ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp2 ምዕ. 33 ገጽ 273-278
  • ስለምንታይ እየ ኻብ ስእለ-ጽዩፍ ክርሕቕ ዘሎኒ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ እየ ኻብ ስእለ-ጽዩፍ ክርሕቕ ዘሎኒ፧
  • መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ዅነታት ምግምጋሙ
  • ተወሊፍካ እንተ ዄንካ
  • ስእለ ጽዩፍ—ጕድኣት ዘይብሉ ድዩ ወይስ ሓደገኛ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ስእለ ጽዩፍ ስእለ ጽዩፍ
    ንቕሑ!—2013
  • ካብ መጻወድያ ሰይጣን ንምምላጥ ዜኽእል ዕቝባ ብኸመይ ንረክብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • መጻምድትኺ ስእለ ጽዩፍ ምስ ዚርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
yp2 ምዕ. 33 ገጽ 273-278

ምዕራፍ 33

ስለምንታይ እየ ኻብ ስእለ-ጽዩፍ ክርሕቕ ዘሎኒ፧

ክንደይ ሳዕ እዩ ብሃንደበት ስእለ-ጽዩፍ ዜጓንፈካ፧

□ ዋላ ሓንቲ

□ ሳሕቲ

□ ኵሉ ሳዕ

መብዛሕትኡ ግዜ ኣበይ እዩ እዚ ዜጓንፈካ፧

□ ኣብ ኢንተርነት

□ ኣብ ቤት ትምህርቲ

□ ኣብ ቲቪ

□ ኣብ ካልእ

ሽዑ እንታይ ትገብር፧

□ ብኡብኡ ገጸይ እመልስ።

□ ካብ ሃንቀውታ እተላዕለ ቝሩብ እርኢ።

□ ኣዒንተይ ተኺለ እጥምቶ፡ ካልእ እውን አናዲ።

ወለድኻ ኣብዚ ናትካ ዕድመ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ስእለ-ጽዩፍ ኪርእዩ ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት ኣናድዮም እዮም ዚረኽብዎ ነይሮም። ሎሚ ግን ስእለ-ጽዩፍ እዩ ኣናድዩ ዚረኽበካ። ሓንቲ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ፡ “ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኢንተርነት ክርኢ ወይ ክዕድግ ከለኹ፡ ዋላ እውን ናይ ባንክ ሕሳበይ ክኸፍት ከለኹ፡ ብሃንደበት ስእለ-ጽዩፍ ይመጽእ!” በለት። እዚ ዘይልሙድ ነገር ኣይኰነን። ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ 90 ሚእታዊት ካብቶም ካብ 8 ኽሳዕ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን መንእሰያትን፡ ከይፈለጡ ስእለ-ጽዩፍ ከም ዝኸፈቱ ገሊጾም እዮም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ዕዮ ትምህርቶም እናዓየዩ እዩ ኸምኡ ኣጋጢምዎ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ‘ስእለ-ጽዩፍ ክሳዕ ክንድቲ ሕማቕ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ‘እወ’ ዚብል እዩ። ስእለ-ጽዩፍ ነቶም ኣብኡ ዚሳተፉን ነቶም ዚምልከትዎን የሕስሮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ናብ ጾታዊ ሓጢኣት የሰጋግር እዩ። እቲ ጕድኣት ግን በዚ ኣየብቅዕን እዩ።

ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ፡ ነባርን ጐዳእን ሳዕቤናት ዜስዕብ ኣመል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ ካብ ዚሓድጎ 14 ዓመት ዘሕለፈ ጀፍ ዝስሙ ሰብኣይ፡ “መዓልታዊ ቓልሲ እዩ ዚዀነኒ። ዋላኳ ነቲ ትምኒተይ እንተ ተቘጻጸርክዎ፡ ፈጺሙ ግን ኣይጠፍአን። እቲ ሃንቀውታ ኽሳዕ ሕጂ ኣይጠፍአን። እቲ ዝረኣኽዎ ስእልታት እውን ካብ ኣእምሮይ ኣይተሓከን። ነዚ ዜፈንፍን ተግባር እንተ ዘይጅምሮ ምሓሸኒ። ኣብ ፈለማ ጕድኣት ዘይብሉ ይመስል ነበረ። ሕጂ ግን ፈሊጠዮ እየ። ስእለ-ጽዩፍ ጐዳእን ብልሹውን ምስኡ ንዚተናኸፍ ዘበለ ኸኣ ዜሕስርን እዩ። ተጣበቕቱ ዚብልዎ ብዘየገድስ፡ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን” በለ።

ነቲ ዅነታት ምግምጋሙ

ብዘይፍላጥ እውን እንተ ዀነ ስእለ-ጽዩፍ ከየጓንፈካ ብኸመይ ክትጥንቀቕ ትኽእል፧ ፈለማ፡ ነቲ ዅነታት መርምሮ። ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዜጋጥመካ ኸተለሊ ትኽእልዶ፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ርአ፦

ገሊኦም መማህርትኻ ብኢ-መይል ወይ ብሞባይል ተሌፎን ገይሮም ስእለ-ጽዩፍ ይልእኩልካ ድዮም፧ ከምኡ ዚገብሩ እንተ ዀይኖም፡ መልእኽትታቶም ከይከፈትካ ኽትድምስሶ ኣሎካ።

ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ ገሊኡ ቓላት ምርምር ንምግባር ኣብ እትፍትነሉ እዋን፡ ናብ ስእለ-ጽዩፍ ዚዕድም ነገር ባዕሉ ይመጽእ ድዩ፧ እዚ ኺመጽእ ከም ዚኽእል ምፍላጥካ፡ ኣብቲ ምርምር ክትገብረሉ እተእትዎ ቓላት ብዝያዳ ንጹርን ጥንቁቕን ንኽትከውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ስእለ-ጽዩፍ ከም ዜጓንፈካ ዝገበረ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ኣብ ታሕቲ ዘርዝሮ።

․․․․․

ብሃንደበት ዜጓንፈካ ስእለ-ጽዩፍ ብዝሑ ንምንካዩ ወይ ንምውጋዱ ገለ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ኣሎዶ፧ እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዝመደብካ ኣብ ታሕቲ ጸሓፎ።

․․․․․

ተወሊፍካ እንተ ዄንካ

ብሃንደበት ስእለ-ጽዩፍ ኬጋጥመካ ሕማቕ እኳ እንተ ዀነ፡ ኰነ ኢልካ ንስኻ ኸተናድዮ ግን ዝገደደ ነገር እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ልማድ እንተ ዀይኑካኸ፧ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ልማድ ሓራ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ኣእዳውካ ብሓንቲ ፈትሊ ተኣሲሩ ንበል። ኣእዳውካ ንምፍልላይ፡ ነቲ ፈትሊ ብቐሊሉ ኽትበትኮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ፈትሊ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ኣእዳውካ እንተ ተጠምጢሙኸ፧ ሓራ ምውጻእ ዝያዳ እዩ ዜጸግመካ። እቶም ልማድ ኰይንዎም ስእለ-ጽዩፍ ዚርእዩ ተመሳሳሊ ሽግር እዩ ዘለዎም። ዝያዳ ብዝረኣዩ መጠን፡ ብዝያዳ ኸኣ ብእኡ ይእሰሩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ብኸመይ ኢኻ ሓራ ኽትወጽእ እትኽእል፧

እንታይነት ስእለ-ጽዩፍ ተረዳእ። ስእለ-ጽዩፍ ነቲ የሆዋ ኽቡር ገይሩ ዝፈጠሮ ነገር ንምሕሳር ሰይጣን ካብ ዚገብሮ ፈተነ ፈሊኻ ዚርአ ኣይኰነን። ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምሓዝካ፡ ‘እከይ ንኽትጸልእ’ ኪሕግዘካ እዩ።—መዝሙር 97:10

ሳዕቤናቱ ኣብ ግምት ኣእቱ። ስእለ-ጽዩፍ ንሓዳር የፍርስ። ነቶም ኣብኡ ዚረኣዩ የሕስሮም። ነቲ ዚርእዮ ሰብ የዋርዶ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ምባሉ እምበኣር ሓቁ እዩ። (ምሳሌ 22:3) ስእለ-ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ልማድ እንተ ኣጥሪኻ፡ እንታይ እከይ ኬስዕበልካ ኸም ዚኽእል ኣብ ታሕቲ ጽሓፍ።

․․․․․

ቈራጽነት ግበር። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ፡ “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧” በለ። (እዮብ 31:1) ገለ ኻብቲ ንስኻ ኽትኣትዎ እትኽእል “ኪዳን” ስዒቡ ተዘርዚሩ ኣሎ፦

ኣብ ሓደ ኽፍሊ በይነይ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኢንተርነት ኣይክጥቀምን እየ።

ዝዀነ ይኹን ብሃንደበት ዚመጽእ ናብ ስእለ-ጽዩፍ ዚዕድም ነገር ወይ ብዕሉግ ወብ ሳይት ብኡንብኡ ኽዓጽዎ እየ።

እዚ ልማደይ እንተ ተመሊሱኒ፡ ንሓደ ብሱል ፈታውየይ ከዘራርብ እየ።

ምስ ስእለ-ጽዩፍ ኣብ እትገብሮ ቓልሲ ኺሕግዘካ ዚኽእል፡ ሓደ ወይ ክልተ ኽትገብሮ ዚግባእ ቘራጽነት ክትሓስብ ትኽእልዶ፧ ነዚ ኣብዚ ዘርዝሮ።

․․․․․

ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸሊ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ንየሆዋ ለመኖ። (መዝሙር 119:37) የሆዋ ኣምላኽ ክትዕወት ይደልየካ እዩ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንኽትገብር ድማ ሓይሊ ኺህበካ ይኽእል እዩ!—ፊልጲ 4:13

ንሓደ ሰብ ንገር። ምስጢርካ እተካፍሎ ሰብ ምምራጽ፡ ካብቲ ልማድ ሓራ ንኽትወጽእ ዚሕግዝ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ። (ምሳሌ 17:17) ስም ሓደ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንምንጋሩ ዚቐለካ ብሱል ሰብ ኣብ ታሕቲ ጽሓፍ።

․․․․․

ካብ ስእለ-ጽዩፍ ሓራ ንምዃን ኣብ እትገብሮ ቓልሲ ኽትዕወት ከም እትኽእል ኣይትጠራጠር። ካብኡ ኣብ ዝረሓቕካሉ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ፡ ኣገዳሲ ዓወት ኢኻ እተመዝግብ። ንየሆዋ ብዛዕባ እቲ ዓወትካ ንገሮ፡ ስለቲ ዝሃበካ ሓይሊ ድማ ኣመስግኖ። ካብ ለበዳ ስእለ-ጽዩፍ ብምርሓቕ፡ ንልቢ የሆዋ ኸም እተሐጕሶ ኸኣ ከቶ ኣይትረስዕ!—ምሳሌ 27:11

ቀንዲ ጥቕሲ

“ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ።”—ቈሎሴ 3:5

ምኽሪ

ኮምፕዩተርካ ንስእለ-ጽዩፍ ዘለዎ ወብ ሳይት ከም እትዓግት ጌርካ ኣዳልዋ። ካብ ዘይትፈልጦም ወይ ዘይትደልዮም ሰባት ዚመጽእ ናብ ወብ ሳይት ዚመርሕ መልእኽቲ ኣይትኽፈት።

ትፈልጥዶ፧

ወልፊ ስእለ-ጽዩፍ ምስቲ እቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ እኩያት መናፍስቲ ዝነበሮም ዘይግቡእ ጾታዊ ህርፋን ይመሳሰል።—ዘፍጥረት 6:2

መደባተይ

ንስእለ-ጽዩፍ ምእንቲ ኸይቃላዕ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

● ስእለ-ጽዩፍ ንኽቡር ነገር ዜሕስር ብኸመይ እዩ፧

● ስእለ-ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ብኸመይ ምሓገዝካ፧

[ኣብ ገጽ 278 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጽናዐይ፡ ዘይፈተንክዎ ዓይነት ብርቱዕ ሓሽሽ ኣይነበረን። ካብ ኵሉ ወልፍታተይ ግን፡ ስእለ-ጽዩፍ እዩ ንምስናፉ ኸቢዱኒ። ብሓገዝ የሆዋ ጥራይ እየ ነዚ ጸገም እዚ ኽፈትሖ ኽኢለ።’’—ጀፍ

[ኣብ ገጽ 276 ዘሎ ስእሊ]

ስእለ-ጽዩፍ ዝያዳ ብዝረኣኻ መጠን፡ ካብኡ ሓራ ንምውጻእ ብዝያዳ እዩ ዜጸግመካ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ