ክፋል 24
ጳውሎስ ናብ ጉባኤታት ጸሓፈ
መልእኽትታት ጳውሎስ ንክርስትያናዊ ውድብ ኣበርትዖ
እታ ሓዳስ ዝቘመት ክርስትያናዊት ማሕበር ወይ ጉባኤ፡ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ተበርክት ነበረት። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ግን፡ ብቕልጡፍ መጥቃዕቲ ወረዶም። እሞኸ ኻብ ወጻኢ መስጐጕቲ፡ ካብ ውሽጢ ድማ ስዉር ሓደጋታት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህናኦም ሓልዮምዶ፧ እቲ 21 መልእኽትታት ዘጠቓለለ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣድላዪ ምኽርን መተባብዕን ሒዙ ኣሎ።
ካብዘን 21 መልእኽትታት፡ እተን 14፡ ማለት ካብ ሮሜ ኽሳዕ እብራውያን፡ ብሃዋርያ ጳውሎስ እየን ተጻሒፈን። እዘን መልእኽትታት እዚኣተን በቶም እተላእካሎም ውልቀ-ሰባት ወይ ኣባላት ሓንቲ ጉባኤ እየን ዚጽውዓ። ገለ ኻብተን መልእኽትታት ጳውሎስ ዝሸፈናኦ ጕዳያት እስከ ንርአ።
ብዛዕባ ስነ-ምግባርን ኣኻይዳን እተዋህበ ማዕዳ። እቶም ምንዝርን ዝሙትን ካልእ ከቢድ ሓጢኣትን ዚፍጽሙ፡ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ተገሊጹ ኣሎ። (ገላትያ 5:19-21፣ 1 ቈረንቶስ 6:9-11) ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ዜግነቶም ብዘየገድስ ሓድነት ኪህልዎም ኣለዎ። (ሮሜ 2:11፣ ኤፌሶን 4:1-6) ንክርስትያናት ብጾቶም ንምሕጋዝ፡ ብታሕጓስ ዘለዎም ዘበለ ኺህቡ ኣለዎም። (2 ቈረንቶስ 9:7) ጳውሎስ፡ “ከየባተኽኩም ጸልዩ” በለ። እወ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ዘሎ ዅሉ ንየሆዋ ብጸሎት ኬፍስሱሉ ይተባብዑ እዮም። (1 ተሰሎንቄ 5:17፣ 2 ተሰሎንቄ 3:1፣ ፊልጲ 4:6, 7) ኣምላኽ ንጸሎትና ምእንቲ ኺሰምዖ፡ ብእምነት ክንቀርቦ ኣሎና።—እብራውያን 11:6።
ስድራ ቤታት ዕዉታት ንኪዀና ዚሕግዘን እንታይ እዩ፧ ሰብኡት ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ኣለዎም። ኣንስቲ ንሰብኡተን ኣጸቢቐን ኬኽብራኦም ኣለወን። ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዙ ኣለዎም፣ ከምኡ ምግባሮም ንኣምላኽ የሐጕሶ እዩ። ወለዲ ንደቆም ብስርዓታት ኣምላኽ ገይሮም ብፍቕሪ ኺመርሕዎምን ኬሰልጥንዎምን ኣለዎም።—ኤፌሶን 5:22–6:4፣ ቈሎሴ 3:18-21።
ዕላማ ኣምላኽ ብዝያዳ በርሀ። ሓያሎ መዳያት ሕጊ ሙሴ፡ ክርስቶስ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ንእስራኤላውያን ዚሕሉን ዚመርሕን ነበረ። (ገላትያ 3:24) ክርስትያናት ግን፡ ንኣምላኽ ንኼምልኹ ኢሎም ነቲ ሕጊ ኺሕልዉ ኣየድለዮምን። ጳውሎስ ናብቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ዝነበሩ እብራውያን ኪጽሕፍ ከሎ፡ ንትርጕም ሕጊ ሙሴ ዀነ፡ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ብዙሕ መብርሂ ሃበ። ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዝነበረ እተፈላለየ መሰናድዎታት፡ ትንቢታዊ ኣገዳስነት ከም ዝነበሮ ገለጸ። ንኣብነት፡ መስዋእቲ እንስሳታት ነቲ ናይ ሓቂ ሕድገት ሓጢኣት ዘምጽአ መስዋእታዊ ሞት የሱስ ጽላሎት ነበረ። (እብራውያን 10:1-4) ኣምላኽ ብሞት ክርስቶስ ገይሩ ነቲ ድሕሪ ደጊም ዘየድሊ ሕጊ ኺዳን ደምሲስዎ እዩ።—ቈሎሴ 2:13-17፣ እብራውያን 8:13።
ብዛዕባ ግቡእ ኣወዳድባ ጉባኤ እተዋህበ መምርሒ። እቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነታት ኪስከሙ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰብኡት፡ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዚስዕቡን መንፈሳዊ ብቕዓታት ዜማልኡን ኪዀኑ ይግባእ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-10, 12, 13፣ ቲቶስ 1:5-9) ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ንሓድሕዶም ንምትብባዕ፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣዘውቲሮም ኪእከቡ ኣለዎም። (እብራውያን 10:24, 25) ንኣምልኾ ዚግበር ኣኼባታት ሃናጽን ኣስተምሃርን ኪኸውን ይግባእ።—1 ቈረንቶስ 14:26, 31።
ጳውሎስ ነታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቲ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ፡ ፍርዱ ይጽበ ነበረ። ሒደት ተባዓት ሰባት ጥራይ እዮም ኪበጽሕዎ ኽኢሎም። ጳውሎስ ብህይወት ዚጸንሓሉ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ” በለ። (2 ጢሞቴዎስ 4:7) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰማእት ኰይኑ ኪኸውን ኣለዎ። መልእኽትታቱ ግን፡ ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣምላኽ መምርሒ ይዀናኦም እየን።
—ኣብ ሮሜ፣ 1 ቈረንቶስ፣ 2 ቈረንቶስ፣ ገላትያ፣ ኤፌሶን፣ ፊልጲ፣ ቈሎሴ፣ 1 ተሰሎንቄ፣ 2 ተሰሎንቄ፣ 1 ጢሞቴዎስ፣ 2 ጢሞቴዎስ፣ ቲቶስ፣ ፊልሞን፣ እብራውያን እተመስረተ።