ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 1 ገጽ 12-13
  • ተስፋ ዚህብ ትምህርቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተስፋ ዚህብ ትምህርቲ
  • ንቕሑ!—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንእኩያት ኬጥፍኦም እዩ
  • ኣምላኽ ንሰይጣን ኬጥፍኦ እዩ
  • ኣምላኽ ንሕማምን ንሞትን ኬወግዶ እዩ
  • ፈጣሪና ንምድሪ ገነት ኪገብራ እዩ
  • ኣምላኽ ንምውታት ኬተንስኦም እዩ
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንዘለኣለም ምንባር ሕልሚ ኣይኰነን
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ዘሐጕስ መጻኢ ግዜ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ!
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 1 ገጽ 12-13
ሰባት ምስ እንስሳታት ብሰላም ይነብሩ፣ ብብዙሕ ምግብን በታ ዚነብሩላ ውቅብቲ ገነትን ባህ ይብሎም።

ተስፋ ዚህብ ትምህርቲ

ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ባህ ዜብል ለውጥታት ከም ዚህሉ ኣተስፍዩ እዩ። ንመከራ መወዳእታ ኺገብረሉን ሰባት ኣብ ምድሪ ዜሐጕስ ህይወት ከም ዚህልዎምን ኪገብር እዩ። (መዝሙር 37:11) ነዚ ተስፋ እዚ ኽንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ “ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን።” (ዘሁልቍ 23:19) ገለ ኻብቲ ፈጣሪና ዚገብሮ ሰናይ ነገራት እስከ ንርአ።

ኣምላኽ ንእኩያት ኬጥፍኦም እዩ

“እኩያት ከም ሳዕሪ ይስዕርሩ፡ ኵሎም ገበርቲ ኽፉእ ድማ ይልምልሙ፣ እዚ ግና ንዘለኣለም ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ።”—መዝሙር 92:7።

ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ከም ዝርኣናዮ፡ እከይ እናገደደ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። እዚ ኸኣ ኬገርመና የብሉን። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፡ ሰባት፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ኣዝዮም ክፉኣት ከም ዚዀኑ ተነብዩ እዩ። ዳሕሮት መዓልትታት ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚ፡ ንዳሕሮት መዓልታት እቶም ኣብዛ ዓለም ዚነብሩ ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት እዩ ዜመልክት። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣምላኽ ነቶም ካብ ክፉእ መንገዶም ዘይምለሱ ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። ሽዑ፡ ቅኑዓት ሰባት ማለት፡ እቶም ንኣምላኽ ዚእዘዙ ጥራይ ኪድሕኑ እዮም። እወ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29።

ኣምላኽ ንሰይጣን ኬጥፍኦ እዩ

“እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ ከኣ ንሰይጣን . . . ኪጭፍልቖ እዩ።”—ሮሜ 16:20።

ኵሉ እከይ፡ እንተላይ ሰይጣንን ኣጋንንትን ምስ ጠፍኡ፡ ኣብ መላእ ምድሪ ሰላም ኪሰፍን እዩ። ፈጣሪና፡ “ሓደ እኳ [ኣይከፍርሃኩምን] እዩ” ኢሉ ቓል ኣትዩልና ኣሎ።—ሚክያስ 4:4።

ኣምላኽ ንሕማምን ንሞትን ኬወግዶ እዩ

“ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ . . . ንዝብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21: 3, 4።

ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ ሰይጣንን ኣዳምን ሄዋንን ከምኡ እውን ብሰንኪ እቲ ዘይፍጽምናና ዝወረደ ጕድኣት ስለ ዜዐርዮ፡ መከራን ሕማምን ኪውገድ እዩ። ስለዚ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” እዩ። ንፈጣሪ ዜፍቅርዎን ዚእዘዝዎን ሰባት ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ኣበይ እዮም ግና ኪነብሩ፧

ፈጣሪና ንምድሪ ገነት ኪገብራ እዩ

“በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1።

ኣምላኽ ንዅሉ እከይ ምስ ኣወገዶ፡ ምድሪ ኽትለምዕ እያ። ባህ ብዜብል መናፈሻታትን ስፍራ ኣታኽልትን ድማ ክትምላእ እያ። ብዙሕ ምግቢ እውን ከተፍሪ እያ። (መዝሙር 72:16) ሽዑ፡ ውቅያኖሳትን ቀላያትን ኣፍላግን ጽሩይ ኪኸውንን ብህያዋን ኪምላእን እዩ። ነታ፡ “ብከላ” እትብል ቃል እውን ከይተረፈ ኽንርስዓ ኢና። ሰባት፡ ባዕሎም ኣብ ዝሃንጽዎን ኣብ ዚውንንዎን ኣባይቲ ኺነብሩ እዮም። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ግዳም ሓደር፡ ብጥሜት ዚሰቐ፡ ወይ ድኻ ኣይኪህሉን እዩ።—ኢሳይያስ 65:21, 22።

ኣምላኽ ንምውታት ኬተንስኦም እዩ

“ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]።”—ግብሪ ሃዋርያት 24:15።

ንዝሞቱ እተፍቅሮም ሰብካ፡ ዳግም ክትርእዮም ምደለኻዶ፧ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ፡ ዳግም ህያዋን ኪገብሮም ወይ ኬተንስኦም እዩ። ምስ ረኸብካዮም፡ ከተለልዮም ኢኻ ንሳቶም እውን ኬለልዩኻ እዮም። ነቲ ሽዑ ዚህልወኩም ሓጐስ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ! እዚ ተስፋ እዚ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሞት ተንሲኦም ምስ ስድራ ቤቶም ዳግም ብዛዕባ እተራኸቡ ዓበይትን ንኣሽቱን ተጠቒሱ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ የሱስ ነቶም ዜተንስኦም ምዉታት ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር እዩ ኣተንሲእዎም።—ሉቃስ 8:49-56፣ ዮሃንስ 11:11-14, 38-44።

ሕጂ ብሓቂ ሕጉስ እየ

“ነቲ ንፈለማ፡ መከራን ሕማምን ሞትን ብዛዕባ ዘይብላ ገነታዊት ምድሪ ዚሰማዕኩሉ እዋን እዝክሮ እየ። ሽዑ፡ ‘እዚ ፈጺሙ ኪኸውን ዘይኽእል ነገር እዩ’ ኢለ ብልበይ ሰሓቕኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽናዕኩ ግና፡ ነዚ ፍሉይ መጽሓፍን ነቲ ዚህቦ ተስፋታትን ኪኣምኖ ምኽንያት ረኸብኩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣመንኩ። ቅድሚ ሕጂ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ገጸይ ጭንቀትን ጓህን እዩ ዝንበብ ነይሩ። ሕጂ ግና፡ ብሓቂ ሕጉስ እየ። ስድራ ቤተይን ፈተውተይን እውን ነዚ ኣስተብሂሎሙሉ እዮም።”—ራቪ።

Ravi.

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ፦

ፈጣሪ፡ ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ብዛዕባ ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ናብ jw.org እቶ እሞ ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ > ህይወትን ሞትን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ