ህዝብታት ሕጂውን ኣይመሃሩን ኢዮም ዘለዉ
“ሰባት ካብ ታሪኽ ክማሃሩ እንተ ዝኽእሉ: ኣየ ኸመይ ዝበለ ትምህርቲ ምቐሰምና ኔርና! ስምዒታውነትን [ፖለቲካዊ ] ሰልፍታትን ነዒንትና ስለ ዘዐወሮ ግን እቲ ኻብ ተመክሮ እነጥርዮ ፍልጠት ከምታ ኣብ ድሕሪት መርከብ እተንጠልጠለት ነቲ ዝሓለፍካዮ ማዕበል ጥራይ እተብርህ ፋኑስ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ።”—ሳሙኤል ተይለር ኮሊሪጅ
ነዚ ሳሙኤል ኮሊሪጅ ዝበሃል እንግሊዛዊ ገጣሚ ዝሃቦ ሓሳባት ትሰማምዓሉ ዲኻ፧ ነቲ ዝሓለፉ ወለዶታት ዝፈጸምዎ ጌጋታት እናደገምናዮ ኽነስና ብስምዒት ብምዕዋርና ምርኣዩ ስኢንናዶ ዀን ንኸውን፧
ውግእ መስቀላውያን
ንኣብነት ነቲ ውግእ መስቀላውያን ኣብ እተገብረሉ ግዜ እተፈጸመ ነገራት እስከ ንርአ። ብ1095 ከ.ኣ.ዘ. ጳጳስ ኡርባን ካልኣይ “ንክርስትያናት” ነታ ቅድስቲ ሃገር ካብ እስላም ንኸምልስዋ ተማሕጸንዎም። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኡርባን ካልኣይ ዝነበሩ ነገስታት: ሹመኛታት: ፈረሰኛታት: ከምኡውን ተራ ሰባት ነቲ ጻውዒት ምላሽ ሃቡ። ሓደ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝበሎ: ካብቲ “ብሕጊ ክርስቶስ ዝመላለስ ህዝቢ” ብኡንብኡ ደገፉ ንምሃብ ዘይተጓየየ ኣይነበረን።
ጸሓፊት ታሪኽ ዞይ ኦልደንበር: ዝበዝሑ መስቀላውያን “ናብቲ ውግእ መስቀላውያን ብምዝማቶም ንኣምላኽ ብቐጥታ የገልግልዎ ኸም ዘለዉ ይኣምኑ ነበሩ” በለት። ንገዛእ ርእሶም “ንደቂ ድያብሎስ ዝድምስሱ መላእኽቲ” ገይሮም ይርእይዋ ምንባሮም እውን ገሊጻ ኣላ። ብራያን ሞይናሃን ዝበሃል ጸሓፊ እውን “ኵሎም ኣብቲ ውግእ ዝሞቱ ነቲ ሰማእታት ኣብ ሰማይ ዝረኽብዎ ኣኽሊል ከም ዝረኽቡ” ይኣምኑ ምንባሮም ጽሒፉ ኣሎ።
ምናልባት እቶም መስቀላውያን: ጸላእቶም እውን ተመሳሳሊ እምነት ከም ዝነበሮም ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም። ጀይ. ኤም. ሮበርትስ ዝበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ኣብታ ሾርተር ሂስትሪ ኦቭ ዘ ዎርልድ ዘርእስታ መጽሓፉ: እቶም ወተሃደራት እስላም እውን ንኣምላኽ ይቃለሱ ኸም ዘለዉ ከምኡውን “ኣብ ውግእ ምስቶም ዘይኣመንቲ ኽዋግኡ ኸለዉ እንተ ሞይቶም ብቐጥታ ናብ ገነት ከም ዝኣትዉ” ይኣምኑ ምንባሮም ገለጸ።
ክልቲኦም ሸነኽ ስምረትን በረኸትን ኣምላኽ ዘለዎ ፍትሓዊ ውግእ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ገይሮም ኢዮም ወሲዶምዎ። ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን መራሕቲ ድማ ነዚ እምነታትን ስምዒታትን ተገዛእቶም ኣጐሃሃርዎ። ክልቲኣቶም ወገን ከኣ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ፈጸሙ።
እንታይ ዓይነት ሰባት ኢዮም እዚ ዝገበሩ፧
እዚ ዘስካሕክሕ ነገራት ዝፈጸሙ እንታይ ዓይነት ሰባት ኢዮም ነይሮም፧ ካብዞም ሎሚ ዘለዉ ብዙሕ ዘይፍለዩ ተራ ሰባት ኢዮም ነይሮም። ካብዚኣቶም ዝበዝሑ ምእንቲ መትከሎም ኢሎም ከምኡውን ነቲ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ጌጋ ንምእራም ካብ ዝነበሮም ባህጊ ኸም እተለዓዓሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ውዕዉዕ ስምዒት ስለ ዝነበሮም “ፍትሒ” ንምምጻእ ኣብ ዝገበርዎ ቓልሲ: ኣብቲ ውግእ እተገብረሉ ሃገራት ንዝነብሩ ሓያሎ መሳኪን ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ሕጻናት ግፍዕን ስቓይን መከራን ብምውራድ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከም ዝፈጸሙ ኣየስተውዓልዎን።
እዚ ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ እንርእዮ ዘሎና ጕዳይ ደይኰነን፧ ኣብ ሰባት ጽልዋ ናይ ምግባር ክእለት ዘለዎም መራሕቲ ምስቶም ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን ተጻረርቶም ኣረመናውን ባርባራውን ውግእ ንኽገብሩ ነቶም ክፉእ ሓሳብ ዘይነበሮም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሓፋሽ ብተደጋጋሚ ኣየለዓዓልዎምንዶ ኢዮም፧ ክልተ ተጻባእቲ ወገናት ንውግእ ብምንቅስቓሶምን ኣምላኽ ኣብ ጐድንና ኢዩ ዘሎ ብምባሎምን ነቲ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ተጻባኢኦም ንምጭፍላቕ ቅቡል ምኽንያት ኰይኑ ኢዩ። እዚ ሜላ እዚ እቶም ጨቈንቲ ገዛእቲ ንረብሓኦም ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ሜላ ኢዩ። ሞይናሃን እዚ ሜላ እዚ “ልክዕ ከምቲ ውግእ መስቀላውያን ንምብራዕ ዝጠቐመ: ነቶም ብግዜ ናዚ እተገብረ ጃምላዊ ቕትለትን ኣብዚ ግዜና እተፈጸመ ዓሌታዊ ምጽራይን ዘበገሱ ሰባት እውን ከም ዝጠቐሞም” ሓበረ።
‘እንተዀነ ግን: ሕጂ ብዝያዳ ስለ ዝሰልጠንና: ወራዙት ሰባት በዚ ኸምዚ ኣይታለሉን ኢዮም’ ትብል ትኸውን። ልክዕ ኢዩ: ከምኡ ኢዩ ክኸውን ዝግባእ። ይኹን እምበር: ሰባት ብሓቅዶ ኻብ ታሪኽ ተማሂሮም ኢዮም፧ ነዚ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ምልስ ኢሉ ድሕሪ ምርኣይ: ኣፉ መሊኡ ሰባት ካብ ጌጋታቶም ተማሂሮም ኢዮም ክብል ዝደፍር መን ኢዩ፧
ቀዳማይ ውግእ ዓለም
እቲ መስቀላውያን ዝገበርዎ ጌጋ ኣብዚ ግዜና እውን ተደጊሙ ኢዩ። ከም ኣብነት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ክንወስድ ንኽእል ኢና። ብዛዕባዚ ሮበርትስ ከምዚ በለ:- “ሓደ ካብቲ ብ1914 ዝነበረ ግርምቢጥ ዝዀነ ነገር ካብ ኵሉ ሰልፍታትን እምነታትን ዓሌታትን ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት: ብዘገርም መገዲ ፈትዮምን ተሓጒሶምን ናብ ውግእ ምእታዎም ኢዩ።”
ብዙሓት ሰባት “ፈትዮምን ተሓጒሶምን ናብ ውግእ” ዝኸዱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ: ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ብፍታዎም ናብ ውግእ ዝኸዱ ሰባት: ናይቲ ግዜ እቲ ፍልስፍናታት ዘምጽኦ ስርዓታትን እምነታትን ስለ ዝነበሮም ኢዩ። ገሊኣቶም ናጽነትን ፍትሕን ምርካብ ዝብል ኣምር ከለዓዕሎም ከሎ: ብዙሓት ግን ሃገሮም ካብ ካልኦት ሃገራት ትበልጽ ዝብል ትዕቢት ዝመልኦ ኣረኣእያ: ድራኸ ኸም ዝገበረሎም ኣየጠራጥርን ኢዩ።
እዞም ሰባት እዚኣቶም ውግእ ኣብ ውሽጥና ዝሰረጸን ዘይተርፍን ክፍሊ ተፈጥሮ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኣሚኖም ኢዮም። ፊል ዊልያምስ ዝበሃል ጸሓፊ እቲ ሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ከም ዝበልጽ ዝገልጽ ፍልስፍና ዳርዊን “ነቶም ብህይወት ንምንባር ብቑዓት ዘይኰኑ ዓሌት ንኸጥፍኡዎም” ምኽንያት ከም ዝዀኖም ገሊጹ ኣሎ።
ኵላቶም እቲ ምኽንያቶም ፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ ነይሮም። እዚ ግን እንታይ ኣስዓበ፧ ከምቲ እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ማርቲን ጊልበርት ዝገለጾ: ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም “መንግስታት ናይ ዓሌትነት: ሓርበኛነት: ከምኡውን ናይ ወተሃደራዊ ትብዓት ጥሩምባ ነፍሓ:” ብዙሓት ሰባት ከኣ ዓይኖም ዓሚቶም ሰዓብወን። ጆን ከነት ጋልብረይዝ ዝበሃል ናይ ስነ-ቍጠባ ምሁር እቲ ውግእ ክግበር ከሎ ኣብ ገጠራት ካናዳ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት “ብዛዕባ ዕሽነት ናይቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝግበር ዝነበረ ውግእ” ይዛረቡ ምንባሮም ገለጸ። “መስተውዓልቲ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ጽሉላት ኣይገብሩን ኢዮም” ይብሉ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ንሳቶም እውን ካብዚ ኣየምለጡን። እንታይ ሳዕቤንከ ነበሮ፧ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝሞቱ ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ወተሃደራት: 60,000 ዝዀኑ ካናዳወያን ይርከብዎም ነበሩ።
ሕጂውን ኣይተማህሩን
ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ዕስራ ዓመታት ፋሽስትን ናዝን ስልጣን ምስ ሓዙ ተመሳሳሊ መንፈስ ክርአ ጀመረ። ፋሽስት “ንስምዒት ሰባት ንምልዕዓል: ነቲ ናይ ጥንቲ ኣርማታቶምን ናይ ፈጠራ ታሪኻቶምን ከም እተጠቕሙ” ሂዩ ፑርሰል ጽሒፉ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ እተጠቕሙሉ ሓያል መሳርሒታት ሰራዊቶም በረኸት ኣምላኽ ክረክብ ብምጽላይ: ሃይማኖትን ፖለቲካን ምትሕንፋጽ ኢዩ።
ኣዶልፍ ሂትለር ሓደ ኻብቶም “ኣብ ሓፋሽ ጽልዋ ብምሕዳርን ብምምዳርን ዝመጸ ክኢላ” ዝነበረ ኢዩ። ዲክ ጌሪ ኣብታ ሂትለር ኤንድ ናዚዝም ዘርእስታ መጽሓፉ: ሂትለር ልክዕ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ለመጭ መራሕቲ: ‘ሓፋሽ ብኣእምሮኡ ዘይኰነስ ብስምዒቱ ኸም ዝምራሕ ይኣምን ምንባሩ’ ገሊጹ ኣሎ። በቲ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረ ንኣቓልቦ ሰባት ናብ ናይ ሓባር ጸላኢ ናይ ምጥዋይ ሜላ ገይሩ ኸኣ ነዚ ድኹም ጐድኒ ሰባት መዝመዞ። ፑርሰል ነቲ “ፍርህን ቂምን ጀርመናውያን ናብ ኣይሁድ ከም ዘተኵር ገበሮ” በለ። ሂትለር ‘ኣይሁድ ንሃገርና ጀርመን ዘበላሸዉ ኢዮም’ ብምባል ኣጸለሞም።
እቲ ዘሕዝን ግን: ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ጥዑያት ዝመስሉ ሰባት ብቐሊሉ ተለዓዒሎም ጃምላዊ ቕትለት ፈጺሞም ኢዮም። “ዜጋታት ናይታ ስልጥንቲ እትበሃል ሃገር: ጸዋራት ኣብ ክንዲ ምዃን ነቲ መንግስቲ ናዚ ዘምጽኦ ዘስካሕክሕ ባርባራዊ ተግባር ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ ኸመይ ኢሎም ኢዮም፧” ብምባል ጌሪ ሓቲቱ ኢዩ። አረ “ስልጥንቲ” ጥራይ ዘይኰነትስ ናይ ክርስትያናት ሃገር እውን ኢያ እትበሃል! እቲ ሓፋሽ ነዚ ኽፍጽም ዝኸኣለ ኻብ ትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ ንላዕሊ ፍልስፍናታትን ውዲታትን ሰባት ስለ ዝመረጸ ኢዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው እውን ኣየ ክንደይ ጥዑያት ዝበሃሉ ሰብኡትን ኣንስትን ኢዮም ብሰባት ተመሪሖም ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝፈጸሙ!
ጊዮርግ ሄገል ዝበሃል ጀርመናዊ ፈላስፋ “ካብ ሕሉፍ ተመክሮን ታሪኽን እንመሃሮ ነገር እንተ ሃልዩ: ህዝብታት ኰነ መንግስታት ካብ ታሪኽ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይተማህሩ ወይ ነቲ ዝረኽብዎ ትምህርቲ ኸም ዘይዓየዩሉ ኢዩ” በለ። ብዙሓት ምስቲ ሄገል ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ፍልስፍና ኣይሰማምዑን ይዀኑ: ምስዚ ሓሳባት እዚ ዘይሰማምዑ ግን ዳርጋ የለዉን። እቲ ዘሕዝን ከኣ ሰባት ካብ ታሪኽ ናይ ምምሃር ጸገም ዘለዎም ኢዮም ዝመስሉ። እንተዀነ ግን: እዚ ማለት ንስኻውን ካብ ታሪኽ ክትመሃር ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት ድዩ፧
ርግጽ ኢዩ: ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመታት ከነወግድ እንተደኣ ዄንና: ካብቲ ወትሩ ኣበር ዘይሰኣኖ ሰብኣዊ ፍልስፍና ዝሓሸ መምርሒ ከድልየና ኢዩ። ሰብኣዊ ፍልስፍና ንየው እንተደኣ ኢልናዮ ግን ብምንታይ ኢና ኽንምራሕ ዘሎና፧ ውግእ መስቀላውያን ቅድሚ ምብርዑ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመታት ኣቐዲሙ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ኣነባብራ ከመይ ምዃኑ ኣርእዮም ኢዮም። እዚ ኸኣ እቲ እንኮ ጥዑይ ኣነባብራ ኢዩ። ኣብቲ ብግዜኦም ዝነበረ ደማዊ ውግእ ኢዶም ንኸየእትዉ እንታይ ከም ዝገበሩ እስከ ንመርምር። እንተዀነ ግን: ሃገራት ካብዚ ትምህርቲ ብምውሳድ ሰላም ከምጽኣዶ ኢየን፧ ሃገራት ዝገብርኦ ብዘየገድስ: ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ጸበባ ደቅሰብ መወዳእታ ምእንቲ ኽገብረሉ እንታይ መፍትሒ ኢዩ ኸምጽእ፧
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ውግኣት ባርባራዊ ተግባርን መከራን ተራእዩ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ላዕሊ:- ብውግእ ኣብ ዝዓነወ ከባቢ ዝነብሩ ስደተኛታት
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ስልጡናት ዝበሃሉ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ዓመጽ ክካፈሉ ዝኸኣሉ ኸመይ ኢሎም ኢዮም፧
[ምንጪ ስእሊ]
Rwandan refugees: UN PHOTO 186788/J. Isaac;
collapse of World Trade Center: AP Photo/Amy Sancetta