ጸጋም፦ ሓደ ሓው ብ1945 ኣብ ኣይንድሆቨን፡ ነዘርላንድስ ብምስባኹ ኺእሰር ከሎ፣ የማን፦ ኣብቲ እትነብረሉ ዓዲ፡ ናይ ምስባኽ መሰልካ ብሕጊ ሕሉው ድዩ፧
4ይ ክፋል
ዓወታት መንግስቲ ኣምላኽ—ነቲ ብስራት ብሕጊ ምስራት
ኣብ በቤት እናኸድካ ኽትሰብኽ ከለኻ፡ ፖሊስ ናባኻ ኺመጽእ ትርኢ። ናብ ዚቕጽል ቤት ኬድካ ኣብ ክንዲ እተዘራርብ፡ ንስኻን መገላግልትኻን በቲ ፖሊስ ሓሳብኩም ይስረቕ። እቲ ፖሊስ ናባኻትኩም ይቐርብ እሞ፡ “ንስኻትኩም ዲኹም ኣብ በቤት እናኸድኩም እትሰብኩ ዘለኹም፧ ጥርዓናት ቀሪቡልና ኣሎ!” ይብለኩም። ንስኻ ድማ ብኣኽብሮት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንኩም ትገልጸሉ። ድሕርዚ፡ እንታይ እዩ ኼጋጥም፧
እዚ ብዓብይኡ፡ ኣብ ታሪኽ እዩ ዚምርኰስ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብታ እትነብረላ ሃገር ዘሎ መንግስቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይሕዞም ነይሩ፧ እተወሰነ ናጽነት ኣምልኾ ኣሎዶ፧ እንተ ኣልዩ፡ ምስቲ መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ‘ነቲ ብስራት ብሕጊ ኺስርትዎን ኪማጐቱሉን’ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዚተሓሓዝ ኪኸውን ኣለዎ። (ፊል. 1:7) ሕጂ እትነብረላ ዘለኻ ዓዲ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ ሕጋዊ ዓወታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስትንታንካ፡ ንእምነትካ ኼደልድላ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ገለ ኻብቲ ዜደንቕ ዓወታት ክንምርምር ኢና። ብርእስና ኣዝዩ ብዙሕ ዓወታት ክንሓፍስ ስለ ዘይንኽእል፡ እዚ ዓወታትና እዚ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምዃና ዚምስክር ዜሐጕስ መርትዖ እዩ።