ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 9/13 ገጽ 16
  • ክንቲት ኢምፐረር ፐንጒን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክንቲት ኢምፐረር ፐንጒን
  • ንቕሑ!—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2013
  • ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ኣብ ቢዛንትዩም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ናይ መጀመርያ ክርስትናን መንግስትን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ንቕሑ!—2013
g 9/13 ገጽ 16

ተነዲፉ ድዩ፧

ክንቲት ኢምፐረር ፐንጒን

ኢምፐረር ፐንጒን፡ ኣብ ውሽጢ ማይ ብዜደንቕ ናህሪ ኺጓዓዝን ዘሊሉ ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ በረድ ኪዓልብን ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

ክንቲት ኢምፐረር ፐንጒን

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኢምፐረር ፐንጒን ኣብ ክንቲቱ ኣየር ይሕዝ እዩ። ከምኡ ምግባሩ፡ ካብ ክቱር ቍሪ ይከላኸለሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናህሩ ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ዕጽፊ ኸም ዚውስኽ እውን ይገብር እዩ። ብኸመይ፧ ብዛዕባ ስነ ህይወት ባሕሪ መጽናዕቲ ዚገብሩ ሰባት ከም ዚገልጽዎ፡ ኢምፐረር ፐንጒን ከምኡ ኺገብር ዚኽእል፡ ካብ መንጎ ኽንቲቱ ንኣሽቱ ዓፍራታት ኣየር ብምውጻእ እዩ። እዚ ዓፍራታት እዚ ኺወጽእ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ጽፍሒ ኽንቲቱ ዘሎ ፍሕፍሐ ይንክዮ፣ እዚ ኸኣ ብናህሪ ንኺውንጨፍ ይሕግዞ።

እቲ ዜገርም፡ መሃንድሳት፡ ዓፍራታት ተጠቒሞም ነቲ ኣብ ኣካል መርከብ ዚፍጠር ፍሕፍሐ ብምንካይ፡ ፈጣናት መራኽብ ኪሰርሑሉ ዚኽእሉ መገድታት ኬጽንዑ ጸኒሖም እዮም። ይኹን እምበር፡ ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ፡ ዝያዳ መጽናዕቲ ምግባር ኣጸጋሚ እዩ፣ ከመይሲ፡ “ክንቲት ፐንጒን ሕልኽልኽ ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ቐዲሕካ ብዙሕ ዝነዃላቱ ኣርተፊሻል ሽፋን ወይ መርበብ ምስራሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።”

እንታይ ይመስለካ፧ ክንቲት ኢምፐረር ፐንጒን ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ