ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • kr ምዕ. 12 ገጽ 118-131
  • ነቲ “ኣምላኽ ሰላም” ኬገልግሉ እተወደቡ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ “ኣምላኽ ሰላም” ኬገልግሉ እተወደቡ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣሕሉቝኪ ሰላም . . . ክገብር እየ”
  • ክርስቶስ ንጉባኤኡ ብኸመይ ከም ዚመርሓ
  • “ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ምዃን
  • ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚጓስይዎ
  • እተመሓየሸ ዕዮ ሓላውነት ንሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ የደልድሎ
  • ነተን መጓሰ ዚጓስዩ ሓለውቲ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ኣቱም ጓሶት፡ ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ምሰልዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሽማግለታት ንጉባኤ ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
kr ምዕ. 12 ገጽ 118-131

ምዕራፍ 12

ነቲ “ኣምላኽ ሰላም” ኬገልግሉ እተወደቡ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

የሆዋ በብደረጃኡ ንህዝቡ ይውድቦም

1, 2. ኣብ ጥሪ 1895፡ ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ ለውጢ እያ ገይራ፧ ኣሕዋትከ ኸመይ ተሰሚዕዎም፧

ጆን ቦነት ዚብሃል ቅንኣት ዘለዎ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ጥሪ 1895 ቅዳሕ ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ተቐበለ፡ በቲ ዝረኣዮ ኣዝዩ ተሓጐሰ። እታ መጽሔት ድሙቕ ሓድሽ ገበር ነበራ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ብማዕበል ዚናወጽ ባሕሪ ኽብ ኢሉ ዝቘመ ግምቢ መብራህቲ፡ ኣብቲ ጸልማት ዝወረሶ ሰማይ መብራህቲ እናኣብርሀ ዜርኢ ስእሊ ነበረ። እቲ ብዛዕባ ሓድሽ ስእሊ ዚገልጽ ኣብታ መጽሔት ዝነበረ ምልክታ፡ “ሓድሽ ገበርና” ዚብል ኣርእስቲ ነበሮ።

2 ሓውና ቦነት በዚ ስለ እተመሰጠ፡ ንሓውና ራስል ደብዳበ ለኣኸሉ። “እታ ግምቢ [ዘብዐኛ] ኣዝያ መልኪዓ ምርኣየይ ኣሐጒሱኒ እዩ። ጽብቕቲ እያ ዀይና” በለ። ጆን ብራውን ዝስሙ እሙን ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ገበር፡ “ኣዝዩ መሳጢ እዩ። እቲ ግምቢ፡ ሞገዳትን ማዕበላትን እናጸፍዖ ኽነሱ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ኣብ መሰረቱ ጸኒዑ” ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ሓድሽ ገበር፡ ኣሕዋትና በታ ዓመት እቲኣ ዝረኣይዎ ናይ መጀመርታ ለውጢ እዩ ነይሩ፣ ናይ መወዳእታ ግና ኣይነበረን። ኣብ ሕዳር እውን፡ ካልእ ዓብዪ ለውጢ ኸም እተገብረ ፈለጡ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ሽዑ እውን ናብቲ ለውጢ ዝመርሐ ብማዕበል እተናወጸ ባሕሪ ተፈጢሩ ነይሩ እዩ።

3, 4. ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1895 ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ ጸገም እዩ እተጠቕሰ፧ እንታይ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ለውጢኸ እዩ እተሓበረ፧

3 ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1895 ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትመት ሰፋሕ ዓንቀጽ፡ ሓደ ጸገም ገለጸት፣ ከም እተናወጸ ማዕበላት ዝበለ ጸገም ንሰላም እታ ማሕበር ወይ ውድብ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይርብሾ ኸም ዘሎ ሓበረት። ኣብ ጉባኤታት መን ኪመርሕ ከም ዘለዎ፡ ኣሕዋት ይማጐቱ ነበሩ። ነቲ ዚኸፋፍል መንፈስ ውድድር ንምእራም እንታይ ከም ዜድሊ ኣሕዋት ምእንቲ ኺግንዘቡ፡ እታ ዓንቀጽ ነታ ውድብ ምስ ሓንቲ መርከብ ኣመሳሰለታ። ድሕሪኡ፡ እቶም ዚመርሑ ነታ ኸም መርከብ ዝበለት ውድብ በቲ ኸም ማዕበል ዝበለ ዅነታት ክትሓልፍ ከም ዘየዳለውዋ ብቕንዕና ተኣመነት። እንታይ ደኣ እዩ ኺግበር ዝነበሮ፧

4 እታ ዓንቀጽ፡ ሓደ ኽኢላ ሓለቓ መርከብ ንህይወት ዜድሕን ናውቲ ኣብታ መርከብ ከም እተጻዕነ፡ ማዕበል ኪመጽእ ከሎ ኸኣ እቶም ባሕረኛታት ንምስጋሩ ኸም እተዳለዉ ዜረጋግጽ ምዃኑ ገለጸት። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ነታ ውድብ ዚመርሕዋ፡ ኵለን ጉባኤታት ከም ማዕበል ንዝበለ ዅነታት እተዳለዋ ኸም ዝዀና ኼረጋግጹ ነበሮም። ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ ድማ፡ እታ ዓንቀጽ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ለውጢ ኸም ዚግበር ኣፍለጠት። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ “ኣብ ገጉባኤ፡ ነተን መጓሰ ‘ንምሕላው’ ሽማግለታት ኪሕረዩ” መምርሒ ሃበት።—ግብ. 20:28።

5. (ሀ) እቲ ሽማግለታት ንምሻም እተገብረ ናይ ፈለማ መሰናድዎ፡ ሓደ እዋናዊ ስጕሚ ንቕድሚት ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

5 እቲ ሽማግለታት ንምሻም እተገብረ ናይ ፈለማ መሰናድዎ፡ ቀዋሚ መዋቕር ጉባኤ ንምስራት ዜድሊ ሓደ እዋናዊ ስጕሚ ንቕድሚት እዩ ነይሩ። ንኣሕዋትና ኸኣ ነቲ እተናወጸ ማዕበላት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሰጊሮም ምእንቲ ኺጕዓዙ ሓጊዝዎም እዩ። እቲ ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓመታት እተገብረ ተወሳኺ ውድባዊ ምምሕያሻት ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ብዝሓሸ ዕጡቓት ኪዀኑ ኣኽኢልዎም እዩ። እንታይ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነዚ ምዕባለ እዚ እተነበየ፧ ንስኻኸ እንታይ ውድባዊ ለውጥታት ርኢኻ፧ ካብኡኸ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

“ኣሕሉቝኪ ሰላም . . . ክገብር እየ”

6, 7. (ሀ) ትርጕም ኢሳይያስ 60:17 እንታይ እዩ፧ (ለ) “ኣሕሉቝ”ን “ሹማምት”ን ተጠቒሶም ምህላዎም፡ እንታይ የመልክት፧

6 ኣብ ምዕራፍ 9 ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜብዝሖም ኢሳይያስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 60:22) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዝያዳ ነገር ከም ዚገብር እውን ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። ኣብታ ትንቢት እቲኣ፡ “ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ፡ ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር፡ ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ፡ ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቝኪ ሰላም፡ ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ” ኢሉ እዩ። (ኢሳ. 60:17) እዚ ትንቢት እዚ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ሎሚ ዚፍጸም ዘሎኸ ብኸመይ እዩ፧

እቲ መተካእታ፡ ካብ ሕማቕ ናብ ጽቡቕ ዘይኰነስ፡ ካብ ጽቡቕ ናብ ዝሓሸ እዩ

7 ትንቢት ኢሳይያስ፡ ሓደ ባእታ ብኻልእ ከም ዚትካእ እዩ ገሊጹ። እቲ መተካእታ ግና፡ ካብ ሕማቕ ናብ ጽቡቕ ዘይኰነስ፡ ካብ ጽቡቕ ናብ ዝሓሸ ምዃኑ ኣስተብህል። ንነሓሲ ብወርቂ ምትካእ፡ ምምሕያሽ እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እተጠቕሰ ኻልእ ባእታታት እውን ከምኡ ኺብሃል ይከኣል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ በዚ ስእላዊ ዘረባ ገይሩ፡ ኵነታት ህዝቡ በብደረጃኡ ኸም ዚመሓየሽ እዩ ተነብዩ። እዚ ትንቢት እዚ ንምንታይ ዓይነት ምምሕያሽ እዩ ዜመልክት፧ “ኣሕሉቝ”ን “ሹማምት”ን ተጠቒሶም ምህላዎም፡ የሆዋ ኣብቲ ህዝቡ ዚእለዩሉን ዚውደቡሉን መገዲ በብቝሩብ ምምሕያሽ ኪመጽእ ምዃኑ እዩ ኣመልኪቱ።

8. (ሀ) ነቲ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ተጠቒሱ ዘሎ ምምሕያሻት መን እዩ ዜምጽኦ፧ (ለ) ካብቲ ምምሕያሻት ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ (“ብትሕትና መአረምታ ተቐቢሉ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

8 ነዚ ውድባዊ ምዕባለ እዚ ዜምጽኦ መን እዩ፧ የሆዋ፡ “ወርቂ ኸምጽእ፡ . . . ብሩር . . . ከምጽእ፡ . . . ሰላም . . . ኽገብር እየ” እዩ ዝበለ። እወ፡ እቲ ኣብ ኣወዳድባ ጉባኤ ዝመጸ ምምሕያሻት፡ ሰብ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ባዕሉ ዘምጽኦ እዩ። የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኻብ ዚሽየም ንደሓር ድማ፡ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ ነዚ ምምሕያሻት እዚ ኣምጺኡ እዩ። ካብዚ ለውጥታት እዚ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧ እታ ጥቕሲ እቲኣ፡ እዚ ምምሕያሻት እዚ “ሰላም” ኰነ “ጽድቂ” ኸም ዜምጽእ ትገልጽ እያ። መሪሕነት ኣምላኽ ተቐቢልና ምትዕርራያት ክንገብር ከለና፡ ኣብ መንጎና ሰላም ይሰፍን፡ ንጽድቂ ዘላትና ፍቕሪ ድማ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ ሰላም” ኢሉ ዝገለጾ የሆዋ ኸነገልግሎ ትድርኸና።—ፊል. 4:9።

9. ኣብ ጉባኤ ንዘሎ ስርዓትን ሓድነትን ግቡእ መሰረት ዚኸውን እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

9 ጳውሎስ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ህውከት ኣምላኽ ኣይኰነን” ኢሉ እውን ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 14:33) ጳውሎስ ኣንጻር ህውከት፡ ስርዓት ዘይኰነስ፡ ሰላም ከም ዝጠቐሰ ኣስተብህል። ስለምንታይ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ስርዓት ንበይኑ ወትሩ ኣይኰነን ሰላም ዜምጽእ። ንኣብነት፡ ጕጅለ ወተሃደራት ስርዓት ሓልዮም ናብ ግምባር ይምርሹ እዮም፣ እቲ ስርዓታዊ ግስጋሰኦም ግና ናብ ውግእ እምበር ናብ ሰላም ኣይኰነን ዚመርሕ። ስለዚ፡ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኽንዝክር ኣሎና፦ መሰረቱ ሰላም ዘይኰነ ዝዀነ ይኹን መዋቕር ስርዓት፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምፍራሱ ኣይተርፎን እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ኣምላኻዊ ሰላም ንሓዋሩ ዚቕጽል ስርዓት የስፍን። ስለዚ፡ ውድብና በቲ “ሰላም ዚህብ ኣምላኽ” እትምራሕን እትጸርን ምዃናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሰና! (ሮሜ 15:33) ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ሰላም ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዘለዋ ጉባኤታትና እነስተማቕሮን እነማስወሉን ጠቓሚ ስርዓትን ልባዊ ሓድነትን ዚኸውን መሰረት ኣቚሙ ኣሎ።—መዝ. 29:11።

10. (ሀ) ኣብ ቀዳሞት ዓመታት እንታይ ምምሕያሻት እዩ ኣብ ውድብና እተገብረ፧ (“ኣሰራርሓ ሓለውቲ ብኸመይ ከም እተመሓየሸ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

10 እታ “ኣሰራርሓ ሓለውቲ ብኸመይ ከም እተመሓየሸ” ዘርእስታ ሳጹን፡ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት፡ ኣብ ውድብና እተገብረ ጠቓምን ስርዓታውን ለውጥታት ብሓጺሩ ትገልጽ እያ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ብንጉስና ኣቢሉ እንታይ ‘ካብ ነሓሲ ናብ ወርቂ’ ኺብሃል ዚከኣል ለውጥታት እዩ ዘምጽአ፧ እዚ ኣብ ሓላውነት እተገብረ ምትዕርራይ ንሰላምን ንሓድነትን እተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ብኸመይ ኣደልዲልዎ፧ ነቲ “ኣምላኽ ሰላም” ንምግልጋልከ ብኸመይ ብብሕቲ ይሕግዝካ ኣሎ፧

ክርስቶስ ንጉባኤኡ ብኸመይ ከም ዚመርሓ

11. (ሀ) መጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ግንዛበ እንታይ ምትዕርራይ ኣምጽአ፧ (ለ) ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀኑ ኣሕዋት እንታይ ኪገብሩ እዮም ዝቘረጹ፧

11 ካብ 1964 ክሳዕ 1971፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ሰፊሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገበረ፣ ሓደ ኻብቲ ዘጽንዖ ሓያሎ ጕዳያት ድማ፡ ኣሰራርሓ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ ነይሩ።a ብዛዕባ መዋቕር እታ ውድብ ከኣ፡ እቲ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ንምሕላው ዚግበር ዝነበረ ዕዮ፡ ኣብ ክንዲ ብሓደ ሽማግለ ወይ ሓላዊ፡ ብኣካል ሽማግለታት ይፍጸም ምንባሩ ተፈልጠ። (ፊልጲ 1:1፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:14 ኣንብብ።) እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ነጥቢ እቲ ምስ ተገንዘቦ፡ እቲ ንጉሱ የሱስ ኣብ ውድባዊ መዋቕር ህዝቢ ኣምላኽ ምምሕያሻት ብምግባር ይመርሖ ኸም ዘሎ ኣስተውዓለ፣ እቶም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀኑ ኣሕዋት ከኣ፡ ንመምርሒ እቲ ንጉስ ኪቕበሉ ቘረጹ። ነታ ውድብ ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተሰርዐ መሰናድዎ ሽማግለታት ንምስምማዕ ቅልጡፍ ምትዕርራያት ገበሩ። ኣብ መጀመርታ 1970ታት እተገብረ ገለ ምትዕርራያት እንታይ እዩ፧

ብትሕትና መአረምታ ተቐቢሉ

ብፊንላንድኛ እተሓትመት ናይ 1 ሚያዝያ 1916 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ካብ ሓውና ራስል ናብቶም ኣብ ስካንዲነቭያ ዚርከቡ ሒደት ኣሕዋት፡ እንተላይ ናብ ካርሎ ሃርተቫ እተጻሕፈት ደብዳበ ሒዛ ወጸት። ሓውና ራስል፡ “ኵላትኩም ብእምነት ፍቑራት ኣሕዋት፡ ናብ ሓቂ ኽትምለሱን ነቲ ናይዚ እዋን እዚ ዕዮ ኽትዓይዩን ነተባብዓኩም ኣለና” ኢሉ ጸሓፈሎም። ሓውና ራስል ነዚ ምሕጽንታ እዚ ዘቕረበ ስለምንታይ እዩ፧

ካርሎ ሃርተቫ

ካርሎ ሃርተቫ

ብ1882 እተወልደ ሓውና ሃርተቫ፡ ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ኣብ ፊንላንድ ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነበረ። ኣብ ሚያዝያ 1910 ከኣ ተጠምቀ፣ ኣብ ክረምቲ 1912 ድማ፡ ሓውና ራስል ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብፊንላንድኛ ኼሕትማ ፈቐደሉ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ክሳዕ ዚባራዕ፡ እቲ ዕዮ ብጽቡቕ ይካየድ ነበረ። ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1914 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ግና፡ ሓውና ሃርተቫ፡ “ብምኽንያት ኣጸጋሚ ቝጠባዊ ዅነታት፡ . . . ግምቢ ዘብዐኛ ሕደ ብዝሒ ገጻት ከም ዚህልዋ ወይ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ብስሩዕ ከም እትሕተም ቃል ክንኣቱ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሉ ጸሓፈ። ይኹን እምበር፡ ብ1915 ሓውና ሃርተቫን ካልኦትን፡ ኣራራት እትብሃል በቲ ስም እቲ መጽሔት ከተሕትም ዝጀመረት ተሓባባሪት ማሕበር ኣቘሙ።

ሓውና ሃርተቫ ኣትኵሮኡ ኣብታ ሓዳስ ማሕበርን ኣብታ ሓዳስ መጽሔትን ኪገብር ከሎ፡ ካልእ ሓው ኣሰናዳዊ እታ ብፊንላንድኛ እትዳሎ ግምቢ ዘብዐኛ ዀነ። መጽሔት ኣራራት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዓንቀጻት ተሕትም እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ ርእሲኡ ግና ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ኣፋውስን ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እተማህዘ ኤስፐራንቶ ዚብሃል ቋንቋን ተሕትም ነበረት። ነዊሕ ከይጸንሐት፡ እታ ሓዳስ መጽሔት ንኣሕዋት ካብቲ ንጹር ትምህርትታት ሓቂ ናብ ካልእ ከም ዜስግሉ ገበረቶም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓውና ራስል ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሕንነቶም ስለ እተሻቐለ፡ ንሓውና ሃርተቫን ንኻልኦትን፡ “ናብ ሓቂ ኽትምለሱ” ኢሉ ተማሕጸኖም።

እሞኸ ሓውና ሃርተቫ እንታይ ምላሽ ሂቡ፧ ደብዳበ ሓውና ራስል ምስ ናቱ ምላሽ ብሓደ ገይሩ፡ ኣብ መጽሔት ኣራራት ከም እትሕተም ገበረ። ሓውና ሃርተቫ ንተግባራቱ ይቕረታ ድሕሪ ምሕታቱ፡ “ነቲ ጕዳይ ክእርሞ እንተ ተፈቒዱለይ፡ ዚከኣለኒ ኽገብር እደሊ እየ” በለ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ሕታም መጽሔት ኣራራት ብዛዕባ እቲ ዝፈጠሮ ሽግር ከም ብሓድሽ ይቕረታ ድሕሪ ምሕታቱ፡ “ኣብ ኵሉ መዳይ እዚ ሕጂ ዘሎ ሓቂ፡ ብዝያዳ ጥንቁቕ ክኸውን ክጽዕር እየ” በለ። ካርሎ ሃርተቫ ኸምቶም ሽዑ ዝነበሩ ገሊኦም ኵሩዓት ሽማግለታት ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ብትሕትና መአረምታ ተቐቢሉ እዩ።

ጸኒሑ፡ ሓውና ሃርተቫ ኸም ብሓድሽ ኣሰናዳዊ እታ ብፊንላንድኛ እትዳሎ ግምቢ ዘብዐኛን ሓላው ጨንፈርን ኰይኑ ተሸመ። ክሳዕ 1950 ድማ ነዚ ሓላፍነታት እዚ ተሰኪሙ ነበረ። ብ1957 ከኣ ንየሆዋን ንሓቅን ብተኣማንነት እናኣገልገለ ምድራዊ ህይወቱ ፈጸመ። እወ፡ እቶም ካብ ንጉሶም የሱስ ብትሕትና መአረምታ ዚቕበሉ ዘበሉ፡ ይጸርዩን በረኸት የሆዋ ይረኽቡን እዮም።

12. (ሀ) ኣብ ውሽጢ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ምትዕርራይ እዩ እተገብረ፧ (ለ) እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ሕጂ ብኸመይ ከም እተወደበ ግለጽ። (ኣብ ገጽ 130 እትርከብ፡ “ኣመሓዳሪ ኣካል ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሓሊ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

12 እቲ ቐዳማይ ምትዕርራይ፡ ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንባዕሉ ዚምልከት ነበረ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ጕጅለ ቕቡኣት ኣሕዋት በቶም ሸውዓተ ኣባላት ቦርድ ዳይረክተራት ናይ ፐንስልቨንያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ ዝቘሙ እዮም ነይሮም። ብ1971 ግና፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣባላቱ ኻብ 7 ናብ 11 ወሰኸ፡ ካብ ቦርድ ዳይረክተራት ከኣ እተፈልየ ዀነ። እቶም ኣባላቱ ንሓድሕዶም ብማዕረ ኺርኣኣዩ ጀመሩ፣ ዓመታዊ ተርታ ኣቦ መንበርነት ድማ ብተርታ ፊደላት ስማቶም ኪበጽሖም ጀመረ።

13. (ሀ) ን40 ዓመት እንታይ መሰናድዎ እዩ ዚዕየየሉ ዝነበረ፧ (ለ) ብ1972፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ገበረ፧

13 እቲ ዚቕጽል ምትዕርራይ፡ ንዅለን ጉባኤታት ዚትንክፍ ነበረ። ብኸመይ፧ ካብ 1932 ክሳዕ 1972፡ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ሓላዊ ዀይኑ ዜገልግል፡ ብቐንዱ ሓደ ሓው እዩ ነይሩ። ክሳዕ 1936፡ እቲ ነዚ ሓላፍነት እዚ ዚሽየም ሓው፡ ዳይረክተር ኣገልግሎት ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ስሙ ናብ ኣገልጋሊ ማሕበር፡ ቀጺሉ ናብ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ሓላዊ ጉባኤ ተቐየረ። እቶም እተሸሙ ኣሕዋት ንመንፈሳዊ ድሕንነት እተን መጓሰ ብቕንኣት ይከናኸኑ ነበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ሓላዊ ጉባኤ ንኻልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኸየማኸረ፡ ባዕሉ ውሳነ ይገብር ነበረ። ኣብ ዓመተ 1972 ግና፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንታሪኻዊ ለውጢ ተዳለወ። እቲ ለውጢ እቲ እንታይ የጠቓልል ነበረ፧

14. (ሀ) ብ1 ጥቅምቲ 1972፡ እንታይ ሓድሽ መሰናድዎ እዩ ኺዕየየሉ እተጀመረ፧ (ለ) ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ነቲ ኣብ ፊልጲ 2:3 ዚርከብ ምኽሪ ብኸመይ እዩ ዚዓይየሉ፧

14 ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ሓደ ሓው ጥራይ ሓላዊ ጉባኤ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ዜገልግል፡ ካልኦት ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ክርስትያን ሽማግለታት ኰይኖም ኬገልግሉ ብቲኦክራስያዊ መገዲ ኸም ዚሽየሙ ተገብረ። ኵላቶም ብሓባር ኰይኖም ነታ ጉባኤኦም ሓለውቲ ዀይኖም ዚመርሑ ኣካል ሽማግለታት ከም ዜቝሙ ተገብረ። እቲ ሓድሽ መሰናድዎ ሽማግለታት፡ ብ1 ጥቅምቲ 1972 ኪዕየየሉ ተጀመረ። ሎሚ፡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት፡ ካብቶም ካልኦት ሽማግለታት ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ዘይኰነስ፡ ከም ‘ዚንእስ’ ገይሩ እዩ ንርእሱ ዚርእያ። (ሉቃ. 9:48) ከምዚኣቶም ዝበሉ ትሑታት ኣሕዋትሲ፡ ንዓለምለኻዊ ሕውነት ከመይ ዝበሉ በረኸት ኰን እዮም።—ፊል. 2:3።

ንጉስና ኣርሒቑ ብምርኣይ ንሰዓብቱ ዜድልይዎም ጓሶት ብግዜኡ ኸም ዝሃቦም ንጹር እዩ

15. (ሀ) እቲ ኣብ ጉባኤታት ኣካል ሽማግለታት ኪህሉ እተገብረ መሰናድዎ እንታይ ረብሓታት እዩ ኣፍርዩ፧ (ለ) ንጉስና ኣርሒቑ ርእዩ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

15 እቲ ሓላፍነት ጉባኤ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ኣካል ሽማግለታት ኪማቓቐል እተገብረ መሰናድዎ፡ ዓብዪ ምምሕያሽ እዩ ኣምጺኡ። እዚ ዘፍረዮ ሰለስተ ረብሓታት እስከ ንርአ፦ ቅድም ቀዳድም፡ እቲ መሰናድዎ ንዅሎም ሽማግለታት፡—ክብደት እቲ እተሰከምዎ ሓላፍነታት ጉባኤ ብዘየገድስ፡—የሱስ ርእሲ ጉባኤ ኸም ዝዀነ ኣጸቢቖም ምእንቲ ኼስተውዕሉ ይሕግዞም እዩ። (ኤፌ. 5:23) ካልኣይ፡ ከምቲ ምሳሌ 11:14 እትብሎ፡ “ብምብዛሕ መኸርቲ . . . ደሓን ይርከብ።” ሽማግለታት ንመንፈሳዊ ድሕንነት ጉባኤኦም ብዚምልከት ኪማኸሩን ሓሳባት ሓድሕዶም ኣብ ግምት ኬእትዉን ከለዉ፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚሰማማዕ ውሳነታት ኪበጽሑ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 27:17) የሆዋ ንኸምዚ ዝበለ ውሳነታት ይባርኾ እዩ፣ እዚ ድማ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ። ሳልሳይ፡ ሽማግለታት ኰይኖም ኬገልግሉ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ቍጽሮም ምውሳኹ፡ እታ ውድብ ነቲ ኣብ ጉባኤታት ዜድልዩ ተወሰኽቲ ሓለውትን ጓሶትን ከተማልእ ኣኽኢልዋ እዩ። (ኢሳ. 60:3-5) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ቍጽሪ እተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ካብቲ ብ1971 ዝነበሮ ልዕሊ 27,000፡ ብ2013 ናብ ልዕሊ 113,000 ወሲኹ ኣሎ! እምበኣር፡ ንጉስና ኣርሒቑ ብምርኣይ ንሰዓብቱ ዜድልይዎም ጓሶት ብግዜኡ ኸም ዝሃቦም ንጹር እዩ።—ሚክ. 5:5።

ኣሰራርሓ ሓለውቲ ብኸመይ ከም እተመሓየሸ

  • 1881—ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሓደ ኸባቢ ዚነብሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ርክባት ንምምስራት፡ ሓውና ራስል ነቶም ብስሩዕ ኣኼባታት ዚገብሩ፡ ኣበይ ከም ዚእከቡ ንቤት ጽሕፈት ግምቢ ዘብዐኛ ኺሕብሩ ሓተቶም።

  • 1895—ኵለን ጉባኤታት ካብ መንጎአን ሽማግለታት ኰይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋት ኪሓርያ መምርሒ ተዋህበን።

  • 1919—ኣብ ገጉባኤ ሓደ ዳይረክተር ኣገልግሎት ብቲኦክራስያዊ መገዲ ብጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተሸመ። ሓላፍነታቱ ኸኣ ዕዮ ስብከት ምውዳብን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ተሳትፎ ምትብባዕን ነበረ። ገሊኦም ሽማግለታት ጉባኤ ግና ንመሰናድዎ ዳይረክተር ኣገልግሎት ኣይድግፍዎን ነበሩ።

  • 1932—እቲ ጉባኤ እትገብሮ ዝነበረት ዓመታዊ ምርጫ ሽማግለታት ደው በለ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እታ ጉባኤ ኻብቶም ብቕንኣት ኣብ ኣገልግሎት ስብከት ዚሳተፉን ምስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ሓድሽ እተቐበልናዮ ስም ተሰማሚዖም ዚነብሩን ኣሕዋት፡ ኮሚተ ኣገልግሎት ትመርጽ ነበረት። ሓደ ኻብቶም ብጉባኤ እተሰየሙ ድማ፡ ዳይረክተር ኣገልግሎት ኪኸውን ብማሕበር ወይ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይሽየም ነበረ።

  • 1937—ካብቶም ብዙሓት ህዝቢ ዝዀኑ ኣሕዋት ምስ ቅቡኣት ኣሕዋት ሓቢሮም ኣብ ኮሚተታት ኣገልግሎት ኬገልግሉ ኸኣሉ።

  • 1938—ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዜገልግሉ ኣገልገልቲ ብቲኦክራስያዊ መገዲ ኺሽየሙ ዝቐረበ ሓባራዊ ውሳነ፡ ጉባኤታት ኣጽደቓ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ጉባኤ ዚግበር ዝነበረ ደሞክራስያዊ ምርጫ ኣብቅዐ።

ብዛዕባ ታሪኻዊ ምዕባለታት ውድባዊ መዋቕር ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም፡ ገጽ 204-235 ርአ።

ብ1920ታት ብጉባኤ ዚግበር ዝነበረ ዓመታዊ ምርጫ ሽማግለታት

“ኢድና እናኣልዓልና ሽማግለታት ሓረና። ድሕሪኡ፡ ሓደ ሓው በቲ መተሓላለፊ እናኸደ፡ ነቲ ድምጺ ቘጸሮ።” —ሓብትና ሮዝ ስዊንግል፡ ቺካጎ፡ ኢሊኖይስ፡ ሕ.መ.ኣ.

“ነቲ መጓሰ ኣርኣያ” ምዃን

16. (ሀ) ሽማግለታት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧ (ለ) እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ ‘ኣባጊዑ ኺጓስዩ’ ዝሃቦም ምዕዶ ብኸመይ ረኣይዎ፧

16 ብግዜ እቶም ቀደም ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ሽማግለታት ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም፡ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኰይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ተረዲኦም ነይሮም እዮም። (ገላትያ 6:10 ኣንብብ።) ብ1908 ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እቲ፡ “ኣባጊዐይ ጓሲ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ ምዕዶ ገሊጻ ነይራ እያ። (ዮሃ. 21:15-17) እታ ዓንቀጽ ንሽማግለታት፡ “እቲ ጐይታና ንመጓሰኡ ብዚምልከት ዝሃቦ መዝነት ኣብ ልብና ጕሉሕ ቦታ ምሓዙ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ማለት ንሰዓብቲ ጐይታና ምምጋብን ምክንኻንን ከም ዓብዪ መሰል ጌርና ኽንርእዮ ይግብኣና” በለቶም። ብ1925፡ ግምቢ ዘብዐኛ ንሽማግለታት፡ “ቤተ ክርስትያን ኣምላኽ ናቱ እያ፣ ንዅሎም እቶም ንኣሕዋቶም ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ዘለዎም ከኣ ብሓላፍነት ኪሓትቶም እዩ” ኢላ ብምዝኽኻር፡ ኣገዳስነት እቲ ጓሶት ዚዓይይዎ ዕዮ ኣጕልሐት።

17. ሓለውቲ፡ ክኢላታት ጓሶት ኪዀኑ ብኸመይ ተሓጊዞም፧

17 ውድብ የሆዋ ንሽማግለታት፡ ነቲ ኸም ጓሶት መጠን ዘለዎም ክእለት፡ ‘ካብ ሓጺን ናብ ብሩር’ ንምልዋጥ ብኸመይ ሓጊዛቶም፧ ስልጠና ብምሃብ እያ ሓጊዛቶም። ብ1959፡ ንሓለውቲ ዚኸውን ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንፈለማ ግዜ ተገብረ። ሓደ ኻብቲ ትምህርትታት፡ “ብሕታዊ ቘላሕታ ምሃብ” ዚብል ርእሰ ነገር ነበሮ። እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት፡ “ንኣስፋሕቲ ናብ ኣባይቶም ከይዶም ንምብጻሕ መደብ ኬውጽኡ” ተተባብዑ። ኣብቲ ትምህርቲ፡ ጓሶት ከምዚ ዝበለ ሃናጺ ምብጻሕ ኪገብሩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገድታት ቀሪቡ እዩ። ብ1966፡ እተመሓየሸ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ተጀመረ። ኣብኡ ኸኣ፡ “ኣገዳስነት ዕዮ ጕስነት” ዚብል ርእሰ ነገር ነበረ። ቀንዲ ነጥቢ እቲ ትምህርቲ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቶም ዚመርሑ፡ “ንቤተ ሰቦምን ንኣገልግሎት ወፍርን ግቡእ ቈላሕታ እናገበሩ፡ ንመጓሰ ኣምላኽ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣብ ምግባር ኪሳተፉ” ኸም ዘለዎም ዚሕብር እዩ ነይሩ። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ንሽማግለታት ዚኸውን ዝያዳ ኣብያተ ትምህርትታት ተዳልዩ እዩ። እሞኸ እቲ ብውድብ የሆዋ እተዳለወ ቐጻሊ ስልጠና እንታይ ኣፍርዩ፧ ሎሚ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ጓሶት ኰይኖም ዜገልግሉ ብቑዓት ኣሕዋት ኣለውዋ።

ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ፊሊፒንስ፡ 1966

ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ፊሊፒንስ፡ 1966

18. (ሀ) ሽማግለታት እንታይ ከቢድ ሓላፍነት እዩ ተዋሂብዎም ዘሎ፧ (ለ) የሆዋን የሱስን ነቶም ትጉሃት ሽማግለታት ዚፈትውዎም ስለምንታይ እዮም፧

18 የሆዋ በቲ ንጉስና ዝዀነ የሱስ ኣቢሉ ንክርስትያን ሽማግለታት ኣብ ቦታ ሓላፍነት ዘንበሮም፡ ከቢድ ዕዮ ኺስከሙ ኢሉ እዩ። እቲ ኸቢድ ዕዮ እቲኸ እንታይ እዩ፧ ንኣባጊዕ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ካብ ኵሉ ዝጸንከረ ግዜ መሪሖም ኬስግርወን እዩ። (ኤፌ. 4:11, 12፣ 2 ጢሞ. 3:1) የሆዋን የሱስን ነቶም ትጉሃት ሽማግለታት ብዙሕ ይፈትውዎም እዮም፣ ከመይሲ፡ እዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፣ . . . ብፍታው . . . ብሃንቀውታ . . . ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምዕዶ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ እዮም። (1 ጴጥ. 5:2, 3) ሕጂ፡ ክልተ ኻብቲ ክርስትያን ሽማግለታት ነተን መጓሰ ኣርኣያ ዚዀኑሉን ንሰላምን ንሓጐስን ጉባኤ ዓብዪ ኣበርክቶ ዚገብሩሉን ሓያሎ መገድታት እስከ ንርአ።

“ተደኒቕና ኢና”

ኣብ እስያ ዚነብሩ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር፡ ንሓያሎ ዓመታት ዕቤት ናብ ዘይተረኽበላ ጉባኤ ተመደቡ። እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ፈቃራት እኳ እንተ ነበሩ፡ ውድባዊ መምርሒታት ከም ዘይስዕቡ ግና ኣስተውዓሉ። እቶም ሚስዮናውያን ምስቶም ኣስፋሕቲ ዕርክነት ምስ መስረቱ፡ እቲ ሚስዮናዊ ሓው ንመዋቕር እታ ጉባኤ ምስቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እተወደቡሉ መገዲ በብደረጃኡ ኼሰማምዕ ተበገሰ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት፡ ቍጽሪ ተኣከብቲ ዕጽፊ ዀነ፡ ሓደስቲ ሰባት ኣብ ዕዮ ስብከት ኪካፈሉ ጀመሩ፡ ልዕሊ 20 ኸኣ ተጠምቁ። እቶም ሰብ ሓዳር፡ “ተደኒቕና ኢና” በሉ። ብተወሳኺ ድማ፡ “የሆዋ ኣዝዩ ኣብዚሑ እዩ ባሪኹና! መምርሒታት ውድብ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዜምጽኦ ፍረ ምርኣይ፡ ንዅሎም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ሓጐስ ኣምጺኡሎም እዩ” በሉ።

ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ንመጓሰ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚጓስይዎ

19. ብዛዕባ እቶም ናብ ኣገልግሎት ምሳና ዚኸዱ ሽማግለታት ከመይ ይስምዓና፧

19 ቀዳማይ፡ ሽማግለታት ምስ ኣባላት ጉባኤ ይዓይዩ እዮም። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ ብዛዕባ የሱስ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ኣብ ከከተማን ኣብ ቈቍሸትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ” በለ። (ሉቃ. 8:1) ከምቲ የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ዀይኑ ዝሰበኸ፡ ሎሚ ዘለዉ ኣብነታውያን ሽማግለታት እውን ምስቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣብ ዕዮ ስብከት ይዓይዩ እዮም። ከምኡ ምስ ዚገብሩ፡ ነቲ ኣብታ ጉባኤ ዚሰፍን ጥዑይ መንፈስ ብዙሕ ኣበርክቶ ኸም ዚገብሩ ይፈልጡ እዮም። ኣባላት ጉባኤ ብዛዕባ ኸምዚ ዝበሉ ሽማግለታት ከመይ ይስምዖም፧ ኣብ 80ታት ዓመት ዕድሚኣ እትርከብ ዣኒን ዝስማ ሓብቲ፡ “ምስ ሽማግለ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምግልጋል፡ ምስኡ ንኽዘራረብን ብዝሓሸ ንኽፈልጦን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተለይ እዩ” በለት። ኣብ መፋርቕ 30ታት ዓመት ዕድሚኡ ዚርከብ ስቴቨን፡ “ሓደ ሽማግለ ኣብቲ ኣብ በቤት ዚግበር ኣገልግሎት ምሳይ ኬገልግል ከሎ፡ ኪሕግዘኒ ኸም ዝደለየ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ምርካብ ድማ፡ ብዙሕ የሐጕሰኒ እዩ” በለ።

ሓደ ጓሳ ብርቱዕ ማይ ኣብ ዚዝንመሉ ለይቲ ንዝጠፍአት በጊዕ ይረኽባ

ከምቲ ሓደ ጓሳ ንጥፍእቲ በጊዕ ዚደሊ፡ ሽማግለታት ከኣ ነቶም ምስ ጉባኤ ዝነበሮም ርክብ ዝበተኹ ኺረኽብዎም ይጽዕሩ እዮም

20, 21. ሽማግለታት ነቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ዘሎ ጓሳ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧ ኣብነት ሃብ። (““ፍርያም ሰሙናዊ ምብጻሓት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

20 ካልኣይ፡ ውድብ የሆዋ ንሽማግለታት፡ ነቶም ምስ ጉባኤ ዝነበሮም ርክብ ዝበተኹ ሰባት ሓልዮት ኬርእዩ ኣሰልጢናቶም እያ። (እብ. 12:12) ሽማግለታት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ብመንፈሳዊ መዳይ ዝደኸሙ ሰባት ኪሕግዝዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ከመይ ገይሮምከ እዮም ዚሕግዝዎም፧ እታ የሱስ ብዛዕባ ሓደ ጓሳን ሓንቲ ጥፍእቲ በጊዕን ዝመሰላ ምሳሌ መልሲ ትህበና እያ። (ሉቃስ 15:4-7 ኣንብብ።) እቲ ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሰ ጓሳ፡ ሓንቲ በጊዕ ከም ዝጠፍአት ምስ ፈለጠ፡ ብዘይካኣ ኻልእ ከም ዘይብሉ ዀይኑ እዩ ዚደልያ። ሎሚ፡ ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ እቲ ጓሳ ዝሓደጎ ኣብነት ዚስዕቡ ብኸመይ እዮም፧ ከምቲ እታ ጥፍእቲ በጊዕ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቲ ጓሳ ኽብርቲ ዝዀነት፡ እቶም ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ዝበተኹ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ሽማግለታት ክቡራት እዮም። ሽማግለታት ብመንፈሳዊ መዳይ ንዝደኸመ ውልቀ ሰብ፡ ከም ዝጠፍአት በጊዕ እዮም ገይሮም ዚርእይዎ እምበር፡ ተስፋ ኸም ዘይብሉ ገይሮም ኣይኰኑን ዚርእይዎ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ እቲ ጓሳ ‘ኽሳዕ ዚረኽባ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ዚኸይድ፡’ ሽማግለታት ድማ ንዝደኸሙ ንምርካብን ንምሕጋዝን ተበግሶ ይወስዱ እዮም።

21 እቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ጓሳ ነታ በጊዕ ምስ ረኸባ እንታይ እዩ ዚገብር፧ ቀስ ኣቢሉ ኣልዒሉ “ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ፡” ናብተን መጓሰ ድማ ይመልሳ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ሽማግለ ኻብ ልቡ ዜንጸባርቖ ሓልዮት ንሓደ ብመንፈሳዊ መዳይ ድኹም ዝዀነ ቐስ ኣቢሉ ኼልዕሎን ናብ ጉባኤ ኺምለስ ኪሕግዞን ይኽእል እዩ። ንሓደ ናብ ጉባኤ ምኻድ ሓዲግዎ ዝነበረ ኣብ ኣፍሪቃ ዚነብር ቪክቶር ዚብሃል ሓው፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ንሱ፡ “ኣብቲ ዘይንጡፍ ኰይነሉ ዝነበርኩ ሸሞንተ ዓመት፡ ሽማግለታት ኪሕግዙኒ ይጽዕሩ ነይሮም እዮም” በለ። ምናዳ ዝተንከዮ ደኣ እንታይ እዩ፧ ባዕሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓደ መዓልቲ፡ ጆን ዚብሃል ምሳይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ እተኻፈለ ሽማግለ ኺበጽሓኒ መጸ፣ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እተሰኣልናዮ ስእልታት ከኣ ኣርኣየኒ። እዚ ድማ ነቲ ንየሆዋ ኸገልግሎ ኸለኹ ዝነበረኒ ሓጐስ ከም ዝናፍቕ ዝገበረኒ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣምጽኣለይ” በለ። ድሕሪ ምብጻሕ ጆን ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ቪክቶር ናብ ጉባኤ ተመልሰ። ሎሚ፡ ከም ብሓድሽ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። እወ፡ ሓለይቲ ክርስትያን ሽማግለታት ንሓጐስና ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም።—2 ቈረ. 1:24።b

ክልተ ክርስትያን ኣሕዋት ብዕድመ ንዝደፍአ ዘይንጡፍ ክርስትያን ይበጽሕዎ

ፍርያም ሰሙናዊ ምብጻሓት

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዚርከቡ ሽማግለታት ንጥፉኣት ኣባጊዕ ንምሕጋዝ ብዘለዎም ድሌት ተደሪኾም፡ ነቶም ምስተን መጓሰ ዝነበሮም ርክብ ዝበተኹ ሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ሓሰቡ። ሓያሎ ዓመታት ይገብር ንየሆዋ ምግልጋል ዝሓደግዎ ኣስታት 30 ሰባት ኣብ ክሊ እታ ጉባኤ ይነብሩ ኸም ዘለዉ ፈለጡ። መብዛሕትኦም ድማ ብዕድመ ዝደፍኡ እዮም ነይሮም።

ኣልፍረዶ ዝስሙ ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ዝርዝር ስማቶም ሒዙ ኺበጽሖም ጀመረ። ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ኺገልጽ ከሎ፡ “ዓርቢ ዓርቢ ንግሆ፡ ማዕጾ ዘይንጡፍ ዘበለ እዅሕኵሕ እየ” ኢሉ የዘንቱ። ሓደ ዘይንጡፍ ምስ ዚኸፍት፡ ኣልፍረዶ ኻብ ልቢ ኸም ዚግደሰሉ ብዜርኢ መገዲ ብህድኣት የዘራርቦ። እታ ጉባኤ ነቲ ምእንቲ መንግስቲ የሆዋ ዝገበሮ ጽቡቕ ዕዮኡ ኸም ዘይረስዓቶ ድማ ይነግሮ። ኣልፍረዶ፡ “ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ዘይንጡፍ ሓው፡ ኣብታ ብ1976 ጸብጻብ ዝሃበላ ናይ መወዳእታ ወርሒ ኽንደይ ሰዓታት ከም ዝሰበኸን ክንደይ መጽሔታት ከም ዘበርከተን ምስ ነገርክዎ፡ ኣዒንቲ እቲ ሓው ንብዓት ቅጽርጽር በለ” ኢሉ ኣዘንተወ። ኣልፍረዶ ምስቶም ዚበጽሖም ብሓደ ዀይኑ ሉቃስ 15:4-7, 10 የንብብ እሞ፡ “ዝጠፍአት በጊዕ ናብ ጉባኤ ምስ ተመልሰት እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ የሆዋን የሱስን መላእኽትን ይሕጐሱ እዮም!” ይብሎም እዩ።

ኣልፍረዶ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት፡ ንዘይንጡፋት ኪበጽሖም ጸኒሑ እዩ። እሞኸ እቲ ብዓቕሊ ዝገበሮ ጻዕሪ እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧ ክልተ ኣሕዋት ምስ ጉባኤ ኸም ብሓድሽ ኪሓብሩ ብምሕጋዙ፡ ሓጐስ ረኺቡ እዩ። ሕጂ፡ ብስሩዕ ኣብ ናይ ሰንበት ኣኼባ ይእከቡ ኣለዉ። ኣልፍረዶ ፍሽኽ ኢሉ፡ “ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጹ፡ ብተራይ ኣነ እየ ነቢዐ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “እዞም ዘይንጡፋት ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ እኳ እንተ ጀመሩ፡ እቲ ሰሙናዊ ምብጻሓት ብሃንቀውታ ዚጽበይዎ ምዃኑ ስለ ዚነግሩኒ፡ ኣነ እውን ከምኡ ስለ ዚስምዓኒ፡ ሕጂ እውን ዓርቢ ዓርቢ እበጽሖም እየ” በለ።

እተመሓየሸ ዕዮ ሓላውነት ንሓድነት ህዝቢ ኣምላኽ የደልድሎ

22. ጽድቅን ሰላምን ንሓድነት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜደልድል ብኸመይ እዩ፧ (“ተደኒቕና ኢና” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

22 ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ የሆዋ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ጽድቅን ሰላምን ብቐጻሊ ኸም ዚውሕዝ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 60:17) ክልቲኡ እዚ ባህርያት እዚ ንሓድነት ጉባኤታት እዩ ዜደልድል። ብኸመይ፧ ንጽድቂ ብዚምልከት፡ “ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ።” (ዘዳ. 6:4፡ NW) እቲ ስርዓታት ጽድቁ ኻብቲ ኣብ ሓደ ሃገር ዘለዋ ጉባኤታት ናብቲ ኣብ ካልእ ሃገር ዘለዋ ጉባኤታት ፍልልይ የብሉን። ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዚምልከት ስርዓታቱ ሓደ እዩ፣ “ኣብ ኵለን ጉባኤታት ቅዱሳት” እውን ሕደ እዩ። (1 ቈረ. 14:33) ስለዚ፡ ሓንቲ ጉባኤ ስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓለት ጥራይ እያ እትብልጽግ። ንሰላም ብዚምልከት ድማ፡ ንጉስና ኣብ ጉባኤ ጥራይ ሰላም ክንረክብ ዘይኰነስ፡ “ገበርቲ ሰላም” ክንከውን እውን ይደልየና እዩ። (ማቴ. 5:9) ስለዚ፡ ‘ሰላም ዜስፍን ነገር ንስዕብ’ ኢና። ኣብ መንጎና ኺልዓል ዚኽእል ፍልልያት ንምፍታሕ ተበግሶ ንወስድ ኢና። (ሮሜ 14:19) በዚ ኸምዚ፡ ንሰላምን ንሓድነትን ጉባኤና ኣበርክቶ ንገብር ኢና።—ኢሳ. 60:18።

23. ኣገልገልቲ የሆዋ ብምዃንና፡ እንታይ ኢና ረኺብና ዘለና፧

23 ኣብ ሕዳር 1895፡ ግምቢ ዘብዐኛ ንፈለማ ግዜ መሰናድዎ ሽማግለታት ከተፋልጥ ከላ፡ እቶም ሓላፍነት እተሰከሙ ኣሕዋት ልባዊ ትምኒቶም ገሊጾም ነይሮም እዮም። እሞኸ ትምኒቶም እንታይ እዩ ነይሩ፧ እዚ ሓድሽ ውድባዊ መሰናድዎ እዚ ንህዝቢ ኣምላኽ “ብቕልጡፍ ናብ ሓድነት እምነት ንምምጻእ” ኪሕግዝ ተመንዮምን ጸልዮምን ነይሮም እዮም። ንዝሓለፈ ዓመታት ምልስ ኢልና ኽንርእዮ ኸለና፡ እቲ የሆዋ ብንጉስና ኣቢሉ ንዕዮ ሓላውነት በብቝሩብ ንምጽራይ ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ብርግጽ ንሓድነት እምነትና ኣደልዲልዎ እዩ። (መዝ. 99:4) ከም ውጽኢቱ፡ ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለና ዅላትና ህዝቢ የሆዋ “ብሓደ መንፈስን ብሓደ ኣሰርን” ክንመላለስን ነቲ “ኣምላኽ ሰላም” ‘ሓቢርና’ ኸነገልግልን ከለና ንሕጐስ ኢና።—2 ቈረ. 12:18፣ ጸፎንያስ 3:9 ኣንብብ።

a ውጽኢት እቲ ሰፊሕ ምርምር፡ ኣብቲ ኤይድ ቱ ባይብል ኣንደርስታንዲንግ ዘርእስቱ መወከሲ ጽሑፍ ተሓቲሙ እዩ።

b ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 27-31 ዝወጸት፡ “ክርስትያን ሽማግለታት—‘ምእንቲ ኽንሕጐስ ሓቢሮምና ዚዓይዩ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኸም ናይ ሓቂ ጌርካ እትርእያ፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ውድባዊ ምምሕያሻት እያ ኣምጺኣ፧

  • ኣብ ዕዮ ሓላውነት ጉባኤ እተገብረ ምትዕርራያት ነቲ “ኣምላኽ ሰላም” ከተገልግሎ ብኸመይ ሓጊዙካ፧

  • እንታይ ቃላትን ግብርታትን ሽማግለ እዩ ንሓጐስካ ወሲኹሉ፧

  • ንሰላምን ንሓድነትን ጉባኤ ኸመይ ጌርካ ብብሕትኻ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል፧

ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልን ሓገዝቶምን ብሓባር ይእከቡ

ኣመሓዳሪ ኣካል ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሓሊ

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ብዝዀኑ ኣሕዋት ዝቘመ እዩ። እቶም ኣባላቱ ብደረጃ ጕጅለ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እዮም ዜቝሙ። መንፈሳዊ ምግቢ ናይ ምድላውን ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዚግበር ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምምራሕን ድርኺት ናይ ምሃብን ሓላፍነት ድማ ኣለዎም።—ማቴ. 24:14, 45-47።

ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ሰሰሙን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ረቡዕ ረቡዕ እዮም ዚእከቡ። እዚ ኸኣ ነዞም ኣሕዋት እዚኦም ብሓደ ሓቢሮም ኪዓይዩ የኽእሎም። (መዝ. 133:1) ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ እተፈላለየ ኮሚተታት እውን የገልግሉ እዮም። ኵለን እተን ኮሚተታት፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምሕላይ ነናተን ሓላፍነት ኣለወን። ሓላፍነታተን ከኣ ብሓጺሩ ኣብዚ እንሆ፦

  • ክርስትያን ኣሕዋት፡ ክርስትያናዊ ሕውነት ንምሕላው ዚግበር ጻዕሪ ብሓላፍነት ይከታተሉ

    ኮሚተ ኣተሓባበርቲ

    ኣብዚ ኮሚተ እዚ ዜገልግሉ ኣሕዋት ንሕጋዊ ጕዳያት ኰነ ነቲ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ብዛዕባ እምነትና ንኸነረድእ ብመራኸቢ ብዙሓን እንጥቀመሉ ኣገባብ ብሓላፍነት ይከታተሉ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵርናዕ ዓለም ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጸሉ ሓደጋታትን መስጐጕትታትን ህጹጽ ኵነታትን እውን ይከታተሉ።

  • ኣብ እተፈላለየ ዕዮ እተዋፈሩ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል

    ኮሚተ ፐርሶነል

    እዚ ኮሚተ እዚ ኣብ መላእ ምድሪ ንዚርከቡ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ንምምላእን ሓገዝ ንምሃብን እተገብረ መሰናድዎታት ብሓላፍነት ይከታተል። ሓደስቲ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ናይ ምሕራይን ናይ ምጽዋዕን ሓላፍነት ድማ ኣለዎ፣ ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤት-ኤል ዚምልከት ሕቶታት ከኣ ይምልስ።

  • ሓደ ቤት-ኤላዊ  መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኣብ ምሕታምን ምልኣኽን ይሕግዝ

    ኮሚተ ሕትመት

    እቶም ኣብዚ ኮሚተ እዚ ዜገልግሉ፡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ናይ ምሕታምን ናይ ምልኣኽን ዕዮ ይቈጻጸሩ። በተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙለን እተፈላለያ ትካላት ዚውነንን ዚንቀሳቐስን ኣብያተ ሕትመት ኰነ ኻልእ ንብረት፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚግበር ኵሉ ህንጸት፡ እንተላይ ዕዮ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓላፍነት ይከታተሉ። ነቲ እተወፈየ ገንዘብ ብዝበለጸ ኣብ መዓላ ዚውዕለሉ መገዲ የሰናድዉ።

  • ሓደ ክርስትያን ሓው ኣብ ጠረጴዛኡ ዀይኑ ይዳሎን ምርምር ይገብርን

    ኮሚተ ኣገልግሎት

    እቶም ነዚ ኮሚተ እዚ ዜቝሙ ኣሕዋት፡ ንዅሉ መዳያት ዕዮ ወንጌላውነትን ነቲ ንጉባኤታትን ንኣስፋሕትን ንፈለምትን ንሽማግለታትን ንገየሽቲ ሓለውትን ንሚስዮናውያንን ዚትንክፍ ጕዳያትን ብሓላፍነት ይመርሑ። ሓደ ኻብቲ ዚከታተልዎ ሓያሎ ነገራት፡ ንጥፈታት እቲ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተታት ኪጥቀስ ይከኣል።

  • ሓደ ክርስትያን ሓው መደረ የቕርብ

    ኮሚተ ትምህርቲ

    እዚ ኮሚተ እዚ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣኼባታት ጉባኤን ዚውሃብ ትምህርቲ ብሓላፍነት ይከታተል። ንቤት ትምህርቲ ጊልዓድን ንቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽን ንቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምትን ንኻልእ ኣብያተ ትምህርትን እውን ብሓላፍነት ይከታተል። ብተወሳኺ፡ እዚ ኮሚተ እዚ ነቲ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን​—⁠ደብተር ኣኼባ ናይ ምድላው ዕዮን ነቲ ብኣውድዮን ብቪድዮን ዚቐርብ መደባትን ብሓላፍነት ይከታተል።

  • እተፈላለየ ዓይነት ሕታማት፡ እንተላይ ወብ ሳይት jw.org

    ኮሚተ ጽሕፈት

    ኣብዚ ኮሚተ እዚ ዜገልግሉ ኣሕዋት፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትን ንሓፈሻዊ ህዝብን ዚኸውን መንፈሳዊ ምግቢ ብጽሑፍ ኰነ ብኤለክትሮኒካዊ መልክዕ ንምድላው ዚግበር ዕዮ ብሓላፍነት ይከታተሉ። ንወብ ሳይት ውድብና ብሓላፍነት ይኣልይዎ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዚግበር ዕዮ ትርጕም ድማ ብሓላፍነት ይመርሕዎ። ብተወሳኺ፡ እዚ ኮሚተ እዚ ብዛዕባ ትርጕም እቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ነጥብታትን ንዚልዓል ሕቶታት መልሲ ይህብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ