ካብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም
1. ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
1 ውጽኢታዊ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ: ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምውፋርና ናይ ሓቂ ምትብባዕን ግብራዊ መምርሒታትን ይህበና እዩ። ብጕጅለ ዄንና ኸነገልግል ስለ ዚሕግዘና: ምስ ኣሕዋትና ኽንተሓጋገዝን ክንተሃናነጽን የኽእለና። (ምሳ. 27:17፣ መክ. 4:9, 10) ካብዚ ኣኼባ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
2. ገለ ኻብቲ እቲ ዚመርሕ ሓው ኪመያየጠሉ ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧
2 እቲ ዚመርሕ ሓው:- ኣቐዲምካ ንኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ተባሂሉ ዚዳሎ እተፈልየ ኣስተዋጽኦ የልቦን። ስለዚ: ነዚ ኣኼባ እዚ ትመርሕ እንተ ደኣ ዄንካ: ጽቡቕ ምድላው ክትገብር ኬድልየካ እዩ። ጥቕሲ ዕለት ምስ ኣገልግሎት ብቐጥታ ዚተሓሓዝ እንተ ደኣ ዀይኑ ኽትጥቀመሉ ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ: ልማድ ግን ኣይትግበሮ። ነቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኣገልግሎት ዚወፍሩ: እንታይ ግብራዊ ሓገዝ ክትህቦም ከም እትኽእል ሕሰብ። ንኣብነት: ንሓደ ኣቀራርባ ኽትመያየጠሉ ወይ ብመርኣያ ኸተቕርቦ ትመርጽ ትኸውን። ገለ ሓሳባት ካብ መጽሓፍ ሪዚኒን: ሚኒስትሪ ስኩል ወይ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት እተወስደ ኽፍሊ ኽትመያየጥ ትኽእል ኢኻ። ካልእ ግዜ ድማ ነቲ ኣብ ክልኹም ኪለዓል ዚኽእል ሽግራት ብኸመይ ክትምልሱሉ ኸም እትኽእሉ ኽትመያየጠሉ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ወይውን ብፍላይ ብዙሓት ኣሕዋት ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ እንተ ደኣ ዀይኖም: ንሰባት ተገዳስነቶም ብኸመይ ከም ዚዅስኩሱሎምን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዜጀምሩን ክትመያየጥ ትኽእል ኢኻ። እትመያየጠሉ ሓሳባት ብዘየገድስ: ውዕዉዕን ሃናጽን ኩን።
3. እቲ ኣኼባ ንኽንደይ ዚኣክል ኪጸንሕ ይግባእ፧ ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ እዚኸ እንታይ ኪዕመም ኣለዎ፧
3 ዋላውን ገሊኦም ኣሕዋት ደንጕዮም ከም ዚመጹ ትፈልጥ እንተ ዀንካ: ነቲ ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ጀምሮ። ነቲ ጕጅለታት ብግቡእ ንምውዳብ መስተውዓሊ ኹን: ነቶም ዜድልዮም ድማ ክሊ ሃቦም። ንውሓት እቲ ኣኼባ ኻብ 10 ኽሳዕ 15 ደቒቕ ንላዕሊ ኺሓልፍ የብሉን። ደድሕሪ ኣኼባ ጉባኤ ዚግበር እንተ ደኣ ዀይኑ ድማ ካብዚ ኺሓጽር ኣለዎ። ኵሎም ኣሕዋት: እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምዝዛሙ ምስ መንን ናበይን ከም ዚወፍሩ ኺፈልጡ ኣለዎም። እቲ ኣኼባ ብጸሎት ኪዛዘም ኣለዎ።
4. ኵሎም ካብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምሉእ ብምሉእ ንኺጥቀሙ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
4 ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ:- ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ኣኼባታት ጉባኤ እንገብሮ: ኣብዚ ኣኼባ እዚ እውን ኣብ ሰዓትና ብምርካብ ንየሆዋ ኸም እነኽብርን ንኻልኦት ኣብ ግምት ከም እነእቱን ነርኢ ኢና። ኣብቲ ዚግበር ምይይጥ ተኻፈል። እቲ ዚመርሕ ሓው ኬቋርነካ ወይ እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ኣቐዲምካ ምስ መን ከም እትወፍር ክትምድብ ትኽእል ኢኻ። ባዕልኻ ኽትምድብ እንተ ደኣ መሪጽካ: ኵሉ ግዜ ምስ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ጥራይ ከተገልግል ኣብ ክንዲ እትመርጽ: ምስ እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ብምዕያይ ‘ልብኻ ኸተግፍሕ’ ጽዓር። (2 ቈረ. 6:11-13) እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ: ነቲ እተገብረ ምቍራን ኣይትቐይሮ፣ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ እተመደበልካ ኽሊ ኺድ።
5. ዕላማ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ እንታይ እዩ፧
5 ዕላማ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ልክዕ ከምቲ ኣኼባታት ጉባኤ እዩ። ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ኸነስተብህል’ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። (እብ. 10:24, 25) ካብዚ ኣኼባታት እዚ ኽንጥቀም ንጽዕር እንተ ደኣ ዄንና: ነቲ ‘ሰናይ ግብሪ’ ዝዀነ ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ክንሕገዝ ኢና።