ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 11 ገጽ 18-19
  • ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ርሓቕ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ርሓቕ!
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኣምላኽ ዘይስሙ እትህቦ ብኸመይ እያ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!
    ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!
  • ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ይሰምረን ድዩ፧
    መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
  • እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧
    ብስራት ኣምላኽ
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 11 ገጽ 18-19

ትምህርቲ 11

ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ርሓቕ!

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንኣምላኽ ከተገልግል ኣይደልዩኻን እዮም። እንተ ተኻእሎም ንዅሉ ሰብ ካብ ኣምላኽ ከርሕቑ እዮም ዝደልዩ። ነዚ ብኸመይ እዮም ክገብርዎ ዝፍትኑ፧ እቲ ሓደ መገዲ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣቢሎም እዮም። (2 ቈረንቶስ 11:13-15) ሓንቲ ሃይማኖት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዘይትምህር እንተደኣ ዀይና ናይ ሓሶት ሃይማኖት እያ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ልክዕ ከም ናይ ሓሶት ገንዘብ እያ—ናይ ሓቂ ዝመስል እኳ እንተዀ ዋጋ ግን የብሉን። አረ ኻብዚ ሓሊፉስ ብዙሕ ሽግርውን ከምጽኣልካ ይኽእል እዩ።

ሰብ ሓዳር ኣብ ቤተ ክርስትያን ኰይኖም ይጽልዩ

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነቲ ኣምላኽ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ: ፈጺማ ኸተሐጒሶ ኣይትኽእልን እያ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ክቐትልዎ ዝደልዩ ሃይማኖታውያን ጕጅለ ነይሮም እዮም። ኣምልኾኦም ቅኑዕ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዝሓስቡ ነይሮም። “ሓደ ኣቦ አሎና: ንሱ ከኣ ኣምላኽ እዩ” በሉ። የሱስ ነቲ ዝበልዎ ተሰማሚዑሉዶ፧ ኣይፋሉን! ኣብ ክንድኡስ “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 8:41, 44) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ዘምልኹ ዘለዉ እኳ እንተ መሰሎም: ከም ሓቂ ግን ንሰይጣንን ኣጋንንቱን እዮም ዘምልኹ ዘለዉ።—1 ቈረንቶስ 10:20

ልክዕ ከምቲ ሕማቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ዘፍሪ: ናይ ሓሶት ሃይማኖት ድማ ሕማቕ ዝገብሩ ሰባት እያ እተፍሪ። ብሰንኪ እቲ ሰባት ዝገብርዎ ሕማቕ ነገራት: ዓለም ብሽግር እያ መሊኣ ዘላ። ኣብ ዓለም ጾታዊ ርኽሰት: ባእሲ: ስርቂ: ጭቈና: ቅትለትን ምግሳስን ኣሎ። ብዙሓት ካብዞም ነዚ ሕማቕ ነገራት እዚ ዝገበሩ ሰባት ሃይማኖት እኳ እንተለዎም: ሃይማኖቶም ግን ሰናይ ነገር ንኽገብሩ ኣይደረኾምን። ሕማቕ ነገራት ካብ ምግባር እንተ ዘየቋሪጾም: ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክዀኑ ኣይክእሉን እዮም።—ማቴዎስ 7:17, 18

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንሰባት ናብ ጣኦት ክጽልዩ እያ እትምህር። ኣምላኽ ናብ ጣኦት ኣይትጸልዩ እዩ ዝብል። እዚ ርትዓዊ እዩ። ሓደ ሰብ ንዓኻ ፈጺሙ ዘይዛረበካ ግናኸ ንስእልኻ ጥራይ ዝዛረብ እንተ ዀይኑ ምፈተኻዮዶ፧ እዚ ሰብ እዚ ናይ ሓቂ ዓርክኻ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ፈጺሙ: ክኸውን ኣይክእልን እዩ። የሆዋ ንሰባት ንህይወት ዘይብሉ ምስሊ ወይ ስእሊ ዘይኰነስ: ንእኡ ኸዛረብዎ እዩ ዝደልዮም።—ዘጸኣት 20:4, 5

ወተሃደራት ጠበናጁ ሒዞም

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ግዜ ውግእ ንሰባት ምቕታል ቅኑዕ እዩ ኢላ እያ እትምህር። የሱስ: ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኣብ ነንሓድሕዶም ፍቕሪ ክህልዎም ከም ዝግባእ ተዛረበ። ንእነፍቅሮም ሰባት ኣይንቐትሎምን ኢና። (ዮሃንስ 13:35) ሕማቕ ንዝገብሩ ሰባት ምቕታል እውን ጌጋ እዩ። የሱስ ጸላእቱ ኽኣስርዎ ምስ መጹ ደቀ መዛሙርቱ ንኽከላኸልሉ ኢሎም ክዋግኡ እውን ኣየፍቀደን።—ማቴዎስ 26:51, 52

ናይ ሓሶት ሃይማኖት እኩያት ሰባት ኣብ ሲኦል ከም ዝሳቐዩ እያ እትምህር። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ሓጢኣት ናብ ሞት ከም ዝመርሕ እዩ ዝምህር። (ሮሜ 6:23) የሆዋ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ንሰባት ንዘለኣለም ከም ዝሳቐዩ ይገብርዶ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይገብርን እዩ! ኣብ ገነት የሆዋ ዝሰምራ ሓንቲ ሃይማኖት ጥራይ ክትህሉ እያ። (ራእይ 15:4) ኵለን ኣብ ናይ ሰይጣን ሓሶት እተመስረታ ሃይማኖታት ክጠፍኣ እየን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ