ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g19 ቍ. 2 ገጽ 12-13
  • መሪሕነት ዓብዪ ሰብ ዘለዎ ኣገዳስነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መሪሕነት ዓብዪ ሰብ ዘለዎ ኣገዳስነት
  • ንቕሑ!—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መሪሕነት ዓብዪ ሰብ እንታይ የጠቓልል፧
  • መሪሕነት ዓብዪ ሰብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • መሪሕነት ብኸመይ ትህብ፧
  • ከም ወላዲ መጠን ንውሉድካ ብኸመይ መምርሒ ትህቦ፧
    ንስድራ ቤት
  • ውሉዳት ንምዕባይ ዚኸውን ዜተኣማምን ምኽሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳትካ ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘካ ይኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2019
g19 ቍ. 2 ገጽ 12-13
ሓንቲ ሰበይቲ ንሓንቲ ጓል ናይ ቀደም ስእልታታ ተርእያ

ትምህርቲ 5

መሪሕነት ዓብዪ ሰብ ዘለዎ ኣገዳስነት

መሪሕነት ዓብዪ ሰብ እንታይ የጠቓልል፧

ቈልዑ ኣብ ህይወቶም ኪመርሖምን ኪመኽሮምን ዚኽእል ዓብዪ ሰብ የድልዮም እዩ። ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ነዚ ግደ እዚ ንምፍጻም ዜኽእል ብሉጽ ቦታ ኣሎካ፣ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ግዴታኻ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት እውን ንደቅኻ ኺምዕድዎም ይኽእሉ እዮም።

መሪሕነት ዓብዪ ሰብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ቈልዑ ምስ ዓበይቲ ብዙሕ ግዜ ኣየሕልፉን እዮም። ነዚ እሞ ሕሰበሉ፦

  • ቈልዑ መብዛሕትኡ ግዜኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ እዮም ዘሕልፍዎ፣ ኣብኡ ድማ እቶም ተምሃሮ ኻብ መምህራኖም ወይ ካብ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ይበዝሑ።

  • ድሕሪ ቤት ትምህርቲ፡ ገሊኦም ቈልዑ ናብ ጥራዩ ቤቶም እዮም ዚምለሱ፣ ከመይሲ፡ ክልቲኦም ወለዶም ንስራሕ ይወፍሩ እዮም።

  • ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ካብ 8 ኽሳዕ 12 ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኣብ መዓልቲ ብገምጋም ሽዱሽተ ሰዓት ምስ ኤለክትሮኒካዊ መዘናግዒ የሕልፉ።a

ሆልድ ኦን ቱ ዮር ኪድስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መንእሰያት ትምህርትን ኣብነትን መሪሕነትን ንምርካብ፡ ናብ ኣዴታትን ኣቦታትን መምህራንን ካልኦት ሓላፍነት ዚስምዖም ዓበይትን ዘይኰነስ፡ ናብ . . . መዛኑኦም እዮም ዚኸዱ ዘለዉ” ትብል።

መሪሕነት ብኸመይ ትህብ፧

ምስ ደቅኻ ግዜ ኣሕልፍ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣ ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6።

ቈልዑ ብተፈጥሮኦም ካብ ወለዶም መሪሕነት ይደልዩ እዮም። ቈልዑ ዓብዮም መንእሰያት ናብ ምዃን ኪሰግሩ ኸለዉ እውን እንተ ዀነ፡ ንምኽሪ ወለዶም ካብ ናይ መዛኑኦም ኣብሊጾም ከም ዚርእይዎ፡ ክኢላታት ይዛረቡ እዮም። ዶ/ር ሎረንስ ስታይንበርግ ኣብታ ዩ ኤንድ ዮር ኣዶለሰንት ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ወለዲ ኣብቲ ውሉዶም ብእዋን ብጽሕና ሓሊፉ እኹል ሰብ ዝዀነሉ ዓመታት ኣብ ኣረኣእያን ጠባይን ውሉዶም ካብ ኵሉ ዝዓበየ ጽልዋ ኣለዎም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “መንእሰያት ዋላ እኳ ወትሩ ኣይእመኑሉ ወይ ምስ ሓሳብኩም ኣይሰማምዑ እምበር፡ ብሓሳብኩም ይግደሱን ንእትብልዎ ይሰምዑን እዮም” ኢሉ እዩ።

እምበኣር፡ ደቅኻ ኽትመርሖም ዚጽበዩኻ ኻብ ኰኑ፡ ንምምራሖም ዚከኣለካ ግበር። ምስ ደቅኻ ግዜ ኣሕልፍ፡ ኣረኣእያኻን መትከላትካን ተመክሮታትካን ኣካፍሎም።

መዓዲ ግበረሎም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20።

ንመንእሰይ ውሉድካ ሰናይ ኣርኣያ ኪዀኖ ዚኽእል ዓብዪ ሰብዶ ትፈልጥ፧ እቲ ሰብ እቲ ምስ ውሉድካ ግዜ ኸም ዜሕልፍ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ልክዕ እዩ፡ ከም ወላዲ መጠን ዘሎካ ስልጣን፡ ኣሕሊፍልካ ኽትህብ የብልካን። ኰይኑ ግና፡ ንውሉድካ ኸም ዘይጐድኦ ኻብ እትኣምኖ ዓብዪ ሰብ ዚመጽእ መተባብዒ፡ ነቲ ንስኻ ንውሉድካ እትህቦ ስልጠና መራጐዲ ኪዀኖ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ጢሞቴዎስ ምስ ዓበየ እውን ከይተረፈ፡ ካብቲ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ቕርርብ ብዙሕ ተጠቒሙ እዩ፣ ጳውሎስ እውን ካብቲ ምስ ጢሞቴዎስ ዝነበሮ ዕርክነት ተጠቒሙ እዩ።—ፊልጲ 2:20, 22።

ኣብ ዝሓለፈ ዘመን፡ ሓያሎ ቤተ ሰብ ፋሕ ፋሕ ኢሉ እዩ ዚነብር ዘሎ፣ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ካልኦት ኣዝማድን ኣብ ካልእ ኵርናዕ ዓለም እዮም ዚነብሩ። ኣብ ቤተ ሰብኩም እውን ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንመንእሰያት ደቅኻ ጽቡቕ ባህርያት ምስ ዚምህርዎም ዓበይቲ ሰባት ኪቀራረቡ ኣጋጣሚ ኽፈተሎም።

a እቲ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ካብ 13 ኽሳዕ 19 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ብገምጋም ትሽዓተ ሰዓት ምስ ኤለክትሮኒካዊ መዘናግዒ የሕልፉ። እዚ ንቘልዑን ንመንእሰያት ዚምልከት ኣሃዛት፡ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ዕዮ ገዛ ንምዕያይ ኣብ ኢንተርነት ዜሕልፍዎ ግዜ ኣየጠቓልልን እዩ።

ሓንቲ ሰበይቲ ንሓንቲ ጓል ናይ ቀደም ስእልታታ ተርእያ

ሕጂ ኣሰልጥን

ካብ ዓበይቲ መሪሕነት ዚጽበ ቘልዓ፡ ጸኒሑ ኣብ ህይወቱ ጥበብን ብስለትን ይህልዎ እዩ

ብኣብነት ምሃር

  • ንደቀይ ጽቡቕ ኣርኣያ እዀኖም ድየ፧

  • ኣነ እውን በቶም ብተመክሮ ዚበልጹኒ ሰባት ከም ዝምዓድ ንደቀይ አርእዮም ድየ፧

  • ምስ ደቀይ ግዜ ብምሕላፍ፡ ብዛዕባኦም ከም ዝግደስ አርኢ ድየ፧

ንሕና ዝገበርናዮ . . .

“ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ነገር እናገበርኩ ኸለኹ፡ ጓለይ ክትዛረበኒ ትደሊ። ልበይ ከይተኸፋፈለ ምሉእ ኣቓልቦ ምእንቲ ኽህባ ኢለ ሒደት ደቓይቕ ክትጽበ ኣብ ዝነገረሉ እዋን እኳ፡ ወትሩ ንዓኣ ቐዳምነት እህባ እየ። በቲ እንምህራ ስርዓታት ከም እንመላለስ ምእንቲ ኽትርኢ፡ ኣነን ሰበይተይን ሰናይ ኣብነት ክንከውን ንጽዕር ኢና።”—ዴቪድ።

“ጓልና ምስ ተወልደት፡ ስራሕ ሓዲገ ኸዕብያ፡ ኣነን ሰብኣየይን ወሲንና። በቲ ውሳነ እቲ ኣይጠዓስን እየ። ውሉድካ ግቡእ መሪሕነት ረኺቡ ምእንቲ ኺዓቢ፡ ኣብ ህይወቱ ብእተኻእለ መጠን እጃም ከም ዚህልወካ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስ ውሉድካ ምዃንካ፡ ንውሉድካ ኸም እትግደሰሉ የርእዮ እዩ።”—ሊሳ።

ምስ ዓበይቲ ሰባት ግዜ ምሕላፍ

“ደቀይ ኪዓብዩ ኸለዉ፡ ኣብ ከባቢኦም እተፈላለዩ ዓበይቲ ሰባት ነይሮም እዮም፣ እዚ ኸኣ ንህይወት ብተመክሮታት ካልኦት ሰባት ገይሮም ኪርእይዋ ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ዓባየይ ንእሽቶ ጓል ከላ፡ ስድራ ቤታ ብኤለክትሪክ ዚበርህ ብርሃን ዝረኸቡ ናይ መጀመርታ ስድራ ምንባሮም ምስ ነገረቶም ተደኒቖም እዮም። ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት ነታ ኣብ ክሽነ ዝነበረት መብራህቲ ኽትውላዕን ክትጠፍእን ከላ ንምርኣይ ጥራይ ኢሎም ናብ ገዛኦም ይመጹ ምንባሮም ነጊራቶም እያ። እዚ ዛንታ እዚ ኸኣ ንደቀይ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ህይወት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ምንባሩ ኺግንዘቡ ሓጊዝዎም እዩ። ብዛዕባ ኣደ ዓባዮም በዚ ኸምዚ ምፍላጦም፡ ንዓኣን ንኻልኦት ዓበይቲ ሰባትን ኬኽብሩ ሓጊዝዎም እዩ። ቈልዑ ዝበዝሐ ግዜ ምስ ዓበይቲ፡ ዝወሓደ ግዜ ኸኣ ምስ መዛኑኦም እንተ ኣሕሊፎም፡ ንህይወት ካብ ካልእ ኣንፈት ኪርእይዋ ይኽእሉ እዮም።”—ማራንዳ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ