ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp2 ምዕ. 7 ገጽ 67-73
  • ንትርኢተይ እንተ ዘይፈተኽዎኸ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንትርኢተይ እንተ ዘይፈተኽዎኸ፧
  • መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የተሓሳስበካ ድዩ ዘሎ ወይስ የጨንቐካ፧
  • እተመዛበለ ኣረእእያ ድዩ ዘሎካ፧
  • ሚዛናዊ ኣቀራርባ
  • ካብ ሕማም መኽሳእቲ ተጠንቀቕ!
  • ናይ ሓቂ ጽባቐ እንታይ እዩ፧
  • ብዛዕባ ርጕደይ እምብዛ ዝጭነቕ ስለምንታይ ኢየ፧
    ንቕሑ!—1999
  • ብዛዕባ ርጕዲ ዘሎኒ መጠኑ ዝሓለፈ ጭንቀት ብኸመይ ከሰንፎ እኽእል፧
    ንቕሑ!—2000
  • ክብደት ብኸመይ ክንኪ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
yp2 ምዕ. 7 ገጽ 67-73

ምዕራፍ 7

ንትርኢተይ እንተ ዘይፈተኽዎኸ፧

መብዛሕትኡ ግዜ ትርኢትካ ይጽልኣካ ድዩ፧

□ እወ □ ኣይፋል

ትርኢትካ ንምምሕያሽ መጥባሕቲ ኽትገብር ወይ ጠገለ ዘይብሉ ኣገባብ ኣመጋግባ ኽትስዕብ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧

□ እወ ❏ ኣይፋል

እንተ ትኽእል፡ ካብ ሰብነትካ ነየናይ ምቐየርካዮ፧ (ነቲ ኽትቅይሮ ዝሓሰብካ ኣኽብበሉ።)

ቍመት

መሸከል

መልክዕ

ክብደት

ጸጕሪ

ደሃይ

ነተን ቀዳሞት ክልተ ሕቶታት ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ሕቶ ድማ ንሰለስተ ወይ ዝያዳ ነጥብታት እንተ ኣኽቢብካ፡ ነቲ ጕዳይ ብኣወንታዊ ጐድኑ እውን ርኣዮ፦ ካልኦት ከምቲ ንስኻ ንርእስኻ እትርእዮ ገይሮም ብኣሉታዊ ሸነኽ ኣይርእዩኻን ይዀኑ። ብቐሊሉ ሚዛንካ ኽትስሕትን ብዛዕባ ትርኢትካ እምብዛ ኽትጭነቕን ትኽእል ኢኻ። መንእሰያት ኣዋልድ ካብ ኑክልየሳዊ ውግእ፡ ሕማም መንሽሮ፡ ወይ ሞት ወለዲ ንላዕሊ ኽብደት ምውሳኽ ከም ዜፍርሀን ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ ኣሎ።

ትርኢትካ ነቲ ብዛዕባ ርእስኻ ዘሎካ ኣረኣእያን ነቲ ኻልኦት ንዓኻ ዚሕዙሉ መገድን ከም ዚጸልዎ ኣየጠራጥርን እዩ። ማርቲዛ እትበሃል ጓል 19 ዓመት መንእሰይ፡ “እተን ክልተ ምዕባየይ ኣሓተይ ዚወጸን ኣይነበረንን፡ ኣነ ኸኣ ዶምባጭ እየ ነይረ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣደዳ ላግጺ ዀይነ ነይረ። እዚ ኸይኣክል ከኣ፡ ሓትኖይ ልክዕ ከምቲ ሓጺርን ሃዝራጥን ከልባ፡ ቻብስ [ዶምባጭ] ዚብል ሳጓ ኣውጽኣትለይ!” በለት። ጓል 16 ዝዀነት ጁሊ እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣሕሊፋ እያ። “ሓንቲ መማህርተይ ‘ሰናን’ ኢላ ኣባጨወትለይ። ክሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ጕዳይ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ክሳዕ ሎሚ ሕማቕ ይስምዓኒ እዩ፡ ሕጂውን እንተ ዀነ ስነይ የሰቅቐኒ እዩ!” በለት።

የተሓሳስበካ ድዩ ዘሎ ወይስ የጨንቐካ፧

ትርኢትካ እንተ ኣተሓሳሰበካ ጌጋ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትርኢት እኒ ሳራ፡ ራሄል፡ ዮሴፍ፡ ዳዊት፡ ኣቢጋይል ዝኣመሰሉ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣወንታዊ ሓሳባት ሂቡ ኣሎ። ኣቢሳግ ዝስማ ጓል፡ “ኣዝያ መልክዔኛ” ምንባራ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—1 ነገስት 1:4

ይኹን እምበር፡ ብዙሓት መንእሰያት ትርኢቶም የጨንቖም እዩ። ንኣብነት፡ ገሊአን ኣዋልድ ጽቡቓት ኪዀና እንተ ዀይነን፡ ቀጠንቲ ኪዀና ኸም ዘለወን ይኣምና። እተን ኣብ መጽሔታት ዚወጻ ሸንቀጥ ዝበላ ሞደላት እውን ብርግጽ ነዚ እምነት እዚ ዚድግፋ እየን። ነቲ ማራኺ ስእልታት ንምጽብባቑ ብኮምፕዩተር ኰነ ብኻልእ ብዙሕ ዚወሳሰኾ ምዃኑ፡ ከምኡውን እተን ዕጽፍ ዝርግሕ ዚብላ ፍጡራት ቅርጺ ኣካላተን ንኺሕልዋ ኢለን ብጥሜት ዚሳቐያ ምዃነን ንኣዋልድ ኣይዓጅበንን እዩ። ሓንቲ ጓል ንርእሳ ምስተን ኣብ መጽሔት እትርእየን ብምንጽጻር ክትበሳጮ ትኽእል እያ። ኰይኑ ግን፡ ትርኢትካ ብሓቂ እንተ ዘየሐጒሱካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ፈለማ፡ ብዛዕባ ርእስኻ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ኺህልወካ ኣለዎ።

እተመዛበለ ኣረእእያ ድዩ ዘሎካ፧

ንርእስኻ ኣብ ኣመዛቢሉ ዜርኢ መስትያት ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ እቲ ምስልኻ ኻብቲ ግቡእ ዚዓቢ ወይ ዚንእስ ኪመስል ይኽእል እዩ። በዚ ዀነ በቲ፡ እቲ እትርእዮ ቕኑዕ ኣይኰነን።

ብተመሳሳሊ፡ ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ ርእሶም እተመዛበለ ኣረኣእያ ኣለዎም። ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ 58 ሚእታዊት ካብተን ኣብኡ እተሳተፋ ኣዋልድ መጠኑ ዝሓለፈ ኽብደት ከም ዘለወን ኪዛረባ ኸለዋ፡ ከም ሓቂ ግን 17 ሚእታዊት ጥራይ እየን መጠኑ ዝሓለፈ ኽብደት ዝነበረን። ካልእ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ ኸኣ፡ 45 ሚእታዊት ትሕቲ ግቡእ ክብደት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ክብደተን ካብ ግቡእ ንላዕሊ ምዃኑ ይሓስባ ነበራ።

መብዛሕትአን ብዛዕባ ኽብደተን ዚጭነቓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዛዕባ እዚ ንኺጭነቓ እኹል ምኽንያት ከም ዘይብለን ገሊኦም ተመራመርቲ ይሕብሩ። ዓጽምኻ ሰፊሕ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ሽግር እዚ መሊሱ እዩ ዜጋድዶ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ጠንቂ ዝዀኖ እንታይ እዩ፧

ጂን ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ብተፈጥሮኦም ቀጠንትን ሸጥ ዝበሉን እዮም። ብሰንኪ እቲ ዝወረስካዮ ጂን፡ ምልእልእ ዝበልካን ዝያዳ ስብሒ ዘሎካን እንተ ዄንካ ግን፡ ብሓጺሩ ቐጢን ክትከውን ኣይተፈጠርካን። ኣብቲ ብሕክምና ማእከላይ ዚበሃል ደረጃ ኽብደት እውን፡ ካብቲ እትደልዮ ንላዕሊ ኽብደት ዘሎካ ኽትመስል ትኽእል ኢኻ። ምውስዋስ ኣካላትን ኣገባብ ኣመጋግባን ኪሕግዝ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዝወረስካዮ መሸከልካ ግን ክትቅይሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣብ እዋን ብጽሕና/ጕርዝውና ዚህሉ ባህርያዊ ለውጥታት እውን ካልእ ረቛሒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ጓል ኣብ እዋን ጕርዝውና፡ ኣብ ሰብነታ ዚርከብ ስብሒ ኻብ 8 ሚእታዊት ናብ 22 ሚእታዊት ክብ ኪብል ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብምኽንያት እዚ በብቝሩብ ዚግበር ለውጥታት፡ ሓንቲ ጓል 11 ወይ 12 እናዓበየት ምስ ከደት ባህ ዜብል ቅርጺ ዘለዋ ጐርዞ ትኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ እቲ ርጕዲ ብሰንኪ ሕማቕ ኣመጋግባ ወይ ጕድለት ምውስዋስ ኣካላት ዝመጸ እንተ ዀይኑኸ፧ ብምኽንያት ጥዕና ኽብደትካ ኽትንኪ እንተ ኣድልዩካኸ፧

ሚዛናዊ ኣቀራርባ

መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብዓቐን ምንባር’ ጽቡቕ ምዃኑ ይዛረበሉ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:11 ትርጕም 1990) ጾምካ ኣይትውዓል፡ ወይ ጠገለ ዘይብሉ ኣገባብ ኣመጋግባ ኣይትስዓብ። ክብደት ክትንኪ ዚሕግዘካ ብሉጽ መገዲ፡ ንጥዕና ዚሰማማዕ ኣገባብ ኣመጋግባ ምስዓብን ግቡእ ምውስዋስ ኣካላት ምግባርን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብዙሓት ዜዘውትርዎ ኣገባብ ኣመጋግባ ኽትስዕብ ኣየድልየካን እዩ። ንኣብነት፡ ሸውሃትካ ንኺዓጹ ተባሂሉ ዚወሃብ ከኒና፡ ንእተወሰነ እዋን ንሸውሃትካ ኺዓጽዎ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ሰብነትካ ግን ቀልጢፉ ኺለምዶ እሞ፡ ሸውሃትካ መሊሱ ኪኽፈት ይኽእል እዩ። ወይ ሰብነትካ ነቲ እተበልዖ ምግቢ ዜቃጽለሉ መጠን ይንኪ እሞ፡ ክብደት ትውስኽ፣ ብዘይካዚ ድማ ከም ጽርውርው ምባል፡ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ጭንቀት፡ ወልፊ ኸኒና ዝኣመሰለ ጠንቅታት ኬስዕበልካ ይኽእል። ነቲ ኣብ ሰብነትካ ዘሎ ማይ ከም ዚወጽእ ዚገብር፡ ወይ ሰብነትካ ነቲ እትበልዖ ምግቢ ብቕልጡፍ ከም ዜቃጽሎ ዚገብር ከኒናታት እውን ዝሓሸ ውጽኢት የብሉን።

ብኣንጻሩ ግን፡ ሚዛኑ ዝሓለወ ኣገባብ ኣመጋግባን ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላትን፡ ንትርኢትካ የመሓይሾ፡ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ እውን ይገብር። ኣብ ሰሰሙን እተወሰነ ግዜ ኣይሮቢክስ ምግባር፡ ንጥዕናኻ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ምኻድ ወይ መደያይቦ ምድያብ ጥራይ እውን እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ካብ ሕማም መኽሳእቲ ተጠንቀቕ!

ገሊኦም መንእሰያት ክብደት ኪንክዩ ኺብሉ፡ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብዜእቱ ኣናረክስያ ዚበሃል ሕማም መኽሳእቲ ይሳቐዩ። ማሳሚ ነቲ ሕማም መኽሳእቲ ንኽትዋጽኣሉ ኣርባዕተ ወርሒ ዚኣክል ሓገዝ ኪወሃባ ድሕሪ ምጽናሑ፡ “ሰባት ‘ሒሹኪ እባ’ እንተ ኢሎምኒ፡ ‘እረጕድ ስለ ዘለኹ እዮም ከምኡ ኢሎምኒ’ ኢለ እሓስብ። ሓድሓደ ግዜ፡ በይነይ እበኪ፡ ‘ናብቲ ቕድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ዝነበረኒ ኽብደት እንተ ዝምለስ መን ምሃበ’ ኢለ እሓስብ” በለት።

ሕማም መኽሳእቲ ኸይተፈለጠካ ኺሕዘካ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ጓል እተወሰነ ኽብደት ክትንኪ ኢላ፡ ጕድኣት ዘይብሉ ዚመስል ኣገባብ ኣመጋግባ ኽትስዕብ ትጅምር። ኣብቲ ሸቶኣ ምስ በጽሐት ግን፡ በቲ ውጽኢት ኣይትዓግብን። ንርእሳ ኣብ መስትያት ክትርኢ ኸላ፡ “ገና ረጓድ እየ ዘለኹ!” ኢላ ትሓስብ። ስለዚ፡ እተወሰነ ኽብደት ክትንኪ ትውስን። ድሕሪኡ እውን መሊሳ እተወሰነ ትንኪ። ነዚ ድማ መሊሳ ትደግሞ። ከይተረድኣ ናብ መኽሳእቲ ገጻ ትጐዓዝ።

ምልክታት ሕማም መኽሳእቲ ወይ ካልእ ጸገማት ኣመጋግባ እንተ ኣልዩካ፡ ሓገዝ ክትረክብ ኣሎካ። ንወላዲኻ ወይ ንእትኣምኖ ዓብዪ ሰብ ኣማኽር። ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምስላ፡ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ይብል።—ምሳሌ 17:17

ናይ ሓቂ ጽባቐ እንታይ እዩ፧

ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣካላዊ ትርኢት ወይ ንቕርጺ ኣካላት ብዙሕ ኣየተኵረሉን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ማራኺ ዚገብሮ ውሽጣዊ እንታይነቱ እዩ።—ምሳሌ 11:20, 22

ንኣቤሴሎም ወዲ ንጉስ ዳዊት እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ብዘሎ እስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ውቃቤኡ ኣዝዩ እተናእደ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን” ይብል። (2 ሳሙኤል 14:25) እዚ መንእሰይ እዚ ግን ከዳዕ እዩ ነይሩ። ብትዕቢትን ብህርፋን ስልጣንን ተደሪኹ፡ ዝፋን እቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ ኪምንዝዕ ፈተነ። ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ጽቡቕ ኣይኰነን ዚዛረብ፡ የግዳስ በቲ ዓይኒ ዘይብሉ ጥልመቱን በቲ ሕሉፍ ጽልኡን እዩ ዚዝከር።

የሆዋ “ልቢ [ደኣ እዩ] ዚመዝን” እምበር፡ መዓንጣ ጓል ወይ ዓንተር ወዲ ኣይኰነን ዚርኢ። (ምሳሌ 21:2) ስለዚ፡ ጽቡቕ ትርኢት ኪህልወካ ምድላይ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ባህርያትካ ግን ካብ ትርኢትካ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ውዒሉ ሓዲሩ፡ መንፈሳዊ ባህርያትካ ኻብ ብጽቡቕ እተሰርዐ ጭዋዳታት ወይ ሸጥ ዝበለ መዓንጣ ንላዕሊ ማራኺ ኺገብረካ እዩ!

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 10 እውን ኣንብብ

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፦

ብዙሓት መንእሰያት ብሕዱር ሕማም ወይ ብስንክልና ይሳቐዩ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም እንተ ኣልዩካ፡ ንዅነታትካ ብኸመይ ክትጾሮ ትኽእል፧

ቀንዲ ጥቕሲ

“ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።”—1 ሳሙኤል 16:7

ምኽሪ

ክብደት ክትንኪ ኽትፍትን ከለኻ . . .

● ቍርሲ ኸይበላዕካ ኣይትውዓል። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብሰንኩ ዚመጽእ ጥሜት ዝያዳ ኸም እትበልዕ ኪገብረካ ይኽእል እዩ።

● ቅድሚ ምብላዕካ ሓደ ዓብዪ ብርጭቆ ማይ ስተ። እዚ ንሸውሃትካ ኺንክዮን እትበልዖ መጠን ንኽትቈጻጸር ኪሕግዘካን እዩ።

ትፈልጥዶ፧

ክብደት ክትንኪ ኢልካ ንርእስኻ እንተ ኣጥሚኻ፡ ሰብነትካ ኣብ ድንገት ዘለኻ ስለ ዚመስሎ፡ ነቲ ዜቃጽሎ መጠን ምግቢ ኸም ዚቕንሶን ነቲ ዝነከኻዮ ኽብደት ቀልጢፉ ኸም ዚመልሶን ገሊኦም ክኢላታት የጠንቅቑ።

መደባተይ

ጥዕናይ ንምክንኻን ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብናተይ ኣረኣእያ፡ ሚዛናዊ ኣገባብ ምውስዋስ ኣካላት ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

● ብዛዕባ ትርኢትካ ኸመይ ይስምዓካ፧

● ትርኢትካ ንምምሕያሽ እንታይ ሚዛናዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧

● ሕማቕ ኣገባብ ኣመጋግባ ንዘለዎ ፈታዊኻ እንታይ ምበልካዮ፧

● ንምንኣስካ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ብዛዕባ ትርኢቱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺሕዝ ብኸመይ ምሓገዝካ፧

[ኣብ ገጽ 69 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ንነዊሕ እዋን ሰባት፡ ኣዒንተይ ፈጣጥ ከም ዝዀነ የባጭዉለይ ነይሮም። ከምዚ ኺብሉ ኸለዉ ብኸመይ ስሒቐ ኸም ዝሓልፎን ኣብ ባህርያተይን ብርታዐይን ብኸመይ ከም ዘተኵርን ተማሂረ እየ። ብትርኢተይ ኣይሽቝረርን እየ። እንታይነተይ ከም ዘለዎ ተቐቢለዮ እየ።’’—ኣምበር

[ኣብ ገጽ 68 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ርእስኻ ዘሎካ ኣረኣእያ፡ ከምቲ ኣመዛቢሉ ኣብ ዜርኢ መስትያት እትርእዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ