ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 1/13 ገጽ 12-13
  • ናብ ካመሩን እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ካመሩን እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2013
ንቕሑ!—2013
g 1/13 ገጽ 12-13

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ካመሩን እተገብረ ምብጻሕ

ናይ መጀመርታ ተቐማጦ ካመሩን፡ እቶም ባካ ወይ ፒግሚ ዚብሃሉ ሓጸርቲ ሰባት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ፡ ብ1500ታት ፖርቱጋላውያን መጹ። ኣማእታት ዓመታት ጸኒሑ ድማ፡ እቶም ፉላኒ ዚብሃሉ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና፡ ንሰሜናዊ ካመሩን ተቘጻጸርዎ። ሎሚ ኻብ ተቐማጦ ካመሩን እቶም 40 ሚእታዊት ክርስትያን ከም ዝዀኑ እዮም ዚዛረቡ፣ 20 ሚእታዊት ከኣ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እዮም፣ እቶም ዝተረፉ 40 ሚእታዊት ከኣ ባህላዊ ሃይማኖታት ኣፍሪቃ እዮም ዚስዕቡ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ባሳ ዚብሃል ኣብ ካመሩን ዚዝረብ ቋንቋ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣሕቲሞም እዮም

እቶም ኣብ ከባቢ ገጠር ዚነብሩ ሰባት፡ ተቐበልቲ ኣጋይሽ እዮም። ናብ ቤቶም ንዚመጽእ ጋሻ ብፍሽሑው ገጽ ተቐቢሎም እኽለ ማይ ይቕርቡሉ። ነቲ እቲ ብዓል ቤት ዚገብረልካ ነገራት ዘይምቕባል ከም ንዕቀት ጌርካ እዩ ዚርአ፣ ነቲ ዚግበረልካ ነገራት ምቕባል ከኣ ከም ኣኽብሮት ጌርካ እዩ ዚርአ።

ዕላል ዚጅመር፡ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ ቤትን ብዛዕባ ድሕንነቶምን ብምሕታት እዩ። ብዛዕባ ዅነታት ማሎም ምሕታት እውን ልሙድ እዩ። ሓደ ጆሴፍ ዚብሃል ወዲ ካመሩን ከምዚ በለ፦ “ጋሻ ኻብ ቤት ወጺኡ ኪኸይድ ከሎ፡ ‘ደሓን ኩን’ ምባል ጥራይ እኹል ኣይኰነን። መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ብዓል ቤት ነቲ ጋሻ ኽሳብ ፍርቂ መገዲ እናኣዕለለ የፋንዎ እዩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ጋሻ ተሰናቢቱ ናብ ቤቱ ይምለስ። ከምዚ ዘይተገብረሉ ጋሻ፡ ዘይተኸብረ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ።”

ኣብ ሩባ ሳናጋ ታንኳታት ምርኣይ ልሙድ እዩ። ጋንጽላአን ድማ ብዝዀነ ይኹን ነገር እዩ ዚስራሕ

ሓድሓደ ግዜ ኣብ እዋን ምግቢ፡ ፈተውቲ ብሓባር ኰይኖም ብኢዶም ካብ ሓደ ሸሓኒ ይበልዑ እዮም። እዚ ባህሊ እዚ ኣብ ካመሩን ከም ምልክት ሓድነት ጌርካ እዩ ዚርአ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ልምዲ እዚ ነቶም ብገለ ምኽንያት ዕርክነቶም እተበላሸወ ሰባት ንምትዕራቕ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብሓባር መኣዲ ምብላዕ፡ “ሕጂ ተዓሪቕና ኢና” ኸም ምባል እዩ።

እቶም ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ካመሩን ኣብ ልዕሊ 300 ጉባኤታት ተወዲቦም፡ ዳርጋ 65,000 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ

ሓጺር ሓበሬታ

ቍመት መብዛሕትኦም ዝባጽሑ ፒግሚ፡ ካብ ሜትሮን ዕስራን ክሳዕ ሜትሮን ኣርብዓን ክልተን እዩ

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ ዳርጋ 20 ሚልዮን

  • ርእሰ ኸተማ፦ ያውንደ

  • ኵነታት ኣየር፦ ሰሜናዊ ኽፋል ሃሩርን ደረቕን ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ዳህሪ

  • ዝመልኦ እዩ ሰደድ፦ ዘይቲ፡ ካካዎ፡ ቡን፡ ጡጥ፡ ዕንጨይቲ፡ ኣሉሚነም

  • ቋንቋ፦ እንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን፡ እንተላይ ኣስታት 270 ዚኸውን ቋንቋታትን ላህጃታትን ኣፍሪቃ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ