ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 20 ገጽ 23
  • የሱስ ክርስቶስ ተቐትለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ክርስቶስ ተቐትለ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድራር ጐይታ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • እታ ኣብ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ዝነበረት ናይ መወዳእታ መዓልቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ክርስቶስ ኣሕሊፍካ ተዋህበን ተታሕዘን
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ናይ ዝኽሪ ድራር
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 20 ገጽ 23
የሱስ

ክፋል 20

የሱስ ክርስቶስ ተቐትለ

የሱስ ሓድሽ በዓል ኣቘመ፣ ተኸድዐን ተሰቕለን

የሱስ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ሰበኸን ምስ መሃረን፡ ምድራዊ ህይወቱ ዜብቅዓሉ ግዜ ይቐርብ ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነበረ። መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንኪቐትልዎ ውዲት ይኣልሙሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብቶም ከም ነብዪ ዝርእይዎ ዝነበሩ ህዝቢ ናዕቢ ኸይለዓል ግን ፈርሁ። እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ሰይጣን ነቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚበሃል ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት የሱስ፡ ንጐይታኡ ኸም ዚኸድዖ ገበረ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንይሁዳ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኼትሕዞ ኢሎም፡ 30 ቕርሺ ብሩር ሃብዎ።

ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ብሓባር ፋስጋ ኣብዓለ። ንይሁዳ ድሕሪ ምስጓጉ ኸኣ፡ ድራር ጐይታ ዚበሃል ሓድሽ በዓል ኣተኣታተወ። እንጌራ ኣልዒሉ፡ ጸልዩ፡ ነቶም ዝተረፉ 11 ሃዋርያቱ ሃቦም። “እዚ ምእንታኹም ዚውሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በሎም። ወይኒ ኣልዒሉ እውን፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ” በለ።—ሉቃስ 22:19, 20።

የሱስ በታ ለይቲ እቲኣ ንሃዋርያቱ ብዙሕ ዚነግሮም ነገራት ነይርዎ እዩ። ንሓድሕዶም ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ንኼርእዩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ ሃቦም። “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:34, 35) ልቦም በቲ ቐሪቡ ዝነበረ ዜሕዝን ፍጻመ ኸይሽበር ኣተባብዖም። ምእንታኦም ድማ ካብ ልቡ ጸለየ። ብሓባር መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ብለይቲ ኻብታ ዝነበርዋ ቤት ወጹ።

ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ምስ በጽሑ፡ የሱስ ተምበርኪኹ ኣብ ልቡ ዘሎ ዅሉ ብጸሎት ኣፍሰሰ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እተዓጥቁ ወተሃደራትን ካህናትን ካልኦት ሰባትን ኪሕዝዎ መጹ። ይሁዳ ንየሱስ ምእንቲ ኺፈልጥዎ ኢሉ፡ ናብኡ ቐሪቡ ሰዓሞ። እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ኪኣስርዎ ኸለዉ፡ ሃዋርያቱ ሃደሙ።

የሱስ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ምስ ቀረበ፡ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ገለጸ። እቲ ቤት ፍርዲ ንየሱስ፡ ንኣምላኽ ከም እተጻረፈ ገይሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ብሞት ኪቕጻዕ ፈረዶ። ድሕሪኡ፡ ንየሱስ ናብቲ ሮማዊ ምስለኔ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ወሰድዎ። ንሱ ድማ ንየሱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ገበን ንጹህ ኰይኑ እኳ እንተ ረኸቦ፡ ናብቶም ኪመውት ዚደልይዎ ዝነበሩ ህዝቢ ግን ኣሕሊፉ ሃቦ።

ድሕሪኡ ናብ ጐልጎታ ወሰድዎ፡ ኣብኡ ድማ ወተሃደራት ሮሜ ኣብ ዕንጨይቲ ሸንከርዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቀትሪ ምድሪ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ጸልመተ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ድሕሪ ቐትሪ የሱስ ሞተ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ዀነ። ስጋኡ ኣብ በዓቲ ተነብረ። ንጽብሒቱ፡ ካህናት ነቲ መቓብር ዓጸውዎ፡ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ድማ ሓለውቲ ገበሩሉ። እሞኸ ኣብቲ መቓብር ተዓጽዩ ተሪፉዶ፧ ኣይፋል። ካብ ኵሉ ዝዓበየ ተኣምር ዚፍጸመሉ ግዜ ቐሪቡ ነበረ።

—ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 26ን 27ን፣ ማርቆስ ምዕራፍ 14ን 15ን፣ ሉቃስ ምዕራፍ 22ን 23ን፣ ዮሃንስ ምዕራፍ 12 ኽሳዕ 19 እተመስረተ።

  • የሱስ እንታይ ሓድሽ በዓል እዩ ዘቘመ፧

  • የሱስ ቅድሚ ሙማቱ እንታይ ነገራት እዩ ዘጋጠመ፧

የሱስ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ

ሞት የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ግደ ኣበርኪቱ እዩ። የሱስ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ስለ እተጠንሰ፡ ፍጹም ኰይኑ እዩ ተወሊዱ፡ ሞት እውን ኣይወረሰን። ኰይኑ ግን፡ ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ምእንቲ ኺነብሩን ነቲ ዘይእዙዝ ኣዳም ንዘርኡ ዘጥፈኣሎም ዓይነት ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡን ኢሉ፡ ህይወቱ ኣሕሊፉ ሃበ።a—ማቴዎስ 20:28፣ ሉቃስ 1:34, 35፣ ዮሃንስ 3:16, 36፣ 2 ጴጥሮስ 3:13።

a ሞት የሱስ ከም መስዋእቲ መጠን ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ