ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 21 ገጽ 24
  • የሱስ ህያው ኰነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ህያው ኰነ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሃዋርያት ብትብዓት ሰበኹ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ኣምላኽ ንወዱ ዘከሮ
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • የሱስ ተንስአ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • የሱስ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ትንቢት ተነበየ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 21 ገጽ 24
የሱስ ናብ ሰማይ ይዓርግ

ክፋል 21

የሱስ ህያው ኰነ

የሱስ ንሰዓብቱ ተራእዮም፡ መምርሕን መተባብዕን ድማ ሃቦም

ካብታ የሱስ ዝሞተላ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ገሊአን ደቀ መዛሙርቱ ዝዀና ኣንስቲ፡ እቲ ንመቓብሩ ዚኸድን እምኒ ተገልቢጡ ጸንሐን። እቲ መቓብር እውን ጥራዩ ነበረ።

ክልተ መላእኽቲ ነተን ኣንስቲ ተራእይወን። እቲ ሓደ ድማ፡ “ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ አሎኽን። ተንሲኡ” በለን። (ማርቆስ 16:6) እተን ኣንስቲ ተቐላጢፈን ንሃዋርያት ኪነግራኦም ጐየያ። ኣብ መገዲ፡ የሱስ ተጓነፈን። ንሱ ድማ፡ “ኣይትፍርሃ፡ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም” በለን።—ማቴዎስ 28:10።

ድሕሪ እተወሰነ ግዜ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኻብ የሩሳሌም ናብ ኤማሁስ እትበሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። ሓደ ጋሻ ምሳታቶም እናኸደ፡ ብዛዕባ እንታይ ይዘራረቡ ኸም ዘለዉ ሓተቶም። እቲ ጋሻ ኣብ መጀመርታ ኼለልይዎ ብዘይክእሉ መልክዕ መጺኡ ደኣ እምበር፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ እዩ ነይሩ። ኣብ ገጾም ጓሂ እናተነበ፡ ብዛዕባ የሱስ ይዘራረቡ ኸም ዘለዉ ነገርዎ። እቲ ጋሻ ነቲ ንመሲሕ ዚምልከት ኣብ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓሳባት ገለጸሎም። እወ፡ የሱስ ንዅሉ እቲ ንመሲሕ ዚምልከት ትንቢታት ብዝርዝር ፈጺምዎ እዩ።a እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ጋሻ መንፈስ ኰይኑ ዝተንስአ የሱስ ምዃኑ ምስ ፈለጡ፡ ንሱ ኻባታቶም ተሰወረ።

እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ብኡንብኡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ኣብኡ ኸኣ፡ ሃዋርያት ኣብ ዕጽውቲ ቤት ጸንሕዎም። እቶም ክልተ ዘጋጠሞም ከዘንትዉ ኸለዉ፡ የሱስ ተራእዮም። እቶም በዚ እተደነቑ ሰዓብቱ፡ ዝረኣይዎ ኺኣምኑ ኣይከኣሉን። የሱስ ከኣ፡ “ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዐል፧” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ” ከም ዚግባእ ነገሮም።—ሉቃስ 24:38, 46።

የሱስ ካብታ ዝተንስኣላ መዓልቲ ኣትሒዙ፡ ን40 መዓልቲ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንልዕሊ 500 ተራእዮም። ምናልባት ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ እዩ ዚኸውን፡ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ከቢድ ዕዮ ዝሃቦም።—ማቴዎስ 28:19, 20።

ኣብቲ ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ንመወዳእታ ግዜ እተራኸበሉ ኣጋጣሚ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ . . . ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ድሕሪኡ፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ደበና ድማ ጋረዶ።

—ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 28፣ ማርቆስ ምዕራፍ 16፣ ሉቃስ ምዕራፍ 24፣ ዮሃንስ ምዕራፍ 20ን 21ን፣ 1 ቈረንቶስ 15:5, 6 እተመስረተ።

a ገለ ኻብቲ ኣብ የሱስ እተፈጸመ መሲሓዊ ትንቢታት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ክፋል 14፡ ክፋል 15፡ ክፋል 16፡ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ከምኡውን ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ “የሱስ ክርስቶስ—እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ” ርአ።

  • ኣምላኽ ንየሱስ ከም ዘተንሰኦ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብኸመይ ፈለጡ፧

  • የሱስ ነቶም ናብ ኤማሁስ ዚኸዱ ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ገለጸሎም፧

  • የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ መምርሒ ሃቦም፧

መንፈስ ቅዱስ

ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ኵሉ ዚብርትዕ ሓይሊ እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንመንፈሱ፡ ወይ ነዚ ንጡፍ ሓይሉ፡ ንሰማያትን ንምድርን ንምፍጣር፡ ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጸሓፍ ንምግባር ተጠቒሙሉ እዩ። ኵሉ እቲ ዘንበብናዮ ተኣምራት፡ እንተላይ እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ተኣምር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ሓያል መንፈሳዊ ህይወት ሒዙ ዝተንስኣሉ ኣጋጣሚ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ተፈጺሙ።—ዘፍጥረት 1:2፣ 2 ሳሙኤል 23:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:38፣ 1 ጴጥሮስ 3:18።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ