ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 10 ገጽ 16-17
  • ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክትረኽበሉ እትኽእል መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክትረኽበሉ እትኽእል መገዲ
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ምልላያ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ርሓቕ!
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ከመይ ገይረ እየ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክረኽባ ዝኽእል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 10 ገጽ 16-17

ትምህርቲ 10

ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክትረኽበሉ እትኽእል መገዲ

ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: እታ ኣምላኽ ዝሰምራ ሃይማኖት ክትሕዝ ኣሎካ። የሱስ “እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ” ንኣምላኽ “ብሓቂ” ከም ዝሰግድሉ ወይ ከም ዘምልኽዎ ይዛረብ። (ዮሃንስ 4:23, 24) ንኣምላኽ ከተምልኸሉ እትኽእል ሓንቲ ቕንዕቲ መገዲ ጥራይ እያ ዘላ። (ኤፌሶን 4:4-6) ናይ ሓቂ ሃይማኖት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ትመርሕ: ናይ ሓሶት ሃይማኖት ድማ ናብ ጥፍኣት ትመርሕ።—ማቴዎስ 7:13, 14

ሓያሎ ሰባት፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንጐረባብቱ ኺሰብከሎም ኪኸይድ ከሎ ይዕዘብዎ

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ነቶም ኣባላታ ብምዕዛብ ከተለልያ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ሰናይ ዝገብር ስለ ዝዀነ: እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቱውን ሰናይ ዝገብሩ ክዀኑ ኣለዎም። ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ጽብቕቲ ተኽሊ ኣራንሺ ጽቡቕ ፍረታት እተውጽእ: እታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት እውን ብተመሳሳሊ ቕኑዓት ሰባት እያ እተፍሪ።—ማቴዎስ 7:15-20

ኣዕሩኽ የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቚ ኣኽብሮት ኣለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ህይወቶም ንምምራሕ: ጸገማቶም ንምፍታሕ: ከምኡውን ብዛዕባ ኣምላኽ ንኽምሃሩ ኽሕግዞም የፍቅዱሉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ነቲ ዝሰብክዎ ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎ እዮም ዝጽዕሩ።

ኣዕሩኽ የሆዋ ኣብ ነንሓድሕዶም ፍቕሪ ኣለዎም። የሱስ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ብምምሃርን ነቶም ዝሓመሙ ብምሕዋይን ፍቕሩ ኣርኣዮም። እቶም ናይ ሓቂ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት እውን ንኻልኦት ፍቕሪ የርእይዎም እዮም። ልክዕ ከም የሱስ: ንድኻታት ወይ ካብ ናታቶም እተፈልየ መበቆል ንዘለዎም ሰባት ኣትሒቶም ኣይርእይዎምን እዮም። የሱስ: ሰባት ነቶም ደቀ መዛሙርቱ በቲ ኣብ ነንሓድሕዶም ዘርእይዎ ፍቕሪ ኽፈልጥዎም ምዃኖም ተዛሪቡ እዩ።—ዮሃንስ 13:35

ኣዕሩኽ ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ የኽብርዎ እዮም። ሓደ ሰብ ስምካ ምጽዋዕ ምስ ዝኣቢ: ናይ ቀረባ ዓርክኻ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ኣይክእልን እዩ! ሓደ ዓርኪ ምስ ዝህልወና: ብስሙ ንጽውዖ ከምኡውን ንኻልኦት ብዛዕባኡ ጽቡቕ ነገራት ንነግሮም። ስለዚ እምበኣር: እቶም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክዀኑ ዝደልዩ ስሙ ኸዘውትሩን ብዛዕባኡ ድማ ንኻልኦት ክነግሩን ይግብኦም። የሆዋ ኸምዚ ኽንገብር እዩ ዝደልየና።—ማቴዎስ 6:9፣ ሮሜ 10:13, 14

ኣዕሩኽ ኣምላኽ ልክዕ ከም የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ይምህሩ። መንግስቲ ኣምላኽ እታ ንምድሪ ናብ ገነት እትልውጣ ሰማያዊት መንግስቲ እያ። ኣዕሩኽ ኣምላኽ ነዚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ ብስራት ንኻልኦት የካፍልዎም።—ማቴዎስ 24:14

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክዀኑ ይጽዕሩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ የኽብርዎ እዮም: ኣብ ነንሓድሕዶም እውን ፍቕሪ ኣለዎም። ንስም ኣምላኽ የኽብርዎን ይጥቀምሉን: ንኻልኦት ሰባት ከኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይምህሩ። ሎሚ ኣብ ምድሪ: እታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ሒዞም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ