ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 23 ገጽ 26
  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተዘርግሐ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተዘርግሐ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣጆኻ፡ የሆዋ ረዳኢኻ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነቲ ብስራት ምምጓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • “ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 23 ገጽ 26
ጳውሎስ ኣብ ኣቴና መደረ የቕርብ

ክፋል 23

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተዘርግሐ

ጳውሎስ ብምድርን ብባሕርን ናይ ስብከት ጕዕዞታት ገበረ

ጳውሎስ ክርስትያን ምስ ኰነ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብውዕዉዕ መንፈስ ሰበኸ። ነዚ ሓደ እዋን ተጻራሪ ዝነበረ ሰብ ድማ፡ ብርቱዕ ምጽራር ኣጋጠሞ። እዚ ዘይደክም ሃዋርያ እዚ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ፡ ማለት ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ እትፍጽም መንግስቲ ንምስባኽ፡ እተፈላለየ ናይ ስብከት ጕዕዞታት ገይሩ እዩ።

ጳውሎስ ኣብ ቀዳማይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ፡ ኣብ ልስጥራ ንሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ ኣሕወዮ። እቶም ህዝቢ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ጳውሎስን እቲ መጋይሽቱ ዝነበረ በርናባስን ኣማልኽቲ ኸም ዝዀኑ ኺጭድሩ ጀመሩ። እቶም ክልተ ሰብኡት ግን፡ መስዋእቲ ንኸይቀርበሎም ብሓይለ ገደል ከልከልዎም። እቶም ህዝቢ ብጸላእቲ ጳውሎስ ምስ ተጸልዉ ግን፡ ጸኒሖም ንጳውሎስ ብእምኒ ፈጽፈጽዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም ድማ ሓዲጎምዎ ኸዱ። ጳውሎስ ካብ ሞት ድሒኑ፡ ናብታ ኸተማ ተመልሰ፡ ንደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብዜተባብዕ ቃላት ኣበራትዖም።

ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት፡ ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣመንቲ ንሕጊ ሙሴ ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ተማጐቱ። ጳውሎስ ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣቕረቦ። ንሳቶም ድማ ተጠንቂቖም ቅዱሳት ጽሑፋት ድሕሪ ምምርማሮምን ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዚህቦም መምርሒ ድሕሪ ምቕባሎምን፡ ነተን ጉባኤታት ጸሓፉለን፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦትን ደምን ሕኑቕን ዝሙትን ኪርሕቃ ኸኣ መዓድወን። እዚ ትእዛዝ እዚ “እተገብኤ” ነበረ፣ ክርስትያናት ነዚ ንኺሕልዉ ድማ፡ ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ኣየድለዮምን።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29።

ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ፡ ናብታ ሕጂ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ቤርያ በጽሐ። እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ዝነበሩ ኸኣ፡ ነቲ ትምህርቱ ንምርግጋጽ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልታዊ እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን፡ ምጽራር ስለ ዘጋጠሞ፡ ናብ ኣቴና ኪኸይድ ተገደደ። ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ምሁራት ሰብ ኣቴና ደው ኢሉ ኸኣ፡ ሜላን ምስትውዓልን ክእለት ዘረባን ዜርኢ ሓያል መደረ ኣቕረበ።

ጳውሎስ ሳልሳይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ ድሕሪ ምግባሩ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። ኣብኣ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ከደ፡ ገሊኦም ኣይሁድ ኪቐትልዎ ደልዮም፡ ናዕቢ ኣለዓሉ። ወተሃደራት ሮሜ ጣልቃ ኣትዮም፡ ንጳውሎስ መርመርዎ። ሮማዊ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ብሮሜ እተሸመ ፌሊክስ ዚበሃል ምስለኔ ንጕዳዩ ተማጐተ። እቶም ኣይሁድ ነቲ ዘቕረቡሉ ኽሲ ዚድግፍ መርትዖ ኣይረኸቡን። ጸኒሑ፡ ፌስጦስ ዚበሃል ካልእ ምስለኔ ንጳውሎስ ናብ ኣይሁድ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምስ ሓሰበ፡ ጳውሎስ፡ “ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ አሎኹ” በለ። ፌስጦስ ከኣ፡ “ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” በሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 25:11, 12።

ወተሃደራት ሮሜ ንጳውሎስ ካብ ማእከል እተቘጥዑ ጭፍራ የህድምዎ

ድሕሪኡ ጳውሎስ ንኺፍረድ፡ ብመርከብ ናብ ኢጣልያ ኸደ። ኣብ ጕዕዞኡ፡ እታ ዝነበራ መርከብ ተሰብረት፡ ኣብ ደሴት መሊጠ ድማ ቈራሪ ወርሓት ኬሕልፍ ተገደደ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ሮሜ ምስ በጽሐ፡ ኣብ እተኻረያ ቤት ንኽልተ ዓመት ጸንሐ። ብወተሃደር ይሕሎ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኪበጽሕዎ ዝመጹ ሰባት ካብ ምእዋጅ ግን ኣየቋረጸን።

—ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 11:22–28:31 እተመስረተ።

  • ጳውሎስ ኣብ ልስጥራ ንሓደ ልሙስ ሰብኣይ ምስ ኣሕወዮ እንታይ ኵነታት ተፈጥረ፧

  • ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ምሕላው እተላዕለ ሕቶ ብኸመይ ተፈትሐ፧

  • ጳውሎስ ናብ ሮሜ ዝኸደሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ኣብኡ ኸሎኸ እንታይ ይገብር ነበረ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ