ምዕራፍ 20
ስድራ ቤተይ ድኻታት እንተ ዀይኖምከ፧
ግሪጎሪ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዚነብር መንእሰይ እዩ። ገሊኦም ምዕራባውያን መንእሰያት ኪረኽብዎ ዚኽእሉ ዓይነት ክዳውንቲ ወይ ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑ ንምዕዳግ ዜኽእል ዓቕሚ የብሉን። ብመነባብሮኡ ኣዝዩ ስለ እተበሳጨወ፡ ናብ ኦስትርያ ኺግዕዝ ሓሰበ። ግሪጎሪ ድኻ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧
□ እወ □ ኣይፋል
ብኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ፡ ሎዪሶ ዚበሃል መንእሰይ ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ቍሸት ይነብር። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኣጕዶ ምስ ስድራ ቤቱ እዩ ዚነብር። እቶም ኣብ ቀረባ ኣብ እትርከብ ከተማ ዘለዉ መንእሰያት ማይ ቡንባን ኤለክትሪክን ዚረኽቡ ብምዃኖም፡ በቲ “ምሾቶም” ይቐንእ እዩ። ንሎዪሶ ድኻ ምበልካዮዶ፧
□ እወ □ ኣይፋል
እታ “ድኻ” እትብል ቃል ከከም ዓዱ እተፈላለየ ትርጕም እዩ ዘለዋ። ንኣብነት፡ ግሪጎሪ ብዛዕባ ርእሱ ብድኽነት ከም እተበልዐ ገይሩ ይሓስብ ይኸውን፡ ምስ ሎዪሶ ኺነጻጸር ከሎ ግን ብምሾት እዩ ዚነብር። ዋላ እውን ኣመና እንተ ደኸኻ፡ ካባኻ ዚገዱ ኣይሰኣኑን እዮም። ኰይኑ ግን፡ ንትምህርቲ እትኽደኖ ግቡእ ክዳን ምስ ዘይህልወካ ወይ ከም ማይ ቡምባ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ነገራት ምስ ዘይትረክብ፡ ካልኦት ካባኻ ዚገዱ ኸም ዘለዉ ምፍላጥካ ብዙሕ ኣየጸናንዓካን ይኸውን።
ገሊኦም ብድኽነት ዝዓበዩ መንእሰያት ዋጋ ዘይብሎምን ትሑታትን ዝዀኑ ዀይኑ ይስምዖም፡ ነዚ ድማ ብኣልኮላዊ መስተን ብሓሽሽን ገይሮም ኪርስዕዎ ይፍትኑ። ይኹን እምበር፡ ካብ ክውንነት ክትሃድም ምፍታን፡ ነቲ ነገር መሊሱ እዩ ዜጋድዶ። ኣልኮላዊ መስተ ነቶም ኣብዚሖም ዚሰትይዎ፡ ‘ከም ተመን ይነኽሶም፡ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ፉፍ የብለሎም።’ (ምሳሌ 23:32) ማሪያ እትበሃል ብድኻ ንጽል ወላዲታ ዝዓበየት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ጓል፡ “ካብቲ ኽውንነት ክትሃድም ምፍታን፡ ካብቲ ዚፈትሖ ጸገማት ንላዕሊ ዚፈጥሮ ጸገማት ይበዝሕ” በለት።
ዋላ እውን መስተ እንተ ዘየብዛሕካ ወይ ሓሽሽ እንተ ዘይወሰድካ፡ ህይወትካ ብዙሕ ኣይመሓየሽን ይኸውን። እንታይ ደኣ ኢኻ እትገብሮ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበካ ጥበባዊ ምኽሪ፡ ጥዑይ ኣረኣእያ ንኸተሕድር ስለ ዚሕግዘካ፡ ከምቲ ኻብ ናይ ቅብጸት መቝሕ ሓራ ንኽትወጽእ ዜኽእለካ መፍትሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዚገብር እስከ ንርአ።
ጸጋታትካ መርምሮ
ሓደ ኽትወስዶ እትኽእል ኣወንታዊ ስጕምቲ፡ ኣብ ዘይብልካ ነገራት ዘይኰነስ፡ ኣብ ዘሎካ ነገራት ምትኳር እዩ። ከም ፈቃር ስድራ ቤት ዝኣመሰለ ጸጋታት፡ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ዋጋ ኸም ዘለዎ ኣየጠራጥርን እዩ! ሓንቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ምስላ፡ “ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ” ትብል። (ምሳሌ 15:17) ምናዳ ክርስትያን መንእሰያት ዓብዪ ዋጋ ዚወሃቦ ጸጋ ኣለዎም፣ እዚ ኸኣ ካብ ክርስትያናዊ “ሕውነት” ዚርከብ ደገፍ እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:17
ምናልባት እውን ነቲ ስጋዊ ጥሪትካ ብኣወንታዊ ዓይኒ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ተራ ወይ ዘይረብሕ ቤት ትነብር ትኸውን። ዝኣረገ፡ ዝበለየ፡ ወይ እተሸቓቐጠ ኽዳን ትኽደን ትኸውን። እተፈላለየ ዓይነት ምግቢ ኽትበልዕ እውን ሃረር ትብል ትኸውን። ኰይኑ ግን፡ ንኣምላኽ ንኸተሐጕሶ ብሉጽ ክዳውንቲ ወይ ዓብዪ ቤት የድልየካ ድዩ፧ ጥዕና ረኺብካ ብህይወት ንኽትነብር በብዓይነቱ ኽቡር ምግቢ ኽትበልዕ የድልየካ ድዩ፧ ኣየድልየካን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ መዳይ እዚ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ተማሂሩ እዩ። ሃብትን ድኽነትን ኣሕሊፉ እዩ። (ፊልጲ 4:12) ኣብ ምንታይ መደምደምታኸ በጽሐ፧ “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና” በለ።—1 ጢሞቴዎስ 6:8
ኣብ ድኻታት ስድራ ቤት ዝዓበየ ኢልድረድ ዚበሃል ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ “ስድራ ቤትና ብቝጠባ ኸም እትነብርን ዝደለናዮ ዝበለ ኽንረክብ ከም ዘይንኽእልን ተቐበልናዮ” በለ። ንትምህርቱ ዚኽደኖ ዝነበረ ስረኡ ኺምሕምሕ ከሎ፡ ኣዲኡ ቝራጽ ጨርቂ ገይራ ደጋጊማ ትልግበሉ ነበረት። ኢልድረድ፡ “ነቲ ዚወርደኒ ባጫ ክኽእሎ ነይሩኒ። እቲ ቐንዲ ነገር ግን ክዳውንትና ንጹህን ዚኸድነናን ምንባሩ እዩ” በለ።
ንርእስኻ ኣኽብሮት ይሃሉኻ
ወዲ 11 ዓመት ጄምስ ምስ ኣዲኡን ሓብቱን ኣብቲ ኣብ ጥቓ ጆሃንስበርግ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚርከብ ሰፈር ድኻታት እዩ ዚነብር ነይሩ። ብስጋዊ መዳይ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ኣይነበሮምን። ኰይኑ ግን፡ ጄምስ ነቲ ኽቡር ጸጋታቱ፡ ማለት ግዜኡን ጕልበቱን፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ተጠቕመሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ-ሰንበት ብወለንታ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይሃንጽ ነበረ። “ኣዳራሽ ክሃንጽ ምስ ወዓልኩ፡ ኣብ ውሽጠይ ዓሚቝ ዕግበት ይስምዓኒ!” በለ።
ካልእ ጽቡቕ ፍረ ዘለዎ ንጥፈት ከኣ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዕዮ እቲ ብስሩዕ ይሳተፉ እዮም። ከምዚ ብምግባሮም፡ ንኻልኦት ሰባት ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ህይወት ከም ዚመጽእ ተስፋ ይህብዎም፡ ንርእሶም ዘለዎም ኣኽብሮት ድማ ይውስኽ። ሓቂ እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ዕዮ ብምዕያዮም ገንዘብ ኣይረኽቡን እዮም። እንተዀነ ግን፡ እቲ የሱስ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ጉባኤ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሃቦም መልእኽቲ እሞ ዘክሮ። ብስጋ ኣመና ድኻታት እዮም ነይሮም። ጽቡቕ መንፈሳውነት ስለ ዝነበሮም ግን፡ የሱስ፡ “ጸበባኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፥ ግናኸ ሃብታም ኢኻ” በሎም። ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እምነት ከም ዘለዎም ብንጥፈታቶም ስለ ዘርኣዩ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኣኽሊል ዘይትመውት ህይወት ብምቕባል ኣመና ሃብታማት ኪዀኑ ምዃኖም ተገልጸ።—ራእይ 2:9, 10 ትርጕም 1990
ኣማዕዲኻ ጠምት
ሃብታም ኩን ድኻ ብዘየገድስ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪህልወካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሃብታምን ድኻን ይራኸቡ፡ ንዅላቶም ዝገበሮም እግዚኣብሄር እዩ” ይብል። (ምሳሌ 22:2) እዚ ሓቂ እዚ ንኣሽሓት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንድኽነቶም ንኪኽእልዎ ሓጊዝዎም እዩ። ሓጐስ ኣብ ስጋዊ ጥሪት ዘይኰነስ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎም ዕርክነት ከም ዚምርኰስ ይግንዘቡ እዮም፣ የሆዋ ድማ ነቶም ኬገልግልዎ ዚደልዩ ሓንጐፋይ ኢሉ ይቕበሎም እዩ። ኣምላኽ ኣብታ ኣብ መጻኢ እትህሉ ሓዳስ ዓለም ካብ ክቱር ድኽነት ሓራ ዚገብር ህይወት ከም ዚህልወና ተስፋ ሂቡና ኣሎ።—2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:3, 4
እዚ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ንዘሎካ ዅሉ ብጥበብ ተጠቐመሉ። ናብ መጻኢ ኣማዕዲኻ ጠምት። ንኣኻ መንፈሳዊ መዝገብ ግበር። (ማቴዎስ 6:19-21) ንድኽነት ከም ሓደ ኽትጾሮ እትኽእል ብድሆ ጌርካ ርኣዮ!
ቀንዲ ጥቕሲ
“ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን።”—ሉቃስ 12:15
ምኽሪ
ኣይትጣላዕ፡ ሽጋራ ኣይተትክኽ፡ ኣልኮላዊ መስተ እውን ኣይተብዝሕ። ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትካ ገለ ኻብዚ ወልፍታት እንተ ኣልይዎም፡ ብጠባይካ ኣብነት ኩኖም።
ትፈልጥዶ፧
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ኵነታትካ ብዘየገድስ ዕግበት ንኽትረክብ የኽእለካ።—ፊልጲ 4:12, 13፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:8፣ እብራውያን 13:5
መደባተይ
ጸጋታተይ፦ ․․․․․
ነዚ ጸጋታተይ በዚ ዚስዕብ መገዲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክጥቀመሉ እየ፦ ․․․․․
ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․
እንታይ ይመስለካ፧
● እታ “ድኻ” እትብል ቃል ከከም ዓዱ እተፈላለየ ትርጕም ዚወሃባ ስለምንታይ እዩ፧
● ካብ ክውንነት ንኸተምልጥ ኢልካ ሓሽሽ ምውሳድ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ፡ ወይ ካልእ ነገር ምጥቃም ዕሽነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
● ድኽነትካ ንምኽኣል እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧
[ኣብ ገጽ 168 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ካብ ድኽነት ከምልጥ ዘይክእል ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓኒ፡ ምስ ዓዋሉ ምሕባር ወይ ስርቂ ፍታሕ ከም ዘይኰነኒ ኣስተውዓልኩ። ብዙሓት ከምኡ ዝገበሩ መዛኖይ፡ ሎሚ ተደርብዮም፡ ባሮት መስተን ሓሽሽን ኰይኖም፡ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ኣለዉ።’’—ጆርጅ
[ኣብ ገጽ 164 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ወረቐት ዕዮ
ናብ ወጻኢ ሃገር ክኸይድዶ፧
ገሊኦም መንእሰያት ንርእሶም ወይ ንስድራ ቤቶም ዚኸውን ገንዘብ ንምርካብ ናብ ወጻኢ ሃገር ኪኸዱ ይድልዩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ቋንቋ ወጻኢ ንምልማድ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ንምርካብ፡ ወይ ኣብ ዓዶም ካብ ዘሎ ጸገም ንምህዳም ናብ ወጻኢ ይግዕዙ እዮም። ገሊኦም ክርስትያን መንእሰያት ናብተን ዝያዳ ወንጌላውያን ዜድልዩለን ሃገራት ግዒዞም እዮም። ናብ ወጻኢ ሃገር ንምግዓዝ ዚግበር ውሳነ ዓብዪ ስለ ዘዀነ፡ ኣፍኲስካ ኺርአ የብሉን። ስለዚ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዛዕባ ምንባር ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ነቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ጥቕስታት ኣንቢብካ ኣስተንትነሉ። ነቲ ሕቶታት መርምሮ፡ መልስኻ ድማ ኣብ ወረቐት ጽሓፎ። ድሕሪኡ ብጸሎት ውሳነ ግበር።
□ እንታይ ከማልኦ ዝግባእ ሕጋዊ ጕዳያት ኣሎ፧—ሮሜ 13:1
□ ናብ ወጻኢ ሃገር ንክኸይድ፡ ብድምር ክንደይ ዚኣክል ወጻኢታት የድልየኒ፧—ሉቃስ 14:28
□ ኣብ ወጻኢ ሃገር ርእሰይ ከም ዝኽእል ዜርኢ እንታይ እገብር ኣለኹ፧—ምሳሌ 13:4
□ ኣብ ወጻኢ ኻብ ዝነበሩ ብሱላት ሰባት እንታይ ምኽሪ ተዋሂቡኒ፧—ምሳሌ 1:5
□ ወለደይ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ እዚ እንታይ ርእይቶ ኣለዎም፧—ምሳሌ 23:22
□ ናብ ወጻኢ ክኸይድ ዝደልየሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧—ገላትያ 6:7, 8
□ ምስ ካልኦት ክነብር እንተ ዀይነ፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማዳት ንኺህልወኒ ኼተባብዑኒ ድዮም፧—ምሳሌ 13:20
□ እንታይ ስነ-ምግባራውን ኣካላውን መንፈሳውን ሓደጋታት ኬጋጥመኒ ይኽእል፧—ምሳሌ 5:3, 4፣ 27:12፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10
□ ኣብ ወጻኢ ብምንባር፡ ብሓቂ እንታይ ረብሓታት እየ ኽረክብ ዝኽእል፧—ምሳሌ 14:15
[ኣብ ገጽ 167 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ ዚህበካ ምኽሪ፡ ከምቲ ኻብ ናይ ቅብጸት መቝሕ ሓራ ዜውጽኣካ መፍትሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ