥርንፍ ኰይኑ፡ ሰለስተ መዓልቲ ዚወስድ ኣኼባ ዞባ እዩ። ንኣሽቱ ጨናፍር ግና ንዅለን እተን ኣብ ክለን ዘለዋ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ቦታ ኸም ዚእከባ ምግባር፡ ዝያዳ ግብራውን ምሹእን ኰይኑ ኺረኽባኦ ይኽእላ እየን። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ንምክያድ ዚግበር መደባት፡ ብመሰረት እቲ ህሉው ኵነታት ወይ ብመሰረት እቲ ኻብ ውድብና ዚመጽእ መምርሒ እተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በብእዋኑ ኸኣ ኣብ ገሊአን ሃገራት ኣህጉራዊ ወይ ፍሉይ ኣኼባታት ይግበር እዩ፣ ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ድማ፡ ካብ ሓያሎ ሃገራት ዚመጹ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይእከቡ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ እዚ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቓልቦ ህዝቢ ስለ ዝሰሓበ፡ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪምሃሩ ኽኢሎም እዮም።

26 እዚ ኣኼባታት እዚ ንውፉያት ህዝቢ የሆዋ ብሓድነት ዜምልኹሉ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እዩ ዚዀነሎም። ኣብኡ ኸኣ ተወሳኺ ብርሃን ሓቂ ይግለጽ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣኼባታት፡ ንብሕታዊ መጽናዕቲ፡ ንመጽናዕቲ ጉባኤ፡ ወይ ንኣገልግሎት ወፍሪ እንጥቀመሉ ሓደስቲ ጽሑፋት ይወጽእ እዩ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ፡ ጥምቀት ይካየድ እዩ። ኣኼባታት ዞባ ንመንፈሳዊ ዕቤት የነቓቕሕ እዩ። ህዝቢ የሆዋ ብሓቂ ኣህጕራዊ ሕውነት ዘለዎም ውፉያት ክርስትያናት ምዃኖምን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ምዃኖም እተፍልጥ ፍቕሪ ኸም ዘላቶምን መረጋገጺ ይህብ።—ዮሃ. 13:35።

27 ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ህዝቢ የሆዋን ብምእካብ፡ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ንዕጠቕ ኢና። ካብቲ ንክርስትያናዊ እምነትና ኼጥፍኣልና ዚኽእል ዓለማዊ ጽልዋታት ከኣ ንዕቈብ ኢና። እዚ ኣኼባታት እዚ ንየሆዋ ኽብርን ውዳሰን የምጽኣሉ እዩ። (መዝ. 35:18፣ ምሳ. 14:28) የሆዋ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እዚ ነቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ህዝቡ ብመንፈሳዊ መገዲ ንምዕንጋል፡ እዚ ኣኼባታት እዚ ስለ ዝሰርዓልና ምስጋና ይግብኦ እዩ።

ድራር ጐይታ

28 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ወይ ድራር ጐይታ የብዕላ እየን። (1 ቈረ. 11:20, 23, 24) እዚ ንህዝቢ የሆዋ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ እዩ። ነዚ ዝኽሪ እዚ ኸነብዕል ንጹር ትእዛዝ ተዋሂቡና እዩ።—ሉቃ. 22:19።

29 ዕለት በዓል ዝኽሪ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ፋስጋ እትበዓለላ ዝነበረት ዕለት እያ እትውዕል፣ እታ ዕለት ከኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ተጠቒሳ ኣላ። (ዘጸ. 12:2, 6፣ ማቴ. 26:17, 20, 26) ፋስጋ ነቲ እስራኤላውያን ብ1513 ቅ.ክ. ካብ ባርነት ግብጺ ዝወጹሉ ዕለት ዚዝክሩሉ ዓመታዊ በዓል እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ፡ ገንሸል ፋስጋ ኺበልዑን ካብ ባርነት ግብጺ ኺወጹን ኣዚዝዎም እዩ። (ዘጸ. 12:1-51) እታ ዕለት እቲኣ፡ ካብታ ኣብ ጥቓ ኤኲኖክስ ጽድያ (ኣብ ጽድያ መዓልትን ለይትን ማዕረ እትዀነሉ መዓልቲ) ዘላ ኣብ የሩሳሌም ሰርቂ ወርሒ እትወጸሉ ዕለት ተበጊስካ 13 መዓልቲ ቘጺርካ እያ እትርከብ። ብሓፈሻ፡ በዓል ዝኽሪ ደድሕሪ እቲ ኣብ እዋን ጽድያ መዓልትን ለይትን ማዕረ ኪኸውን ከሎ እትወጽእ ምልእቲ ወርሒ እትረኣየሉ ዕለት እዩ ዚውዕል።

30 የሱስ ኣብ ማቴዎስ 26:26-28 በዓል ዝኽሪ ብኸመይ ኪበዓል ከም ዘለዎ ገሊጹ ኣሎ። ንምርዳኡ ዘይከኣል መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎ ጽምብል ዘይኰነስ፡ እቶም ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ምስኡ ዚሓብሩ መዋርስቱ ዚካፈልሉ ምሳልያዊ መኣዲ እዩ። (ሉቃ. 22:28-30) ኵሎም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናትን ተገደስቲ ሰባትን ከም ተዓዘብቲ ዀይኖም ድራር ጐይታ ኼብዕሉ ይተባብዑ እዮም። ኣብቲ ኣኼባ ብምእካቦም ከኣ፡ ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ንጥቕሚ ዅሎም ደቂ ሰብ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝሃበና ህያብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜማስዉሉ የርእዩ። ቀቅድሚ በዓል ዝኽሪ፡ ነቲ በዓል እቲ ውዕዉዕ መንፈስ ንምፍጣርን ብዛዕባ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተወሳኺ ተገዳስነት ንምልዕዓልን ፍሉይ ህዝባዊ መደረ ይውሃብ እዩ።

31 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና እነስተብህለሉ’ ኣኼባታት ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ። (እብ. 10:24) እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ብመንፈስ ዜድልየና ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቒሑ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት የዳልወልና እዩ። ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋን ተገደስቲ ሰባትን ካብዚ ኣዘውቲርና ኽንእከብ እተገብረልና መሰናድዎ ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙ ንምሕጸኖም ኢና። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ዜዳልወልና ኣኼባታት ልባዊ ሞሳ ስለ ዘለዎም፡ ብሓድነት ተጠርኒፎም ኣለዉ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ንውድሶን ንምጕሶን ኢና።—መዝ. 111:1።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ