ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g19 ቍ. 2 ገጽ 14-15
  • ኣድላይነት ስነ ምግባራዊ መትከላት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣድላይነት ስነ ምግባራዊ መትከላት
  • ንቕሑ!—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስነ ምግባራዊ መትከላት እንታይ እዩ፧
  • ስነ ምግባራዊ መትከላት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ብኸመይ ስነ ምግባራዊ መትከላት ትምህር፧
  • 7 መትከል
    ንቕሑ!—2018
  • ተቐያያሪ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ህይወትካ ዜመሓይሽ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት
    ንቕሑ!—2013
  • ብግዜ ዘይግደብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2019
g19 ቍ. 2 ገጽ 14-15
ሓንቲ ኣደ ንሓንቲ ቦርሳኣ ደርብያ ዝኸደት ሰበይቲ ኽትመልሰላ ኸላ፡ ጓላ ትርእያ

ትምህርቲ 6

ኣድላይነት ስነ ምግባራዊ መትከላት

ስነ ምግባራዊ መትከላት እንታይ እዩ፧

ስነ ምግባራዊ መትከላት ዘለዎም ሰባት ቅኑዕን ጌጋን ኪፈልዩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዚስዕብዎ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣብቲ ሽዑ ዚስምዖም ስምዒት ኣይኰነን ዚምርኰስ። የግዳስ፡ ከም መምርሒ ኣብ ዚዀኖም ጽኑዕ መሰረታዊ ስርዓታት እተመርኰሰ እዩ፣ ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ኸኣ፡ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘይርእይዎም እዋን እኳ ይስዕብዎ እዮም።

ስነ ምግባራዊ መትከላት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ቈልዑ ኻብ መማህርቶም ኰነ፡ ካብ ዚሰምዕዎ ሙዚቃ ዀነ፡ ካብ ዚርእይዎ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ብዛዕባ ስነ ምግባር ብዚንገሮም ቄናን መልእኽቲ ይድብደቡ እዮም። እዚ ጽልዋታት እዚ ነቲ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘለዎም እምነታት ኪፍትኖ ይኽእል እዩ።

ምናዳ ኣብ ዕድመ ዀተቴታትን ጐራዙትን እዚ ፈታኒ እዩ። ቢዮንድ ዘ ቢግ ቶክ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም እትገልጾ፡ ኰተቴታትን ጐራዙትን ኣብቲ ዕድመ እቲ፡ “ህቡብን ቅቡልን ንምዃን ካብ መዛኑን መራኸቢ ብዙሓንን ብርቱዕ ጸቕጢ ኸም ዚወርዶም ኪርድኡ ኣለዎም፣ ዋላ እውን ኣዕሩኾም ንውሳነኦም ኣይፍተውዎ፡ ምስ መትከላቶምን ምርጫታቶምን ዚሳነ ውሳነታት ምግባር እውን ኪፈልጡ ኣለዎም።” እምበኣር፡ ስልጠና ቕድሚ ዕድመ ብጽሕና ኺጅምር ኣለዎ።

ብኸመይ ስነ ምግባራዊ መትከላት ትምህር፧

ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣቝም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “[እቶም] ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ ብሱላት [እዮም]።”—እብራውያን 5:14።

  • ስነ ምግባራዊ ማህደረ ቓላት ይሃሉኻ። መዓልታዊ ናብ ዜጋጥም ነገራት እናኣመልከትካ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ኣነጽር፦ “እዚ ቕኑዕ፣ እቲ ጌጋ።” “እዚ እሙን፣ እቲ ጠላም።” “እዚ ጽቡቕ፣ እቲ ሕማቕ።” እናሓደረ ውሉድካ፡ ንስነ ምግባራዊ መትከላት ምስ ተግባራት እናኣተሓሓዞ ኪኸይድ እዩ።

  • ንስነ ምግባራዊ ስርዓታትካ ዘሎካ ምኽንያታት ግለጽ። ንኣብነት፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተት፦ ቅንዕና ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓሶት ንዕርክነት ኬበላሹ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ስርቂ ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ውሉድካ ሕልናኡን ናይ ምምዝዛን ክእለቱን ኬማዕብል ሓግዞ።

  • ጽቡቕ ስነ ምግባር ዘለዎ ጥቕምታት ኣጕልሕ። ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ብቕንዕና እንተ ተመላሊስካ፡ ካልኦት ኪኣምኑኻ እዮም” ወይ “ለዋህ እንተ ዄንካ፡ ሰባት ኪቐርቡኻ እዮም።”

ስነ ምግባራዊ ስርዓታትካ ኽፍሊ መንነት ስድራ ቤትካ ግበሮ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ።”—2 ቈረንቶስ 13:5።

  • እትስዕቦ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ክፍሊ ስድራ ቤትካ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብሓቂ ኸምዚ ኽትብል ትኽእል፦

    • “ኣብ ስድራ ቤትና ኣይንሕሱን ኢና።”

    • “ንሰብ ኣይንወቅዕን ወይ ምስ ሰብ ኣይንቋየቝን ኢና።”

    • “ኣይንጻረፍን ወይ ሕማቕ ኣይንዛረብን ኢና።”

በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ውሉድካ ንስነ ምግባራዊ መትከላት፡ ኪሕሎ ኸም ዘለዎ ስርዓታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንነት ስድራ ቤትኩም ከም ዝዀነ ገይሩ ኺርእዮ እዩ።

  • ምስ ውሉድካ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ መትከላት ስድራ ቤትኩም ተመያየጡ። መዓልታዊ ንዜጋጥም ነገራት ከም መምሃሪ ተጠቐመሉ። ንመትከላትካ ምስቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚቐርብ ከተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ። ንውሉድካ፡ “እንታይ ምገበርካ፧” “ስድራ ቤትና ነዚ ብኸመይ ምሓዝናዮ፧” ዝዓይነቱ ሕቶታት ሕተቶ።

ንስነ ምግባራዊ መትከልካ ጽኑዕ ግበሮ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም።”—1 ጴጥሮስ 3:16።

  • ጽቡቕ ጠባይ ንኣድ። ውሉድካ ኣብ ተግባሩ ጽቡቕ ስነ ምግባራዊ መትከል ከም ዘለዎ እንተ ኣርእዩ፡ ንኣዶ፡ ስለምንታይ ከም ዝነኣድካዮ እውን ግለጸሉ። ንኣብነት፡ “ሓቂ ስለ እተዛረብካ፡ ኣሐቢንካኒ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ውሉድካ ጌጋ ኸም ዝገበረ እንተ ተኣሚኑ፡ ቅድሚ ምእራምካ ስለቲ ሓቅነቱ ኻብ ልቢ ንኣዶ።

  • ሕማቕ ጠባይ ኣርም። ደቅኻ ንዚገብርዎ ተግባራት ሓላፍነት ኪስከሙ ሓግዞም። ውሉዳት እንታይ ጌጋ ኸም ዝገበሩን ኣካይዳኦም ካብ መትከላት ስድራ ቤትኩም ብኸመይ ከም ዝወጸን ኪፈልጡ ኣለዎም። ገሊኦም ወለዲ፡ ደቆም ሕማቕ ጠባይ ኬርእዩ ኸለዉ፡ ‘ሕማቕ ከይስምዖም’ ኢሎም ኣይዛረብዎምን እዮም። ንውሉድካ ብዛዕባ ሕማቕ ጠባዩ እንተ ኣመያይጥካዮ ግና፡ ቅኑዕን ጌጋን ኪፈሊ ዚኽእል ሕልና ኼማዕብል ይሕግዞ እዩ።

ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናብ jw.org እቶ።

ሓንቲ ኣደ ንሓንቲ ቦርሳኣ ደርብያ ዝኸደት ሰበይቲ ኽትመልሰላ ኸላ፡ ጓላ ትርእያ

ሕጂ ኣሰልጥን

ንወለዶም ብቕንዕና ኺመላለሱ ዚርእይዎም ቈልዑ፡ በይኖም ኣብ ዚዀኑሉ እዋን ኬታልሉ ዚቐርበሎም ፈተና መብዛሕትኡ ግዜ ኺጻወሩ ይኽእሉ

ብኣብነት ምሃር

  • በቲ ስድራ ቤትና እትምርሓሉ መትከላት ከም ዝመላለስ፡ ደቀይ ኣብ ተግባረይን ቃለይን ይርእይዎ ድዮም፧

  • ኣነን መጻምድተይን ሕደ መትከላት ድዩ ዘሎና፧

  • ብኣፈይ ወይ ብልበይ፡ “እዚ ንዓበይቲ ሽግር የብሉን” ኢለ እናኣመኻነኹ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ዕሽሽ እብል ድየ፧

ንሕና ዝገበርናዮ . . .

“ጽቡቕ ስነ ምግባር ዘለዎ ጥቕሚ ንምምሃር፡ ተመክሮ ኻልኦት ተጠቒምና ኢና፣ ነቲ ንሳቶም ዝረኸብዎ ፍረ ኸኣ ምስቲ ሕማቕ ውሳነታት ዝገበሩ ሰባት ዝረኸብዎ ፍረ ኣነጻጺርና ኢና። ደቅና፡ ሕማቕ ውሳነ ብዛዕባ ዝገበረ መዘናኦም ኪነግሩና ኸለዉ፡ በቲ መገዲ እቲ ምእንቲ ኸይከዱ ብዛዕባኡ ንመያየጥ ኢና።”—ኒኮል።

“ጓልና ንእሽቶ ኸላ፡ ክልተ ምርጫ ኸም ዘለዋ ንነግራ ኔርና፡—ሓዲኡ ጽቡቕ፡ ሓዲኡ ድማ ሕማቕ፣ ሳዕቤናት ክልቲኡ እውን ገሊጽናላ ኢና። ካብዚ ድማ ውሳነታት ምግባር ተማሂራ። ዕድመኻ ብዘየገድስ፡ ህይወት ብዛዕባ ምርጫታት ስለ ዝዀነት፡ እዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ነይሩ።”—ዮላንዳ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ