ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp2 ምዕ. 21 ገጽ 174-180
  • ንነቐፌታ ብኸመይ እኽእሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንነቐፌታ ብኸመይ እኽእሎ፧
  • መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸላዕላዕ ዜብል እንድዩ ዀይኑ!
  • ጠንቂ እቲ ነቐፌታ
  • ክትንቀፍ ከለኻ ህድእ በል
  • ክትክእሎ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
  • ስለምንታይ እዮም ስርዓታት ዜብዝሑለይ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ወለደይ እንተ ተቛዪቖም፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንዚውሃበኒ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክርእዮ ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ኣቱም መንእሰያት፡ ብቓል ኣምላኽ ተመርሑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
yp2 ምዕ. 21 ገጽ 174-180

ምዕራፍ 21

ንነቐፌታ ብኸመይ እኽእሎ፧

“ኣደይ ከም መርማሪት ፖሊስ ወትሩ ጕድለተይ እያ እትኣሪ። ዕዮ ገዛ ቕድሚ ምውዳአይ፡ ጌጋ እንተ ገይረ ንምርካብ ንዅሉ ትምርምሮ።”—ክሬግ

“ወለደይ ወትሩ እዮም ዚገንሑኒ። ዋላ ሓደ ብግቡእ ከም ዘይዓምም እዮም ዚነግሩኒ። ብዛዕባ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ገዛ፡ ብዛዕባ ጉባኤ፡ ኰታስ ወግሐ ጸብሐ ይገንሑኒ እዮም።”—ጄምስ

ዝገበርካ እንተ ገበርካ፡ ወለድኻ ዘየሐጕሶም ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስካ ብደቂቕ ከም ዚምርመር፡ ማለት ወትሩ ኽትትል ከም ዚግበረልካን ነቐፌታ ከም ዚወሃበካን፡ ናእዳ ግን ከም ዘይወሃበካ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧

ካብዚ ዚስዕብ ነየናይ ዘረባ ኢኻ ብብዝሒ እትሰምዖ፧

□ ክፍልኻ ዅሉ ሳዕ ወዘልዘል ምስ በለ እዩ።

□ ቲቪ ምርኣይ ተብዝሕ ኢኻ።

□ ብእዋኑ ኣይትድቅስን ኢኻ።

□ ብእዋኑ ኣይትትንስእን ኢኻ።

ኣብ እትቕጽል መስመር፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዜሕርቐካ ወለድኻ ዚህቡኻ መዘኻኸሪ ወይ ነቐፌታ ጽሓፍ።

․․․․․

ሓቂ እዩ፡ ትእዛዛትን ነቐፌታታትን ኬበሳጭወካ ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ምኽሪ ወይ ተግሳጽ እንተ ዘይወሃበካ ነይሩ፡ ወለድኻ ብሓቂ ዚሓልዩልካ እንተ ዀይኖም ኣይመተሓሳሰበካንዶ፧ (እብራውያን 12:8) ከም ሓቂ፡ ተግሳጽ ነቲ ወለድኻ ንዓኻ ዘለዎም ፍቕሪ ዜርኢ መርትዖ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣቦ “ንዘፍቀሮ ውሉዱ” ኸም ዚቐጽዖ ይገልጽ እዩ።—ምሳሌ 3:12

ወለድኻ ኻብ ሓልዮት ተላዒሎም ኪእርሙኻ ምድላዮም እምበኣር ከተመስግነሉ ትኽእል ኢኻ። ንእሽቶን ዘይምኩርን ምዃንካ ኣይትረስዕ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ መአረምታ ዘይተርፍ እዩ። መምርሒ እንተ ዘይተዋሂቡካ፡ ብቐሊሉ ብ“ትምኒት ጕብዝና” ኽትስነፍ ትኽእል ኢኻ።—2 ጢሞቴዎስ 2:22

ጸላዕላዕ ዜብል እንድዩ ዀይኑ!

ልክዕ እዩ፡ “ቅጽዓት [“ተግሳጽ፡” NW] ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ።” (እብራውያን 12:11) ብፍላይ ብግዜ ንእስነትካ ኸምኡ እዩ ዚስምዓካ። እዚ እውን ዜገርም ኣይኰነን! ባህርያትካ ገና ይምዕብል እዩ ዘሎ። ገና ትዓብን መንነትካ ተለልን ኢኻ ዘለኻ። ስለዚ፡ ዋላ እውን ብጥንቃቐ ተሓሲቡሉ ብሕያውነት ዝቐረበልካ ነቐፌታ፡ ቆጭቆጭ ኬብለካ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ርእስኻ ዘሎካ ግምት፡ ብቐሊሉ በቲ ኻልኦት ዚብልዎ ስለ ዚጽሎ፡ ከምዚ ዓይነት ስምዒት እንተ ተሰምዓካ ዘይንቡር ኣይኰነን። ብፍላይ ርእይቶ ወለድኻ ኸኣ ነቲ ንርእስኻ እትህቦ ዋጋ ኣጸቢቑ ይጸልዎ እዩ። ስለዚ፡ ወላዲኻ ብዛዕባ ተግባርካ ኺእርመካ ወይ ኬማርር ከሎ፡ ኪደቝሰካ ይኽእል እዩ።

ወለድኻ ገሊኡ ጕድለትካ ብምጥቃሶም፡ ዋላ ሓንቲ እትገብሮ ነገር ከም ዘየሐጕሶም ወይ ፈጺምካ ዘይትረብሕ ከም ዝዀንካ ጌርካ ኽትድምድም ግቡእ ድዩ፧ ኣይኰነን። ኵሎም ሰባት ፍጽምና ኣመና ይጐድሎም እዩ። (መክብብ 7:20) ጌጋታት ምግባር ድማ ሓደ ኻብቲ እንመሃረሉ መስርሕ እዩ። (እዮብ 6:24) ወለድኻ፡ ጌጋ ኽትገብር ከለኻ ብዙሕ ዚዛረቡ፡ ቅኑዕ ክትገብር ከለኻ ግን ብዙሕ ዘይዛረቡ እንተ ዀኑኸ፧ እዚ ኼሕመካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ፈጺምካ ኣይትረብሕን ኢኻ ማለት ኣይኰነን።

ጠንቂ እቲ ነቐፌታ

ሓድሓደ ግዜ ሓደ ወላዲ ብሰንኪ ጕድለትካ ዘይኰነስ፡ ሓሪቑ ወይ ተበሳጭዩ ስለ ዘሎ ጥራይ ነቐፌታ ኼብዝሕ ይኽእል እዩ። ኣዴኻ ተካል መዓልቲ ድያ ውዒላ፧ ሕማም የሸግራ ኣሎ ድዩ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ክፍልኻ እንተ ዘይጸርዩን እንተ ዘይጸፊፉን፡ ብቐሊሉ ትንቀፍ ትኸውን። ኣቦኻኸ ነታ ስድራ ቤት ዜድልያ ገንዘብ ስለ ዝሓጸሮ፡ ሓሪቑን ተበሳጭዩን ድዩ ዘሎ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ” ኺዛረበካ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 12:18) ከምዚ ዓይነት ዘይግቡእ ነቐፌታ ጸላዕላዕ ዜብል ምዃኑ ኣይከሓድን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ‘ተበዲለ’ እናበልካ መመሊስካ ኣብ ክንዲ እትበሳጮ፡ ንጕድለታት ወለድኻ ይቕረ ኽትብል ፈትን። “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ . . . ብቑዕ [“ፍጹም፡” NW] ሰብኣይ እዩ።”—ያእቆብ 3:2

ወለዲ እውን ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ዘይብቑዓት ከም ዝዀኑ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። አረ ጕድለትካ ኺርእዩ ኸለዉስ፡ ንሳቶም ከም ዝጐደሉ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣደ፡ ጓላ ሕማቕ ነጥቢ ሒዛ ኻብ ትምህርቲ ኽትመጻ ኸላ፡ ክትነቕፋ ትኽእል እያ። ከም ሓቂ ግን እታ ኣደ፡ ‘ንጓለይ ንፍዕቲ ኽትከውን እድርኻ ስለ ዘየለኹ፡ ከም ኣደ መጠን ስራሐይ ብግቡእ ኣይሰራሕኩን’ ኢላ ትሓስብ ትኸውን።

ክትንቀፍ ከለኻ ህድእ በል

ጠንቂ እቲ ነቐፌታ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ብኸመይ ክትክእሎ ትኽእል፧ ብቐዳምነት፡ ጸርጸር ከይትብል ተጠንቀቕ። ምሳሌ 17:27፡ “እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብ፡ ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ” ትብል። ክትንቀፍ ከለኻ “ህዱእ መንፈስ” ኪህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ ፈትኖ፦

ስማዕ። ቀልጢፍካ መመኽነይታኻ ኣብ ክንዲ እተቕርብ ወይ ንጹህ ምዃንካ ኣብ ክንዲ እትከራኸር፡ ስምዒትካ ተቘጻጺርካ ነቲ ወለድኻ ዚብሉኻ ስምዓዮም። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ንክርስትያናት፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ” ኪዀኑ ነገሮም። (ያእቆብ 1:19) ወለድኻ ኺዛረቡኻ ኸለዉ ብሕርቃን እንተ ዀሊፍካዮም፡ ዘይትሰምዕ ዘለኻ ዀይኑ ኺስምዖም እዩ። እዚ ስለ ዜበሳጭዎም ድማ፡ ዝወሓደ ምኽሪ ዘይኰነስ፡ ዝበዝሐ ምኽሪ ኺህቡኻ እዮም።

ኣተኵር። ሓድሓደ ግዜ ወለድኻ ምኽሪ ዚህቡሉ መገዲ ሕያውነት ዚጐድሎ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ዚዛረቡሉ መገዲ ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ኣብቲ ዚዛረብዎ ሓሳባት ኣተኵር። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ካብዚ ነቐፌታ እዚ ነየናይ ክፋል እየ ሓቂ ምዃኑ ዝእመነሉ፧ ወለደይ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ቕድሚ ሕጂ ኼማርሩ ሰሚዐዮምዶ እፈልጥ፧ ነቲ ድሌቶም እንተ ኣማላእኩሎም፡ እንታይ ይጐድለኒ፧’ ኣብቲ እዋን እቲ ዚስምዓካ ስምዒት ብዘየገድስ፡ ወለድኻ ኻብ ፍቕሪ ተላዒሎም መአረምታ ኸም ዚህቡኻ ኣይትረስዕ። ብሓቂ እንተ ዚጸልኡኻ ነይሮም፡ ከቶ ኣይምገሰጹኻን።—ምሳሌ 13:24

ተኣመን። ንምኽሪ ወለድኻ እንተ ተኣሚንካሉን ብኣኽብሮት ከኣ ነዚ እንተ ገሊጽካዮን፡ ዘረባኦም ከም ዝሰማዕካ ኸተረጋግጸሎም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ሓደ ወላዲ፡ “ኵሉ ሳዕ ክፍልኻ ወዘልዘል ኣቢልካ ኢኻ እትሓድጎ። እንተ ዘየጽሪኻዮ፡ ነጊረካ ኣለኹ ኣብኣ ኽትረኽባ ኢኻ!” ይብል ይኸውን። ንዓኻ ግን ክፍልኻ ጽፉፍ ከም ዝዀነ ይመስለካ ይኸውን። ከምኡ ኢልካ ምዝራብካ ግን ንዋላ ሓደ ኣይጠቅምን እዩ። ነዚ ብዓይኒ ወለድኻ ኽትርእዮ ፈትን። ንኣብነት፡ ብዘይ ሕጫጨ፡ “ሓቅኻ፡ ክፍለይ ወዘልዘል ኢሉ ኣሎ። ሕጂዶ ኸጽርዮ ወይስ ድሕሪ ድራር፧” ክትብል ትኽእል ኢኻ። ነቲ ንወለድኻ ዘተሓሳሰቦም ነገር በዚ ኸምዚ ኽትቅበሎ ኸለኻ፡ እቲ ውጥረት ኪበንን እዩ። ልክዕ እዩ፡ ድሕሪኡ ነቲ መምርሒ ወለድኻ ኽትስዕብ ኣሎካ።—ኤፌሶን 6:1

ጽናሕ። ነቲ ወለድኻ ዝደለይዎ ኽሳዕ እተማልእ፡ ዝዀነ ይኹን መመኽነይታኻ ኣይተቕርብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከናፍሩ ዚገትእ . . . ለባም እዩ” ይብል። (ምሳሌ 10:19) ወለድኻ ብሓቂ ትሰምዖም ከም ዝነበርካ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም እውን ንኺሰምዑኻ ኺድረኹ እዮም።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣርባዕተ ስጕምትታት፡ ልዕሊ ዅሉ ኽትዓየሉ እትደሊ ኣየናይ ምዃኑ ጽሓፍ። ․․․․․

ክትክእሎ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ወርቂ ንኽትረክብ ኢልካ ጽንኩር ኵነታት ንምስጋር ፍቓደኛ ምዀንካዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበብ ካብ ዝዀነ ይኹን ክቡር ሃብቲ ኸም እትበልጽ ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 3:13, 14) ብኸመይ ኢኻ ጥበበኛ ኽትከውን እትኽእል፧ ምሳሌ 19:20፡ “ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽውን ተቐበል” ትብል። ምኽርን ተግሳጽን ባህ ዘየብል ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ነቐፌታ ዚርከብ ጥበብ ኣለሊኻ እንተ ዓዪኻሉ ግን፡ ካብ ወርቂ ዚኸብር ነገር ክትረክብ ኢኻ።

ነቐፌታ ሓደ ኽፍሊ ህይወት እዩ። ሕጂ ኻብ ወለድኻን መምህራንካን ዚመጽእ ነቐፌታ ኽትክእሎ ኣሎካ። ኣብ መጻኢ፡ ካብ ኣስራሕትኻን ካብ ካልኦትን ነቐፌታ ኸም ዜጋጥመካ ኣየጠራጥርን እዩ። ነቲ ኣብ ቤትካ ዜጋጥመካ ነቐፌታ ብኸመይ ከም እትኽእሎ እንተ ተማሂርካ፡ ወትሩ ዚመሓየሽ ተመሃራይ፡ ሕፉር ሰራሕተኛ፡ ብሓፈሻኡ ኸኣ ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎ ሰብ ክትከውን ኢኻ። ነዚ ውጽኢት እዚ ንምርካብ፡ ሒደት ነቐፌታ ኽኢልካ እንተ ኣሕለፍካ ኣይኬጣዕሰካን እዩ!

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፦

ብስርዓታት ቤትካ እተሓጸርካ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ በቲ ዘሎካ ናጽነት ብኸመይ ዕጉብ ከም እትኸውንን ምናልባት እውን ብኸመይ ዝያዳ ናጽነት ከም እትረክብን ተምሃር።

ቀንዲ ጥቕሲ

“እቲ ጠቢብ . . . ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ።”—ምሳሌ 1:5

ምኽሪ

ካብ ወለድኻ ንዚወሃበካ ምኽሪ ምቕባሉ ምእንቲ ኪቐለካ

● ነቲ ምስቲ ነቐፌታ ዚወሃበካ ዝዀነ ይኹን ናእዳ ኣማስወሉ።

● እቲ እተነግረካ ጸገም ወይ ፍታሕ እንተ ዘይነጺሩልካ፡ ኪገልጹልካ ሕተቶም።

ትፈልጥዶ፧

ገሊኦም ኣቦታትን ኣዴታትን ካብ ወለዶም እኹል ፍቕርን ምርዳእን ስለ ዘይረኸቡ፡ ንደቆም ብፍቕራዊ መገዲ ምሓዝ የጸግሞም እዩ።

መደባተይ

ኣብ ዚቕጽል ወለደይ ምስ ነቐፉኒ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ወለደይ ነቐፌታ ዜብዝሑለይ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑኒ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

● ንነቐፌታ ምቕባሉ ዜጸግመካ ስለምንታይ ይመስለካ፧

● ወለድኻ ንኺነቕፉኻ ዚድርኾም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

● ንዝዀነ ይኹን ዚወሃበካ ምኽሪ ብኸመይ ብዝበለጸ ኽትጥቀምሉ ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 177 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ምሉእ ህይወተይ ኣደይ ክትቋየቘንን ኣነ ኽከራኸራን እየ ኣሕሊፈዮ። ሕጂ ግን ነቲ ቓል ኣምላኽ ዚብሎ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ እፍትን ኣለኹ። ብሓቂ ድማ ይዓዪ እዩ። ኣረኣእያ ኣደይ ኪቕየር ጀሚሩ ኣሎ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓለይ፡ ብዝያዳ ኽርድኣ ኽኢለ። ርክብና ድማ ተመሓዪሹ።’’—ማርሊን

[ኣብ ገጽ 180 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ዚወሃበካ ነቐፌታ፡ ጥበብ ክትመሚ እንተ ፈቲንካ፡ ካብ ወርቂ ዚኸብር ነገር ክትረክብ ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ