ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 9/13 ገጽ 14-15
  • ዠንግ ሆ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዠንግ ሆ
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓይልን ንግድን ግብርን
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2013
  • ኣብ ባሕሪ ዚመላለሳ ‘መራኽብ ኪቲም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ምትንሳእን ምውዳቕን “መራኽብ ተርሲስ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሚስዮናውያን ናብ ምብራቕ ክሳዕ ኣበይ ኪኸዱ ይኽእሉ ነይሮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ንቕሑ!—2013
g 9/13 ገጽ 14-15

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ዠንግ ሆ ዠንግ ሆ

“ኣብ ልዕሊ ሰፊሕ ማያት፡ ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሊa ተጓዒዝና፣ ክንዲ እምባ ዚኸውን ማዕበላት ውቅያኖስ፡ ክሳብ ሰማይ በጺሑ ኺምለስ ከሎ ርኢና፣ ጋንጽላታትና ልክዕ ከም ደበና ብዘይምቍራጽ ለይትን ቀትርን ተገቲሩ፡ ከም (ቅልጡፍ) ኰዀብን ብማእከል ኣደባባይ ንኸይድ ከም ዘሎና ብዚመስል መገድን ነቲ ጨካን ማዕበላት እናሰንጠቕና፡ . . . ክሳብ እቲ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዚርከብ ዞባታት እቶም ዘይስልጡናት ወጻእተኛታት በጺሕና።”—ንኽብሪ ዠንግ ሆ ተባሂሉ እተሰርሐ፡ ኣብ ቻንግሊ፡ ፉጂያን፡ ቻይና ዚርከብ ኣብ መበል 15 ዘመን ዝነበረ ቕርጺ።

ቻይና ዓበይቲ ነገራት ዘለዋ ሃገር እያ። ዝበዝሐ ብዝሒ ህዝብን ዝሰፍሐ መሬትን ድማ ኣለዋ። ተቐማጦኣ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ መንደቕ ሃኒጾም እዮም። ንሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት፡ ክንዲ እተን ዮንሊን ሱኣንዲን ዝስሞም ሃጸያት ስርወ ንግስነት ሚንግ ዝነበራኦም ዓይነት ዓበይቲ መራኽብ ብሓንሳእ ዝኣከበ ኣይነበረን። መራሒ እተን መራኽብ ድማ፡ እቲ ኻብ ደቡባዊ ምዕራብ ቻይና ዝመጸ፡ ዠንግ ሆ ዝስሙ ሰዓቢ እምነት ምስልምና እዩ ነይሩ።

ሓይልን ንግድን ግብርን

እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት እተወስዶ ቕርጺ፡ ብዛዕባ ተልእኾ ዠንግ ሆ ይገልጽ እዩ፣ “እቲ (ሃጸያዊ ግዝኣት) ዜርእዮ ሕያውነት፡ ነቶም ተገዛእቲ ስርወ ንግስነት ሚንግ ዚዀኑ ሰባት፡ ዝበለጸ ናብራ ኼምጽኣሎም ከም ዚኽእል ንምርኣይን ነቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ ሰባት ብለውሃት ንምሓዝን” ምዃኑ ድማ እዩ ዚሕብር። ኣብቲ ቕርጺ ኸም እተገልጸ፡ ብምኽንያት እቲ እተገብረ ጕዕዞ፡ “ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታትን ኣብ መወዳእታ ምድርን ዚርከባ ሃገራት፡ ተገዛእቲ [ቻይና] ዀና፣ . . . እቶም ክንዮ ባሕርታት ዘለዉ ዘይስልጡናት ወጻእተኛታት እውን፡ . . . ክቡር ነገራትን ህያባትን ሒዞም ብምምጻእ፡ ኣብ [ሃጸያዊ ቤተ መንግስቲ] ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀረቡ።”

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ካርታ]

ገለ ኻብቲ መራኽብ ዠንግ ሆ ዝበጽሓኦ ወደባት

‘ሃጸያት ስርወ ንግስነት ሚንግ፡ ነቲ ጕዕዞ ዝወደብዎ ስለምንታይ እዮም፧’ ዚብል ሕቶ፡ ዜከራኽር ጕዳይ እዩ። ገሊኦም ሰባት ንዠንግ ሆ ኸም ንሓደ ሓያል ግናኸ ሰላማዊ ህዝቢ ዚውክል ኣምባሳደር ባህልን ሕውነታዊ ርክብን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ገሊኦም ሰባት ከኣ፡ ተልእኾ ዠንግ ሆ፡ ንኻልኦት ሃገራት ብፖለቲካዊ መዳይ ብሓይሊ ንምቍጽጻር ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ሓቂ እዩ፡ ዠንግ ሆ ነቶም ብፍሽሑው ገጽ ዚቕበልዎ መራሕቲ፡ ዜደንቕ ህያባት ይህቦምን ፖለቲካዊ ደገፍ ይገብረሎምን እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ከም ዘይግዝኡ ዚገልጹን ንሃጸይ ስርወ ንግስነት ሚንግ ግብሪ ዘይከፍሉን ግና፡ ብሓይሊ ብምምብርካኽ ይማርኾም ነይሩ እዩ። ብምኽንያት እቲ ዠንግ ሆ ዚገብሮ ዝነበረ ዜደንቕ ጕዕዞታት፡ ኣብ ከባቢ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝነበሩ ብዙሓት መራሕቲ፡ ናብ ቻይና ኣምባሳደራት ብምልኣኽ፡ ንሃጸይ ቻይና ዘለዎም ኣኽብሮት ገሊጾም እዮም።

ዝዀነ ዀይኑ፡ እተን ብዠንግ ሆ ዚምርሓ ዝነበራ መራኽብ፡ ኣብ ርሑቕ ወደባት ንዚግበር ንግዲ ዚኸውን ብኽኢላታት ስርወ ንግስነት ሚንግ እተሰርሐ መወዳድርቲ ዘይብሉ ብበርንቸ እተለኽየ ኽቡር ስራሓት ዕንጨይትን ካይላን ሃርን ጽዒነን ነበራ። ኪምለሳ ኸለዋ ድማ፡ ቻይናውያን ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ኽቡር ኣእማንን ስኒ ሓርማዝን ቀመማትን ትሮፒካዊ ኣዕጻውን ካልእ ንብረት ምሾትን ሒዘን ይመጻ ነበራ፣ ሓደ እዋን እሞ ኸኣ ዘራፍ ሒዘን ናብ ቻይና ምስ ተመልሳ፡ እታ ዘራፍ ብዙሕ ኣዘራሪባ ነበረት። እዚ ናይ ንብረትን ሓሳባትን ልውውጥ፡ ዓለም ነቲ ኣብ መበል 15 ዘመን ዝነበረ ስልጣነ ቻይና ብእተወሰነ ደረጃ ንኽትርእዮ ኣጋጣሚ ኸፊቱ እዩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ዜደንቕ ጕዕዞታት ኣይቀጸለን። ካብቲ ዠንግ ሆ ዝገበሮ ጕዕዞታት ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑ፡ ቻይና ንንግዲ ወጻእን ንዲፕሎማስን ዝባና ሃበቶ። ክንዮ ዶባት ቻይና ምኻድ ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ዚኣምን ሓድሽ ሃጸይን ሰዓብቲ ኮንፊሸስ ዝዀኑ ኣማኸርቱን፡ ነታ ሃገር ካብ ጽልዋ ወጻኢ ሃገራት ኬግልልዋ ፈተኑ። እተን ክቡር ሃብቲ ሒዘን ዚመላለሳ ዝነበራ መራኽብ ከም ዚርስዓ ንምግባር፡ ነቲ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ጕዕዞታት ዚገልጽ ጸብጻባት፡ እንተላይ ነተን መራኽብ ኣጥፍእወን። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ቻይና ዚርከቡ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ዠንግ ሆ በተን ዓበይቲ መራኽብ ገይሩ ብባሕሪ እተጓዕዘሉ ዜደንቕ መዋእል ዝፈለጡ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን እዮም።

a ሊ ቻይናውያን ዚጥቀሙሉ መዐቀኒ ዀይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ንውሓቱ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚግለጽ ነይሩ። ብግዜ ዠንግ ሆ ግና፡ ሓደ ሊ ብገምጋም ፍርቂ ኪሎ ሜተር እዩ ነይሩ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • እተን ብዠንግ ሆ ዚምርሓ መራኽብ ስርወ ንግስነት ሚንግ፡ ኣብ መንጎ 1405 ክሳዕ 1433 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሸውዓተ ዜደንቕ ጕዕዞ ገይረን እየን።

  • እተን መራኽብ ምናልባት 200 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን፣ ቀረብን ማይን እተጻዕና፡ ንውግእን ንመመላለሲ ኣፍራስን ከምኡ ንዝኣመሰለ ኻልእ ነገራት ድማ ዜገልግላ እየን ነይረን። ልዕሊ 27,000 መርከበኛታትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ሰራዊትን ነጋዶን ሰራሕተኛታት ጽገናን ካልኦት ሰባትን ድማ እየን ዜጐዓዕዛ ነይረን።

  • ክሳዕ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ልክዕ ከም ናይ ዠንግ ሆ ዝብዝሐን መራኽብ ብሓንሳእ ዝኣከበት ሃገር ኣይነበረትን። ዠንግ ሆ ኣብ ርሑቕ ምብራቕን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ክሳብ ዝነበረ ወደባትን ክሳብ ምብራቕ ኣፍሪቃን በጺሑ እዩ።

  • ምስ ዠንግ ሆ ዝነበሩ ሰለስተ ታሕተዎት ሰበ ስልጣን፡ ብዛዕባ እቲ ጕዕዞ ዚገልጽ ብዓይኖም ዝመስከርዎ ነናቶም ጸብጻባት ጽሒፎም እዮም።

ግዝፍን ብዝሕን እተን ክቡር ሃብቲ ዝጸዓና መራኽብ ዠንግ ሆ

ካብ ስርወ ንግስነት ሚንግ እተረኽበ ታሪኻዊ መዛግብቲ ኸም ዚሕብሮ፡ እተን ክቡር ሃብቲ ጽዒነን ዝነበራ መራኽብ ዠንግ ሆ፡ ኣዝየን ገዘፍቲ፡ ማለት 136 ሜተር ዝንውሓተንን 56 ሜተር ዝግፍሐንን እየን ነይረን። ምሁራት፡ ልዕሊ 90 ሜተር ዝንውሓተን ብዕንጨይቲ እተሰርሓን ብጋንጽላ ዚንቀሳቐሳን መራኽብ፡ ቅርጸን ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ገይሮም ስለ ዝሓስቡ፡ እቲ ብዛዕባ መራኽብ ዠንግ ሆ ዚገልጽ ኣሃዛት ኣጠራጣርን ንኸተረጋግጾ ዚኸብድን ኰይኑ እዩ ዚስምዖም።

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እተጻሕፈት ሓንቲ ዓንቀጽ፡ “ኵሉ ሓበሬታታት፡ እቲ ብዛዕባ ግዝፊ እተን መራኽብ ዚገልጽ ጸብጻባት ከም እተጋነነ እዩ ዚሕብር። እተን መራኽብ ካብ 60-75 ሜተር ዝንውሓተን እንተ ዚዀና ነይረን፡ ይወሓጠልካ እዩ፣ 135 ሜተር ግና ንምቕባሉ ዜጸግም እዩ” በለት። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ መበል 15 ዘመን ልዕሊ 60 ሜተር ዝንውሓተን መራኽብ ምርኣይ መስተንክር እዩ ነይሩ፣ ዠንግ ሆ ድማ 62 ዚዀና ኽንድኡ ዝንውሓተን መራኽብ ነበራኦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ