ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 1/13 ገጽ 14-15
  • ገነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገነት
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገነት እንታይ እያ፧
  • ገነት ኣበይ እያ ዘላ፧
  • ኣብ ገነት ዚነብሩ መን እዮም፧
  • እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ገነት ኣበይ ትርከብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “ኣብ ገነት የራኽበና!”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • ገነት ኣብ ምድሪ—ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 1/13 ገጽ 14-15

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ገነት

ገነት እንታይ እያ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ንገነት ከም ጽውጽዋይ ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ቅኑዓት ሰባት ንዘለኣለም ዚነብሩላ፡ ዜሐጕስን ጠቓምን ዕዮ ድማ ዚዓይዩላ ምልክዕቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸም ዝዀነት እዮም ዚኣምኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

እታ “ገነት” እትብል ቃል፡ ነታ ናይ መጀመርታ መንበሪት ደቂ ሰብ ዝነበረት ገነት ኤድን ንምምልካት ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ኣላ። (ዘፍጥረት 2:7-15) መጽሓፍ ቅዱስ ንገነት ኤድን፡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሕማምን ሞትን ናጻ ዀይኖም ዚነብሩላ ዝነበሩ ናይ ሓቂ ቦታ ኸም ዝዀነት ገይሩ እዩ ዚገልጻ። (ዘፍጥረት 1:27, 28) እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዝዎ ግና፡ ካብታ ገነት ዝዀነት ቤቶም ተሰጕጉ። ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቂ ሰብ ኣብታ ኣብ መጻኢ እትምለስ ገነት ከም ዚነብሩ ይገልጽ እዩ።

ንዓኻ ኼገድሰካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ፈቃር ስለ ዝዀነ፡ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ኣብ ገነት ጽቡቕ ህይወት ከም ዚነብሩ ብምግባር ዓስቦም ኪህቦም እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሰባት ስምረቱ ንኺረኽቡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ይሕብሮም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ፍልጠት ብምጥራይን ትእዛዛቱ ብምሕላውን ስምረት ኣምላኽ ክትረክብ ከም እትኽእል ይገልጽ እዩ።—ዮሃንስ 17:3፣ 1 ዮሃንስ 5:3።

“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ . . . ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ።”—ዘፍጥረት 2:8።

ገነት ኣበይ እያ ዘላ፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ገነት ኣብ ሰማይ ዘላ እዩ ዚመስሎም፣ ገሊኣቶም ከኣ፡ ኣብ መጻኢ፡ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን እዮም ዚኣምኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

እታ ንደቂ ሰብ እተዳለወትሎም ናይ መጀመርታ ገነት፡ ኣብ ምድሪ እያ ነይራ። ኣምላኽ ንምድሪ፡ ንሓዋሩ መንበሪት ደቂ ሰብ ከም እትኸውን ገይሩ እዩ ነዲፍዋ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ንዘለኣለም ከም እትቕጽል ገይሩ ኸም ዝሰርሓ እዩ ዚገልጽ። (መዝሙር 104:5) “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፡ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም” እውን ይብል እዩ።—መዝሙር 115:16።

በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ እንደገና ገነት ከም እትኸውን ዚመባጻዕ። ኣብዛ ገነት እዚኣ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ኪባርኾም እዩ። ሰላምን ስኒትን ኪሰፍን፡ ስቓይን መከራን ከኣ ኪጠፍእ እዩ። ሽዑ ሰባት ብባህርያዊ ጽባቐ እዛ ምድርና ምሉእ ብምሉእ እናተሓጐሱ ኺነብሩ እዮም።—ኢሳይያስ 65:21-23።

“እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ . . . ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4።

ኣብ ገነት ዚነብሩ መን እዮም፧

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ብዙሓት ሃይማኖታት፡ ቅኑዓት ሰባት ጥራይ ኣብ ገነት ከም ዚነብሩ እኳ እንተ መሃራ፡ ትርጕም እታ “ቕኑዓት” እትብል ቃል ግና ኣደናጋሪ እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ምክፋልን ንማለቱ ጸሎት ምድግጋምን እኹል ከም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን” ኣብ ገነት ከም ዚነብሩ እዩ ዚምህር። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጻድቕ ዚቝጸር መን እዩ፧ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዕሽሽ እናበሎ ኽነሱ፡ ኣብ ጽምብላት ሃይማኖቱ ዚካፈል ሰብ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ . . . ይበልጽ” ይብል። (1 ሳሙኤል 15:22) ስለዚ፡ እቶም ኣብ ገነት ንዘለኣለም ዚነብሩ “ጻድቃን፡” እቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትእዛዛት ኣምላኽ ዚሕልውዎ ሰባት እዮም።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ንትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ካብ ምክፋል ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። ኣብ መዓልታዊ ኣካይዳኻ፡ ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ወይ ከተጕህዮ ትኽእል ኢኻ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ብምምርማር፡ ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እተሐጕሶ ኽትምሃር ትኽእል ኢኻ። ንዕኡ ምሕጓስ ከኣ ከቢድ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን” እዩ ዚብል። (1 ዮሃንስ 5:3) ኣምላኽ፡ ናብ ገነት ከም እትኣቱ ብምግባር ዓስቢ ተኣዛዝነትካ ኺህበካ ይህንጠ እዩ።

“ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፥ ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29፡ ትርጕም 1990።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ