ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 5 ገጽ 8-9
  • ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኣብ ገነት ክነብሩ እዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኣብ ገነት ክነብሩ እዮም
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝሓሸ ናብራ መብጽዓ ተገይርሉ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ገነት
    ንቕሑ!—2013
  • “ኣብ ገነት የራኽበና!”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ድሕሪ ኣርማጌዶን ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 5 ገጽ 8-9

ትምህርቲ 5

ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኣብ ገነት ክነብሩ እዮም

ገነት ከምዛ ሕጂ እንነብረላ ዘለና ዓለም ኣይክትከውንን እያ። ምድሪ ብሽግርን ጓህን ስቓይን መከራን ክትመልእ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይደልን እዩ። ኣብ መጻኢ: ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ክገብራ እዩ። ገነት እንታይ እያ ኽትመስል፧ ብዛዕባዚ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል እስከ ንርአ:-

ሰባት ኣብ ገነት ሓቢሮም ይምገቡ

ቅኑዓት ሰባት። ገነት መንበሪት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክትከውን እያ። ነንሓድሕዶም እናተሓላለዩ ብሰላም ክነብሩ እዮም። በቲ ጽድቃዊ መገድታት ኣምላኽ ክመላለሱ እዮም።—ምሳሌ 2:21

ኣኽል-ታርፍ መግቢ። ኣብ ገነት ጥሜት ኣይክህሉን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብዝሒ እኽሊ [ወይ መግቢ] ኣብ ሃገር ኪኸውን [እዩ]’ ይብል።—መዝሙር 72:16

ሰባት ኣብ ገነት ገዛ ይሰርሑ፡ ካልኦት ምግቢ ይእክቡ፡ ሓንቲ ኣደ ድማ ንጓላ ሒዛታ

ጽቡቕ ኣባይትን ዘሐጕስ ስራሕን። ኣብ ገነታዊት ምድሪ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ናይ ገዛእ ርእሳ ቤት ክህልዋ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዘምጽኣሉ ስራሕ ክሰርሕ እዩ።—ኢሳይያስ 65:21-23

ዓለምለኻዊ ሰላም። ድሕሪ ደጊም ሰባት ኣይክዋግኡን ኣብ ውግእ ድማ ኣይክሞቱን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “[ኣምላኽ] ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ” ይብል።—መዝሙር 46:8, 9

ጽቡቕ ጥዕና። መጽሓፍ ቅዱስ “ካብቶም ኣብኣ [ኣብ ገነት] ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” ትርጕም 1990] እየ: ኣይብልን” ኢሉ ይመባጻዕ። (ኢሳይያስ 33:24) ሓንካስ ወይ ዕዉር ወይ ጸማም ወይ ዓባስ እውን ኣይክህሉን እዩ።—ኢሳይያስ 35:5, 6

ስቓይን ሓዘንን ሞትን የኽትም። ቃል ኣምላኽ “እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብል።—ራእይ 21:4

እኩያት ሰባት ክጠፍኡ እዮም። የሆዋ: “ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም” ኢሉ ይመባጻዕ።—ምሳሌ 2:22

ሰባት ነንሓድሕዶም ክፋቐሩን ክከባበሩን እዮም። ድሕሪ ደጊም ምጕዳል ፍትሒ: ጭቈና: ስስዐ: ከምኡውን ጽልኢ ኣይክህሉን እዩ። ሰባት ሓቢሮም ምስቲ ጽድቃዊ መገድታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ክነብሩ እዮም።—ኢሳይያስ 26:9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ