ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 10/13 ገጽ 8-11
  • ገንዘብ ኪዕድጎ ዘይክእል ሰለስተ ነገራት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገንዘብ ኪዕድጎ ዘይክእል ሰለስተ ነገራት
  • ንቕሑ!—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
    ንቕሑ!—2015
  • ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ገንዘብ
    ንቕሑ!—2014
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 10/13 ገጽ 8-11

ገበር

ገንዘብ ኪዕድጎ ዘይክእል ሰለስተ ነገራት

ሰባት፡ ስራሖም፡ ቤቶም፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ጥሮታኦም ናይ ምስኣን ሓደጋ ኣጋጢምዎም ክነሱ፡ ገንዘብ ኪዕድጎ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ንምዕዳግ ሒዅ ዚብሉ ምዃኖም ኣዝዩ ዜገርም እዩ።

ከምዚኦም ዓይነት ሰባት፡ ብቐሊሉ ግዳያት እቶም ብመወዓውዒ ተጠቒሞም፡ ናይ ግድን ዝዓበየ ቤትን ዝጸበቐት ማኪናን ዜደንቕ ክዳውንትን ክትዕድግ ከም ዘሎካ ዚዛረቡ ነጋዶ እዮም ዚዀኑ። “ገንዘብ እሞ ኻበይ ይምጻእ፧” ኢልካ እንተ ሓተትካ፡ “ንሱ ደኣ እንታይ ጸገም ኣለዎ፣ ተለቂሕካ ኽትዕድግ ትኽእል ኢኻ” ዚብል ምላሽ ትረክብ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ጥሒሎም ክነሶም ተወሳኺ ነገራት ኪዕድጉ ዚጽዕሩ፡ ሃብታማት ከም ዝዀኑ ኼምስሉ ስለ ዚደልዩ እዮም።

ውዒሉ ሓዲሩ ግና፡ ክውንነት ልክዕ ከም ዘይጸዋዕካዮ ኸልቢ ኸተፍ እዩ ዚብል። እታ ዘ ናርሲሲዝም ኢፒደሚክ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ በለት፦ “ሃብታም ከም ዝዀንካ ንኸተምስል ኢልካ ተዓዲኻ ምዕዳግ፡ ስምዒትካ ንምምሕያሽ ኢልካ ኮኬይን ዚብሃል ሓሽሽ ከም ምውሳድ እዩ። ክልቲኡ ኣብ ፈለማ ዋጋኡ ሕሱርን ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ዚገብርን እኳ እንተ መሰለ፡ ንሓጺር እዋን ጥራይ እዩ ዚጸንሕ። ውዒሉ ሓዲሩ ግና፡ ጥር እትብል ሳንቲም ዘይብልካን ጭኑቕን እዩ ዚገብረካ።”

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መነባብሮኻ ርኣዩለይ ምባል” ዕሽነት ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:16) ከመይሲ፡ ስጋዊ ጥሪት ንምርካብ ሃነፍነፍ ምባል፡ ነቲ ኣብ ህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት፡ ማለት ነቲ ገንዘብ ኪዕድጎ ዘይክእል ነገራት ዕሽሽ ከም እንብሎ እዩ ዚገብረና። ሰለስተ ኣብነት እስከ ንርአ።

1. ሓድነት ስድራ ቤት

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ብሪያንa ዝስማ ጐርዞ፡ ኣቦኣ ሃሙን ቀልቡን ብስራሕን ብገንዘብን እተወስደ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ። “ዜድልየና ነገራት ኣሎና፣ አረ ኻብኡ ንላዕሊ እውን እዩ ዘሎና። ባባ ግና ኵሉ ሳዕ ስለ ዚገይሽ፡ ምሳና ብዙሕ ኣይጸንሕን እዩ። ብምኽንያት ስራሑ ኸም ዚገይሽ ይርድኣኒ እዩ፣ ከም ዚመስለኒ ግና፡ ምስ ስድራ ቤቱ ናይ ምዃን ሓላፍነት እውን ኣለዎ” በለት።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣቦ ብሪያን ጸኒሑ እንታይ ዜጣዕሶ ነገር እዩ ኼጋጥሞ ዚኽእል፧ ኣብ ስጋዊ ነገራት ምትኳሩ፡ ነቲ ምስ ጓሉ ዘለዎ ርክብ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ ስድራ ቤቱ ኻብ ገንዘብ ንላዕሊ ኻብኡ ዚደልይዎ ነገር እንታይ እዩ፧

ኪሕሰበሉ ዘለዎ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  • “ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት እዩ፣ ገሊኦም ነዚ እናተመጣጠሩ . . . ንርእሶም . . . ብብዙሕ ስቓይ ወጋግኡ።”—1 ጢሞቴዎስ 6:10።

  • “ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሐይሽ።”—ምሳሌ 15:17።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ሓድነት ስድራ ቤት ብገንዘብ ኪዕደግ ኣይክእልን እዩ። ሓድነት ስድራ ቤት ኪህሉ ዚኽእል፡ ምስ ስድራ ቤትካ ግዜ ኸተሕልፍ ከለኻ ኸምኡውን እኹል ፍቕሪ ኸተርእዮምን ኣቓልቦ ኽትገብረሎምን ከለኻ እዩ።—ቈሎሴ 3:18-21።

2. ናይ ሓቂ ድሕንነት

ጓል 17 ዓመት ዝዀነት ሳራ፡ “ኣደይ ኵሉ ሳዕ፡ ርኹብ ንዝዀነ ሰብኣይ ክምርዖ፡ ብገለ ምኽንያት ገንዘብ ሰብኣየይ እንተ ኣቋሪጹ ድማ፡ ንገዛእ ርእሰይ ኣለይ መለይ ምእንቲ ኽብል፡ ገለ ሞያ ኽምሃር እያ እትነግረኒ። ብኸመይ ገንዘብ ከም ዚርከብ ጥራይ እዩ ዜተሓሳስባ” በለት።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ብዛዕባ መጻኢ ኽትሓስብ ከለኻ፡ ዜተሓሳስበካ ነገር ኣሎዶ፧ እቲ ዜተሓሳስበካ ጕዳይ ደረቱ ሓሊፉ ናብ ኣመና ምሽቓል ዚቕየር መዓስ እዩ፧ ኣደ ሳራ፡ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ዜምጽኦ ድሕንነት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልዋ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ኪሕሰበሉ ዘለዎ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  • “ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ምራተ ኣብ ዜመርቶ፡ ሰረቕቲ ኸኣ ኣትዮም ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ኣብ ምድሪ መዝገብ ኣይትግበሩ።”—ማቴዎስ 6:19።

  • “ጽባሕ ህይወትኩም እንታይ ከም እትኸውን ኣይትፈልጡን ኢኹም።”—ያእቆብ 4:14።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ገንዘብ ምእካብ፡ ውሑስ መጻኢ ኸም ዚህልወካ ኣይገብርን እዩ። ከመይሲ፡ ገንዘብ ኪስረቕ ይኽእል እዩ፣ ንሕማም ወይ ንሞት ናይ ምጥፋእ ዓቕሚ እውን የብሉን። (መክብብ 7:12) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ድሕንነት ኪርከብ ዚከኣል፡ ንኣምላኽን ንዕላማኡን ብምፍላጥ ምዃኑ እዩ ዚምህር።—ዮሃንስ 17:3።

3. ዕግበት

ታንያ ዝስማ ጓል 24 ዓመት መንእሰይ፡ “ወለደይ፡ ቀሊል ህይወት ከም ዚህልወኒ ገይሮም እዮም ኣዕብዮምኒ። መሰረታዊ ነገራት ጥራይ እኳ እንተ ነበረና፡ ኣነን እታ ማንታይ ዝዀነት ሓብተይን፡ ሕጉሳት ኴንና ኢና ዓቢና” በለት።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ በቲ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ጥራይ ምዕጋብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ገንዘብ ኣብ ዘሎካ ኣረኣእያ፡ ንስድራ ቤትካ እንታይ ኣብነት ኢኻ እትዀኖም፧

ኪሕሰበሉ ዘለዎ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦

  • “ምግብን ክዳንን መጽለልን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኹን።”—1 ጢሞቴዎስ 6:8።

  • “መንፈሳውነት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ህይወት ኣብ ገንዘብን ኣብቲ ገንዘብ ዚዕድጎ ነገራትን ጥራይ እተመርኰሰት ኣይኰነትን። ከመይሲ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ።” (ሉቃስ 12:15) ብሓቂ እምበኣር፡ ኣብ ህይወትካ ዕግበት ክትረክብ እትኽእል፡ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ብምምላስ እዩ፦

  • ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧

  • ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበየና፧

  • ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየኒ ነገራት ከማልኦ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

እቶም ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንመልሲ እተን ሕቶታት ንኽትፈልጠን ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ገንዘብ፡ መፍትሕ ሓጐስ ድዩ፧

እታ ዘ ናርሲሲዝም ኢፒደሚክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ከምዚ በለት፦ “ብገምጋም ኪርአ ኸሎ፡ ፍቕረ ንዋይ ዘለዎም ሰባት፡ ሓጐሶም ሒደት፡ ጭንቀቶም ከኣ ብዙሕ እዩ። እቶም ዝያዳ ገንዘብ እንተ ዚረኽቡ ዚምነዩ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ይስእኑ እዮም፣ ከም ምሕርሓር ጐረሮን ቃንዛ ሕቘን ሕማም ርእስን ዝኣመሰለ ኣካላዊ ጸገማት እውን የጋጥሞም እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ኣልኮላዊ መስተ ናይ ምብዛሕን ሓሽሽ ናይ ምውሳድን ኣጋጣሚኦም ይውስኽ እዩ። ስለዚ፡ ደድሕሪ ገንዘብ ምጕያይ፡ ሕማቕ ናብራ ኸም እትነብር እዩ ዚገብረካ።”

“ናይ ኣረኣእያ ለውጢ”

“ኣብ 1960ታትን ኣብ መጀመርታ ሰብዓታትን ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ስለምንታይ ናብ ኮለጅ ከም ዚኣትዉ ኺሕተቱ ኸለዉ፡ መብዛሕትኦም፡ ‘ምሁር ንምዃን’ ወይ ‘ገለ ዓይነት ናይ ህይወት ፍልስፍና ንምምዕባል’ ዚብል ምላሽ እዮም ዚህቡ ነይሮም። ‘ገንዘብ ንምርካብ’ ዚብል ምኽንያት ዚህቡ ተመሃሮ፡ ኣዝዮም ሒደት እዮም ነይሮም። ካብ 1990ታት ንነጀው ግና፡ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ናብ ኮለጅ ዚኣትዉሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ‘ገንዘብ ንምርካብ’ ኰይኑ ኣሎ። . . . እዚ ኣብ ተመሃሮ ኮለጅ እተራእየ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ዚርአ ጭንቀትን ርእሰ ቕትለትን ካልእ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ኣዝዩ ዝወሰኸሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።”—ዘ ፕራይስ ኦቭ ፕሪቭለጅ፡ ብዶክተር ማድሊን ለቪን።

‘ሸመታ ልክዕ ከም ሕክምና’

ከምቲ ዶክተር ማድሊን ለቪን ዝገለጸቶ፡ ኣብዛ ስድራ ቤትን ማሕበረ ሰብን ቤተ ክርስትያንን ዝፈሸለላ ዓለም፡ ገንዘብ ምውጻእ፡ ንገሊኦም ሰባት ብእተወሰነ ደረጃ እውን እንተ ዀነ ምጽንናዕ ስለ ዜምጽኣሎም፡ ‘ሸመታ ልክዕ ከም ሕክምና’ ዀይኑ ኣሎ። ኣብታ ንሳ ዝጸሓፈታ ዘ ፕራይስ ኦቭ ፕሪቭለጅ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ከምዚ በለት፦ “ሸመታ ሓደ ኻብቲ ንኣከባቢና እንቈጻጸረሉ መገዲ እዩ። ኣብቲ ኣብ መንጎ ሸያጣይን ዓዳጋይን ዚግበር ዋኒን፡ ስልጣንን ሓይልን ዘሎና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና እዩ ዚገብር። . . . እዚ ስልጣንን ሓይልን እዚ፡ ሕልሚ ጥራይ እዩ። እቲ ቐንዲ ሓይሊ፡ ኣብ ኢድ ዓበይቲ ትካላትን ኣብ ኢድ እቶም በተን ትካላት ዚንቀሳቐሱ መወዓዋዕትን እዩ ዘሎ፣ እቶም መወዓዋዕቲ ድማ፡ ኣቕሓ ምዕዳግ ፍሉይ ሓይሊ ኸም ዚህቦም ንዓደግቲ ንኼእምንዎም እዩ ዚኽፈሎም።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ