ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 12 ገጽ 20
  • ድሕሪ ሞት እንታይ እዩ ዘጋጥም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድሕሪ ሞት እንታይ እዩ ዘጋጥም፧
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ኣቦሓጎታትና ኣበይ እዮም ዘለዉ፧
    መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
  • ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 12 ገጽ 20

ትምህርቲ 12

ድሕሪ ሞት እንታይ እዩ ዘጋጥም፧

ሞት ኣንጻር ህይወት እዩ። ሞት ልክዕ ከም ዓሚቝ ድቃስ እዩ። (ዮሃንስ 11:11-14) ምዉታት ክሰምዑ: ክርእዩ: ክዛረቡ: ወይ ክሓስቡ ኣይክእሉን እዮም። (መክብብ 9:5, 10) ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ምዉታት ምስ ኣባሓጎታቶም ንምንባር ናብ መንፈሳዊ ዓለም እዮም ዝኸዱ ኢላ እያ ትምህር። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምኡ ኢሉ ኣይምህርን እዩ።

የሱስ ንጓል ያኢሮስ የተንስኣ

እቶም ዝሞቱ ኽሕግዙና ወይ ክጐድኡና ኣይክእሉን እዮም። ሰባት ንዝሞቱ ንምሕጓስ ኢሎም ጽምብል ክገብሩን መስዋእቲ ከቕርቡን ልሙድ እዩ። እዚ ኣብ ሓደ ኻብቲ ናይ ሰይጣን ሓሶት እተመስረተ ብምዃኑ ንኣምላኽ ኣየሐጒሶን እዩ። ነቶም ምዉታትውን ህይወት ስለ ዘይብሎም ከሐጒሶም ኣይክእልን እዩ። ንምዉታት ክንፈርሆም ኰነ ኸነምልኾም የብልናን። ንኣምላኽ ጥራይ ኢና ኸነምልኽ ዘሎና።—ማቴዎስ 4:10

ምዉታት እንደገና ህያዋን ክዀኑ እዮም። የሆዋ ንምዉታት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኸተንስኦም እዩ። እዚ ግን ኣብ መጸኢ እዩ ዝፍጸም። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ልክዕ ከምቲ ንስኻ ንዝደቀሰ ሰብ ምትንሳእ ዘይጽግመካ: ኣምላኽ እውን ንምዉታት ምትንሳእ ኣይጽግሞን እዩ።—ማርቆስ 5:22, 23, 41, 42

ኣይንመውትን ኢና ዝብል ኣተሓሳስባ ብሰይጣን ድያብሎስ ዝዝርጋሕ ሓሶት እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሰባት መናፍስቲ ምዉታት ብህይወት ከም ዘለዉ: ከሕምሙን ካልእ ሽግር ከምጽኡን ድማ ከም ዝኽእሉ ገይሮም ከም ዝሓስቡ ገይሮምዎም ኣለዉ። ሓድሓደ ግዜ ሰይጣን ብሕልምታትን ራእያትን ንሰባት የታልሎም እዩ። የሆዋ ነቶም ምስ ምዉታት ክዛረቡ ዝፍትኑ ይዅንኖም እዩ።—ዘዳግም 18:10-12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ