ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 7 ገጽ 12-13
  • ካብ ታሪኽ እተረኽበ መጠንቀቕታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ታሪኽ እተረኽበ መጠንቀቕታ
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ማይ ኣይሂ—መን ሰሚዖም፧ መንከ ኣይሰምዑን፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • መርከብ ኖህ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኣምላኽ ንዕኡ “ሻምናይ ርእሱ ሓለዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ዓለም ብማይ ጠፍአት​—⁠ብሕጂኸ ኽትጠፍእ ድያ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 7 ገጽ 12-13

ትምህርቲ 7

ካብ ታሪኽ እተረኽበ መጠንቀቕታ

የሆዋ እኩያት ሰባት ንገነት ከበላሽውዋ ኣይክፈቅድን እዩ። ኣዕሩኽ ኣምላኽ ጥራይ እዮም ኣብኣ ኽነብሩ። ነቶም እኩያት ሰባትከ እንታይ እዩ ኸጋጥሞም፧ መልሲ ንምርካብ: ነቲ ናይ ሓቂ ታሪኽ ኖህ እስከ ንመርምሮ። ኖህ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኵሉ ግዜ ፍቓድ የሆዋ ኽገብር ዝጽዕር ዝነበረ ጻድቕ ሰብ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ግና እከይ ይገብሩ ነበሩ። የሆዋ ድማ ማይ ኣይሂ ኣምጺኡ ንዅሎም እቶም እኩያት ሰባት ከጥፍኦም ምዃኑ ንኖህ ነገሮ። ማይ ኣይሂ ምስ መጸ ንሱን ስድራቤቱን ምእንቲ ኸይጠፍኡ መርከብ ክሰርሕ ንኖህ ነገሮ።—ዘፍጥረት 6:9-18

ኖህን ስድራ ቤቱን ነቶም እንስሳታት ናብታ መርከብ እናኣእተውዎም እውን ከይተረፈ፡ እቶም እኩያት ሰባት ነቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣይተቐበልዎን

ኖህን ስድራቤቱን ነታ መርከብ ሰርሕዋ። ኖህ ማይ ኣይሂ ኽመጽእ ምዃኑ ነቶም ህዝቢ ኣጠንቀቖም: ንሳቶም ግን ኣይሰምዕዎን። እከይ ምግባሮም ቀጸሉ። ኖህ እታ መርከብ ምስ ተወድአት እንስሳታት ኣእተወ: ንሱን ስድራቤቱን እውን ናብታ መርከብ ኣተዉ። ብድሕርዚ የሆዋ ብርቱዕ ዝናም ኣዝነመ። ን40 መዓልትን 40 ለይትን ዝኣክል ድማ ማይ ወቕዐ። እቲ ማይ ከኣ ንብዘላ ምድሪ ኣዕለቕለቓ።—ዘፍጥረት 7:7-12

እኩያት ሰባት ጠፍኡ: ኖህን ስድራቤቱን ግና ደሓኑ። የሆዋ ካብ ማይ ኣይሂ ኣድሒኑ ናብታ ኻብ እከይ ዝጸረየት ምድሪ ኣውጽኦም። (ዘፍጥረት 7:22, 23) ሕጂውን እንተዀነ የሆዋ ነቶም ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ዝኣብዩ ሰባት ዘጥፍኣላ ግዜ ኽትመጽእ ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ሰናይ ዝገብሩ ሰባት ኣይክጠፍኡን እዮም። ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም።—2 ጴጥሮስ 2:5, 6, 9

ሎሚ ብዙሓት ሰባት እከይ ይገብሩ ኣለዉ። ዓለም ብሽግር እያ መሊኣ ዘላ። የሆዋ ንሰባት ብተደጋጋሚ ንምጥንቃቕ መሰኻኽሩ ይልእኽ ኣሎ: መብዛሕትኦም ግን ንቓል የሆዋ ኽሰምዕዎ: ኣካይዳኦም ክልውጡ: ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ጽቡቕን ሕማቕን እተዛረቦ ነገራት ክቕበልዎ ኣይደልዩን እዮም። ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ እዩ ኸጋጥሞም፧ ሓደ መዓልቲ ይልወጡ ደዀን ይዀኑ፧ መብዛሕትኦም ፈጺሞም ኣይክልወጡን እዮም። እኩያት ሰባት ዝጠፍእሉን ከም ብሓድሽ ድማ ፈጺሞም ዘይህልውሉን ግዜ ኽመጽእ እዩ።—መዝሙር 92:7

ምድሪ ኣይክትጠፍእን እያ: የግዳስ ናብ ገነት እያ ኽትልወጥ። እቶም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ዝዀኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:29

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ