ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 6/15 ገጽ 8-9
  • ንቓል ኪዳንካ ብኸመይ ከም እተደልድሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንቓል ኪዳንካ ብኸመይ ከም እተደልድሎ
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • 1 ቃል ኪዳን
    ንቕሑ!—2018
  • ንሓዳርካ ኸተደልድለሉ እትኽእል መገድታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣብ ቃል ኪዳን ምጽናዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ዕዉት ሓዳር ንምምስራት ምድላው
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 6/15 ገጽ 8-9
ሕጉሳት ሰብ ሓዳር ኣብ በረድ ኪጓዓዙ ኸለዉ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ንቓል ኪዳንካ ብኸመይ ከም እተደልድሎ

ጸገም

ኣብታ እተመርዓኻላ መዓልቲ፡ ቃል ኣቲኻ ኢኻ። እቲ ዝኣተኻዮ ቓል ድማ፡ ካብ መጻምድትኻ ኸም ዘይትፍለን ንዝዀነ ይኹን ዚልዓል ጸገማት ከም እትፈትሖን ዚገልጽ ኣብ ምሉእ ህይወትካ እትሕልዎ ቓል እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ምስ ሓዳር ዚተሓሓዝ ግጭት ነቲ ምስ መጻምድትኻ ዘሎካ ርክብ ይጐድኦ ይህሉ ይኸውን። እሞኸ እቲ ርክብካ ልክዕ ከምቲ ኽትምርዓዉ ኸለኹም ዝነበረ ድልዱል ድዩ ዘሎ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

መልህቕ ኣብ ዘለዋ ጃልባ ኾፍ ዝበሉ ሰብ ሓዳር

ቃል ኪዳን ልክዕ ከምቲ ንሓዳርካ ነቕ ከም ዘይብል ዚገብሮ መልህቕ እዩ

ቃል ኪዳንካ፡ መፍትሒ ጸገም ደኣ እምበር፡ ጠንቂ ጸገም ኣይኰነን። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ ቓል ኪዳን ኣወንታዊ ኣረኣእያ የብሎምን። ንቓል ኪዳን፡ ምስቲ ዝገበርካዮ ሕማቕ ውሳነ ኣሲሩ ዚሕዘካ መቝሕ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንስኻ ግና ንቓል ኪዳን፡ ከምቲ ንሓዳርካ ነቕ ከም ዘይብል ዚገብሮ መልህቕ ጌርካ ኽትርእዮ ኣሎካ። ሜገን ዝስማ ብዓልቲ ሓዳር፡ “ክትብኣስ ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ንቓል ኪዳንካ ምዝካርካ ግና፡ ንስኻ ንመጻምድትኻ፡ መጻምድትኻ ኸኣ ንዓኻ ሓዲጉካ ኸም ዘይከይድ እዩ ዜዘኻኽረካ” በለት።a ዋላ እውን ኣብ ሓዳርካ እተወሰነ ጸገም እንተ ሃለወ፡ ሓዳርካ ኸም ዘይፈርስ ትተኣማመን እንተ ዄንካ፡ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ከም መበገሲ ኪዀነካ ይኽእል እዩ።—“ቃል ኪዳንን ተኣማንነትን” እትብል ሳጹን ርአ።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ኣብ ሓዳርካ ጸገማት የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ ንቓል ኪዳንካ እተደልድለሉ እዋን ደኣ እምበር፡ ኣብ ሕቶ እተእትወሉ እዋን ኣይኰነን። ብኸመይ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል፧

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ኣረኣእያኻ መርምር። ሓዳር ግዜያዊ ዘይኰነስ፡ ነባሪ ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ኣብ መጻብቦ ዝኣተኻ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ድዩ ዚገብር ወይስ ብዝያዳ ኸም እትተኣማመን እዩ ዚገብረካ፧ ጸገማት ኪልዓል ከሎ፡ ቀልጢፉ ዚመጸልካ መፍትሒ፡ ምፍልላይ ድዩ፧ ቃል ኪዳንካ ምእንቲ ኺድልድል፡ ንሓዳር ከም ነባሪ ጥምረት ጌርካ ርኣዮ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማቴዎስ 19:6።

ኣተዓባብያኻ መርምር። ብዛዕባ ቓል ኪዳን ዘሎካ ኣረኣእያ፡ በቲ ኣብ ወለድኻ ዝረኣኻዮ ባህርይ ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ልያ ዝስማ ብዓልቲ ሓዳር፡ “ወለደይ ገና ቘልዓ ኸለኹ እዮም ተፋቲሖም፣ እቲ ንሳቶም ዘሕለፍዎ ነገራት ብዛዕባ ቓል ኪዳን ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኸየሕድረለይ ድማ እሰግእ እየ” በለት። ንሓዳርካ ኻብቲ ናይ ወለድኻ እተፈልየ ኽትገብሮ ኸም እትኽእል ተኣማመን። ንጌጋታት ወለድኻ ኽትደግሞ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ገላትያ 6:4, 5።

ኣዘራርባኻ መርምር። ምስ መጻምድትኻ ሓያል ቈየቛ እንተ ተላዒሉ፡ “ጠንጢነኪ ክኸይድ እየ” ወይ “ጽቡቕ ገይሩ ዚሕዘኒ ኻልእ ደኣ ኽረክብ” ብምባል፡ ደሓር ዜጣዕሰካ ነገራት ኣይትዛረብ። ከምዚ ዝበለ ዘረባ ንቓል ኪዳን ይጐድኦ እዩ፣ ነቲ ምስ መጻምድትኻ ዜቋይቘካ ዘሎ ጕዳይ ገዲፍካ፡ ኣብ ዘየድሊ ጸርፊ ኸም እትኣቱ ድማ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ጐዳኢ ዘረባ ኣብ ክንዲ እትዛረብ፡ “ክልቴና ሓሪቕና ምህላውና ኣየጠራጥርን እዩ። ብኸመይ ብሓባር ኴንና ነቲ ጸገም ክንፈትሖ ንኽእል፧” በል።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 12:18።

ቃል ኪዳንካ ኸም እተኽብር ዜርኢ ነገራት ግበር። ኣብ ቦታ ስራሕካ፡ ስእሊ መጻምድትኻ ኣቐምጥ። ብዛዕባ ሓዳርኩም ድማ ኣወንታዊ ነገራት ተዛረብ። ክትገይሽ ከለኻ፡ በብመዓልቱ ንመጻምድትኻ ደውለሉ። “ንሕና” ኢልካ ምዝራብ ኣዘውትር፣ “ኣነን ሰበይተይን” ወይ ከኣ “ኣነን ሰብኣየይን” ዚብል ሓረግ ድማ ተጠቐም። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንኻልኦት ኰነ ንገዛእ ርእስኻ፡ ቃል ኪዳንካ ኸም እትሕሉ ኢኻ እተዘኻኽር።

ጽቡቕ ኣርኣያ ዚዀኑኻ ሰባት ርኸብ። ኣብነት እቶም ንጸገማት ሓዳር ብዓወት ዝሰገርዎ ብሱላት ሰብ ሓዳር ስዓብ። “ቃል ኪዳን ንዓኻትኩም እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ ሓዳርኩም ዝሓገዘኩምከ ብኸመይ እዩ፧” ኢልካ ሕተቶም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ” ይብል። (ምሳሌ 27:17) እሞኸ ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ካብ ምኽሪ እቶም ዕዉት ሓዳር ዘለዎም ሰባት ንምንታይ ዘይትጥቀም፧

a ሓደ ብዓል ሓዳር ጾታዊ ርኽሰት እንተ ፈጺሙ፡ መጻምድቱ ኺፈትሖ ኸም ዚኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኣብዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ዝወጸት፡ “ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ—ዝሙት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።” —ማቴዎስ 19:6።

  • “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ።”—ገላትያ 6:5።

  • “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ፡ መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።” —ምሳሌ 12:18።

ቃል ኪዳንን ተኣማንነትን

“ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ንሓድሕድኩም እሙናት እንተ ዄንኩም፡ እቲ ሓዳርኩም ድልዱል ይኸውን። ብዛዕባ ዚመጽእ ኣዋርሕ ኰነ ዓመታት ክትሓስቡ ኸለኹም፡ እትፈላለዩ ዀይኑ ኣይስምዓኩምን። ምፍልላይ ዝብልዎ ነገር ፈጺምኩም ኣይትሓስብዎን፡ እዚ ኣረኣእያ እዚ ኸኣ ንሓዳርኩም የደልድሎ። ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር፡ ‘[ብበዓል ቤተይ] ኣጸቢቐ ክሓርቕ ከለኹ እውን ከይተረፈ: ንፈላለ ደዀን ንኸውን ኢለ ፈጺመ ኣይጭነቕን እየ፡ የግዳስ በቲ ዘጋጠመና ነገራት እየ ዝጕሂ። ናብ ቀደምና ብኸመይ ከም እንምለስ እየ ዝጭነቕ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዝኸውን ጥራይ እየ ዘይፈልጥ እምበር፡ ከም ቀደምና ኸም እንኸውን ዋላ ሓንቲ ምጥርጣር የብለይን’ በለት።”—ካብ ናይ 15 መስከረም 2003 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እተወስደ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ