ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 10/13 ገጽ 12-13
  • ብዛዕባ ትርግትያ ኽትፈልጦ ዚግብኣካ ነገራት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ ትርግትያ ኽትፈልጦ ዚግብኣካ ነገራት
  • ንቕሑ!—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዚሓምም
    ንቕሑ!—2015
  • ዕጉስ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ንቕሑ!—2013
g 10/13 ገጽ 12-13

ብዛዕባ ትርግትያ ኽትፈልጦ ዚግብኣካ ነገራት

ሓደ ፈታዊኻ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ወዲቑ ንበል። ኣካላቱ ተጨቢጡ ድማ፡ ርእሱን መሓውሩን ኪንፍርፈር ይጅምር። እቲ ፈታዊኻ፡ ትርግትያ (ወይ ሕማም ምንፍርፋር) ከም ዘለዎ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ኽሳዕ ዚመጹ፡ ብዚግባእ ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ሰባት ብጌጋ ዚርድእዎ ሕማም እስከ ገለ መሰረታዊ ሓቅታት ንርአ።

ትርግትያ እንታይ እዩ፧ ትርግትያ፡ ንሓጺር እዋን ዚጸንሕ ምንፍርፋር ዜስዕብ ምስ ሓንጎል ዚተሓሓዝ ሕማም እዩ። እቲ ምንፍርፋር ንሓሙሽተ ደቒቕ እውን እንተ ዀነ ኣይጸንሕን እዩ። እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነት፡ እቲ መብዛሕትኡ እዋን ግራንድ ማል ሲዥየር ዚብሃል ብርቱዕ ዓይነት ምንፍርፋር እዩ።

ጠንቂ እቲ ምንፍርፋር እንታይ እዩ፧ ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ፡ ኣብ መንጎ ዋህዮታት ሓንጎል ዘይተለምደ ግናኸ ሓያል ኤለክትሪካዊ ንዝረት ኪህሉ ኸሎ እዩ ምንፍርፋር ዜጋጥም። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዜጋጥም ግና ንጹር ኣይኰነን።

ሓደ ትርግትያ ዘለዎ ሰብ ኣዝዩ ኺንፍርፈር ከሎ እንተ ርእየ፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ብረይን ኤንድ ብረይን ዲስኦርደር (ኢንሳይክሎፔድያ ሓንጎልን ሕማም ሓንጎልን) ከም ዝገለጾ፡ “ተዓዘብቲ፡ እቲ ሰብ ምንፍርፋሩ ኽሳዕ ዚውድእ ኪጽበይዎ ኣለዎም፣ እቲ ሰብ ኣካላዊ ጕድኣት እንተ ኣጋጢምዎ ወይ ከኣ ኬስተንፍስ ይኽእል እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ነገር ኪገብሩ የብሎምን።” ብኻልእ ሸነኽ ግና፡ እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝሓበሮ፡ “እቲ ምንፍርፋር ካብ ሓሙሽተ ደቒቕ ንላዕሊ እንተ ወሲዱ፡ እቲ ምንፍርፋር ብተኸታታሊ እንተ ኣጋጢሙ፡ ወይ ከኣ እቲ ምንፍርፋር ምስ ተዛዘመ፡ እቲ ሰብ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ እንደገና ሃለዋቱ እንተ ዘይፈሊጡ፡ ኣምቡላንስ ክትጽውዕ ኣሎካ።”

እቲ ሕሙም ኪንፍርፈር ከሎ፡ ብኸመይ ክሕግዞ እኽእል፧ ልስሉስ ነገር ጌርካ ርእሱ ኣተርእሶ፣ ኣብቲ ኸባቢ በሊሕ ነገራት እንተ ኣልዩ ድማ፡ ካብ ከባቢ ርእሱ ኣርሕቆ። እቲ ምንፍርፋር ምስ ተዛዘመ፡ ነቲ ሕሙም ከምቲ ኣብ ገጽ 13 ዚርአ ዘሎ ጌርካ፡ ብጐድኑ ኸም ዚግምሰስ ግበር።

እቲ ሕሙም ሃለዋቱ ምስ ፈለጠ፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧ ፈለማ፡ “ኣጆኻ!” ብምባል ኣጸናንዓዮ። ድሕሪኡ፡ ደው ንኺብል ሓግዞ እሞ፡ ዜድሊ ዕረፍቲ ኺረኽበሉ ናብ ዚኽእል ቦታ ውሰዶ። መብዛሕትኦም ሕሙማት፡ ድሕሪ እቲ ምንፍርፋር ይደናገሩን ይፈዝዙን እዮም፣ ገሊኦም ግና፡ ቀልጢፎም ሃለዋቶም ኪፈልጡን ናብ ንቡር ኪምለሱን ይኽእሉ እዮም።

ኵሎም እቶም ትርግትያ ዘለዎም ሰባት፡ ይንፍርፈሩ ድዮም፧ ኣይፋሎምን። ገሊኦም ሕሙማት እሞ ኸኣ፡ ንግዜኡ ጥራይ እዮም ሃለዋቶም ዜጥፍኡ እምበር፡ ኣይወድቁን እዮም። እዚ ኸኣ ፐቲ ማል ሲዥየር (ምንፍርፋር ዘይብሉ ትርግትያ) እዩ ዚብሃል፣ ንሓጺር ግዜ ዚጸንሕን ነዊሕ ሳዕቤን ዘይብሉን ድማ እዩ። ገሊኦም ሰባት ግና፡ ንነዊሕ ግዜ ዚጸንሕ ፐቲ ማል ሲዥየር የጋጥሞም እዩ፣ እዚ ድማ ንነዊሕ ደቓይቕ እዩ ዚጸንሕ። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ እቲ ሕሙም ኣብቲ ኽፍሊ ይዘውርን ንኽዳኑ ይጐትቶን ዘይተለምደ ባህርይ የርእን እዩ። ድሕሪ እቲ ምንፍርፋር ከኣ፡ ጽርውርው ኪብሎ ይኽእል እዩ።

ምስ ትርግትያ ምንባር ከመይ ይመስል፧ ብዙሓት ትርግትያ ዘለዎም ሰባት፡ መዓስን ኣበይን ከም ዜንፈርፍሮም ዘይምፍላጦም ወትሩ የፍርሆም እዩ። ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኸይዋረዱ ድማ፡ ካብቲ ሰብ ዚበዝሖ ቦታታት ይርሕቁ እዮም።

ትርግትያ ንዘለዎ ሰብ ብኸመይ ክድግፎ እኽእል፧ ስምዒቱ ኣውጺኡ ንኺዛረብ ኣተባብዓዮ። ጽን ኢልካ ድማ ስምዓዮ። ምንፍርፋር ኬጋጥሞ ኸሎ፡ እንታይ ክትገብረሉ ኸም ዚደሊ ሕተቶ። ብዙሓት ትርግትያ ዘለዎም ሰባት ማኪና ስለ ዘይዝውሩ፡ ብማኪና ኽትወስዶ ወይ ከኣ ክትለኣኾ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ምንፍርፋር ክትንክዮ ወይ ክትከላኸሎ ይከኣል ድዩ፧ ከም ውጥረትን ድቃስ ምስኣንን ዝኣመሰለ ገሊኡ ረቛሒታት፡ ምንፍርፋር ብዝያዳ ኸም ዜጋጥም ኪገብር ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ምሁራት ነቶም ትርግትያ ዘለዎም ሰባት፡ ብግቡእ ብምዕራፍን ኣካላዊ ምውስዋስ ብምግባርን ውጥረቶም ኪንክዩ የተባብዕዎም እዮም። ሓድሓደ እዋን እውን፡ መድሃኒት ነቲ ምንፍርፋር ኣብ ምክልኻል ኣዝዩ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ሰሎ ዝስሙ መንእሰይ፡ ትርግትያ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ኺምሃር ኣይከኣለን። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ከይተማህረን ንሕማሙ ንኺቈጻጸሮ ዜኽእሎ ሕክምና ኸይረኸበን ዓበየ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርዳእ ይደሊ ነበረ፣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ሓገዝዎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰሎ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኦ ኣብ ርእሲ ምሕጋዞም፡ ብኸመይ ከም ዜንብብ እውን መሃርዎ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ሓኪም ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ንሰሎ፡ መድሃኒትን ካብ መንግስቲ ዚውሃብ ገንዘባዊ ሓገዝን ከም ዚረክብ ገበረ። ሰሎ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ፈቃራት ክርስትያናት እዮም” በለ፣ ሕጂ ንባዕሉ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ፣ ንኻልኦት ሰባት ከኣ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሕማም ዘይህልወላ ሓዳስ ዓለም ይነግሮም ኣሎ።—ራእይ 21:3-5።

ግብራዊ ሓገዝ

ምንፍርፋር ምስ ኣቋረጸ . . .

  • ኣብ ጥቓ እቲ ሕሙም ተምበርከኽ፣ ድሕሪኡ፡ ንሓንቲ ኢድ እቲ ሕሙም ኣብ ኵርናዕ ኢዱ ብምዕጻፍ፡ ዝባን ኢዱ ኣብ ባይታ ኸም ዚዓርፍ ግበር

  • ነታ ኻልአይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ትሕቲ ምዕጕርቱ ግበራ

  • በቲ ሓደ ኢድካ ጌርካ፡ ንብርኪ እቲ ሕሙም ናባኻ ሸነኽ ስሓባ፣ ቀስ ጌርካ ድማ ኣዙሮ። ንብርኪ እቲ ሕሙም ናብ ቅድሚ ሰብነቱ ብምስሓብ፡ ኣብቲ ባይታ ኸም ዚዓርፍ ግበር

  • እቲ ሕሙም ብዘይ ገለ ጸገም ምእንቲ ኼስተንፍስ፡ ንርእሱ ቝሩብ ቅንዕ ኣብሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ