ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 8 ገጽ 14
  • ጸላእቲ ኣምላኽ መን እዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸላእቲ ኣምላኽ መን እዮም፧
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰይጣን ኪውሕጠካ ስለ ዚደሊ፡ ንቑሕ ኩን!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንጸላኢኻ ፍለጦ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ሰይጣን
    ንቕሑ!—2013
  • ድያብሎስ መን ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 8 ገጽ 14

ትምህርቲ 8

ጸላእቲ ኣምላኽ መን እዮም፧

እቲ ቐንዲ ጸላኢ ኣምላኽ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ንሱ ኻብ የሆዋ ዝዓለወ መንፈሳዊ ፍጡር እዩ። ሰይጣን ምስ ኣምላኽ ዝገብሮ ቓልሲ ብምቕጻል ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዙሕ ሽግር የምጽእ ኣሎ። ሰይጣን እኩይ እዩ። ሓሳውን ቀታል ሰብን ከኣ እዩ።—ዮሃንስ 8:44

ኣጋንንቲ

ሰይጣን ካብ ኣምላኽ ብምዕላው ኣብ ዝፈጸሞ ተግባር ገለ መንፈሳውያን ፍጡራት ምስኡ ሓበሩ። ነዚኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ኣጋንንቲ ኢሉ ይጽውዖም። እዞም ኣጋንንቲ እዚኣቶም ልክዕ ከም ሰይጣን ጸላእቲ ሰባት እዮም። ንሰባት ምጕዳእ ደስ እዩ ዝብሎም። (ማቴዎስ 9:32, 33፣ 12:22) የሆዋ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ከጥፍኦም እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘውርድዎ ዘለዉ ሽግር ከብቅዕ ቅሩብ ግዜ ጥራይ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ።—ራእይ 12:12

ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: እቲ ሰይጣን ክትገብሮ ዝደልየካ ነገራት ክትገብር የብልካን። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንየሆዋ ይጸልእዎ እዮም። ንሳቶም ጸላእቲ ኣምላኽ እዮም: ንዓኻ ድማ ጸላኢ ኣምላኽ ክገብሩኻ እዮም ዝደልዩ። ንሰይጣን ወይስ ንየሆዋ ንመን ከተሐጒስ ከም እትደሊ ኽትመርጽ ኣሎካ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ፍቓድ ኣምላኽ ክትገብር ኣሎካ። ሰይጣን ንሰባት ንምስሓት ብዙሕ ውዲታትን መገድታትን እዩ ዝጥቀም። መብዛሕትኦም ሰባት ድማ ብእኡ ተታሊሎም እዮም።—ራእይ 12:9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ