ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 19 ገጽ 22
  • የሱስ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ትንቢት ተነበየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ትንቢት ተነበየ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሃዋርያት፡ ምልክት ሓተቱ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ኣርማጌዶን ከም ዝቐረበት ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ብዛዕባ “መወዳእታ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ህላወ ክርስቶስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 19 ገጽ 22
የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ፡ ምስ ገለ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ይዘራረብ

ክፋል 19

የሱስ ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ትንቢት ተነበየ

የሱስ ንጉሳዊ ስልጣኑ ሒዙ ምህላዉን መደምደምታ እዚ ስርዓት ምቕራቡን ዚሕብር ምልክታት ኣቐዲሙ ገለጸ

የሱስ ኣብቲ ንየሩሳሌምን ንቤተ መቕደሳን ከተማዕድወሉ እትኽእል ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ኣርባዕተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እተዛረቦ ነገር ሓተትዎ። ቀቅድሚ እቲ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ከም እትዓኑ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ኣቐዲሙ ኸኣ፡ ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም፡” ማለት ብዛዕባ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ፡ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 13:40, 49) ስለዚ እቶም ሃዋርያቱ፡ “ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።—ማቴዎስ 24:3።

የሱስ ኪምልሰሎም ከሎ፡ ቀቅድሚ ጥፍኣት የሩሳሌም ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት ነገሮም። እቲ ቓላቱ ግን፡ ካልእ ዝሰፍሐ ትርጕም እውን ነይርዎ እዩ። ሽዑ እተነበዮ ትንቢት፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ብዝዓበየ መገዲ ኺፍጸም ነበሮ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ኸም ትእምርቲ ወይ ምልክት ዚኸውን እተፈላለየ ፍጻመታትን ኵነታትን ተነበየ። እቲ ምልክት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ከም ዘሎ ዚሕብር እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ፡ ንጉስ እታ ቕድሚ ነዊሕ እዋን መብጽዓ እተገብረላ መሲሓዊት መንግስቲ ኸም ዝገበሮ ዜመልክት እዩ። እዚ ድማ፡ እታ መንግስቲ ንእከይ እተወግደሉን ንደቂ ሰብ ናይ ሓቂ ሰላም እተምጽኣሉን ግዜ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር እዩ። ስለዚ፡ እቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት፡ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ሕጂ ዘሎ ኣረጊት ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ስርዓት ኣብቂዑ፡ ሓድሽ ስርዓት ድማ ዚጅምር ዚሕብር እዩ።

የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ከሎ፡ ኣብ ምድሪ ውግእን ጥሜትን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ፌራን ከም ዚኸውን ሓበረ። ዓመጻ ኸም ዚበዝሕ ገለጸ። ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኸም ዚሰብኩ ነገረ። እዚ ዅሉ፡ ኣብቲ ኸምኡ ዝበለ ዀይኑ ዘይፈልጥ “መከራ” ኼብቅዕ እዩ።—ማቴዎስ 24:21።

ሰዓብቲ የሱስ እቲ መከራ መዓስ ከም ዚጅምር ብኸመይ ኪፈልጡ ይኽእሉ፧ የሱስ፡ “ካብ ኦም በለስ ተምሀሩ” በለ። (ማቴዎስ 24:32) ጨናፍራ ኺጥጥዕ ከሎ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ይሕብር። ብተመሳሳሊ፡ ኵሉ እቲ የሱስ እተነበዮ ትእምርቲ ወይ ምልክት፡ ኣብ ሓደ እዋን ኪፍጽም ከሎ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ኺፍለጥ ይከኣል። እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግን፡ ኣቦ ጥራይ ከም ዚፈልጣ፡ የሱስ ገለጸ። ስለዚ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ” በሎም።—ማርቆስ 13:33።

—ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ን፣ ማርቆስ ምዕራፍ 13፣ ሉቃስ ምዕራፍ 21 እተመስረተ።

  • ሃዋርያት የሱስ ብዛዕባ እንታይ እዮም ኪፈልጡ ደልዮም ነይሮም፧

  • እቲ የሱስ ዝሃቦ ትእምርቲ ወይ ምልክት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ከም ትእምርቲ ዀይኑ ዜገልግልከ እንታይ እዩ፧

  • የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧

ክርስቶስ ነጊሱ ኸም ዘሎ ዚሕብር ትእምርቲ

ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዘሎ ብልሹው ስርዓት ዜጥፍኣሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር ትእምርቲ ወይ ምልክት፡ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ደቂ ሰብ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዞም፡ ነቲ የሱስ እተነበዮ ኺፍጸም ርእዮምዎ እዮም። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘሎ፡ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ምዕባለታት፡ ብቕልጡፍ ናብቲ ዘይተርፍ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እዩ ዚመርሕ ዘሎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንቕሑ” ኢሉ ኣብ ርእሲ ምልባዉ፡ ኣብ ጕዳይ ልዑላውነት፡ ኣብ ጐድኒ ኣምላኽ ንምቛም ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስዱ ምሂርዎም እዩ።a—ሉቃስ 21:36፣ ማቴዎስ 24:3-14።

a ብዛዕባ የሱስ እተዛረቦ ትንቢት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ኣብ ምዕራፍ 9 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ