ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 6/15 ገጽ 10-11
  • ጋሊለዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጋሊለዮ
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስነ ፍልጠትን ሃይማኖትን
  • ስነ-ፍልጠትን ሃይማኖትን ኪጋጮ ዝጀመረሉ እዋን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ዘይስሙ እተዋህቦ መጽሓፍ
    ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
  • ስነ-ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ብሓቂዶ ንሓድሕዱ ይጋጮ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2015
ንቕሑ!—2015
g 6/15 ገጽ 10-11
ጋሊለዮ

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ጋሊለዮ

ኣብ መበል 14ን 16ን ዘመን፡ ኤውሮጳውያን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ፈላስፋታትን፡ ኣቃውማ ዩኒቨርስ ምስቲ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ እትምህሮ ትምህርቲ ኸም ዚጋጮ ኺርድኡ ጀመሩ። ንሰማያት ብሓድሽ መገዲ ኺርእዮ ዝጀመረ፡ ጋሊለዮ ጋሊለይ እዩ ነይሩ።

ቅድሚ ጋሊለዮ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ጸሓይን ፕላነታትን ከዋኽብትን ንምድሪ ኸም ዚዞሩዋ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። እዚ እምነት እዚ ኸኣ፡ ሓደ ኻብቲ ወግዓዊ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ጋሊለዮ ብተለስኮፑ ገይሩ ምስቲ ብዙሕ ተቐባልነት ዝነበሮ ስነ ፍልጠታዊ ትምህርቲ ዚጋጮ መርትዖ ረኣየ። ንኣብነት፡ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዚርኣዩ ነጠብጣብ ቦታኦም ከም ዚቐያይሩ ረኣየ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ጸሓይ ኣብ ዛብያ (ኣክሲስ) ኸም እትዘውር ኬስተውዕል ከኣለ። ከምዚ ዝበለ ትዕዝብቲ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ብዛዕባ ዩኒቨርስ ዝነበሮም ፍልጠት ኣዝዩ ወሰኾ፣ ኰይኑ ግና፡ እቲ ፍልጠት ንጋሊለዮ፡ ምስ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ከም ዚጋጮ ገበሮ።

ስነ ፍልጠትን ሃይማኖትን

ጋሊለዮ ብዛዕባ እቲ ዝረኸቦ ነገራት ኪዛረብ ከሎ

ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሙ፡ ኒኮላስ ኮፐርኒከስ ዝስሙ ፖላንዳዊ ተመራማሪ ስነ ኰዀብ፡ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም እትዘውር ዚገልጽ ክልሰ ሓሳብ ኣማዕበለ። ጋሊለዮ ድማ ነቲ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ሰማያዊ ኣካላት ዚገልጽ ጽሑፋት ኮፐርኒከስ ኣጽንዖ፣ ምስቲ ናይ ኮፐርኒከስ ክልሰ ሓሳብ ዚሰማማዕ መርትዖ ድማ ኣከበ። ጋሊለዮ ኣብ ፈለማ፡ ላግጽን ንዕቀትን ከየጋጥሞ ስለ ዝፈርሀ፡ ንገለ ኻብቲ ትዕዝብቱ ብግህዶ ኻብ ምዝራብ ድሕር ምሕር ኢሉ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብተለስኮፑ ዝረኣዮ ነገራት ንዘሕደረሉ ውዕዉዕ ስምዒት ኪዓግቶ ስለ ዘይከኣለ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኸቦ ነገራት ብግህዶ ኺዛረብ ጀመረ። ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት በቲ ጋሊለዮ ዘቕረቦ ሓሳብ ተቘጥዑ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ካህናት ኣብ ቤተ ክርስትያን ኰይኖም ኪምህሩ ኸለዉ፡ ንጋሊለዮ ኼቈናጽብዎ ጀመሩ።

ብ1616 ካርዲናል ቤላርሚን ዝስሙ “ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ቐንዲ ናይ ሃይማኖት ምሁር፡” ንጋሊለዮ ብዛዕባ እቲ ኣንጻር ሓሳባት ኮፐርኒከስ ዝወጸ ሓድሽ ኣዋጅ ካቶሊክ ሓበሮ። ቤላርሚን ንጋሊለዮ፡ ነቲ ኣዋጅ ኪእዘዞ ኣትሪሩ ተላበዎ፣ ድሕሪኡ ጋሊለዮ፡ ንነዊሕ ዓመታት፡ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም እትዘውር ብግህዶ ኣይተዛረበን።

ብ1623 እቲ ፈታው ጋሊለዮ ዝነበረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣርባን ሻምናይ፡ ስልጣን ሓዘ። ስለዚ፡ ብ1624 ጋሊለዮ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ነቲ ብ1616 ዝወጸ ኣዋጅ ኪስርዞ ሓተቶ። ብኣንጻሩ ግና፡ ኣርባን ንጋሊለዮ፡ ናብ ዝዀነ ይኹን ኣካል ከይወገነ፡ ብዛዕባ እቲ ኮፐርኒከስን ኣሪስቶትልን ዝነበሮም ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኽልሰ ሓሳብ ኪገልጽ ኣዘዞ።

ድሕሪኡ፡ ጋሊለዮ ዳያሎግ ኦን ዘ ግሬት ዎርልድ ሲስተምስ ዘርእስታ መጽሓፍ ጸሓፈ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጋሊለዮ፡ ናብ ዝዀነ ይኹን ኣካል ከይውግን ኣዚዝዎ እኳ እንተ ነበረ፡ እታ መጽሓፍ ነቲ ኮፐርኒከስ ዝበጽሖ መደምደምታ እትድግፍ እያ ነይራ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጸላእቲ ጋሊለዮ፡ እታ መጽሓፍ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተባጭወሉ ምዃና ኺዛረቡ ጀመሩ። ድሕርዚ፡ ጋሊለዮ፡ መናፍቕ ከም ዝዀነ ጌርካ ተኸስሰ፡ ስቓይ ከም ዚወርዶ ድማ ተነግሮ፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንትምህርትታት ኮፐርኒከስ ተገዲዱ ኸም ዚነጽጎ ተገብረ። ብ1633 ቤት ፍርዲ መናፍቓን ሮማ፡ ኣብ ቤት ኪእሰር ፈረዶ፣ ንጽሑፋቱ ድማ ኣገዶ። ጋሊለዮ ብ8 ጥሪ 1642 ኣብታ ኣብ ጥቓ ፍሎረንስ እትርከብ ኣርቼትረ እትብሃል ከተማ ዝነበረት ቤቱ ሞተ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጆን ፖል ካልኣይ፡ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ንጋሊለዮ ብጌጋ ወጊዛቶ ኸም ዝነበረት ተኣሚኖም

ንኣማእታት ዓመታት፡ ጽሑፋት ጋሊለዮ ኣብቲ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኬንብብዎ ብዛዕባ ዘይፍቀደሎም ጽሑፋት ዚገልጽ መሐበሪ መጻሕፍቲ ተጠቒሱ ነበረ። ብ1979 ግና፡ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ነቲ ቤት ፍርዲ መናፍቓን ሮማ ቕድሚ 300 ዓመት ዝገበሮ ውሳነ ዳግመ ግምት ገበረትሉ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብ1992 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጆን ፖል ካልኣይ፡ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ንጋሊለዮ ብጌጋ ወጊዛቶ ኸም ዝነበረት ተኣሚኖም እዮም።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ጋሊለዮ ጋሊለይ ብ1564 ኣብታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ፒሳ እዩ ተወሊዱ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ በቲ ኣብኣ ዚርከብ ቄናን ግምቢ እያ እትፍለጥ። ጋሊለዮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓድዋ ይምህር ነበረ፣ ጸኒሑ ድማ ኣብ ፍሎረንስ ይነብርን ይሰርሕን ነበረ።

  • ጋሊለዮ ንተለስኮፕ እኳ እንተ ዘይመሃዛ፡ ኣጕሊሓ ምእንቲ ኸተርኢ ግና ብዝያዳ ኣመሓይሽዋን ጠቓሚት ገይርዋን እዩ።

  • ብምኽንያት እቲ ጋሊለዮ ብዛዕባ ዩኒቨርስ ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ክልተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ መናፍቓን ቀረበ፣ እዚ ቤት ፍርዲ እዚ፡ ነቶም ሰረተ እምነት ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ዝኸሓዱ ሰባት መብዛሕትኡ እዋን ብዜሳቒ መገዲ ዚቐጽዕ መጋባእያ እዩ ነይሩ።

ቤት ፍርዲ መናፍቓን ንጋሊለዮ ኣሳቕይዎ ድዩ፧

ገሊኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ቤት ፍርዲ መናፍቓን ሮማ ንጋሊለዮ ኣካላዊ ስቓይ ኣውሪዱሉ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይገልጹ እዮም። ኣብቲ ንጋሊለዮ እተዋህቦ ፍርዲ፡ ናይ ሓቂ ሓሳቡ ንምፍላጥ፡ “ጽኑዕ መርመራ” ኣገዳሲ ምዃኑ ተገሊጹ ነበረ። እዛ ሓረግ እዚኣ ብኣዘራርባ እቲ ቤት ፍርዲ መናፍቓን፡ መብዛሕትኡ እዋን “ምስቓይ” እያ እተመልክት፣ እዚ ኸኣ፡ ካልእ ይትረፍ “ኣካላዊ ምስቓይ ከም ዘሎ ብቓላት ምፍርራህ” እውን ኬመልክት ይኽእል እዩ።

እቲ ዚወርድ ዝነበረ ስቓይ፡ ደረጃታት ከም ዝነበሮ፡ ምሁራት ይገልጹ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ንዚሳቐ ሰብ ነቲ ናይ መሳቐዪ መሳርሒታት ምርኣይ፡ ጥራሕ ነብሱ ኸም ዚወጽእ ምግባር፡ ወይ ከኣ ምእሳር የጠቓልል ነበረ፣ በብደረጃኡ እናገደደ ዚኸይድ ኣካላዊ ስቓይ እውን ነበሮ። እቲ ንጋሊለዮ እተገብረሉ “ጽኑዕ መርመራ” ግና ክሳዕ ሕጂ ምስጢር እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ