ብዙሕ ትምህርቲ እኳ እንተ ሃለወ ለውጢ ግን ወይከ
“ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብስነ-ፍልጠት ዝመጸ ዓወታት እኳ እንተ ተረኽበ: ወድሰብ ግን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሽሕ ዓመታት ብዙሕ ለውጢ ኣይገበረን፣ ስለዚ ሕጂውን ካብ ታሪኽ ንኽንመሃር ጻዕሪ ኻብ ምግባር ዓዲ ኽንውዕል የብልናን።”—ከነት ክላርክ: ሲቪላይዜሽን—ኤ ፐርሰናል ቪው
ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዘደንቕ ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለታት ከም እተገበረ ኣየተሓታትትን ኢዩ። መጽሔት ታይም: እዚ ምዕባለታት እዚ “ንሚልዮናት ሰባት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ ኸም ዝህልወና” ምግባሩ ገሊጻ ኣላ። ገለ ኻብቲ ዓብዪ ምዕባለ እተራእየሉ ዓውዲ ሕክምና ኢዩ። ጸሓፊት ታሪኽ ዞይ ኦልደንበር ኣብ ማእከላይ ዘመን “ሕክምና ድሑር” ምንባሩ ትገልጽ እሞ: ኣስዕብ ኣቢላውን “ሓካይም ማዕረ እቶም ዘሕውይዎም: ይቐትሉ ነበሩ” በለት።
ወትሩ ኣይኰኑን ክመሃሩ ዝደልዩ
ሰባት ወትሩ ኣይኰኑን ክመሃሩ ዝደልዩ። ንኣብነት: ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ብዙሓት ሓካይም ካብ ሓደ ሕሙም ናብ ካልእ ሕሙም ሕማም የመሓላልፉ ኸም ዘለዉ ንዝሕብር መርትዖ ዕሽሽ ይብልዎ ስለ ዝነበሩ: ናብ ካልእ ሕሙም ቅድሚ ምኻዶም እውን ኣእዳዎም ኣይሕጸቡን ነበሩ።
ይኹን እምበር: ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጅን እናማዕበለ ኢዩ ኸይዱ። ሰባት እውን ኣብ ዓለም ዝያዳ ሓጐስን ድሕንነትን ብኸመይ ከም ዘምጽኡ: ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ክማሃሩ ነይርዎም። እንተዀነ ግን: ደቅሰብ ካብ ታሪኽ ኣይመሃሩን ኢዮም ዘለዉ።
ኣውሮጳ ኣብ መበል 17 ዘመን ዝነበረቶ ዅነታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቲ እዋን እቲ ናይ ፍልጠትን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን መዋእል ኢዩ ዝበሃል። እንተዀነ ግን: ከምቲ ከነት ክላርክ ዝበሎ “ኣብ ስነ-ጥበብን ስነ-ፍልጠትን ሓለፍ ዝበለ ዘደንቕ ፈጠራታት” እኳ እንተ ተራእየ: “መወዳድርቲ ዘይብሉ ጭከና እተራእየሉ ዓይኒ ዘይብሉ መስጐጕትን ዘስካሕክሕ ውግኣትን ይካየድ ነበረ።”
ኣብዚ ግዜና እውን ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ዝመሃሩ ብዙሓት የለዉን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ወድሰብ ካብ ገጽ እዛ ምድሪ ኸይጠፍእ የስግእ ኣሎ። ጆሰፍ ኒድሃም ዝበሃል ጸሓፊ እዚ ዅነታት እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ዀይኑ ስለ ዘሎ: ‘እቶም ጥሩፋት ነቲ ንህይወት ካብ ገጽ ምድሪ ዘጥፍእ መሳርሒታት ከይጥቀሙሉ ጥራይ ኢና ተስፋ ኽንገብርን ክንጽልን እንኽእል’ በለ።
ወድሰብ ምስዚ ዅሉ ብልሑን ፍልጠቱን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዓመጽን ጭካነን ከጥፍኦ ዘይከኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዚ ዅነታት ይልወጥዶ ዀን ይኸውን፧ እዘን ስዒበን ዘለዋ ኽልተ ዓንቀጻት ነዚ ሕቶታት መልሲ ኽህባሉ ኢየን።