ጢሞቴዎስ ‘ብእምነት ናይ ሓቂ ውሉድ ’
ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ናይ መገሻ ብጻዩ ንኽዀኖ ክሓርዮ ኸሎ ጢሞቴዎስ ብተዛማዲ ንእሽቶ ኢዩ ነይሩ። ሽዑ ኸኣ ኢዩ እቲ ን15 ዓመታት ኣቢሉ ዝቐጸለ ዕርክነት ዝጀመረ። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ዝነበረ ምሕዝነት: ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ” ከምኡውን “ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ” ኢሉ ክሳዕ ዝጽውዖ ኣዝዩ ዝኸረረ ኢዩ ነይሩ።—1 ቈረንቶስ 4:17፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:2
ጢሞቴዎስ ከመይ ዓይነት ሰብ ስለ ዝነበረ ኢዩ ጳውሎስ ክሳዕ ክንድዚ ክሕበነሉ ዝኸኣለ፧ ጢሞቴዎስ እሙን ብጻይ ክኸውን ዝኸኣለ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፍ ተመዝጊቡ ካብ ዘሎ ንጥፈታት ጢሞቴዎስ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
ጳውሎስ ዝሓረዮ
ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ወደ መዝሙር ዝነበረ ጢሞቴዎስ ብ50 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ኣብ እዋን ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዝኡ ንልስጥራ (ሕጂ ኣብዛ ዘመናዊት ቱርኪ እትርከብ) ክበጽሓ ኸሎ ኢዩ ረኺብዎ። እቶም ኣብ ልስጥራን ኢቆንዩምን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ጢሞቴዎስ ጽቡቕ እተዛረቡ: ዕድሚኡ ኣብ ከባቢ 20 ኸሎ ኢዩ ዝኸውን። (ግብሪ ሃዋርያት 16:1-3) ጢሞቴዎስ ምስቲ “ንኣምላኽ ዘኽብር ሰብ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ስሙ ተሰማሚዑ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ካብ ግዜ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ኢዩ ካብ ሎኢስ ዓባዩን ካብ ኤውኒቄ ኣዲኡን ቅዱሳት ጽሑፋት እተማህረ። (2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:14, 15) ንሳተን ክርስትና እተቐበላ ምናልባት ኣብቲ ጳውሎስ ሒደት ዓመታት ኣቐዲሙ ንመጀመርታ ግዜ ነታ ኸተማ ክበጽሓ ኸሎ ኢዩ ዝኸውን። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ኢዩ ንመጻኢ ናይ ጢሞቴዎስ ዝእምት ሓበሬታ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እተረኽበ። (1 ጢሞቴዎስ 1:18) ምስ እዚ መሪሕነት እዚ ብምስምማዕ ድማ ጳውሎስን ሽማግለታት ናይታ ጉባኤን ንፍሉይ ኣገልግሎት ኣእዳዎም ኣብቲ መንእሰይ ኣንበሩ: እቲ ሃዋርያ ድማ ሚስዮናዊ ብጻይ ክዀኖ ሓረዮ።—1 ጢሞቴዎስ 4:14፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:6
ኣቦኡ ዘይኣምን ጽርኣዊ ብምንባሩ: ጢሞቴዎስ ኣይተገዝረን። ርግጽ ኢዩ: ግዝረት ክርስትያናዊ ግዴታ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ነቶም ክበጽሕዎም ዝነበሮም ኣይሁድ ምእንቲ ኸይዕንቅፍዎም ጢሞቴዎስ ምንም እኳ እቲ ግዝረት ዘሳቒ እንተ ነበረ ንኽግዘር ፍቓደኛ ዀነ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:3
ቅድሚኡ ጢሞቴዎስ ከም ኣይሁዳዊ ድዩ ዝቝጸር ነይሩ፧ ገለ ምሁራት ንናይ ራቢ ጽሑፋት ብምጥቃስ: “ናይ ሓደ እተፈላለየ ትውልዲ ካብ ዘለዎም ሰብ ሓዳር ዝውለድ ውሉድ መንነት ዝውሰን ብኣቦ ዘይኰነስ ብኣደ ኢዩ” ዝብል መርትዖ የቕርቡ። እዚ ኸኣ “ኣይሁዳዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣይሁዳውያን ውሉዳት ኢያ እትወልድ” ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር ሸዬ ኮሄን እተባህለ ጸሓፊ: እዚ ኸምዚ ዝበለ “ናይ ራቢ ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ምንባሩ” ከምኡውን እዚ ሕጊ እዚ በቶም ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ይሕሎ ምንባሩ ዘተሓታትት ምዃኑ ገለጸ። ታሪኻዊ መርትዖታት ድሕሪ ምምርማሩ ክድምድም ከሎ ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ሰብኡት እስራኤላውያን ደቂ ኣንስትዮ እንተድኣ ተመርዕዮም “እቶም ካብዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ዝውለዱ ውሉዳት ከም እስራኤላውያን ዝቝጸሩ ዝነበሩ ስድራቤቶም ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ትነብር እንተድኣ ነይራ ዀይና ጥራይ ኢዩ። ኣብ እንዳ ኣዴኻ ክትነብር ከሎኻ ውልድነት ብእንዳ እኖ ኢዩ ዝቝጸር ነይሩ። እስራኤላዊት ጓል ኣንስተይቲ ምስቲ ካብ ኣህዛብ ዝዀነ በዓል ቤታ ክትነብር ናብ ካልእ ሃገር እንተ ኸይዳ ግን ደቃ ከም ኣህዛብ ኢዮም ዝቝጸሩ።” እቲ ይኹን እዚ ብዘየገድስ: ጢሞቴዎስ እተፈላለየ ትውልዲ ዘለዎም ወለዲ ስለ ዝነበርዎ እዚ ኣብቲ ዕዮ ስብከት መኽሰብ ከይነበሮ ኣይተረፈን። ብወገን ኣይሁድ ይኹን ብወገን ኣህዛብ ክመጾ ዝኽእል ሽግር ኣይነበረን: ምናልባትውን ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ሃጓፍ ክደፍን ኣኽኢልዎ ነይሩ ይኸውን ኢዩ።
እቲ ጳውሎስ ናብ ልስጥራ ዝገበሮ ምብጻሕ ኣብ ህይወት ጢሞቴዎስ ነጥበ-መቐይሮ ኢዩ ነይሩ። ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ክስዕብን ምስ ክርስትያን ሽማግለታት ብትሕትና ክተሓባበርን በዓል ምሉእ ድላይ ብምንባሩ: እቲ መንእሰይ ብዙሕ በረኸትን ናይ ኣገልግሎት መሰላትን ረኺቡ ኢዩ። ሽዑ ተገንዚብዎ ይንበር ኣይንበር ብዘየገድስ: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጳውሎስ ብምዃን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ቲኦክራሲያዊ መዝነት ኢዩ ዝጽበዮ ነይሩ: እዚ ኸኣ ካብ ዓዱ ክሳብ እታ ርእሲ ኸተማ ናይቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝነበረት ሮሜ ክኸይድ ዝሓቶ ኢዩ ነይሩ።
ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝድንፍዕ ገበረ
ንንጥፈታት ጢሞቴዎስ ዝገልጽ ምሉእ ጸብጻብ የብልናን: እንተዀነ ግን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ብዙሕ መገሻታት ገይሩ ኢዩ። እታ ቐዳመይቲ እግሩ ምስ ጳውሎስን ሲላስን ኰይኑ ኣብ 50 ከ.ኣ.ዘ. ብንእሽቶ እስያ ሓሊፉ ናብ ኣውሮጳ ዝገበራ ጕዕዞ ኢያ ነይራ። ኣብ ጕዕዝኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ፊልጲ: ተሰሎንቄ: ቤርያ እተገብረ ወፈራ ስብከት ተሳቲፉ ኢዩ። ምጽራር ንጳውሎስ ናብ ኣቴና ኸም ዝሰግር ምስ ገበሮ: ጢሞቴዎስን ሲላስን ግን ነታ ኣብ ቤርያ ቘይማ ዝነበረት ጕጅለ ደቀ መዛሙርቲ ምእንቲ ኽኣልይዋ ኣብኣ ተረፉ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:6–17:14) ጸኒሑ ድማ ጳውሎስ ነታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ሓዳስ ጉባኤ ምእንቲ ኸበራትዓ ንጢሞቴዎስ ሰደዶ። ጢሞቴዎስ ከኣ ንጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ምስ ረኸቦ ብዛዕባ እታ ጉባኤ እትገብሮ ዝነበረት ዕቤት ጽቡቕ ወረ ኣስምዖ።—ግብሪ ሃዋርያት 18:5፣ 1 ተሰሎንቄ 3:1-7
ጢሞቴዎስ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ምስ ሰብ ቈረንቶስ ከም ዝጸንሐ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይገልጽን ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:19) ይኹን እምበር: ኣብ 55 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኢዩ ዝኸውን ጳውሎስ ብዛዕባ ዅነታቶም ዘናውጽ ወረ ስለ ዝበጽሖ ንጢሞቴዎስ ክልእኮ ዝሓሰበ። (1 ቈረንቶስ 4:17፣ 16:10) ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ ጢሞቴዎስ ምስ ኤራስጦስ ካብ ኤፌሶን ናብ መቄዶንያ ተላእኩ። ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ቈረንቶስ ኰይኑ መልእኽቲ ክጽሕፈሎም ከሎ: ጢሞቴዎስ ሽዑውን ምስኡ ኢዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 19:22፣ ሮሜ 16:21
ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ምስ ተበገሰ ጢሞቴዎስን ካልኦት ኣሕዋትን ካብ ቈረንቶስ ምስኡ ወጹ እሞ እንተ ወሓደ ክሳዕ ጥሮኣስ ኣሰንዮምዎ ኢዮም። ጢሞቴዎስ ክሳዕ የሩሳሌም ብዛዕባ ምቕጻሉ ዝፍለጥ ነገር ግን የለን። ይኹን እምበር: ኣብ መእተዊ እተን ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸሎ ብ60-61 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ዝጸሓፈን ሰለስተ መልእኽትታት ተጠቒሱ ኣሎ።a (ግብሪ ሃዋርያት 20:4፣ ፊልጲ 1:1፣ ቈሎሴ 1:1፣ ፊልሞን 1) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ካብ ሮሜ ናብ ፊልጲ ክሰዶ ኢዩ መደብ ነይርዎ። (ፊልጲ 2:19) ጳውሎስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ: ብመሰረት እቲ ሃዋርያ ዝሃቦ መሪሕነት ጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ጸንሐ።—1 ጢሞቴዎስ 1:3
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን መገሻ ቀሊልን ምችኡን ብዘይምንባሩ: እቲ ጢሞቴዎስ ምእንቲ እተን ጉባኤታት ኢሉ ኣዝዩ ብዙሕ ጕዕዞታት ንምግባር ዘርኣዮ ወለንታዊ መንፈስ ብሓቂ ዘንእዶ ኢዩ። (ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 29 ዘላ ሳጹን ርአ።) ሓንቲ ኻብተን ጢሞቴዎስ ክፍጽመን ዝነበሮ ጕዕዞታትን ብዛዕብኡ እንታይ ከም እትሕብረናን ንርአ።
ባህርያት ጢሞቴዎስ ዝሕብር ኢዩ
እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ዝነበሩ ሰብ ፊልጲ መልእኽቲ ጽሒፉ ከምዚ ዝስዕብ ክብሎም ከሎ ጢሞቴዎስ ምስቲ ሃዋርያ ነይሩ ኢዩ:- “ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን እሞ: ኣነ ብዛዕባኻትኩም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ኪብለኒ: ቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩም: ብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር አሎኹ። ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩ: ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል: ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።”—ፊልጲ 1:1, 13, 28-30፣ 2:19-22
እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ጢሞቴዎስ ኣብ ኣመንቲ ብጾት ዝነበሮ ሓልዮት ዘጕልሓ ኢየን። ብመርከብ እንተ ዘይተጓዒዙ ነቲ ናይ ባሕሪ ኣድርያ ሓጺር ኣቋራጭ ሓዊስካ እቲ ኻብ ሮሜ ናብ ፊልጲ ብእግሪ ዝግበር ጕዕዞ 40 መዓልቲ: እንደገና ናብ ሮሜ ክትምለስ ድማ ካልእ 40 መዓልቲ ይወስድ ነበረ። ጢሞቴዎስ ንኣሕዋቱን ኣሓቱን ንምግልጋል እቲ ዝድለ ዘበለ ዅሉ ክገብር ድሉው ኢዩ ነይሩ።
ሰፊሕ ጕዕዞታት እኳ ይገብር እንተ ነበረ: ሳሕቲ ግን ጥዕና ይስእን ነበረ። ገለ ዓይነት ናይ ከብዲ ጸገምን ‘ዝመላለሶ ሕማምን’ ነይርዎ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:23) ይኹን እምበር: ምእንቲ ወንጌል ምሉእ ነፍሱ ወፍዩ ኢዩ። ጳውሎስ ምስኡ ናይ ማሕርሮ ምሕዝነት እንተ ገበረ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን!
ካብቲ እቲ ሃዋርያ ዝገበረሉ ጽልዋን ክልቲኦም ብሓባር ካብ ዝረኸብዎ ተመክሮን: ጢሞቴዎስ ባህርያት ጳውሎስ ከንጸባርቕ ከም ዝኸኣለ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ክነግሮ ዝኸኣለ:- “ንስኻ ግና ንትምህርተይ: ንንብረተይ: ንፍቓደይ: ንእምነተይ: ንዓቕለይ: ንፍቕረይ: ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዐብካ። ኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ዝበጽሓኒ ስደተይ: መከራይ: ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ።” ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ንብዓቱ ኣፍሲሱ: ኣብ ጸሎቱ ዘኪርዎ: ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ድማ ኣብ ጐድኑ ኰይኑ ብብርቱዕ ጻዕሪ ኣገልጊሉ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 1:3, 4፣ 3:10, 11
ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ‘ነታ ንእስነቱ ሓደ እኳ ኸይንዕቃ’ ኣተባቢዕዎ ኢዩ። እዚ ኸኣ ጢሞቴዎስ ሓፋርን ስልጣኑ ካብ ምጥቃም ድሕር ዝብልን ዓይነት ሰብ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:12፣ 1 ቈረንቶስ 16:10, 11) ይኹን እምበር: ዋላ ሓደ ከይደገፎ ዕዮኡ ክፍጽም ይኽእል ብምንባሩ ጳውሎስ ሓላፍነት ዝጸውር ሰብ ክልእኽ ኣብ ዝደልየሉ ዝነበረ እዋን ልቡ ኣውዲቑ ንጢሞቴዎስ ይሰዶ ነበረ። (1 ተሰሎንቄ 3:1, 2) ጳውሎስ እታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ ጽኑዕ ቲኦክራሲያዊ ምዕዛብ ከም ዘድልያ ምስ ተገንዘበ: ‘ገሊኦም ካልእ ምህሮ ከይምህሩ ንኽእዝዝ ’ ኣብኡ ክጸንሕ ንጢሞቴዎስ ሕድሪ ሂብዎ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:3) ጢሞቴዎስ ብዙሕ ሓላፍነታት ተዋሂብዎ እኳ እንተ ነበረ: ትሑት ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ እውን ሓፋር ነይሩ ክኸውን ይኽእል እኳ እንተ ነበረ: ተባዕ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ነቲ ብሰንኪ እምነቱ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝነበረ ጳውሎስ ንምሕጋዝ ናብ ሮሜ ከይዱ ኢዩ። አረ ንሱውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ከይኰነ ኣይተርፍን ተኣሲሩ ነይሩ ኢዩ።—እብራውያን 13:23
ጢሞቴዎስ ካብ ጳውሎስ ብዙሕ ትምህርቲ ከም ዝቐሰመ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እተን ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከባ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ኰይኑ እቲ ሃዋርያ ዝጸሓፈን ክልተ መልእኽትታት ነቲ ኣብ መዓይይቱ ዝነበሮ ሓልዮት ዘረጋግጻ ኢየን። ኣብ 65 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ጳውሎስ እታ ሰማእት ኰይኑ ዝሞተላ እዋን ትቐርብ ምህላዋ ምስ ተገንዘበ እንደገና ንጢሞቴዎስ ጸውዖ። (2 ጢሞቴዎስ 4:6, 9) ሃዋርያ ጳውሎስ ቅድሚ ምቕታሉ ጢሞቴዎስ ክረኽቦ ክኢሉ ድዩ ኣይከኣለን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይገልጽን ኢዩ።
ድሉው ኩን!
ካብቲ ጢሞቴዎስ ዝገደፎ ሰናይ ኣብነት ብዙሕ ትምህርቲ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ንሱ ካብቲ ምስ ጳውሎስ ዝነበሮ ሕብረት ብዙሕ ረብሓ ስለ ዝረኸበ ካብ ሓፋር መንእሰይ ናብ ተዓዛቢ ምዃን በጽሐ። ሎሚውን ኵሎም ክርስትያን መንእሰያት: ወዶም ጓሎም: ካብቲ ኸምኡ ዝኣመሰለ ሕብረት ብዙሕ ክረብሑ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣገልግሎት የሆዋ ክፍሊ ናብርኦም እንተድኣ ገይሮምዎ ኸኣ ዓስቢ ዘለዎ ዕዮ ክዓዘሎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58) ኣብታ ዘለዉዋ ጉባኤ ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: ወይ ድማ ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝድለይሉ ከባቢታት ከይዶም ከገልግሉ ይኽእሉ ኢዮም። ናብ ካልእ ሃገር ኬድካ ዝግበር ዕዮ ሚስዮናውነት ወይ ድማ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ኣብ ሓደ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እታ ማሕበር ኴንካ ዝግበር ኣገልግሎት ገለ ኻብቲ ብዙሕ ተኽእሎታት ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ኵሎም ክርስትያናት ብምሉእ ነፍሶም ንየሆዋ ብምግልጋል ልክዕ ከምቲ ጢሞቴዎስ ዘርኣዮ መንፈስ ከንጸባርቑ ይኽእሉ ኢዮም።
ኣብቲ የሆዋ በቲ ዘሎካ ብቕዓት ክህበካ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን መዝነት ኴንካ ንረብሓ ማሕበሩ ምእንቲ ኽትዓዪ: ዘየቋርጽ መንፈሳዊ ዕቤት ንምግባር ትብህግዶ፧ እዚ ባህጊ እዚ እንተድኣ ኣልዩካ ከምቲ ጢሞቴዎስ ዝገበሮ ግበር። ክሳዕ እቲ ዓቕምኻ ዝፈቕደልካ ድሉው ኩን። ኣብ መጻኢ ኣየናይ ዓይነት መሰል ኣገልግሎት ከም ዝኽፈተልካ መን ይፈልጥ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a ጢሞቴዎስ ኣብ ካልኦት ኣርባዕተ መልእኽትታት ጳውሎስ እውን ተጠቒሱ ኢዩ።—ሮሜ 16:21፣ 2 ቈረንቶስ 1:1፣ 1 ተሰሎንቄ 1:1፣ 2 ተሰሎንቄ 1:1
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
‘ከምታ ነፍሰይ ዝሓስብ ብዘይካኡ ሓደ እኳ የብለይን’