ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 6 ገጽ 10-11
  • ምድሪ ገነት እትዀነሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምድሪ ገነት እትዀነሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ!
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝሓሸ ናብራ—ኣብ ቀረባ ግዜ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ምድሪ፡ ገነት እትኸውን መዓስ እያ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዲና እንነብር ዘለና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • “መወዳእታ ዓለም” ቀሪቡ ኢዩ!
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 6 ገጽ 10-11

ትምህርቲ 6

ምድሪ ገነት እትዀነሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ!

እዚ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ሕማቕ ነገራት እቲ ምድሪ ገነት እትዀነሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ይሕብር። መጽሓፍ ቅዱስ ምድሪ ገነት እትዀነሉ ግዜ ቀቅድሚ ምምጻኡ ኣዝዩ ኽፉእ እዋን ክንርኢ ምዃንና ገሊጹልና ኣሎ። ሎሚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ኢና ንነብር ዘለና! ገለ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍጸም ምዃኑ እተዛረበሉ ነገራት እዚ ዝስዕብ እዩ:-

ነፈርቲ ውግእ

ዓበይቲ ውግኣት። “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ።” (ማቴዎስ 24:7) እዚ ትንቢት እዚ ብሓቂ ይፍጸም ኣሎ። ካብ 1914 ኣትሒዙ: ክልተ ውግኣት ዓለምን ብዙሓት ንኣሽቱ ውግኣትን ተኻይዱ እዩ። ኣብዚ ድማ ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ሰባት ሞይቶም እዮም።

ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ሕማም። “ኣብ በቦታኡ ድማ . . . ፌራ” ክኸውን ምዃኑ ተነጊሩ ነይሩ። (ሉቃስ 21:11) እዚኸ ተፈጺሙዶ፧ እወ: ተፈጺሙ እዩ። መንሽሮ: ሕማም ልቢ: ዓባይ ሰዓል: ዓሶ: አይድስ ከምኡውን ካልኦት ሕማማት ብሚልዮናት ንዝቚጸሩ ሰባት ቀዚፎም እዮም።

ዝሓመሙን ዝጠመዩን ሰባት

ስእነት መግቢ። ኣብ ብዘላ ምድሪ እኹል ዝብላዕ መግቢ ዘይብሎም ሰባት ኣለዉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ይሞቱ። እዚውን ምድሪ ገነት እትዀነሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ዝሕብር ካልእ ምልክት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ጥሜት ኪኸውን እዩ” ይብል።—ማርቆስ 13:8

ምንቅጥቃጥ ምድሪ። ‘ኣብ በቦታኡ ድማ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን እዩ።’ (ማቴዎስ 24:7) እዚ ኣብ ግዜና ይፍጸም ኣሎ። ካብ 1914 ኣትሒዙ: ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሞይቶም እዮም።

ሓደ ሰብኣይ፡ ሽጉጥ ኣዕሚሩ ንሓንቲ ሰበይቲ ይሕዛ

እኩያት ሰባት። ሰባት “ፈተውቲ ገንዘብ:” “ፈተውቲ ርእሶም:” ከምኡውን “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ክዀኑ ምዃኖም ተሓቢሩ ነይሩ። ውሉዳት ከኣ “ንወለዶም ዘይእዘዙ” ክዀኑ ምዃኖም ተነጊሩ ነይሩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ሎሚ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ንኣምላኽ ኣየኽብርዎን እዮም: ነቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ክማሃሩ ዝደልዩ ሰባት ድማ የሸግርዎም።

ገበን። ‘ብዝሒ ዓመጻ’ ክህሉ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:12) ካብቲ ገለ ዓመታት ይገብር ዝነበረሉ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ገበን ገዲዱ ምህላዉ ኸም እትሰማምዓሉ ርዱእ እዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝርከቡ ሰባት ከይስረቑ: ከይታለሉ: ወይ ከይጒድኡ ይፈርሁ።

እዚ ዅሉ እተጠቕሰ ነገራት መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ይሕብር። መጽሓፍ ቅዱስ “እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም: መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ” ይብል። (ሉቃስ 21:31) መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ኣብ ምድሪ ገነት እተምጽእ ሰማያዊት መንግስቲ እያ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዘን ሰብኣውያን መንግስታት ክትክአን እያ።—ዳንኤል 2:44

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ